ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ትምህርቲ 12

ግልጽነት

ግልጽነት

ስርዓት፦ “ዘይትን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፣ ካብ ሓቀኛ ምኽሪ ዚምንጩ ጥዑም ምሕዝነት ከኣ ከምኡ እዩ።”—ምሳ. 27:9

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ማርቆስ 10:17-22 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. የሱስ ኣብቲ ጐበዝ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ርእዩ፧

  2.  ለ. የሱስ ነቲ ጐበዝ ብፍቕርን ብግልጽን ኪመኽሮ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ተምሃሮና መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብፍቕርን ብግልጽን ክንዛረቦም ኣሎና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ተምሃራይካ ሸቶታት ኬውጽእን ንሸቶታቱ ኺወቕዖን ሓግዞ።

  1.   ሀ. ነቲ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ኣብ እትብሃል ጽሕፍቲ ኣብ ተትምህርቲ ዚርከብ “ሸቶ” ዚብል ክፋል ተጠቐመሉ።

  2.  ለ. ተምሃራይካ ነቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶታቱን ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶታቱን ምእንቲ ኺወቕዖ ሓግዞ።

  3.  ሐ. ስለቲ ዚገብሮ ዕቤት ኣዘውቲርካ ንኣዶ።

4. ዕንቅፋታት ኣለሊ፣ ንተምሃራይካ እውን ነቲ ዕንቅፋታት ኪሰግሮ ሓግዞ።

  1.   ሀ. ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

    • ‘ተምሃራየይ ናብ ጥምቀት ዕቤት ይገብር እንተ ዘየልዩ፡ እንታይ እዩ ዚዓግቶ ዘሎ፧’

    • ‘እንታይ ግብራዊ ሓገዝ ክህቦ እኽእል፧’

  2.  ለ. ተምሃራይካ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ብግልጽን ብፍቕርን ንምምይያጥ ዜኽእል ትብዓት ምእንቲ ኽትረክብ ጸሊ።

5. ፍረ ንዘይፈሪ መጽናዕቲ ኣቋርጾ።

  1.   ሀ. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስካ ፍረ ይፈሪ ኸም ዘሎ ወይ ከም ዘየሎ ንምፍላጥ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

    • ‘ተምሃራየይ ነቲ እተማህሮ ይትግብሮዶ ኣሎ፧’

    • ‘ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከብን ብዛዕባ ሓቂ ንኻልኦት ይነግርን ድዩ፧’

    • ‘ንንውሕ ዝበለ እዋን ድሕሪ ምጽናዑ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ይደሊ ድዩ፧’

  2.  ለ. እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ኪገብር ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፦

    • እንታይ ዓጊትዎ ኸም ዘሎ ኺሓስብ ሕተቶ።

    • ነቲ መጽናዕቲ ስለምንታይ ተቋርጾ ኸም ዘለኻ ብሜላ ግለጸሉ።

    • ዳግም መጽናዕቲ ንምጅማር እንታይ ኬመሓይሽ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ።