ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስብከት ብስራት

ስብከት ብስራት

ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ እምነቶም ዚነግሩ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

ሉቃ 8:1፣ ዮሃ 18:37

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 4:42-44—የሱስ፡ ኪሰብኽ ኢሉ ናብ ምድሪ ኸም ዝመጸ ገለጸ

    • ዮሃ 4:31-34—የሱስ፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዕኡ ኸም ብልዑ ምዃኑ ሓበረ

እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ዘለዎም ሰብኡት ጥራይ ድዮም ኪሰብኩ ዘለዎም፧

መዝ 68:11፣ 148:12, 13፣ ግብ 2:17, 18

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 5:1-4, 13, 14, 17—ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ንእመቤታ ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜገልግል ነብዪ ኤልሳእ ነገረታ

    • ማቴ 21:15, 16—ቈልዑ ንየሱስ ምስ ወደስዎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተቓውሞኦም ገለጹ፣ የሱስ ግና ኣረሞም

ክርስትያን ሓለውቲ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን እንታይ ግደ ኣለዎም፧

የሆዋን የሱስን ኣብ ዕዮ ስብከት ዚሕግዙና ብኸመይ እዮም፧

2ቈረ 4:7፣ ፊል 4:13፣ 2ጢሞ 4:17

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 16:12, 22-24፣ 1ተሰ 2:1, 2—ኣብ ልዕሊ ሃዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን ግፍዒ እኳ እንተ ወረደ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ብትብዓት ካብ ምስባኽ ኣየቋረጹን

    • 2ቈረ 12:7-9—ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣብ ስጋኡ እሾዅ’ ከም ዘለዎ ገለጸ፣ እዚ ድማ ምናልባት ኣካላዊ ሕማም ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ይኹን እምበር፡ የሆዋ ስብከቱ ንምቕጻል ዜኽእል ብርታዐ ሃቦ

ሓደ ክርስትያን ኪሰብኽ ዜኽእሎ ብቕዓት ካበይ እዩ ዚረክብ፧

1ቈረ 1:26-28፣ 2ቈረ 3:5፣ 4:13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮሃ 7:15—ኣይሁድ በቲ የሱስ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ረቢታት ከይተማህረ ዝረኸቦ ፍልጠት ተገረሙ

    • ግብ 4:13—ሃዋርያት የሱስ ዘይተማህሩ ተራ ሰባት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብቕንኣትን ብትብዓትን ሰበኹ

የሆዋ ምስ ምስባኽን ምምሃርን ብዚተሓሓዝ ንኻልኦት ከነሰልጥን ከም ዚደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧

ማር 1:17፣ ሉቃ 8:1፣ ኤፌ 4:11, 12

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኢሳ 50:4, 5—የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ስልጠና ተዋህቦ

    • ማቴ 10:5-7—የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ነቲ ዕዮ ስብከት ከም ዚዓይይዎ ብትዕግስቲ ኣሰልጠኖም

ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ እተዋህበና ዕዮ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ፡ እንታይ ስምዒት ይፈጥር፧

ክንሰብኽ ከለና እንታይ መልእኽትታት ኢና እነብጽሕ፧

ክርስትያናት ንናይ ሓሶት ትምህርትታት ዜቃልዑ ስለምንታይ እዮም፧

2ቈረ 10:4, 5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማር 12:18-27—የሱስ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ እቲ ሰዱቃውያን ብዛዕባ ትንሳኤ ዝነበሮም ኣረኣእያ ጌጋ ምዃኑ ኣረድአ

    • ግብ 17:16, 17, 29, 30—ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና፡ ኣምልኾ ጣኦት ጌጋ ምዃኑ ኣረድኦም

ዕዮ ስብከት ብኸመይ እዩ ዚዕየ፧

ብግህዶ ንምምስካር መሰረት ዚዀነና እንታይ እዩ፧

ኣገልግሎትና ትዕግስትን ጽንዓትን ከም ዚሓትት ዜርኢ እንታይ ኣሎ፧

ካብ ዕዮ ስብከት እንታይ ጽቡቕ ፍረ ይርከብ፧

ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ክንምስክር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

1ቈረ 9:23፣ 1ጢሞ 2:4፣ 1ጴጥ 3:15

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮሃ 4:6, 7, 13, 14—የሱስ ደኺሙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብስራት ነገራ

    • ፊል 1:12-14—ሃዋርያ ጳውሎስ ብምኽንያት እምነቱ ኣብ እተኣስረሉ እዋን እኳ፡ በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ መስከረ፡ ንሰባት እውን ኣተባብዐ

ኵሉ ሰብ ኪሰምዓና ዲና እንጽበ፧

ዮሃ 10:25, 26፣ 15:18-20፣ ግብ 28:23-28

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኤር 7:23-26—የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ ህዝቡ ንነብያቱ ብተደጋጋሚ ኸም ዘይሰምዕዎም ገለጸ

    • ማቴ 13:10-16—የሱስ፡ ብዙሓት ሰባት ከምቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ሰሚዖም ስጕምቲ ኸም ዘይወስዱ ገለጸ

ብዙሓት ሰባት ዘይሰምዑ ምዃኖም ዘየገርመና ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ነቲ ቓል ሰሚዖም ኣብ መጀመርታ ዚቕበልዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ በቲ መገዲ እቲ ኸም ዘይቅጽሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ገሊኦም ንስብከትና ብቐጥታ ምስ ዚጻረርዎ፡ እዚ ኼሰምብደና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ስብከትና ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና እንገብር፧

ገሊኦም ነቲ ብስራት ከም ዚቕበልዎ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ሰበኽቲ እቲ ብስራት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

ንዅሎም ሃይማኖታት፡ ዓሌታት፡ ወይ ኣህዛብ ክንሰብከሎም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ዝዀነት ትኹን መዓልቲ፡ እንተላይ ብሰንበት ክንሰብኽሲ ግቡእ ድዩ፧

ንዅሎም ሰባት ክንሰብከሎም ከም ዘሎና፡ እንተላይ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ክንሰብከሎም ከም ዚግባእ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧