ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝርርብ ምጅማር

ትምህርቲ 1

ተገዳስነት

ተገዳስነት

ስርዓት፦ “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን።”—1 ቈረ. 13:4, 5

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 4:6-9 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. የሱስ ዝርርብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ እንታይ እዩ ተዓዚቡ፧

  2.  ለ. የሱስ፡ “ኣስትይኒ” ኢሉ እዩ ተዛሪብዋ። እዚ ዝበሎ ነገር፡ ዝርርብ ንምጅማር ውጽኢታዊ መገዲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. በቲ ንኻልኦት ዜገድሶም ርእሰ ነገራት ዘረባ እንተ ጀሚርና፡ ጽቡቕ ክንዛራረብ ንኽእል ኢና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ተዓጻጻፊ ኹን። በቲ ንዓኻ ዜተሓሳስበካ ጕዳይ ዝርርብ ከተጀምር ኣይትሃቅን። የግዳስ፡ በቲ ንኻልኦት ዜተሓሳስቦም ዘሎ ጕዳይ ዝርርብ ኣጀምር። ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1.   ሀ. ‘ኣብ ዜና እንታይ ኣሎ፧’

  2.  ለ. ‘ጐረባብተይ፡ መሳርሕተይ፡ ወይ መማህርተይ ብዛዕባ እንታይ ይዛራረቡ ኣለዉ፧’

4. ኣስተብሃሊ ኹን። ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1.   ሀ. ‘እዚ ሰብ እዚ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሓስብ ዘሎ፧’

  2.  ለ. ‘ናይዚ ሰብ ኣከዳድና፡ ትርኢት፡ ወይ ቤት ብዛዕባ እምነቱ ወይ ባህሉ እንታይ ይነግረኒ፧’

  3.  ሐ. ‘ነዚ ሰብ እዚ ሕጂ እንተ ተዛረብክዎዶ ይሓይሽ ወይስ ካልእ ግዜ፧’

5. ስማዕ።

  1.   ሀ. ዘረባ ኣይተብዝሕ።

  2.  ለ. ነቲ ሰብ ሓሳቡ ኺገልጽ ፍቐደሉ። ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ መዳይ፡ ሕቶታት ሕተቶ።