ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስጐጕቲ

መስጐጕቲ

ክርስትያናት ንመስጐጕቲ ዚጽበይዎ ስለምንታይ እዮም፧

መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽጋዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 55:22፣ 2ቈረ 12:9, 10፣ 2ጢሞ 4:16-18፣ እብ 13:6

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 19:1-18—ነብዪ ኤልያስ ኣደዳ መስጐጕቲ ምስ ኰነ፡ ልቡ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰ፡ ካብ የሆዋ ድማ መተባብዕን መጸናንዕን ተዋህቦ

    • ግብ 7:9-15—ዮሴፍ ካብ ኣሕዋቱ መስጐጕቲ ወረዶ፣ የሆዋ ግና ንዕኡ እሙን ኰነሉ፡ ካብ መከራኡ ኣናገፎ፡ ንስድራ ቤቱ ንምድሓን እውን ተጠቕመሉ

እንታይ ዓይነት መስጐጕቲ ኣሎ፧

ሃሳዪ ዘረባ

2ዜና 36:16፣ ማቴ 5:11፣ ግብ 19:9፣ 1ጴጥ 4:4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 18:17-35—እቲ ኣፈኛ ንጉስ ኣሶር ኰይኑ እተላእከ ራብሳቀ ንየሆዋ ጸረፎ፡ ንህዝቢ እስራኤል እውን ኣባጨወሎም

    • ሉቃ 22:63-65፣ 23:35-37—የሱስ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋንን ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋንን፡ እቶም ሰጐጕቱ ይጸርፍዎን የላግጹሉን ነበሩ

ካብ ቤተ ሰብ ዚመጽእ ተቓውሞ

ማእሰርትን ኣብ ቅድሚ ሰበ ስልጣን ምቕራብን

ኣካላዊ ማህሰይቲ

መጥቃዕቲ ጭፍራ

ቅትለት

ክርስትያናት ኣደዳ መስጐጕቲ ኪዀኑ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

ማቴ 5:44፣ ግብ 16:25፣ 1ቈረ 4:12, 13፣ 1ጴጥ 2:23

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 7:57–8:1—እስጢፋኖስ ካብ ጭፍራ ሰባት ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ኣብ ኣፍ ሞት ምስ በጽሐ፡ ምእንቲ እቶም ሰጐጕቱ ኻብ ኣምላኽ ምሕረት ለመነ፣ ሓደ ኻብቶም ሰጐጕቱ ሳውል ብዓል ጠርሴስ ነበረ

    • ግብ 16:22-34—ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ተገርፈን ኣብ ጕንዲ ምስ ተኣስረን፡ ነቲ ሓላው እሱራት ለውሃሉ፣ ድሕርዚ፡ እቲ ሓላው እሱራትን ብዘለዉ ቤተ ሰቡን ኣመንቲ ዀኑ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

ብዛዕባ መስጐጕቲ እንታይ ኣረኣእያ ኢና ኽንሕዝ ዘሎና፧

ኣብ እዋን መስጐጕቲ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ዜበርትዓና ብኸመይ እዩ፧

ብሰንኪ መስጐጕቲ ዘይንሓፍር፡ ዘይንፈርህ፡ ወይ ተስፋ ዘይንቘርጽ ስለምንታይ ኢና፧ ንየሆዋ ምግልጋል ዘይነቋርጽከ ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 56:1-4፣ ግብ 4:18-20፣ 2ጢሞ 1:8, 12

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 32:1-22—ንጉስ ሰናክሪብ ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ ኣንጻር ይሁዳ ምስ መጸ፡ ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ የሆዋ ተወከለ፡ ንህዝቡ እውን ኣበርትዖም፣ በዚ ኸምዚ፡ ዓብዪ ዓስቢ ረኸበ

    • እብ 12:1-3—ሰጐጕቲ ንየሱስ ኬዋርድዎ ደለዩ፣ ንሱ ግና በቲ ዝወረዶ ተስፋ ስለ ዘይቈረጸ፡ ሕፍረት ነዓቐ

ካብ መስጐጕቲ እንታይ ጽቡቕ ነገር ኪርከብ ይከኣል፧

ተጻዋርነትና ንየሆዋ ባህ ኬብሎ፡ ንስሙ እውን ክብሪ ኼምጽኣሉ ይኽእል እዩ

1ጴጥ 2:19, 20፣ 4:12-16

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 1:6-22፣ 2:1-10—እዮብ ጠንቂ ፈተናታቱ ሰይጣን ምዃኑ ይፈልጥ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ንየሆዋ እሙን ኰነ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንኣምላኽ ኣኽበሮ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ድማ መረጋገጺ ሃበ

    • ዳን 1:6, 7፣ 3:8-30—ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን (ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን) ትእዛዝ የሆዋ ኻብ ምጥሓስ ዜስካሕክሕ ሞት ሓረዩ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ኣረማዊ ዝዀነ ንጉስ ነቡካድነጻር ንየሆዋ ኣሞገሶ

መስጐጕቲ ንተወሳኺ ምስክርነት መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ

ሉቃ 21:12, 13፣ ግብ 8:1, 4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 11:19-21—ብመስጐጕቲ ፋሕ ዝበሉ ክርስትያናት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኹ

    • ፊል 1:12, 13—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ማእሰርቱ ነቲ ብስራት ንምስፋሕ ኣበርክቶ ብምግባሩ ባህ በሎ

ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ እንተ ተጻዊርና፡ ንክርስትያናት ብጾትና ኸነበርትዖም ንኽእል ኢና

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ እሙናት ኣገልገልቲ መስጐጕቲ ዜውርዱ መን እዮም፧

ኤር 26:11፣ ማር 3:6፣ ዮሃ 11:47, 48, 53፣ ግብ 25:1-3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 19:24-29—ኣብ ኤፌሶን፡ እቶም ንኣሽቱ መቕደስ ኣርጤምስ ዚሸጡ ሰባት ነቲ ክርስትያናት ዚሰብክዎ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዚጻረር መልእኽቲ፡ ንረብሓኦም ዚትንኪ ገይሮም ረኣይዎ፣ ስለዚ፡ ንክርስትያናት ስጐጕዎም

    • ገላ 1:13, 14—ጳውሎስ (ሳውል) ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ብዛዕባ ኣይሁድነት ሃይማኖታዊ ቕንኣት ነበሮ፣ ስለዚ፡ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ሰጐጓ

ቈስቋሲ እቲ ኣብ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚወርድ መስጐጕቲ መን እዩ፧