ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝርርብ ምጅማር

ትምህርቲ 2

ባህርያዊ

ባህርያዊ

ስርዓት፦ “ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል . . . ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!”—ምሳ. 15:23

ፊልጶስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 8:30, 31 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. ፊልጶስ ዝርርብ ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧

  2.  ለ. እዚ መገዲ እዚ፡ ዝርርብ ንምጅማርን ነቲ ሰብኣይ ሓድሽ ሓቂ ንምክፋልን ባህርያዊ መገዲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ፊልጶስ እንታይ ንምሃር፧

2. ዝርርብ ብባህርያዊ መገዲ ኺምዕብል እንተ ሓዲግናዮ፡ እቲ ሰብ ፍዅስ ኪብሎን ንመልእኽትና ኺሰምዖን ይኽእል እዩ።

ንፊልጶስ ምሰሎ

3. ኣስተብሃሊ ኹን። ኣብ ገጽን ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስን እተንብቦ ነገር ብዙሕ ኪሕብረካ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ኪዛረበካ ፍቓደኛ ድዩ፧ “[ብዛዕባ እዝስ] ትፈልጥዶ፧” ኢልካ ብምሕታት፡ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ። ኪዛረብ ንዘይደሊ ሰብ ግና ብግዲ ኸተዛራርቦ ኣይትፈትን።

4. ዕጉስ ኩን። ብኡብኡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዛረብ ከም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ነቲ ነገር ብባህርያዊ መገዲ እተልዕለሉ ግቡእ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዚፍጠር ተጸበ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ካልእ እዋን ከተልዕለሉ የድልየካ ይኸውን።

5. ተዓጻጻፊ ኹን። ዝርርብ ናብ ዘይተሓስበ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ሰብ ዜገድሶ ነገር ንምክፋል ፍቓደኛ ኹን፣ ዋላ እውን ካብቲ ሓሲብካዮ ዝነበርካ እተፈልየ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኸተካፍል የድሊ ይኸውን።