ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥበብ

ጥበብ

ናይ ሓቂ ጥበብ ንምርካብ እንታይ የድልየና፧

ናይ ሓቂ ጥበብ ካበይ ይርከብ፧

ጥበብ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ምጽላይሲ ግቡእ ድዩ፧

ቈሎ 1:9፣ ያእ 1:5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 1:8-12—ንጉስ ሰሎሞን ንእስራኤል ብግቡእ ንምምሕዳር ዜኽእል ጥበብ ኪውሃቦ ጸለየ፣ የሆዋ ድማ በቲ ልማኖኡ ባህ በሎ

    • ምሳ 2:1-5—ጥበብን ኣእምሮን ምስትውዓልን ምስቲ ኽንደልዮ ዘሎና ሕቡእ መዝገብ ተመሳሲሉ ኣሎ፣ የሆዋ ድማ ነቶም ነዚ መዝገብ እዚ ብትግሃት ዚደልዩ ዘበሉ ዓስቦም ይህቦም እዩ

ብመንን ብምንታይን ኣቢሉ እዩ የሆዋ ጥበብ ዚህብ፧

ኢሳ 11:2፣ 1ቈረ 1:24, 30፣ 2:13፣ ኤፌ 1:17፣ ቈሎ 2:2, 3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 8:1-3, 22-31—ጥበብ ከም ሰብ ኰይና ተዛረበት፣ እቲ ንዓኣ እተዋህበ መግለጺ ድማ ነቲ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ይገልጾ

    • ማቴ 13:51-54—ንትምህርትታት የሱስ ዝሰምዑ ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ መንጎኦም ዝዓበየ ሰብ ከመይ ገይሩ ዓብዪ ጥበብ ኪህልዎ ኸም ዝኸኣለ ደንጸዎም

ጥበብ ኣምላኽ ከም ዘሎና ብኸመይ ይፍለጥ፧

ጥበብ እንተ ኣልዩና፡ ኣብ ህይወትና እንታይ መምርሕን ዕቝባን ኢና እንረክብ፧

እታ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነት ጥበብ ዋጋኣ ኽንደይ እዩ፧

ምሳ 3:13, 14፣ 8:11

እዮ 28:18 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 28:12, 15-19—እዮብ ብዙሕ ሓዘንን ስቓይን ስእነትን እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንመለኮታዊት ጥበብ ግና ልዕል ኣበላ

    • መዝ 19:7-9—ንጉስ ዳዊት፡ ሕግን መዘኻኸሪታትን የሆዋ ዋላ እኳ ንዘይለበሙ ጥበብ ከም ዚህብ ገለጸ

ንኣምላኽ ዕሽሽ ዚብል ጥበብ ዓለም ጐዳኢ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧