ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ንተኣከብቲ ዚኸውን ሓበሬታ

ቀዳማይ ረድኤት፦ እዚ ንሃንደበታዊ ዅነታት ጥራይ እተዳለወ ምዃኑ ፍለጥ።

ብወለንታ ዚግበር ኣገልግሎት፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኸተገልግል እንተ ደኣ ደሊኻ፡ በጃኻ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ወለንታን ኣመልክት እሞ ኣብቲ ሓገዝ ዜድልየሉ ቦታ ኽትምደብ ኢኻ።

ኣአንገድቲ፦ እቶም ኣአንገድቲ ኺሕግዙኻ እዮም ተመዲቦም። ከም ማካይን ደው ምባልን ጻዕቂ ሰብ ምቍጽጻርን ኮፍ መበሊ ምሕዛእን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ብዚምልከት ንዚህቡኻ መምርሒ በጃኻ ኻብ ልቢ ተሓባበሮም።

ኮፍ መበሊ፦ በጃኻ ንኻልኦት ሰባት ሕሰበሎም። ኮፍ መበሊ ንኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ብማኪና ምሳኻ ንዚመጹ፡ ምሳኻ ኣብ ሓደ ቤት ንዚነብሩ፡ ወይ ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ንዜጽንዑ ሰባት ጥራይ ኢኻ ኽትሓዝኣሎም እትኽእል። በጃኻ፡ ኣብ ዘይሓዛእካዮ ኾፍ መበሊታት ኣቕሑ ኣይተቐምጥ።

ወፈያ፦ እቲ ኣኼባ ባህ ዜብልን ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ዚሕግዘናን ምእንቲ ኪኸውን እኹል ኮፍ መበልን ናይ ድምጺ መሳርሕን ናይ ቪድዮ መሳርሕን ካልእ ሓያሎ ኣገልግሎታትን ንምድላው ዚኣክል ወጻኢታት ተገይሩ እዩ። እቲ ብፍታው እትገብሮ ወፈያ ነዚ ወጻኢታት እዚ ንምሽፋንን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድንፋዕን ዚሕግዝ እዩ። እዚ ውጽኢት እዚ ንምሃብ ምእንቲ ኺጥዕመካ ብንጹር ምልክት እተገብረሉ ሳጹን ውጽኢት ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ። እንተ ተኻኢሉ ግና፡ ብኢንተርነት ኣብ donate.pr418.com ወፈያ ኽትገብር ንምሕጸነካ። ኵሉ እቲ እትገብሮ ወፈያ ኣዝዩ ዚነኣድ እዩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ነቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ኢልካ እትገብሮ ልግሲ ኺንእደካ ይፈቱ።

ጠፊኡ እተረኽበ፦ ኵሉ እተረኽበ ኣቕሑ ናብ ክፍሊ ጠፊኡ እተረኽበ ኺውሰድ ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ደኣ ጠፊኡካ፡ ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ኼድካ ድለዮ። ካብ ወለዶም ተፈልዮም ዝጠፍኡ ቘልዑ እውን፡ ናብዚ ኽፍሊ እዚ ኺውሰዱ ኣለዎም። ነቶም ኣብኡ ዜገልግሉ ዘየድሊ ውጥረት ኣይትፍጠረሎም፡ በጃኻ ንደቅኻ ተኸታተሎም፡ ካባኻ ድማ ኣይትፍለዮም።

ጥምቀት፦ ፍልይ ዝበለ መምርሒ እንተ ዘይተዋሂቡ ንናይ ጥምቀት ሕጹያት እተሓዝአ ቦታ ፊት ንፊት እቲ መድረኽ ኣብ ዚርከብ ቅድሚት ዘሎ መናብር እዩ። ናይ ጥምቀት ሕጹያት፡ ቀዳም ንግሆ ናይ ጥምቀት መደረ ቕድሚ ምጅማሩ ኣብቲ እተሓዝኣሎም ክፋል ኮፍ ኪብሉ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሽጎማኖን ትሕትና ዜርኢ ንጥምቀት ዚኸውን ክዳንን ሒዙ ኺመጽእ ኣለዎ።

ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ

© 2024 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania