ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግዱሳት ምክትታል

ትምህርቲ 8

ትዕግስቲ

ትዕግስቲ

ስርዓት፦ “ፍቕሪ ዓቃል . . . እያ።”—1 ቈረ. 13:4

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 7:3-5 1 ቈረንቶስ 15:3, 4, 7ን ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. ኣሕዋት የሱስ ኣብ ፈለማ ንመልእኽቱ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

  2.  ለ. የሱስ ብሓዉ ያእቆብ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ገሊኦም ሰባት ነቲ ብስራት ንምቕባል ካብ ካልኦት ዝነውሐ ግዜ ስለ ዚወስደሎም፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ኣሎና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ካልእ ኣቀራርባ ፈትን። ሓደ ሰብ ብኡብኡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ጸቕጢ ኣይትግበረሉ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ ብቪድዮታት ወይ ብዓንቀጻት ጌርካ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚግበርን ንሱ ብኸመይ ከም ዚጥቀምን ኣረድኣዮ።

4. ኣይተወዳድር። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይነት ኣለዎ። ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሉ ሰብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር እንተ ዘይደልዩ፡ ወይ ንገሊኡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕባል እንተ ኣብዩ፡ ምኽንያቱ ኽትፈልጥ ጽዓር። ንገሊኡ መዳያት ሃይማኖታዊ እምነቱ ስለ ዚፈትዎ ደዀን ይኸውን፧ ካብ ቤተ ሰቡ ወይ ካብ ጐረባብቱ ጸቕጢ ስለ ዚወርዶ ደዀን ይኸውን፧ ብዛዕባ እቲ ዝበልካዮ ኺሓስብ፡ ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣኽቢሩ ኺርእዮ ግዜ ሃቦ።

5. ብዛዕባ እቲ ግዱስ ጸሊ። ነቲ ነገር ብኣወንታዊ መንፈስን ብሜላን ምእንቲ ኽትሕዞ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። ብዙሕ ተገዳስነት ንዘይብሉ ሰብ ምብጻሕ መዓስ ከም እትሓድጎ ምእንቲ ኸተስተውዕል ጸሊ።—1 ቈረ. 9:26