ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝርርብ ምጅማር

ትምህርቲ 4

ትሕትና

ትሕትና

ስርዓት፦ “ብትሕትና . . . ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።”—ፊል. 2:3

ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 3 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. ጳውሎስ ኣብቲ ንንጉስ ኣግሪጳ እተዛረበሉ መገዲ ብኸመይ እዩ ትሕትና ኣርእዩ፧

  2.  ለ. ጳውሎስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ከም ዚትኰር ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧—ግብ. 26:22 ርአ።

ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

2. ንመልእኽትና ብትሕትናን ብኣኽብሮትን እንተ ኣቕሪብናዮ፡ ብዝያዳ ሰሓቢ እዩ ዚኸውን።

ንጳውሎስ ምሰሎ

3. ብዜስተናዕቕ መገዲ ኣይትዛረብ። ንስኻ ዅሉ ኸም እትፈልጥ፡ ካልእ ሰብ ግና ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይፈልጥ ብዜስምዕ መገዲ ኣይትዛረብ። የግዳስ፡ ብኣኽብሮት ተዛረብ

4. መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ እቲ እትዛረቦ ሓቅታት ምዃኑ ንጹር ግበር። ቃል ኣምላኽ ልቢ ሰባት ዚትንኪ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። ነዚ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ኣብ ግቡእ መሰረት ኢና እምነት እንሃንጽ።

5. ልኡም ኩን። ክትረትዕ ኢልካ ህርድግ ኣይትበል። ክንማጐት ኣይንደልን ኢና። ወትሩ ህዱእ ብምዃንን ካብ ነገር ብምርሓቕን፡ ትሕትና ኣርኢ። (ምሳ. 17:14፣ ቲቶ. 3:2) ልኡም ምላሽ፡ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ዝርርብ ንምግባር መገዲ ኪኸፍት ይኽእል እዩ።