ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምልኾ

ኣምልኾ

መን ጥራይ እዩ ኣምልኾ ዚግብኦ፧

ዘጸ 34:14፣ ዘዳ 5:8-10፣ ኢሳ 42:8

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 4:8-10—ሰይጣን ንየሱስ፡ ‘እንተ ሰጊድካለይ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም ክህበካ እየ’ በሎ፣ የሱስ ንየሆዋ ጥራይ ኬምልኽ ብምቝራጹ፡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ነገር ኣይተቐበሎን

    • ራእ 19:9, 10—ሓደ ሓያል መልኣኽ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዘቕረበሉ ኣምልኾ ኣይተቐበሎን

የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ እዩ ዚደሊ፧

ዮሃ 4:24፣ ያእ 1:26, 27

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኢሳ 1:10-17—የሆዋ ነቲ ብመለክዒታቱ ዘይመላለሱ ሰባት ብግብዝና ዜቕርቡሉ ኣምልኾ ኣይቅበሎን እዩ

    • ማቴ 15:1-11—የሆዋ ነቲ ንሕግታቱ ዕሽሽ ብምባል፡ ኣብ ስርዓታት ሰብ ተመርኲሱ ንማለቱ ዚቐርብ ኣምልኾ ኸም ዘይቅበሎ የሱስ ገለጸ

ብእተኻእለ መጠን፡ ምስ መን ሓቢርና ኢና ንየሆዋ ኸነምልኾ ዘሎና፧

እብ 10:24, 25

መዝ 133:1-3 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 2:40-42—ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ክርስትያናት ተኣኪቦም ይጽልዩን ግዜ የሕልፉን የጽንዑን ነበሩ

    • 1ቈረ 14:26-40—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚቐርብ ትምህርቲ ምእንቲ ኺርድኦ፡ እቲ ኣኼባታት ብስርዓት ኪግበርን ዜተባብዕ ኪኸውንን መምርሒ ሃበ

ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ምዃኑ ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ማቴ 7:21-24፣ 1ዮሃ 2:17፣ 5:3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እብ 11:6—ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ እምነት ኣገዳሲት ምዃና ሃዋርያ ጳውሎስ ገለጸ

    • ያእ 2:14-17, 24-26—ያእቆብ ሓዉ ንየሱስ እምነት ብግብሪ ኽትስነ ኸም ዘለዋ ገለጸ፣ እምነትና ንተግባር ተለዓዕለና እያ