ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግዱሳት ምክትታል

ትምህርቲ 9

ድንጋጸ

ድንጋጸ

ስርዓት፦ “ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።”—ሮሜ 12:15

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ማርቆስ 6:30-34 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. የሱስን ሃዋርያቱን “በይኖም” ኪዀኑ ደልዮም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

  2.  ለ. የሱስ ነቶም ህዝቢ ኺምህሮም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ድንጋጸ ብዛዕባ መልእኽትና ጥራይ ክንሓስብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሰባት እውን ክንሓሊ ተለዓዕለና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ብኣቓልቦ ስማዕ። ነቲ ሰብ ሓሳቡ ኺገልጽ ፍቐደሉ። ኣይትዅለፎ፣ ንስምዒቱ፡ ንሻቕሎቱ፡ ወይ ንተቓውሞኡ ዕሽሽ ኢልካ ኣይትሕለፎ። ብኣቓልቦ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ብዛዕባ ሓሳቡ ኸም እትግደስ ኢኻ እተርእዮ።

4. ብዛዕባ እቲ ግዱስ ሕሰብ። ብመሰረት እቲ ምስኡ ዝገበርካዮ ዝርርብ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1.   ሀ. ‘ሓቂ ኺፈልጥ ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧’

  2.  ለ. ‘መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልታዊ ህይወቱ ዀነ ንመጻኢኡ ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧’

5. ንዕኡ ዜድልዮ ሓበሬታ ኣካፍሎ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታቱ ብኸመይ ከም ዚምልሰሉን ብግብራዊ መገድታት ብኸመይ ከም ዚሕግዞን ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ኣርእዮ።