ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፦

እታ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ፡ ነቲ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ትእዛዝ ክንሕሉ ተለዓዕለና እያ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ማር. 12:28-31) ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ዘይተተኵር ፍቕሪ ሓያል እያ። ልቢ እቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ትትንኪ እያ።—ግብ. 13:48

ኣብ ሕሉፍ፡ መእተዊታት ኣብ ምጽናዕን ጽሑፋት ኣብ ምብርካትን ኢና እነተኵር ኔርና። ሕጂ ግና ናይ ዝርርብ ክእለትና ኸነመሓይሽ ኣሎና። ንሰባት ብዛዕባ እቲ ንዓታቶም ዜገድሶም ርእሰ ነገራት ብምዝራብ፡ ፍቕሪ ኸነርእዮም ንደሊ ኢና። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን፡ ብዛዕባ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜተሓሳስቦን ዜገድሶን ነገራት ድማ ኣጸቢቕና ኽንሓስብ ኣሎና። እሞ ደኣ እዛ ብሮሹር እዚኣ ኸመይ ገይራ እያ ኸምኡ ንምግባር እትሕግዘና፧

ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ፍቕሪ ኸነርእን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ዜኽእለና ባህርያት ዝሓዘ 12 ትምህርቲ ኣሎ። ኵሉ እቲ ትምህርትታት ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ እዩ። ኣብቲ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ የሱስ ወይ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ኻልእ ወንጌላዊ ኣብ ኣገልግሎት ዘርኣዮ ሓደ ባህርይ ጐሊሑ ኣሎ። ስለዚ፡ ሸቶና መእተዊታት ንምጽናዕ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ፍቕርና እነርእየሉ መገድታት ንምርካብ እዩ። ኵሉ እዚ ባህርያት ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት ዜድሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ባህርያት ብፍላይ ዝርርብ ኣብ ምጅማር፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር፡ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ብኸመይ ከም ዜድሊ ኽንምርምር ኢና።

ነዚ ትምህርትታት እዚ በብሓደ ኽትምርምሮ ኸለኻ፡ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከቡ ሰባት ኣብ እትዛራረበሉ እዋን ነቲ ባህርይ እቲ ብኸመይ ከም እተርኢ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ። ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትካ ፍቕሪ ኸትዕምቝ ጽዓር። እታ ፍቕሪ እቲኣ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ተክኒክ ንላዕሊ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ሸቶ ኽትወቅዕ ክትሕግዘካ እያ።

ምሳኻትኩም ብሓድነት እነገልግል ምዃንና፡ ከም ዓብዪ መሰል ኢና እንርእዮ። (ጸፎ. 3:9) ብሕጂ እውን ንሰባት ከተፍቅሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ክትገብሩ ኸለኹም፡ የሆዋ ኣብዚሑ ይባርኽኩም!

ኣሕዋትኩም፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር