ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ


ካብዚ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ኣጸቢቕካ ኽትጥቀም ትኽእል፧

ካብዚ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ኣጸቢቕካ ኽትጥቀም ትኽእል፧

ምስ መምህር ኣጽንዕ፦ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ንዝሃበካ ሰብ ምሳኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ሕተቶ፡ ወይ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ኣቲኻ ፎርም ምላእ።

ቀዳማይ ክፋል

ንዅሉ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ፡ እንተላይ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ዜጕልሕ ብድሙቕ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶታትን (ሀ) ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን (ለ) ኣንብብ። ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣንብብ” ዚብል ከም ዘለዎ ኣስተብህል።

ማእከላይ ክፋል

እቲ ኣብ ትሕቲ ኣዕሚቝካ ዅዓት ዚርከብ ፋልማይ ምሉእ ሓሳብ፡ (ሐ) ነቲ ስዒቡ ዘሎ ይገልጽ። ንኡስ ኣርእስትታት (መ) ከኣ ነቲ ምይይጥ የላሊ። ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፡ ነቲ ሕቶታት መልሶ፡ ነቲ ቪድዮታት እውን ርኣዮ (ረ)።

ነቲ ስእልታትን መግለጺኡን (ሰ) ኣስተብህለሉ፣ ነቲ ገሊኦም ከምዚ ይብሉ (ሸ) ዚብል ክፋል እንታይ ምላሽ ከም እትህበሉ ድማ ሕሰብ።

ዳሕረዋይ ክፋል

ኣብ መደምደምታ፡ ጽማቝክለሳን (ቀ) ኣሎ። ሽዑ፡ እቲ ትምህርቲ እተወድኣሉ ዕለት ኣእቱ። ኣብ ትሕቲ ሸቶ (በ) ኸኣ ክትዓይየሉ እትኽእል ነጥቢ ኽትረክብ ኢኻ። ዳህስስ (ቨ) ኣብ ትሕቲ ዚብል ክፋል ድማ፡ እንተ ደሊኻ ኸተንብቦ ወይ ክትርእዮ እትኽእል ሓበሬታ ይርከብ።

ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትረክብ

ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሓፍ ከሎ፡ ፈለማ ስም እቲ መጽሓፍ (ሀ)፡ ቀጺሉ ምዕራፍ (ለ)፡ ድሕሪኡ ድማ ፍቕዲ ወይ ፍቕድታት (ሐ) ይጥቀስ። ንኣብነት፡ ዮሃንስ 17:3 ኺብሃል ከሎ፡ መጽሓፍ ዮሃንስ፡ ምዕራፍ 17፡ ፍቕዲ 3 ማለት እዩ።