ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ትምህርቲ 11

ቀሊል

ቀሊል

ስርዓት፦ “ከም ዚርዳእ ጌርኩም . . . እንተ ዘይተዛሪብኩም፡ እቲ ዚዝረብ ከመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧”—1 ቈረ. 14:9

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ማቴዎስ 6:25-27 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. የሱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ሓልዮት ንምምሃር እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧

  2.  ለ. የሱስ ብዛዕባ ኣዕዋፍ ብዙሕ ነገራት ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ምንታይ ቀሊል ነጥብታት እዩ ኣተኲሩ፧ እዚ ውጽኢታዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ቀሊል ኣመሃህራ እንተ ተጠቒምና፡ ሰባት ነቲ እንምህሮም ትምህርቲ ይዝክርዎ እዮም፣ በቲ ትምህርቲ እውን ልቦም ይትንከ እዩ።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ዘረባ ኣይተብዝሕ። ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ እትፈልጦ ዘበለ ዅሉ ኣብ ክንዲ እተዘንቱ፡ ኣብቲ ንመጽናዕቲ እተሓርየ ርእሰ ነገር ኣተኵር። ሕቶ ምስ ሓተትካ፡ ተምሃራይካ መልሲ ኽሳዕ ዚህበካ ብትዕግስቲ ተጸበ። መልሲ እታ ሕቶ ዘይፈልጣ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ሓሳብ እንተ ሂቡ፡ ባዕሉ ሓሲቡ ኣብ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሕ ተወሳኺ ሕቶታት ሕተቶ። እቲ ተምሃራይ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ምስ ተረድኦ፡ ናብ ዚቕጽል ሕለፍ።

4. ንተምሃራይካ፡ ሓድሽ ትምህርትታት ምስቲ ኣቐዲሙ ዚፈልጦ ነገራት ኬተሓሕዝ ሓግዞ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርኩም፡ እቲ ተምሃራይካ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ኣቐዲሙ እንታይ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኣሕጽር ኣቢልኩም ክትዛራረቡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

5. ንምሳሌታት ተጠንቂቕካ ተጠቐመሉ። ምሳሌ ቕድሚ ምጥቃምካ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  1.   ሀ. ‘እዛ ምሳሌ እዚኣ ቐላል ድያ፧’

  2.  ለ. ‘ተምሃራየይ ብቐሊሉ ኺርድኣ ይኽእል ድዩ፧’

  3.  ሐ. ‘ተምሃራየይ ነታ ምሳሌ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ኺዝክሮ ድዩ፧’