ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝርርብ ምጅማር

ትምህርቲ 5

ሜላ

ሜላ

ስርዓት፦ “ዘረባኹም . . . ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎ. 4:6

ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣቴና ዝረኣዮ ልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከመይ ተሰሚዕዎ፧—ግብ. 17:16 ርአ።

  2.  ለ. ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ኣብ ክንዲ ዚዅንኖም፡ በቲ ዚኣምኑሉ ነገር ገይሩ ብሜላ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘካፈሎም ብኸመይ እዩ፧

ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

2. እንታይ ከም እንዛረብን ብኸመይ ከም እንዛረብን መዓስ ከም እንዛረብን ተጠንቂቕና እንተ ሓሪና፡ ሰባት ብዝያዳ ኺሰምዑና ይኽእሉ እዮም።

ንጳውሎስ ምሰሎ

3. ሰሓቢ ቓላት ሕረ። ንኣብነት፡ ክርስትያን ምስ ዘይኰነ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ፡ ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ እተላልየሉ መገዲ ወይ ኣብቲ ንየሱስ እትረቝሓሉ መገዲ ምትዕርራይ ክትገብር የድልየካ ይኸውን።

4. ተቐላጢፍካ ንሰብ ኣይትኣርም። ሓሳቡ ኸይተሰከፈ ኺገልጽ ፍቐደሉ። ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ነገር እንተ ተዛሪቡ፡ ኣይትማጐቶ። (ያእ. 1:19) እንተ ሰሚዕካዮ፡ ንኣረኣእያኡ ኸተስተውዕሎ ኢኻ።—ምሳ. 20:5

5. ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ ምስቲ ሰብ ተሰማማዕ፡ ንኣዶ እውን። እቲ ሰብ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ቕኑዕ ከም ዝዀነ፡ ካብ ልቡ ይኣምን ይኸውን። ፈለማ፡ ሓባራዊ ባይታ ኣንጽፍ፡ ድሕሪኡ በብደረጃኡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣረድኣዮ።