ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወለዲ

ወለዲ

ገለ ኻብቲ የሆዋ ንመውስቦ ዘቘመሉ ምኽንያታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

ወለዲ ብዛዕባ ደቆም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧

መዝ 127:3-5፣ 128:3

ውሉዳት፣ ቈልዑ” እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 33:4, 5—ያእቆብ ንደቁ፡ ካብ የሆዋ ኸም እተዋህብዎ በረኸት ገይሩ ይርእዮም ነበረ

    • ዘጸ 1:15, 16, 22፣ 2:1-4፣ 6:20—ዓምራምን ዮካቤድን ንሙሴ ወለድዎ፣ ንዕኡ ንምዕቋብ ድማ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእተዉ

ወለዲ ምስ ደቆም ብዚተሓሓዝ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧

ዘዳ 6:6, 7፣ 11:18, 19፣ ምሳ 22:6፣ 2ቈረ 12:14፣ 1ጢሞ 5:8

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 1:1-4—ኤልቃና ንስድራ ቤቱ ናብቲ ኣብ ሺሎ ዚብዓል በዓላት ሒዝዎም ይኸይድ ነበረ፣ ኵሎም ውሉዳቱ ኣብቲ በዓል ከም ዚሳተፉ ይገብር ነበረ

    • ሉቃ 2:39, 41—ዮሴፍን ማርያምን ፋስጋ ንምብዓል፡ ምስ ደቆም ካብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም ይጕዓዙ ነበሩ

ንውሉዳት ብመገዲ የሆዋ ምስልጣን እንታይ ጥቕምታት የምጽእ፧

ምሳ 1:8, 9፣ 22:6

2ጢሞ 3:14, 15 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 2:18-21, 26፣ 3:19—ወለዲ ሳሙኤል ንወዶም ኣብ ማሕደር ኬገልግል ወፈይዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣዘውቲሮም ይበጽሕዎን ዜድልዮ ይማልኡሉን ነበሩ፣ ንሱ ምስ ዓበየ ኸኣ፡ ጽቡቕ መንፈሳውነት ኣማዕበለ

    • ሉቃ 2:51, 52—የሱስ ዘይፍጹማት ወለዲ እኳ እንተ ነበርዎ፡ ይእዘዞም ነበረ

ወለዲ ንደቆም ንምዕባይ ዚኸውን መምርሒ ኻበይ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

ዘዳ 6:4-9፣ ኤፌ 6:4፣ 2ጢሞ 3:14-17

መዝ 127:1፣ ምሳ 16:3 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መሳ 13:2-8—ማኖኣ ሰበይቱ ብተኣምራዊ መገዲ ወዲ ኸም እትወልድ ምስ ተነግሮ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ውሉዱ ተወሳኺ መምርሒ ሓተተ

    • መዝ 78:3-8—የሆዋ ንወለዲ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠቶም ንደቆም ኬካፍሉ ይደልዮም

ውሉድ ንኣምላኽ ኣብ ዜፍቅሩ ስድራ ቤት ዓብዩ ኽነሱ፡ ስለምንታይ እዩ ንየሆዋ ዘይምግልጋል ኪሓሪ ዚኽእል፧

ህዝ 18:1-13, 20

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 6:1-5፣ ይሁ 6—ብዙሓት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝዀኑ ደቂ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስኡ ንነዊሕ እዋን ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ደሓር ግና ዓለዉ

    • 1ሳሙ 8:1-3—ሳሙኤል እሙንን ጻድቕን ነብዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ደቁ ግና መታለልትን ብልሹዋትን ኰኑ

ወለዲ ንደቆም ካብ መዓስ ኣትሒዞም እዮም መገድታት ኣምላኽ ኪምህርዎም ዘለዎም፧

2ጢሞ 3:15

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 29:10-12, 29፣ 31:12፣ እዝ 10:1—እስራኤላውያን ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ምእንቲ ኺምሃሩ ኢሎም ኣብ ዚገብርዎ ኣኼባ፡  ቈልዑ እውን ይእከቡ ነበሩ

    • ሉቃ 2:41-52—ዮሴፍን ማርያምን ናብቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚብዓል ፋስጋ ንየሱስን ንኻልኦት ደቆምን ሒዞም ይኸዱ ነበሩ

ወለዲ ንደቆም ካብቶም ጕድኣት ኬውርዱሎም ዚኽእሉ ሰባት ብዛዕባ ምዕቋብ እንታይ ኣብነት እዮም ኪስዕቡ ዘለዎም፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 19:4፣ ዘዳ 32:11, 12—የሆዋ ንገዛእ ርእሱ፡ ንጨቓዊቱ ምስ ዚስከምን ምስ ዜዕቍብን ምስ ዚከናኸንን ንስሪ ኣመሳሰለ

    • ኢሳ 49:15—የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚገብረሎም ሓልዮትን ዕቝባን ካብቲ እተጥቡ ኣደ ንሕጻና ዘለዋ ርሕራሐ ኸም ዚበልጽ ገለጸ

    • ማቴ 2:1-16—ሰይጣን ንኣረማውያን ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብቲ እኩይ ንጉስ ሄሮድስ ብምምራሕ፡ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ኪቐትሎ ፈተነ፣ የሆዋ ግና ንዮሴፍ፡ ንስድራኡ ሒዙ ናብ ግብጺ ኪኸይድ መምርሒ ብምሃብ፡ ንወዱ ኣዕቈቦ

    • ማቴ 23:37—የሱስ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ዘለዎ ድሌት፡ ምስቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክበሉ መገዲ ኣመሳሰሎ

ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ኪምህርዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሌ 15:2, 3, 16, 18, 19፣ ዘዳ 31:10-13—ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ብግልጺ ተጻሒፉ ይርከብ፣ የሆዋ ድማ እቲ ሕጊ ኺንበብ ከሎ፡ ቈልዑ እውን ኪሰምዑ መምርሒ ሂቡ ነበረ

    • መዝ 139:13-16—ዳዊት እቲ ዘማሪ ንየሆዋ ስለቲ መስተንክር ንድፊ ሰብነትና፡ እንተላይ ስለቲ ናይ ምፍራይ ክእለትና ወደሶ

    • ምሳ 2:10-15—ካብ የሆዋ ዚርከብ ፍልጠትን ጥበብን፡ ካብ ጽዩቓትን መታለልትን ኬዕቍበና ይኽእል

ተግሳጽ ብፍቕሪ ኺውሃብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ምሳ 13:24፣ 29:17፣ ኤር 30:11፣ ኤፌ 6:4

መዝ 25:8፣ 145:9፣ ቈሎ 3:21 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 32:1-5—ንጉስ ዳዊት፡ እቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ ተግሳጽ ከቢድዎ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ነቶም ብሓቂ ዚንስሑ ይቕረ ኸም ዚብለሎም ብምፍላጡ ግና እፎይታ ተሰምዖ

    • ዮና 4:1-11—ነብዪ ዮናስ ንየሆዋ ብቝጥዓን ኣኽብሮት ብዝጐደሎ መገድን እኳ እንተ ተዛረቦ፡ የሆዋ ግና ብትዕግስቲ ብዛዕባ ምሕረት መሃሮ

ተግሳጽ መግለጺ ፍቕሪ እዩ ዚብሃል ስለምንታይ እዩ፧