ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ

የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ

የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ

ወልሽን ኤልዚያን ብ1985 ኣብ ስዌቶ: ደቡብ ኣፍሪቃ ቃል ኪዳን ኣሰሩ። ብተደጋጋሚ ምስ ዚንዚ ጓሎም ኰይኖም ነቲ ናይ መርዓ ኣልቡሞም ይርእይዎ እሞ ነታ እተሐጕስ መዓልቲ ድማ ይዝክሩዋ። ዚንዚ ነቶም ኣብቲ መርዓ ዝነበሩ ዕዱማት ምልላይ: ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣዲኣ ምልኩዕ ክዳን ተኸዲና እተሳእለቶ ስእሊ ምርኣይ የሐጕሳ ኢዩ።

 እቲ ስነ-ስርዓት ንምጅማር ኣብ ስዌቶ ኣብ ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ኣደራሽ ናይ መርዓ ዝርርብ ተዋህበ። ካብኡ: ሓደ ጕጅለ ክርስትያን ዘመርቲ ኣርባዕተ ክፍሊ ዘለዎ ንኣምላኽ ዝውድስ መዝሙር ዘመሩ። ድሕርዚ: ቴፕ ተወልዐት እሞ እቶም ዕዱማት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዜማታት ብህዱእ ድምጺ እናሰምዑ መግቢ ተመገቡ። ኣልኮላዊ መስተ ኣይቀረበን: ዓው ዝበለ ሙዚቃ ወይ ሳዕስዒት እውን ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ: እቶም ዕዱማት በቲ ምትእኽኻብ ተሓጒሶምን ነቶም መርዑት ከኣ እንቋዕ ሓጐሰኩም ኢሎምዎምን ኢዮም። ብጠቕላልኡ እቲ ስነ⁠-​ስርዓት ዳርጋ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ወሰደ። ሓደ ራይመንድ ዝስሙ ክርስትያን ሽማግለ “ኵሉ ግዜ ባህ ዘብል ተዘክሮታት ዘምጽኣለይ መርዓ ኢዩ ነይሩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ወልሽን ኤልዚያን ቃል ኪዳን ክኣስሩ ኸለዉ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ወለንተኛታት ኰይኖም ይዓዩ ነበሩ። ጸቢብ ውራይ እንተ ዘይኰይኑ ካብኡ ንላዕሊ ንምግባር ዓቕሞም ኣይፈቕደሎምን ነበረ። ገለ ክርስትያናት ገፊሕ ውራይ ንኽገብሩ ኢሎም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓዲጎም ዓለማዊ ስራሕ ሒዞም ኢዮም። ይኹን እምበር: ወልሽን ኤልዚያን ጸቢብ ውራይ ብምግባሮም ኣይጠዓሱን ኢዮም: ከመይሲ ከምዚ ብምግባሮም ክሳዕ ዚንዚ ጓሎም እትውለድ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ንኣምላኽ ንኸገልግሉ ኣኽኢልዎም ኢዩ።

እንተ​ዀነ ግን: መርዓውን መርዓትን ኣብ ውራዮም ዓለማዊ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ክህሉ እንተ ደለዩኸ፧ ወይኒ ወይ ካልእ ኣልኮላዊ መስተ ከቕርቡ እንተ ደለዩኸ፧ ገፊሕን ሰፊሕን ውራይ ንምግባር ዓቕሞም ዝፈቕደሎም እንተ​ዀነኸ፧ እቲ ውራይ ኣብቶም ንኣምላኽ ዘምልኹ ሰባት ክርአ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ከም ዝኸውን ብኸመይ ከረጋግጹ ይኽእሉ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ተጠንቂቕካ ክሕሰበሉ ኣለዎ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ ይእዝዘና ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠31

ቀይዲ በተኽ ድግስ ምውጋድ

ሓጐስ ዘይብሉ መርዓ ከሕልፍ ኢሉ ዝሓስብ የለን። ይኹን እምበር: ቀይዲ ዘይብሉ ድግስ ብምግባር ካብ መጠን ንላዕሊ ሓጐስ ምድላይ ግን ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ኢዩ ዘእቱ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ዝገብርዎ መብዛሕትኡ መርዓታት ንኣምላኽ ክብሪ ዘይህብ ኢዩ። ንኣብነት: ክሳዕ እትሰክር ምስታይ ልሙድ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣብ ናይ ክርስትያናት መርዓ እውን ኣጋጢሙ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ዜስክር መስተ . . . ሃዋኺ እዩ” ብምባል የጠንቅቐና። (ምሳሌ 20:⁠1) እታ “ሃዋኺ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል “ብዓው ዝበለ ድምጺ ምርባሽ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ኣልኮላዊ መስተ ንሓደ ሰብ ረባሺ ክገብሮ ዝኽእል እንተ​ድኣ ዀይኑ: ንብዙሓት ተኣኪቦም ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሰተዩ ሰባት እንታይ ክገብሮም ከም ዝኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብቐሊሉ ናብ “ስኽራን: ጓይላ [“ቀይዲ በተኽ ድግስ:” NW ]: ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን” ክልወጥ ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ግብሪ ስጋ” ተባሂሉ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንሓደ ዘይንሳሕ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ካብ ምርካብ ከም ዝግለፍ ይገብሮ።​—⁠ገላትያ 5:⁠19-21

እታ “ቀይዲ በተኽ ድግስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም እናደረፉ: እናሳዕስዑ: ከምኡውን ሙዚቃ እናወቕዑ ዓው ዓው ብምባል እናረበሹ ብጐደና ዝሓልፉ መንእሰያት ንምግላጽ ተገልግል ነበረት። ኣብ መርዓ ኣልኮላዊ መስተ ብዘይ​ገደብ እንተ​ድኣ ተሰትዩ ከምኡውን ዓው ዝበለ ሙዚቃን ቀይዲ በተኽ ሳዕስዒትን እንተ​ድኣ ሃልዩ: እቲ ውራይ ናብ ቀይዲ በተኽ ድግስ ናይ ምልዋጥ ሓደጋ ይህልዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ድኹማት ሰባት ብቐሊሉ ይፍተኑ: ከም “ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: . . . ቍጥዓ” ዝኣመሰለ ካልእ ግብሪ ስጋ ድማ ይፍጽሙ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግብሪ ስጋ ንናይ ክርስትያን ውራይ ንኸየበላሽዎ እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ መርዓ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ።

የሱስ እተኻፈሎ መርዓ

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ ሓደ መርዓ ተዓደሙ። ነቲ ዕድመ ተቐበልዎ: የሱስ ከኣ ኣብ ሓጐስ ናይቲ ውራይ ኣበርክቶ ገበረ። ወይኒ ምስ ተወድአ: ብተኣምራታዊ መገዲ ዝበለጸ ዓይነት ወይኒ ወሰኸሎም። ድሕሪ እቲ መርዓ ዝተረፈ ወይኒ እቲ መርዓውን ስድራ​ቤቱን ከም ዝሰተይዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 2:⁠3-11

ካብዚ የሱስ እተኻፈሎ መርዓ ሓያሎ ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ ነገር: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብቲ ውራይ ብኢደ ወነኖም ኣይከዱን። መጽሓፍ ቅዱስ ተዓዲሞም ከም ዝነበሩ ፈልዩ ይጠቕሰልና ኢዩ። (ዮሃንስ 2:⁠1, 2) ብተመሳሳሊ እውን: ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ ውራይ ዝጠቐሶ ክልተ ምሳልያዊ ዛንታታት: እቶም ኣጋይሽ ናብቲ መርዓ ዝኸዱ ስለ እተዓደሙ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ገሊጹ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠2-4, 8, 9፣ ሉቃስ 14:⁠8-10

ባህሊ ናይ ገሊኡ ሃገራት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝርከብ ዝዀነ ሰብ ይተዓደም ኣይተዓደም ብዘየገድስ ናብቲ መርዓ ክኸይድ ዘፍቅድ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እዚ ናብ ቍጠባዊ ጸገም ክመርሕ ዝኽእል ኢዩ። ርኹባት ዘይኰኑ ሕጹያት እተወሰነ ቍጽሪ ንዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ዝኣክል መግብን መስተን ንኸዳልዉ ኢሎም ኣብ ዕዳ ክኣትዉ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ: ክርስትያን ሕጹያት እተወሰነ ቍጽሪ ኣጋይሽ ጥራይ ዝርከብዎ ጸቢብ ውራይ ክገብሩ እንተ​ድኣ ወሲኖም: እቶም ዘይተዓደሙ ክርስትያን ብጾቶም ነዚ ክርድኡሎምን ከኽብሩሎምን ኣለዎም። ሓደ ኣብ ኬፕ ታውን: ደቡብ ኣፍሪቃ እተመርዓወ ሰብኣይ 200 ሰባት ጥራይ ከም ዝዓደመ ይዝክር። እንተ​ዀነ ግን: 600 ሰባት ስለ ዝመጹ ብኡንብኡ እቲ መግቢ ተወድአ። ካብ መንጎ እቶም ከይተዓደሙ ዝመጹ ሰባት ኣብታ ቀዳመ-ሰንበት እቲኣ ኣብ ኬፕ ታውን ዙረት ዝገብሩ ዝነበሩ ኣውቶቡስ ምልእቲ ገያሾ ይርከብዎም። እቲ ነቲ ዙረት ዝመርሖ ዝነበረ ሰብ ነታ መርዓት ናይ ርሑቕ ዘመዳ ነበረ: ነታ መርዓት ወይ ነቲ መርዓዊ ከየማኸረ ኸኣ ንብምልእታ እታ ዙረት እትገብር ዝነበረት ጕጅለ ሒዙ ንኽመጽእ መሰል ዘለዎ ኰይኑ ተሰምዖ!

ናብቲ ውራይ ዝዀነ ሰብ ክመጽእ ከም ዝኽእል እንተ ዘይተገሊጹ: ሓደ ሓቀኛ ሰዓቢ የሱስ ከይተዓደመ ኣይከይድን ኢዩ: ነቶም ዕዱማት እተዳለወ መግቢ ኰነ መስተ እውን ኣይምገብን ወይ ኣይሰትን ኢዩ። እቶም ከይተዓደሙ ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ‘ናብዚ መርዓ እዚ ብምኻደይ ነዞም ሓደስቲ መርዑት ፍቕሪ ከም ዘይብለይ ኣየርእንዶ፧ ኣብቲ ሓጐሶም ጸገም ወይ ዕንቅፋት ኣይፈጥረሎምንዶ፧’ ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም። ሓደ ዝርዳእ ክርስትያን ስለ ዘይተዓደመ ኣብ ክንዲ ዝቕየም: ነቶም መጻምድቲ እንቋዕ ሓጐሰኩም ብምባልን የሆዋ ንኽባርኾም ብምምናይን መልእኽቲ ክሰድድ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣብ መዓልቲ መርዕኦም ዝረኽብዎ ሓጐስ ንኽውስኸሉ እውን ውህበት ብምልኣኽ ነቶም መጻምድቲ ክሕግዞም ይሓስብ ይኸውን።​—⁠መክብብ 7:⁠9፣ ኤፌሶን 4:⁠28

መን ኢዩ ብሓላፍነት ዝሕተት፧

ኣብ ገለ ክፍልታት ኣፍሪቃ: ብባህሊ እቶም ዓበይቲ ኣዝማድ ኢዮም ነቲ መደባት ውራይ ዝገብርዎ። እቶም መጻምድቲ እዚ ነገር እዚ ካብ ቍጠባዊ ሸኸም ስለ ዘዕርፎም የማስዉሉ ይዀኑ። ኣብቲ ውራይ ብዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ነገር ብሓላፍነት ዘይሕተቱ ክመስሎም እውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ሕጹያት ነቲ ኣዝማድ ብሰናይ ተበግሶ ዘቕርብዎ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ቅድሚ ምቕባሎም: እቲ ናይ ብሕቲ ድሌቶም ከም ዝፍጸመሎም ርግጸኛታት ክዀኑ ኣለዎም።

የሱስ “ኻብ ሰማይ ዝወረደ” ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ: ኣብቲ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ እተገብረ መርዓ ናይ ካልእ ሰብ ሓላፍነት ብምውሳድ ነቲ ውራይ ከም ዘካየደ ዝሕብር የለን። (ዮሃንስ 6:⁠41) ኣብ ክንድኡስ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ሰብ ‘ኣቦ ዳስ’ ኰይኑ ከም እተመዘዘ ኢዩ ዝነግረና። (ዮሃንስ 2:⁠8) ነዚ ሰብኣይ እዚ ዝእዝዞ ኸኣ እቲ ሓድሽ ርእሲ ስድራ​ቤት ዝዀነ መርዓዊ ነበረ።​—⁠ዮሃንስ 2:⁠9, 10

ክርስትያን ኣዝማድ ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ርእሲ ናይታ ሓዳስ ስድራ​ቤት ከኽብርዎ ኣለዎም። (ቈሎሴ 3:⁠18-20) ኣብቲ መርዓ ንዝግበር ዝዀነ ይኹን ነገር ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ ንሱ ኢዩ። መርዓዊ ምኽንያታዊ ክኸውን ኣለዎ: ዝከኣል እንተ ዀይኑ ድማ ነቲ ናይ መርዓቱ: ናይ ወለዱ: ከምኡውን ናይ ስድራ​ቤት መርዓቱ ድሌት ከማልእ ኣለዎ። እንተ​ዀነ ግን: ኣዝማድ ነቲ ውራይ ኣንጻር ድሌት ናይቶም ሕጹያት ብዝዀነ መገዲ ከዳልዉዎ እንተ​ድኣ ደልዮም: እቶም ሕጹያት ነቲ ካብ ኣዝማዶም ዝቐረበሎም ሓገዝ ብሕያውነት ክነጽግዎን ባዕሎም ጸቢብ ውራይ ክገብሩን ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ነቶም ሕጹያት ባህ ዘየብል ተዘክሮ ዝሓድገሎም ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይፍጸምን። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ እተገብረ ናይ ክርስትያን መርዓ ሓደ ኣብቲ ውራይ ኣቦ ዳስ ኰይኑ ዝነበረ ዘይኣማኒ ዘመድ ብርጭቆኡ ብምልዓል ንምዉታት ኣዝማድ ክብሪ ተመነየ!

ሓድሓደ ግዜ ቅድሚ እቲ ናይ መርዓ ስነ⁠-​ስርዓት ምውዳኡ እቶም መርዑት ናብ ዝሕጸኑሉ ቦታ ይኸዱ ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ምእንቲ ክሕሎን እቲ ውራይ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ምእንቲ ክውዳእን እቲ መርዓዊ ሓላፍነት ንምቕባል ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት ከዳሉ ኣለዎ።

ብጥንቃቐ መደብ ምውጻእን ሚዛን ምሕላውን

ኣብቲ የሱስ እተረኽቦ ውራይ እኹል ሽሻይ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መርዓ ድግስ ከም ዝነበረ ይገልጽ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ እውን እኹል ወይኒ ነይሩ ኢዩ። ግቡእ ዓይነት ሙዚቃን ክብርኻ ዘየሕስር ሳዕስዒትን ከም ዝነበረ እውን ኣየጠራጥርን ኢዩ: ከመይሲ እዚ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ኣይሁድ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ ነዚ ጠቒስዎ ኣሎ። እቲ ኣብቲ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ ሃብታም ኣቦ እቲ እተናስሐ ወዱ ብምምላሱ ኣጸቢቑ ተሓጐሰ እሞ “ንብላዕ: ንተሐጐስ” በለ። ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ: እቲ ድግስ “ኰበሮን ጓይላን” ነበሮ።​—⁠ሉቃስ 15:⁠23, 25

እቲ ዘገርም ግን ኣብቲ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ እተገብረ መርዓ መጽሓፍ ቅዱስ ፈልዩ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ከም ዝነበረ ኣይገልጽን ኢዩ። አረ ብሓቂ ክርአ ኸሎስ: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ መርዓታት ኣብ ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ሳዕስዒት ተጠቒሱ ኣይተረኽበን። ኣብቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሳዕስዒት ከም መዳምቕቲ ደኣ እምበር ከም ቀንዲ ክፍሊ ናይ መርዓ ገይርካ ዘይርአ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ካብዚ ገለ ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእልዶ፧

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እተገብሩ ገለ ናይ ክርስትያን መርዓታት ሓያል ናይ ድምጺ መሳርሒ ተጠቒሞም ኢዮም። እቲ ሙዚቃ ኣዝዩ ዓው ስለ ዝብል እቶም ዕዱማት ንኸዕልሉ የጸግሞም። ሓድሓደ ግዜ ሕጽረት መግቢ ከም ዘሎ ግሁድ ኢዩ: ኣብቲ ብቐሊሉ ቀይዲ ክጥሕስ ዝኽእል ሳዕስዒት ግን ሕጽረት የለን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ኣብ ክንዲ ናይ መርዓ ውራይ ዝኸውን: ናይ ትልሂት መደብ ንምግባር ምኽንያት ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዓው ዝበለ ሙዚቃ መብዛሕትኡ ግዜ ጸገም ዝፈጥሩ: ከይተዓደሙ ዝመጹ ሰባት ይስሕብ ኢዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መርዓታት ንሙዚቃን ሳዕስዒትን ኣትኵሮ ስለ ዘይህቦ: እዚ ነቶም የሆዋ ዝኸብረሉ መርዓ ክገብሩ ዝደልዩ ሕጹያት ከም መምርሒ ክዀኖምዶ ኣይግባእን፧ እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እተገብረ ሓያሎ መርዓታት ንኽስዕስዑ እተመርጹ ክርስትያን መንእሰያት: እተሓላለኸ ሳዕስዒት ንምጽናዕ ብዙሕ ሰዓታት ተለማሚዶም ኢዮም። ንብዙሕ ኣዋርሕ ነዚ እተሓላለኸ ሳዕስዒት እዚ ንምጽናዕ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፎም ኢዮም። ክርስትያናት ግን ንኸም ዕዮ ወንጌላውነት: ብሕታዊ መጽናዕቲ: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ዝኣመሰለ “ዚሐይሽ” ነገራት ‘ግዜ ክዕድጉ’ ኣለዎም።​—⁠ፊልጲ 1:⁠10፣ ኤፌሶን 5:⁠16

ብዝሒ ናይቲ የሱስ ዘቕረቦ ወይኒ ብምዕዛብ እቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ሰፊሕ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ይኹን እምበር: እቲ ውራይ ህውከት ዝመልኦ ከም ዘይነበረ ከምኡውን ከምቲ ኣብ ገለ ናይ ኣይሁድ መርዓታት ዝግበር እቶም ዕዱማት ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዘይሰተዩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 2:⁠10) ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ምኽንያቱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብኡ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ነቲ “ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ . . . ኣይትኹን” ዝብል ብዛዕባ ሕማቕ ዕርክነት እተዋህበ ትእዛዝ ኣምላኽ ንምኽባር ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ከም ዝጥንቀቕ ርዱእ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 23:⁠20

ስለዚ: እቶም ሕጹያት ኣብ መርዕኦም ወይኒ ወይ ካልእ ኣልኮላዊ መስተ ክህሉ እንተ​ድኣ ወሲኖም: ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ናይ ሓላፍነት ዝስምዖም ውልቀ⁠-​ሰባት ንኽኸውን ምድላዋት ክገብሩ ኣለዎም። ሙዚቃ ክህሉ እንተ​ድኣ ደልዮም ከኣ ግቡእ ዜማታት ክመርጹን ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብ ነቲ ድምጺ ከም ዝቈጻጸሮ ክገብሩን ኣለዎም። ዕዱማት ነቲ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ክቈጻጸሩ ከምኡውን ዘተሓታትት ሙዚቃ ክውልዑ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ዓው ከብልዎ ክፍቀደሎም የብሉን። ሳዕስዒት ክህሉ እንተ ዀይኑ ክብረትካ ዘየሕስርን ቀይዲ ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ። ዘይኣመንቲ ኣዝማድ ወይ ዘይበሰሉ ክርስትያናት ጽዩፍ ወይ ናይ ፍትወት ስምዒት ዘለዓዕል ሳዕስዒት እንተ​ድኣ ገይሮም: እቲ መርዓዊ ነቲ ዓይነት ሙዚቃ ከም ዝቕየር ወይ ብሜላ እቲ ሳዕስዒት ከም ዘቋርጽ ክገብር ይኽእል ኢዩ። እንተ ዘይኰይኑ እቲ ውራይ ፋሉልን መዓንቀፍን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ሮሜ 14:⁠21

ብዙሓት ክርስትያን ሰብኡት ገለ ዓይነት ዘመናዊ ሳዕስዒት: ዓው ዝበለ ሙዚቃ: ከምኡውን ደረት ዘይብሉ ቀረብ ኣልኮላዊ መስተ ዘስዕቦ ሓደጋታት ስለ ዝፈለጡ: ነዚ ኣብ መርዕኦም ከይህሉ ወሲኖም ኢዮም። ገሊኣቶም ከምዚ ብምግባሮም ተነቒፎም ኢዮም: እንተ​ዀነ ግን ኣብቲ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ጸርፊ ከምጽእ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከወግዱ ብምድላዮም ክነኣዱ ኢዩ ዘለዎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ገለ ሰብኡት ግቡእ ዓይነት ሙዚቃ: ንሳዕስዒት ዝኸውን ግዜ: ከምኡውን ብመጠኑ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝቐርብ ገይሮም ኢዮም። ኣብ ክልቲኡ ምርጫታት እቲ መርዓዊ በቲ ኣብ መርዕኡ ክግበር ዘፍቅዶ ነገራት ተሓታቲ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ገለ ዘይበሰሉ ክርስትያናት ነቶም ክብሩ ዝሓለወ ውራይ ዘሕለፉ ክርስትያናት ይንዕቅዎም: ኣብ እንዳ ሓዘን ዘሎኻ ኢዩ ዝመስል ከኣ ይብሉ። ይኹን እምበር: እዚ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣረኣእያ ኣይኰነን። ሓጢኣት ዝመልኦ ግብሪ ስጋ ግዝያዊ ሓጐስ የምጽእ ይኸውን: እንተ​ዀነ ግን ንክርስትያናት ሕርኽርኽ ዝብል ሕልና ይገድፈሎም: ኣብ ስም ኣምላኽ ድማ ጸርፊ የምጽእ ኢዩ። (ሮሜ 2:⁠24) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ናይ ኣምላኽ ቅዱስ መንፈስ ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22) ብዙሓት ክርስትያን መጻምድቲ ነታ መዓልቲ መርዕኦም ምልስ ኢሎም ክርእይዋ ከለዉ “መዓንቀፊ” ዘይኰነትስ እተሐጕስ መዓልቲ ምንባራ ብምዝካሮም ባህ ይብሎም።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:⁠3

ወልሽን ኤልዚያን ነቲ ኣብ መርዕኦም ተረኺቦም ዝነበሩ ዘይኣመንቲ ኣዝማድ ዝሃብዎ ብዙሕ ባህ ዘብል ሓሳባት ይዝክሩዎ ኢዮም። ሓደ ዘመዶም ከምዚ በለ:- “እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝግበር ህውከት ዝመልኦ መርዓታት ሰልክዩና ኢዩ። ከም ለውጢ: እሩም መርዓ ምርኣይ ባህ ዘብል ኢዩ።”

ልዕሊ ዅሉ ግን: ሓጐስ ዝመልኦን ምዕሩግን ናይ ክርስትያናት መርዓ ነቲ መስራቲ መርዓ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘኽብር ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንናይ መርዓ ዕድመ ዝኸውን መቈጻጸሪ

• ዘይኣማኒ ዘመድ ዝርርብ ክህብ እንተ ዓዲምካዮ: ገለ ዘይክርስትያናዊ ልምዲ ከም ዘይዛረብ ርግጸኛዶ ኢኻ፧

• ሙዚቃ ክህሉ እንተ​ድኣ ዀይኑ: ግቡእ ዓይነት ደርፍታት ጥራይ መሪጽካዶ፧

• እቲ ሙዚቃ ህዱእ ድምጺ ድዩ ክህልዎ፧

• ሳዕስዒት እንተ ተፈቒዱ: ክብርኻ ዘየሕስር ድዩ ክኸውን፧

• ኣልኮላዊ መስተ ብዓቐን ድዩ ዝቐርብ፧

• ሓላፍነት ንምቕባል ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት ድዮም ዝቈጻጸርዎ፧

• እቲ ናይ መርዓ ስነ-ስርዓት ዝውድኣሉ ግቡእ ግዜ መዲብካዶ ኢኻ፧

• ክሳዕ መወዳእታ ስርዓት ንኸይጠሓስ ንምቍጽጻር ሓላፍነት ዝቕበሉ ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት ክህልዉዶ ኢዮም፧