ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘይምምርዓው

ዘይምምርዓው

ዘይምምርዓው ከም ውህበት ጌርካ ኺርአ ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

ንዘይተመርዓወ ክርስትያን ኪምርዖ ጸቕጢ ምግባር ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

1ቈረ 7:28, 32-35፣ 1ተሰ 4:11

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሮሜ 14:10-12—ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጻይና ምፍራድ ጌጋ ምዃኑ ገለጸ

    • 1ቈረ 9:3-5—ሃዋርያ ጳውሎስ ኪምርዖ መሰል ነበሮ፣ እንተዀነ ግና፡ ብዘይምምርዓዉ ኣብ ኣገልግሎት ኬተኵር ከኣለ

ዘይተመርዓዉ ሰባት ኣብ ህይወቶም ሓጐስ ንምርካብ ናይ ግድን ኪምርዓዉ ኣለዎምዶ፧

1ቈረ 7:8

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መሳ 11:30-40—ጓል ይፍታሕ ኣብ ምሉእ ህይወታ እኳ እንተ ዘይተመርዓወት፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ነበራ

    • ግብ 20:35—ክርስቶስ ጠሪሱ እኳ እንተ ዘይተመርዓወ፡ ከምቲ ቓላቱ ዚሕብሮ ግና ንኻልኦት ይህብ ብምንባሩ ሕጉስ ነበረ

    • 1ተሰ 1:2-9፣ 2:12—እቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዘይተመርዓወ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ኣገልግሎቱ ሓጐስን ዕግበትን ከም ዝረኸበ ገለጸ

ዘይምርዑዋት ከም ኵሎም ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

1ቈረ 6:18፣ ገላ 5:19-21፣ ኤፌ 5:3, 4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 7:7-23—ንጉስ ሰሎሞን ነቲ ሓደ ጐበዝ ኣብ ምንዝርና ብምውዳቑ ዝዓጸዶ ሳዕቤን ገለጾ

    • መሃ 4:12፣ 8:8-10—እታ ሹላማዊት ጓል ስለቲ ንጽህናኣ ተናእደት

ሓደ ዘይተመርዓወ ሰብ ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ መርዓ እንተ ሓሰበ ጽቡቕ ዚኸውን፧

1ቈረ 7:9, 36

1ተሰ 4:4, 5 እውን ርአ