ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ትምህርቲ 10

ቈራጽነት

ቈራጽነት

ስርዓት፦ “ገዛእ ርእስና እውን እምበር፡ ብስራት ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን ከነካፍለኩም ቈሪጽና ዝነበርና፣ ምኽንያቱ፡ ኣፍቂርናኩም ኢና።”—1 ተሰ. 2:8

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 3:1, 2 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. ኒቆዲሞስ ናብ የሱስ ብለይቲ ዝመጸሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧—ዮሃ. 12:42, 43 ርአ።

  2.  ለ. የሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ምርኻቡ፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ቈራጽነት ከም ዝነበሮ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብቘራጽነት ንሕግዝ እንተ ዄንና፡ ንሰባት ፍቕሪ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ንተምሃራይካ ኣብ ዚጥዕሞ ግዜን ቦታን መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓዮ። ኣብ እተወሰነ መዓልቲ ወይ ኣብ እተወሰነ ሰዓት ኬጽንዕ ይመርጽ ይኸውን። ኣበይ እንተ ኣጽንዐ እዩ ዚጥዕሞ፧ ኣብ ስራሑዶ፡ ኣብ ገዛኡዶ፡ ወይስ ኣብ ህዝባዊ ቦታ፧ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንዕኡ ኣብ ዚጥዕሞ ሰዓትን ቦታን ንምጽናዕ፡ መደባትካ ኣተዓራሪ።

4. ብስሩዕ ኣጽንዓዮ። ነቲ መጽናዕቲ ብኣካል ክትመርሖ እንተ ዘይክኢልካ፡ ጠሪስካ ኣይትሰርዞ። ኣብ ክንዳኡስ፦

  1.   ሀ. ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኸተጽንዖዶ ትኽእል፧

  2.  ለ. ብተሌፎን ወይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከተጽንዖዶ ትኽእል፧

  3.  ሐ. ካልእ ኣስፋሒ ኸም ዜጽንዖ ኽትገብርዶ ትኽእል፧

5. ቅኑዕ ኣረኣእያ ንምሓዝ ጸሊ። እቲ ተምሃራይ ብስሩዕ ንምጽናዕ ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምትግባር ቃልሲ ይዀኖ እኳ እንተሎ፡ ብቘራጽነት ምእንቲ ኸተጽንዖ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። (ፊል. 2:13) ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ምእንቲ ኸተተኵር፡ ሓገዝ ንምርካብ ጸሊ።