ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ ሀ

ናብ ሰባት ከነብጽሖ እንደሊ ሓቅታት

ናብ ሰባት ከነብጽሖ እንደሊ ሓቅታት

ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንሓቂ ኸም ዜለልይዎ፡ የሱስ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 10:4, 27) ስለዚ፡ ንሰባት ከነዛራርቦም ከለና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀሊል ሓቅታት ኢና ኽንነግሮም እንደሊ። “[ብዛዕባ እዝስ] ትፈልጥዶ፧” ወይ “[ብዛዕባ እዝስ] ሰሚዕካዶ፧” ኢልካ ብምሕታት፡ ብዛዕባ ሓቂ ኽትነግር ፈትን። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሓቂ እቲ ዚገልጽ ጥቕሲ(ታት) ተጠቐም። ንሓደ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀሊል ሓቂ እንተ ነጊርካዮ፡ ኣብ ልቡ ዘርኢ ኽትዘርእ ትኽእል ኢኻ፣ ኣምላኽ ድማ ነታ ዘርኢ እቲኣ ኼብቍላ ይኽእል እዩ!—1 ቈረ. 3:6, 7

 መጻኢ

  1. 1. ህሉው ኵነታትን ጠባያት ደቂ ሰብን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ለውጢ ኸም ዚመጽእ ይሕብር።—ማቴ. 24:3, 7, 8፣ ሉቃ. 21:10, 11፣ 2 ጢሞ. 3:1-5

  2. 2. ምድሪ ኸቶ ኣይክትጠፍእን እያ።—መዝ. 104:5፣ መክ. 1:4

  3. 3. ምድሪ ኽትሕደስ እያ።—ኢሳ. 35:1, 2፣ ራእ. 11:18

  4. 4. ኵሉ ሰብ ፍጹም ጥዕና ኺህልዎ እዩ።—ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6

  5. 5. ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 37:29፣ ማቴ. 5:5

 ስድራ ቤት

  1. 6. ሰብኣይ ‘ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ ኼፍቅራ’ ይግባእ።—ኤፌ. 5:33፣ ቈሎ. 3:19

  2. 7. ሰበይቲ ንሰብኣያ ብዙሕ ከተኽብሮ ይግባእ።—ኤፌ. 5:33፣ ቈሎ. 3:18

  3. 8. ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ይግባእ።—ሚል. 2:16፣ ማቴ. 19:4-6, 9፣ እብ. 13:4

  4. 9. ንወለዶም ዜኽብሩን ዚእዘዙን ውሉዳት ጽቡቕ ይረኽቡ።—ምሳ. 1:8, 9፣ ኤፌ. 6:1-3

NASA, ESA and the Hubble Heritage Team (STScI/AURA)-ESA/Hubble Collaboration. Licensed under CC BY 4.0. Source.

 ኣምላኽ

  1. 10. ኣምላኽ ስም ኣለዎ።—መዝ. 83:18፣ ኤር. 10:10

  2. 11. ኣምላኽ ሓሳቡ ገሊጹልና ኣሎ።—2 ጢሞ. 3:16, 17፣ 2 ጴጥ. 1:20, 21

  3. 12. ኣምላኽ ፍትሓውን ዘየዳሉን እዩ።—ዘዳ. 10:17፣ ግብ. 10:34, 35

  4. 13. ኣምላኽ ኪሕግዘና ይደሊ እዩ።—መዝ. 46:1፣ 145:18, 19

 ጸሎት

  1. 14. ኣምላኽ ናብኡ ኽንጽሊ ይደልየና እዩ።—መዝ. 62:8፣ 65:2፣ 1 ጴጥ. 5:7

  2. 15. መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንጽሊ ይምህረና።—ማቴ. 6:7-13፣ ሉቃ. 11:1-4

  3. 16. ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና።—ማቴ. 7:7, 8፣ 1 ተሰ. 5:17

 የሱስ

  1. 17. የሱስ ዓብዪ መምህር እዩ ነይሩ፣ ምኽሩ እውን ወትሩ ይዓዪ እዩ።—ማቴ. 6:14, 15, 34፣ 7:12

  2. 18. የሱስ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ፍጻመታት ተነብይዎ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 24:3, 7, 8, 14፣ ሉቃ. 21:10, 11

  3. 19. የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ።—ማቴ. 16:16፣ ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:15

  4. 20. የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይኰነን።—ዮሃ. 14:28፣ 1 ቈረ. 11:3

Based on NASA/Visible Earth imagery

 መንግስቲ ኣምላኽ

  1. 21. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝቘመት ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ።—ዳን. 2:44፣ 7:13, 14፣ ማቴ. 6:9, 10፣ ራእ. 11:15

  2. 22. መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን እያ።—መዝ. 2:7-9፣ ዳን. 2:44

  3. 23. መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ንጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ እተምጽእ።—መዝ. 37:10, 11፣ 46:9፣ ኢሳ. 65:21-23

 መከራ

  1. 24. ጠንቂ መከራና፡ ኣምላኽ ኣይኰነን።—ዘዳ. 32:4፣ ያእ. 1:13

  2. 25. ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ሰይጣን እዩ።—ሉቃ. 4:5, 6፣ 1 ዮሃ. 5:19

  3. 26. ኣምላኽ ንመከራኻ ይርእዮን ይሓልየልካን እዩ።—መዝ. 34:17-19፣ ኢሳ. 41:10, 13

  4. 27. ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣምላኽ ንመከራ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ።—ኢሳ. 65:17፣ ራእ. 21:3, 4

 ሞት

  1. 28. ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣ ይሳቐዩ እውን ኣይኰኑን ዘለዉ።—መክ. 9:5፣ ዮሃ. 11:11-14

  2. 29. ምዉታት ኪረድኡና ዀነ ኺጐድኡና ኣይክእሉን እዮም።—መዝ. 146:4፣ መክ. 9:6, 10

  3. 30. ሞይቶም ዘለዉ ሰብና ኺትንስኡ እዮም።—እዮ. 14:13-15፣ ዮሃ. 5:28, 29፣ ግብ. 24:15

  4. 31. “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” እዩ።—ራእ. 21:3, 4፣ ኢሳ. 25:8

 ሃይማኖት

  1. 32. ኵለን ሃይማኖታት ኣይኰናን ንኣምላኽ ዜሐጕሳኦ።—ኤር. 7:11፣ ማቴ. 7:13, 14, 21-23

  2. 33. ኣምላኽ ግብዝና ይጸልእ።—ኢሳ. 29:13፣ ሚክ. 3:11፣ ማር. 7:6-8

  3. 34. ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ትልለ።—ሚክ. 4:3፣ ዮሃ. 13:34, 35