ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝርርብ ምጅማር

ትምህርቲ 3

ለውሃት

ለውሃት

ስርዓት፦ “ፍቕሪ . . . ለዋህ . . . እያ።”—1 ቈረ. 13:4

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 9:1-7 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. የሱስ ነቲ ዕዉር ፈለማ እንታይ እዩ ገይሩሉ—ኣሕውይዎ ድዩ ወይስ ብስራት እዩ ነጊርዎ፧—ዮሃ. 9:35-38 ርአ።

  2.  ለ. እቲ ሰብኣይ ሳላ እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኣቀራርባ ነቲ ብስራት ኪቕበል ብዝያዳ ተለዓዒሉ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ሓደ ሰብ ከም እንሓልየሉ እንተ ርእዩ፡ ንመልእኽትና ንምስማዕ ብዝያዳ ይለዓዓል እዩ።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ደንግጽ። ነቲ ሰብ ስምዒቱ ኽትርድኣሉ ፈትን።

  1.   ሀ. ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ብዛዕባ እንታይ እዩ ዜተሓሳስቦ ዘሎ፧ እንታይ ኪሕግዞ ወይ ኪስሕቦ ይኽእል፧’ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብ ልቢ ኽትልውሃሉ ትኽእል ኢኻ።

  2.  ለ. ሓደ ሰብ ኪዛረበካ ኸሎ ጽን ኢልካ ብምስማዕ፡ ከም እትሓልየሉ ኣርእዮ። ስምዒቱ ወይ ጸገሙ ኺነግረካ ኸሎ፡ ኣርእስቲ ኣይትቐይር።

4. ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ተዛረብ። ነቲ ሰብ እትርሕርሓሉን ብሓቂ ኽትሕግዞ እትደልን እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣብ ኣዘራርባኻ ይንጸባረቕ እዩ። ቃላትካ ተጠንቂቕካ ሕረ፡ ግቡእ ቃና ድምጺ እውን ተጠቐም፣ ኬጕህዮ ዚኽእል ነገር ካብ ምዝራብ ተቘጠብ

5. ሓግዝ። ነቲ ሰብ ብግብራዊ መገድታት ንምሕጋዝ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። ብለውሃት እትገብሮ ተግባር ንዝርርብ መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ።