ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽናዕቲ

መጽናዕቲ

ክርስትያናት ኣዘውቲሮም ቃል ኣምላኽ ኬጽንዑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

መዝ 1:1-3፣ ምሳ 18:15፣ 1ጢሞ 4:6፣ 2ጢሞ 2:15

ግብ 17:11 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 119:97-101—ሓደ ዘማሪ ብመንፈስ ተደሪኹ ንሕጊ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮን ንዕኡ ምትግባር ጥቕምታት ከም ዜምጽኣሉን ገለጸ

    • ዳን 9:1-3፡ እ.ጽ.—ነብዪ ዳንኤል ካብቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እቲ 70 ዓመት ዝንውሓቱ ምርኮ እስራኤል ዘብቅዓሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ኣስተውዓለ

ብቐጻሊ ፍልጠት ክንቀስም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

እብ 6:1-3፣ 2ጴጥ 3:18

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 4:18—ከምቲ ብርሃን ወጋሕታ እናበርሀ ዚኸይድ፡ መንፈሳዊ ሰብ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ርድኢት እውን የሆዋ እናገለጸሉ ምስ ከደ እናነጸረ እዩ ዚኸይድ

    • ማቴ 24:45-47—የሱስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህብ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኸም ዚሸይም ሓበረ

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጥበብ ካብቲ ኣብ ካልእ ናይ ሰብኣዊ ፍልስፍና መጻሕፍቲ ዚርከብ ጥበብ ንላዕሊ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ነቶም ብቕንዕና መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ እንታይ ቃል ኣትዩሎም ኣሎ፧

ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ንምርካብ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግቢ ኣጸቢቕና ኽንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ደቀቕቲ ነጥብታት እኳ ብምትኳር ልክዕ ፍልጠት ንምርካብ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣገዳስነት ጥበብን ኣእምሮን ክሳዕ ክንደይ እዩ፧

ህድእ ኢልና ብምስትውዓል ከነንብብን ብዛዕባ እቲ እነንብቦ ኽንሓስብን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብኸመይ ከም እንትግብሮ ኽንሓስብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ብዛዕባ እቲ እተምሃርናዮ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እንነግሮም ከነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣገዳሲ ሓቅታት ብተደጋጋሚ ምጽናዕ ብኸመይ ይሕግዘና፧

2ጴጥ 1:13፣ 3:1, 2

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 6:6, 7፣ 11:18-20—የሆዋ ንህዝቡ፡ ቃሉ ንደቆም ኪቐርጹሎም፡ ማለት ብምድግጋም ኪምህርዎም ኣዘዞም

ቃል ኣምላኽ ብስድራ ቤት ምምይያጥ ዘለዎ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

ኤፌ 6:4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 18:17-19—የሆዋ ንኣብርሃም፡ ንቤተ ሰቡ ብኸመይ ብጽድቂ ኸም ዚመላለሱ ኺምህሮም ደለዮ

    • መዝ 78:5-7—ህዝቢ እስራኤል ኣብ የሆዋ ዝነበሮም እምንቶ ዓቂቦም ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ንዚቕጽል ወለዶ ኺምህር ሓላፍነት ነበሮ

ብጉባኤ ሓቢርና ምጽናዕ ብኸመይ ይሕግዘና፧

እብ 10:25

ምሳ 18:1 እውን ርአ