ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝርርብ ምጅማር

ትምህርቲ 6

ትብዓት

ትብዓት

ስርዓት፦ “ብስራት ኣምላኽ ክንነግረኩም ብኣምላኽና ተቢዕና ኢና።”—1 ተሰ. 2:2

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ሉቃስ 19:1-7 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. ገሊኦም ሰባት ንዘኬዎስ ዜርሕቕዎ ዝነበሩ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

  2.  ለ. ስለምንታይ ግና እዩ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግሮ እተለዓዓለ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ብዘይ ኣድልዎ ንምስባኽ ትብዓት የድልየና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ኣብ የሆዋ ተወከል። መንፈስ ኣምላኽ ንየሱስ፡ ንምስባኽ ዜኽእል ሓይሊ ሂብዎ እዩ፣ ንዓኻ እውን ሓይሊ ኺህበካ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 10:19, 20፣ ሉቃ. 4:18) ንዜፍርሁኻ ዘበሉ ምእንቲ ኽትሰብከሎም፡ ካብ የሆዋ ትብዓት ለምን።—ግብ. 4:29

4. ኣቐዲምካ ኣይትፍረድ። ንገሊኦም ሰባት ብሰንኪ ትርኢቶም፡ ማሕበራዊ ወይ ቍጠባዊ ደረጃኦም፡ ኣነባብራኦም፡ ወይ ሃይማኖታዊ እምነታቶም ከነዛራርቦም ኣይንደልን ንኸውን። ነዚ ዚስዕብ ግና ዘክር፦

  1.   ሀ. የሆዋን የሱስን ልቢ ኼንብቡ ይኽእሉ እዮም፣ ንሕና ግና ኣይንኽእልን ኢና።

  2.  ለ. ካብ ምሕረት የሆዋ ኺጥቀም ዘይክእል ዋላ ሓደ የልቦን።

5. ኣብ መንጎ ትብዓትን ሜላን ጥንቃቐን ሚዛንካ ሓሉ። (ማቴ. 10:16) ኣይትማጐት። እቲ ሰብ ነቲ ብስራት ዘይቅበሎ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ንዓኻ እንተ ኣስጊኡካ፡ ብልኡም መንፈስ ነቲ ዝርርብ ዛዝሞ።—ምሳ. 17:14