ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕዮ

ዕዮ

ኣብ መንጎ ዕዮን ሓጐስን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧

ንፉዕን ክኢላን ዓያዪ ምዃን እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

ምሳ 22:29

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 16:16-23—ዳዊት ብንእስነቱ ኽኢላ ሙዚቀኛ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ መንፈሱ እተሸበረ ንጉስ እስራኤል ጠቐሞ

    • 2ዜና 2:13, 14—ሒራም-ኣቢ ኽኢላ ኢደ ጥበበኛ ብምንባሩ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንዕኡ ኣብ ዓብዪ ዕዮ ህንጸት ተጠቕመሉ

ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ዓይነት ዓየይቲ ብምዃኖም እዮም ኪፍለጡ ዚደልዩ፧

ኤፌ 4:28፣ ቈሎ 3:23

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 24:10-21—ርብቃ ንጊልያ ኣብርሃም ካብቲ ዝሓተታ ንላዕሊ ገበረትሉ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ምሕጋዝን ናይ ትግሃትን መንፈስ ከም ዘለዋ ኣርኣየት

    • ፊል 2:19-23—እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ትጉህን ትሑትን ስለ ዝነበረ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዕኡ ኸቢድ ዕዮ ሃቦ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ህኩያት ኪዀኑ ዘይደልዩ ስለምንታይ እዮም፧

ምሳ 13:4፣ 18:9፣ 21:25, 26፣ መክ 10:18

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 6:6-11—ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ትግሃትን ዘይምህካይን ንምምሃር ንጻጸ ኸም ምሳሌ ገይሩ ተጠቕመሉ

ዜድልየና ዘበለ ንምምላእ ብትግሃት ክንዓዪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንስድራ ቤትና ንምንባይ ብትግሃት ክንዓዪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

1ጢሞ 5:8

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሩት 1:16, 17፣ 2:2, 3, 6, 7, 17, 18—እታ ብንእስነታ መበለት ዝዀነት ሩት ንሓማታ ናእሚ ንምንባይ ብትግሃት ትዓዪ ነበረት

    • ማቴ 15:4-9—የሱስ ነቶም መንፈሳዊ ሓላፍነት ከም መመኽነይታ ብምቕራብ ካብቲ ንወለዶም ንምክንኻን ዝነበሮም ሓላፍነት ኬምልጡ ዚጽዕሩ ዀነኖም

ክርስትያናት በቲ ብጻዕሮም ዝረኸብዎ ፍረ እንታይ ንምግባር እዮም ፍቓደኛታት ኪዀኑ ዘለዎም፧

ብዛዕባ እቲ ኻብ ዓለማዊ ስራሕና እንረኽቦ ደሞዝ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧

የሆዋ ዕዮና ብግቡእ ክንዓይን ብስጋዊ ዜድልየና ነገራት ከነማልእን ከም ዚደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧

ማቴ 6:25, 30-32፣ ሉቃ 11:2, 3፣ 2ቈረ 9:10

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 31:3-13—ላባን ነቲ ሰብኣይ ጓሉን ሰራሕተኛኡን ዝዀነ ያእቆብ መዝመዞ፣ የሆዋ ግና ንትግሃት ያእቆብ ይርኢ ስለ ዝነበረ፡ ባረኾ

    • ዘፍ 39:1-6, 20-23—የሆዋ ነቲ ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር ኰነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚዓይዮ ዝነበረ ዕዮ ባረኾ

ንዓለማዊ ስራሕና ኻብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኣብሊጽና ኽንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 39:5-7፣ ማቴ 6:33፣ ዮሃ 6:27

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 12:15-21—የሱስ፡ ንስጋዊ ጥሪት ካብ መንፈሳዊ ሃብቲ ኣብሊጽካ ምርኣይ ዕሽነት ከም ዝዀነ ዚሕብር ምሳሌ መሰለ

    • 1ጢሞ 6:17-19—ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ሃብታማት ክርስትያናት ከይዕበዩ ኣጠንቀቖም፡ “ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ” እውን ኣተባብዖም

ብዛዕባ እቲ እንሰርሖ ዓይነት ስራሕ ክንውስን ከለና፡ እንታይ ስርዓታት እዩ ኺመርሓና ዘለዎ፧

ምእንቲ የሆዋ ኢልካ ዚዕየ ዕዮ

ክርስትያናት ኪዓይይዎ ዚኽእሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ እንታይ እዩ፧

ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ፡ ኵሉ ብማዕረ ኺዓዪ ዘይንጽበ ስለምንታይ ኢና፧

ገላ 6:3-5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 25:14, 15—የሱስ ኣብ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ኵሎም ሰዓብቱ ብማዕረ ኺዓይዩ ኸም ዘይጽበዮም ገለጸ

    • ሉቃ 21:2-4—የሱስ ነቲ ሓንቲ ድኻ መበለት ዝገበረቶ ንእሽቶ ወፈያ ኣድነቖ

ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽንዓይዮ እተዋህበና ዕዮ ንምፍጻም ዜኽእል ብርታዐ ኻበይ ኢና እንረክብ፧

2ቈረ 4:7፣ ኤፌ 3:20, 21፣ ፊል 4:13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ጢሞ 4:17—ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዜድልዮ እዋን ዜድልዮ ሓይሊ ኸም ዝረኸበ ገለጸ

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብትግሃት ምዕያይ ሓጐስ ዜምጽእ ስለምንታይ እዩ፧