ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሕታዊ ፍልልያት ምድቃስ

ብሕታዊ ፍልልያት ምድቃስ

ሓደ ሰብ እንተ ኣጕህዩና፡ ክንቍጣዕ ወይ ሕነ ኽንፈዲ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ምሳ 20:22፣ 24:29፣ ሮሜ 12:17, 18፣ ያእ 1:19, 20፣ 1ጴጥ 3:8, 9

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 25:9-13, 23-35—ናባል ንዳዊት ምስ ጸረፎ፡ ንሰቡ እውን ምሕጋዝ ምስ ኣበየ፡ ዳዊት ንዕኡን ንዅሎም ኣብ ቤቱ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ኪቐትል ወሰነ፣ ኣቢጋይል ንዳዊት ዝሃበቶ ጥበባዊ ምኽሪ ግና ካብ ዕዳ ደም ሰተሮ

    • ምሳ 24:17-20—ንጉስ ሰሎሞን፡ ጸላኢና ኺወድቕ ከሎ ምሕጓስ ንየሆዋ ባህ ከም ዘየብሎ ብድራኸ መንፈስ ተመሪሑ ገለጸ፣ ፍትሒ ኣብ ኢድ የሆዋ ኢና እንሓድጎ

ሓደ ክርስትያን ምስ ሰብ እንተ ተባኢሱ፡ ምስቲ ሰብ እቲ ምዝራብ ኪሓድጎ ወይ ቂም ኪሕዘሉ ይግባእዶ፧

ዘሌ 19:17, 18፣ 1ቈረ 13:4, 5፣ ኤፌ 4:26

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 5:23, 24—የሱስ፡ ምስ ዝጐሃየልና ሓውና ንምትዕራቕ ክንጽዕር ከም ዘሎና ገለጸ

ቅር ኪብለና ኸሎ፡ እቲ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ፍቕራዊ መገዲ እንታይ እዩ፧

ነቶም ብተደጋጋሚ ዝበደሉና እሞ ኻብ ልቢ እተነስሑ ሰባት ይቕረ ኽንብለሎም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ በደል ዓብዪ ብምዃኑ ኽንሓድጎ እንተ ዘይክኢልና፡—ንኣብነት፡ ምስ ሕሜት ወይ ምትላል እተተሓሓዘ እንተ ዀይኑ፡—ነቲ በዳሊ መን እዩ ኺዛረቦ ዘለዎ፧ እንታይ ሸቶ ሒዙኸ እዩ ኺዛረቦ ዘለዎ፧

ማቴ 18:15

ያእ 5:20 እውን ርአ

ሓደ ዝሓመየና ወይ ዘታለለና ሰብ ንበይኑ ጌርና ምስ ኣዛረብናዮ ኺንሳሕ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧