ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸሎት

ጸሎት

የሆዋ ጸሎት ከም ዚሰምዕን ከም ዚምልስን ብኸመይ ንፈልጥ፧

መዝ 65:2፣ 145:18፣ 1ዮሃ 5:14

መዝ 66:19፣ ግብ 10:31፣ እብ 5:7 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 18:36-38—ነብዪ ኤልያስ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ጸሎት ምስ ኣቕረበ፡ የሆዋ ብቕልጡፍ መለሰሉ

    • ማቴ 7:7-11—የሱስ ብጸሎት ክንጸንዕ መተባብዒ ድሕሪ ምሃቡ፡ የሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ መጠን ከም ዚሰምዓና መረጋገጺ ሃበ

ክርስትያናት ናብ መን ጥራይ እዮም ኪጽልዩ ዘለዎም፧

ብስም መን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

ናይ መን ጸሎት እዩ የሆዋ ዚሰምዕ፧

ናይ መን ጸሎት እዩ የሆዋ ዘይሰምዕ፧

ምሳ 15:29፣ 28:9፣ ኢሳ 1:15፣ ሚክ 3:4፣ ያእ 4:3፣ 1ጴጥ 3:7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እያ 24:9, 10—በላዓም ዘቕረቦ ልማኖ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ብምንባሩ፡ የሆዋ ኣይሰምዖን

    • ኢሳ 1:15-17—እስራኤላውያን ግቡዛትን ብደም ገበነኛታትን ብምንባሮም፡ የሆዋ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን

ኣብ መደምደምታ ጸሎት እንታይ ኢና እንብል፧ ስለምንታይከ፧

ክንጽሊ ኸለና ሓደ ፍሉይ ኣቃውማ ኺህልወና ኸም ዚግባእሲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር ድዩ፧

ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ብዛዕባ እንታይ ኪጽልዩ ይኽእሉ፧

ግብ 4:23, 24፣ 12:5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ዜና 29:10-19—ህዝቢ እስራኤል ንቤተ መቕደስ ዚኸውን ወፈያታት ምስ ኣከቡ፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል ጸለየ

    • ግብ 1:12-14—ሃዋርያትን ኣሕዋት የሱስን ማርያም ኣደ የሱስን ገሊአን እሙናት ኣንስትን ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ደርቢ ዀይኖም ጸለዩ

ሓደ ሰብ ኪጽሊ ኸሎ፡ ገዛእ ርእሱ ኽብ ንምባል ወይ ካብ ካልኦት ኣድንቖት ንምርካብ ኪጽዕር ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

ቅድሚ ምግቢ ምጽላይሲ ግቡእ ድዩ፧

ናብ ሰማያዊ ኣቦና ብቐጻሊ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሮሜ 12:12፣ ኤፌ 6:18፣ 1ተሰ 5:17፣ 1ጴጥ 4:7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 6:6-10—ነብዪ ዳንኤል ንህይወቱ ኣብ ዜስግእ ኵነታት እኳ፡ ብግህዶ ናብ የሆዋ ኻብ ምጽላይ ኣየቋረጸን

    • ሉቃ 18:1-8—የሱስ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ዓማጺ ፈራዲ፡ ፍትሒ ኼውጽኣላ እናለመነት ላሕ ምስ ኣበለቶ፡ ዝደለየቶ ኸም ዝገበረላ ምሳሌ መሰለ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ጻድቕ ኣቦና ንልማኖ ኣገልገልቱ ቕልጡፍ ምላሽ ከም ዚህብ ኣረድአ

ኣምላኽ ነቲ ይቕረ ኺግበረልና እነቕርቦ ጸሎት ኪሰምዖ እንተ ደሊና፡ ናይ ምንታይ መንፈስ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

2ዜና 7:13, 14

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 22:11-13, 18-20—ንጉስ ዮስያስ ርእሱ ስለ ዘትሓተን ንየሆዋ ባህ ኬብሎ ስለ ዝደለየን፡ ብዙሕ ምሕረትን ለውሃትን ረኸበ

    • 2ዜና 33:10-13—ንጉስ ምናሴ ብትሕትና ጸለየ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ፡ ናብ ዝፋኑ እውን መለሶ

ይቕረ ኺብሃለልና እንተ ደሊና፡ የሆዋ ኻባና እንታይ ይጽበ፧

ኣብ ጸሎትና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪኸውን ከም እንደሊ ኽንገልጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ጸሎትና ነቲ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና እምነት ኬንጸባርቕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ገለ ኻብቲ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ እንኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧

ምቕዳስ ስም ኣምላኽ

ምምጻእ እታ ንዅላ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ

ምፍጻም ፍቓድ የሆዋ

ብስጋዊ መዳይ ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት እነቕርቦ ልማኖ

ሕድገት ሓጢኣትና

ካብ ፈተና ዕቝባ ንምርካብ እነቕርቦ ልማኖ

ምስጋና

ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ፡ ኣእምሮን ጥበብን ድማ ንምርካብ ዚቐርብ ልማኖ

ምሳ 2:3-6፣ ፊል 1:9፣ ያእ 1:5

መዝ 119:34 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 3:11, 12—ንጉስ ሰሎሞን ጥበብ ኪውሃቦ ብምሕታቱ የሆዋ ባህ በሎ፡ ብዙሕ ጥበብ እውን ሃቦ

መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና እነቕርቦ ልማኖ

ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትና፡ እንተላይ ምእንቲ እቶም ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ዘለዉ እነቕርቦ ልማኖ

መግለጺ ውዳሰ

መዝ 86:12፣ ኢሳ 25:1፣ ዳን 2:23

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 10:21—የሆዋ ነቶም ከም ሕጻናት ትሑታት ዘበሉ መንፈሳዊ ሓቅታት ስለ ዝገለጸሎም፡ የሱስ ንኣቦኡ ብግህዶ ወደሶ

    • ራእ 4:9-11—ኣብ ሰማይ ዘለዉ ስድራ ቤት የሆዋ፡ ዚግብኦ ኽብርን ግርማን ሃብዎ

ንየሆዋ ብሰላም ምእንቲ ኸነምልኾን ምእንቲ ኽንሰብኽን፡ ስለ ሰበ ስልጣን እነቕርቦ ልማኖ

ኣብ እንጥመቐሉ እዋን ምጽላይሲ ግቡእ ድዩ፧

ምእንቲ እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝሓመሙ ሰባት ምጽላይሲ ግቡእ ድዩ፧

ሰብኡት ከም ንቡር ርእሶም ከይተጐልበቡ ዚጽልዩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣንስቲኸ ርእሰን ተጐልቢበን ዚጽልያ ስለምንታይ እየን

ካብ ንውሓት ጸሎትና ንላዕሊ ወይ ካብቲ ኣብ ግዜ ጸሎት ዚህልወና ውዕዉዕ ስምዒት ንላዕሊ እንታይ እዩ ኣገዳስነት ዘለዎ፧

ድጕ 3:41፣ ማቴ 6:7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 18:25-29, 36-39—ነብያት በዓል በቲ ኤልያስ ዝበሎም ተለዓዒሎም ንሰዓታት ናብ ኣምላኾም እኳ እንተ ጨደሩ፡ ምላሽ ኣይረኸቡን

    • ግብ 19:32-41—ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣምለኽቲ ጣኦት ንኽልተ ሰዓት ብዛዕባ ኣምላኾም ኣርጤምስ እኳ እንተ ጨደሩ፡ ካብ ዋና ጸሓፊ እታ ኸተማ መግናሕቲ ደኣ እዮም ተቐቢሎም እምበር፡ ካልእ ምላሽ ኣይረኸቡን