ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ብናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምምስጋን!

ንየሆዋ ብናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምምስጋን!

ታሪኽ ህይወት

ንየሆዋ ብናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምምስጋን!

ስታንሊ ኢ. ረይኖልድስ ዘዘንተዎ

ብ1910 ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ ተወለድኩ። ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ወለደይ ኣብ ዊልትሼር ናብ እትርከብ ዌስትባሪ ሌይ እትበሃል ንእሽቶ ቍሸት ገዐዙ። ንእሽቶ ወዲ ከለኹ ብዙሕ ግዜ ‘ኣምላኽ መን ኢዩ፧ ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ክነግረኒ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ከም ናትና ዝኣመሰለ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ንኣምላኽ ንምምላኽ ክልተ ኣብያተ-ጸሎትን ሓደ ቤተ-ክርስትያንን ዘድለየሉ ምኽንያት ክርድኦ ኣይከኣልኩን።

 ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኽባራዕ ኣርባዕተ ዓመት ክተርፎ ኸሎ ማለት ብ1935: ኣነን ዲክ ሓወይን ንዕረፍትና ኣብ ትሕቲ ድንኳን ንኸነሕልፎ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ወይማዝ ብብሽክለታ ከድና። ኣብ ውሽጢ ድንኳን ኮፍ ኢልና ንድምጺ እቲ ዝወቅዕ ዝነበረ ዝናብ እናሰማዕና እንታይ ከም እንገብር ክንሓስብ ከሎና: ሓደ ዕድመ ዝደፍአ ሕፉር ሰብኣይ መጸና እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጸናዕ ዝሕግዛ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ: ላይት-I: ላይት-⁠II ዘርእስተን ሰለስተ ጽሑፋት (እንግሊዝኛ) ክወስድ ዓደመኒ። ሰልክዩኒ ስለ ዝነበረ ሓደ ነገር ብምርካበይ ተሓጒሰ ወሰድክወን። በቲ ዘንበብክዎ ብኡንብኡ ተገረምኩ: እንተ​ዀነ ግን እዚ ንህይወተይን ንህይወት ሓወይን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቕይሮ ሽዑ ኣይተረድኣንን ነበረ።

ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ: ሓንቲ ኣብ ቍሸትና እትነብር ዝነበረት ኬት ፓርሶንስ እትበሃል ሰበይቲ ተመሳሳሊ ዓይነት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ትዝርግሕ ከም ዝነበረት ኣደይ ነገረትኒ። እታ ሰበይቲ ኣጸቢቓ ዕድመ ዝደፍአት እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ንእሽቶ ሞተር ብሽክለታ ተወጢሓ ነቶም ኣብቲ ፋሕ ኢሉ ዝነብር ማሕበረሰብና ዝርከቡ ሰባት ትበጽሖም ስለ ዝነበረት ፍልጥቲ ኢያ ነይራ። ክበጽሓ ምስ ከድኩ: ነተን ክሪኤሽን ከምኡውን ሪችስ ዝበሃላ መጻሕፍትን ካልእ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመ ጽሑፋትን (እንግሊዝኛ) ተሓጒሳ ሃበትኒ። ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና እውን ነገረትኒ።

ነተን መጻሕፍቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱሰይ እናኣረኣኣኹ ምስ ኣንበብክወን: የሆዋ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጥኩ: ንዕኡ ከምልኽ ድማ ደለኹ። ስለዚ: ካብታ ቤተ-ክርስትያንና ንኽሰናበት ደብዳበ ሰደድኩ እሞ ኣብ ቤት እንዳ ጆን ሙዲን ኣለስ ሙዲን ዝግበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ክካፈል ጀመርኩ። ንሳቶም ኣብታ ዌስትባሪ እትበሃል ናባና ዝቐረበት ንእሽቶ ከተማ ይነብሩ ነበሩ። ኣብቲ ኣኼባታት እቲ ሸውዓተ ሰባት ጥራይ ንካፈል ነበርና። እቲ ኣኼባታት ቀቅድሚ ምጅማሩን ደድሕሪ ምውዳኡን ኬት ፓርሶንስ ሃርሞኒዩም ዝበሃል መሳርሒ ሙዚቃ ትወቕዓልና እሞ ንሕና እውን ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ብሓባር ዓው ኢልና ንዝምር ነበርና!

ቀዳሞት ግዝያት

ኣብ ወሳኒ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ስለ ዝፈለጥኩ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 24:⁠14 ብትንቢት እተነግረሉ ዕዮ ስብከት ክካፈል ባህጊ ሓደረኒ። ስለዚ: ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጽኩ: ቦርሳ ዓደግኩ: ከምኡውን ህይወተይ ነቲ ዓቢ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ወፈኹ።

ኣብ ነሓሰ 1936 እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ “ኣርማጌዶን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተመርኲሱ ዝርርብ ንምሃብ ናብ ግላስኮ: ስኮትላንድ ምብጻሕ ገበረ። ግላስኮ ካብቲ ዝነበርኩዎ 600 ኪሎ ሜተር ኣቢላ እትርሕቕ እኳ እንተ​ዀነት: ናብታ ኸተማ ንኽኸይድን ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ ንኽጥመቕን ቈሪጸ ነበርኩ። ሒደት ገንዘብ ስለ ዝነበረኒ ብሽክለታይ ሒዘ ብባቡር ናብታ ኣብ ዶብ ስኮትላንድ እትርከብ ካርላይል እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ከድኩ: ካብኡ ኸኣ ናብ ሰሜን 160 ኪሎ ሜተር ብብሽክለታ ኸድኩ። ናብ ገዛ ክምለስ ከለኹ እውን ዝበዝሕ መገዲ ብብሽክለታ ኢየ ተጓዒዘዮ: ስለዚ ኸኣ ብኣካል ኣዝየ ደኺመ ብመንፈስ ግን ተበራቲዐ ተመለስኩ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እምነተይ ነቶም ኣብ ከባቢና ኣብ ዘለዋ ኣቝሻት ዝነበሩ ሰባት ንኸካፍሎም ብብሽክለታ ኢየ ዝጓዓዝ ነይረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር እቶም ሰብ ቤት ዘንብብዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ዝሓዘ ንምስክርነት ዘገልግል ካርድ ነበሮ። እቲ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝሃቦ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝርርባት ሰባት ከም ዝሰምዕዎ ንምግባር ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ንጥቀም ነበርና። ነታ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፍልጠና ናይ መጽሔት ቦርሳ a እውን ካባና ኣይንፈልያን ነበርና።

ኣብ ግዜ ውግእ ፓይነር ምዃን

ብ1940 ሓወይ ተጠመቐ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1939 ጀሚሩ ነበረ: ክልቴና ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ምዃን ብህጹጽ ዝድለ ምዃኑ ተረድኣና። ስለዚ: ፓይነር ክንከውን ኣመልከትና። ክልቴና ናብታ ናይ ብሪስቶል መንበሪት ፓይነራት ምስ ተመደብና ተሓጒስና ኢና: ኣብኡ ኢድዝ ፑል: በርት ፋርመር: ቶም ብሪጅስን ዶሮዚ ብሪጅስን: በርናርድ ሆተን: ከምኡውን ካልኦት ብእምነቶም እነድንቖም ፓይነራት ነበሩ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ብኽልቲኡ ጐና ብጕሉሕ ፊደላት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝብል እተጻሕፋ ማኪና ክትወስደና መጸት። ነታ ማኪና ስታንሊ ጆንስ እተባህለ ደሓር ሚስዮናዊ ዀይኑ ናብ ቻይና ዝኸደ እሞ ብሰንኪ ናይ ስብከት ንጥፈታቱ ኸኣ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንበይኑ ተጠልዩ እተኣስረ ሓው ኢዩ ዝዝውራ ነይሩ።

እቲ ውግእ እናጻዕጽዐ ምስ ከደ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ምሉእ ለይቲ ደቂስና ክንሓድር ኣይንኽእልን ኢና ነይርና። ቦምባታት ኣብ ከባቢ እታ መንበሪና ይወድቕ ስለ ዝነበረ: ነታጒ ከይረኽበና ከየባተኽና ክንጥንቀቕ ነበረና። ሓደ ምሸት: 200 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኣከቡሉ ጽቡቕ ኣሰምብሊ ምስ ወዳእና: ጸረ-​ነፈርቲ ናይ ዝተኰስኦ ንጣር ቃልሃታት ፈቐድኡ እናወደቐ ኸሎ ካብ ማእከል ብሪስቶል ናብታ ብተዛማዲ ድሕንነት ዝነበራ ቤትና በጻሕና።

ንጽብሒቱ ንግሆ ኣነን ዲክን ኣብታ ከተማ ዝገደፍናዮ ገለ ነገራት ንኸነምጽእ ናብቲ ቦታ ኸድና። ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ተዓኒድና ተረፍና። ብሪስቶል ዑና ዀይና ኢያ ጸኒሓትና። ብምሉኡ ማእከል ናይታ ኸተማ ዓንዩን ተቓጺሉን ነበረ። እቲ ኣደራሽ መንግስትና ዝነበሮ ጐደና ፓርክ ኵምራ ናይ ዝተክኽ ዝነበረ ፍርስራሳት ኰይኑ ተረፈ። እንተ​ዀነ ግን: ዋላ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሞተ ወይ ዝቘሰለ ኣይነበረን። እቲ ዘሐጕስ ከኣ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ብምግዓዝ ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ናይቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ፋሕ ኣቢልናዮ ነበርና። ብዛዕባ እዘን ክልተ ነገራት እዚአን ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና።

ዘይተጸበኽዎ ሓርነት

ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጽዋዕ ከለኹ እታ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኰይነ ዘገልግላ ዝነበርኩ ጉባኤ ብሪስቶል 64 ኣገልግልቲ ነበርዋ። ብዙሓት ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሰንኪ እቲ ገለልተኛ ኣቕዋሞም ተኣሲሮም ስለ ዝነበሩ ኣነ እውን ንኽሰብኽ ዝነበረኒ ሓርነት ክጐድል ተጸበኹ። ጕዳየይ ኣብ ናይ ብሪስቶል ቤት ፍርዲ ቀረበ: ቀደም ናይ ቤት ማእሰርቲ በዓል ስልጣን ዝነበረ ሓው ኣንቶኒ ባክ ከኣ ኣብ ክንዳይ ኰይኑ ይማጐት ነበረ። ተባዕን ዘይፈርህን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝርከብ ሓቂ ድማ ዝጣበቕ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ: ጽቡቕ ገይሩ ስለ እተማጐተለይ ከኣ ከይተጸበኽዎ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኰንኩ፣ ከም ቅድመ⁠-​ዅነት ግን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰይነ ክቕጽል ነበረኒ!

ነዚ ሓርነት እዚ ብምርካበይ ተሓጒሰ ኢየ: ዓቕመይ ብዝፈቕደለይ ዘበለ ክሰብኽ ከኣ ወሰንኩ። ምስቲ ናይቲ ጨንፈር ተዓዛቢ ዝነበረ ኣልበርት ዲ. ሽሮደር ንምዝርራብ ናብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንኽኸይድ መልእኽቲ ምስ ተቐበልኩ: ከምቲ ንዅሉ ሰብ ዝስምዖ እንታይ ኢዩ ዝጽበየኒ ዘሎ ኢለ ሓሲበ ኢየ። ኣብ ዮርክሺር ንኣሕዋት ንምሕጋዝን ንምትብባዕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እተፈላለያ ጉባኤታት ብምብጻሕ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ከገልግል ምስ ተዓደምኩ ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረምኩ እሞ ሕስብ ኣብልዎ። ነዚ መዝነት እዚ ዝበቅዕ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን: እንተ​ዀነ ግን ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሓራ ስለ ዝነበርኩ ናብቲ ቦታ ንምኻድ ዝዕንቅፈኒ ነገር ኣይነበረን። ስለዚ: ናይ የሆዋ መምርሒ ተቐበልኩ እሞ ፍቓደኛ ዀይነ ድማ ከድኩ።

ኣልበርት ሽሮደር ኣብ ሃደርስፊልድ ኣብ እተገብረ ኣሰምብሊ ምስቶም ኣሕዋት ኣፋለጠኒ: ኣብ ሚያዝያ 1941 ከኣ ነቲ ሓድሽ መዝነተይ ጀመርክዎ። ምስዞም ፍቑራት ኣሕዋት እዚኣቶም ምፍላጥስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ! እቲ ፍቕሮምን ሕያውነቶምን: የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ዝዀኑ ንሓድሕዶም ዝፋቐሩ ህዝቢ ኸም ዘለዉዎ ብዝያዳ ክግንዘብ ኣኽኣለኒ።​—⁠ዮሃንስ 13:⁠35

ዝያዳ መሰላት ኣገልግሎት

ብ1941 ኣብቲ ኣብ ሌስተር ዝርከብ ኣደራሽ ዲ ሞንትፉዋ ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝቐጸለ ዘይርሳዕ ሃገራዊ ዓቢ ኣኼባ ገበርና። እዋኑ መግቢ ብመቝነን ዝዕደለሉን እኹል ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ዘይነበሮን እኳ እንተ ነበረ: እቲ ኣብ ሰንበት ዝነበረ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ 12, 000 በጽሐ፣ ሽዑ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ካብ 11, 000 ብቑሩብ ኢዮም ዝበዝሑ ነይሮም። ብናይ ማሕበር ፕረዚደንት እተዋህበ ዝርርብ ተቐዲሑ መጸ እሞ ብናይ ድምጺ መሳርሒ ሰማዕና: እታ ቺልድረን ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከኣ ወጸት። እቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ ስለ እተገብረ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ታሪኽ ናይቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ህዝቢ የሆዋ ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሓዘ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።

እቲ ዓቢ ኣኼባ ድሕሪ ምውዳኡ ብዙሕ ከይጸንሐ: ምስ ናይ ለንደን ስድራ ቤትኤል ከገልግል ዕድመ ቀረበለይ። ኣብኡ ድማ: መጀመርታ ኣብ ክፍሊ ምልኣኽን ምዕሻግን: ድሓር ከኣ ንጉባኤታት ዝምልከት ጕዳያት ብምእላይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓየኹ።

እቶም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ነቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ለንደን ዝወርድ ዝነበረ ደብዳብ ከምኡውን ነቲ አብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ብሰበ-ስልጣን ዝግበር ዝነበረ ምርመራ ክጻወሩ ነበሮም። ፕራይስ ሂዩዝ: ዩዋርት ቺቲ: ከምኡውን ፍራንክ ፕላት ብሰንኪ ናይ ገለልተኛ ኣቕዋሞም ተኣስሩ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣልበርት ሽሮደር ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተጠረዘ። እዚ ጸቕጥታት እዚ እኳ እንተ ወረደ: እተን ጉባኤታትን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ብጽቡቕ ኵነታት ይእለ ነበረ።

ናብ ጊልዓድ ምኻድ!

እቲ ውግእ ብ1945 ምስ ተወድአ: ኣብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ ሚስዮናዊ ስልጠና ንኽዋሃበኒ ኣመልከትኩ: ብ1946 ኣብ መበል ሻምናይ ክፍሊ ክካፈል ድማ ተጸዋዕኩ። ማሕበር ንኸም እኒ ቶኒ ኣትዉድ: ስታንሊ ጆንስ: ሃሮልድ ኪንግ: ዳን ረንደል: ከምኡውን ስታንሊ ዉድበርን ዝኣመሰሉ ወሲኽካ ንብዙሓት ካባታትና ካብታ ገፈፍቲ ዓሳ ዝጥቀሙላ ኣብ ኮርንዎል እትርከብ ወደብ ፋዊ ተበጊስና ብባሕሪ ንኽንጓዓዝ ምድላው ገበረትልና። ሓደ ኣብቲ ዓዲ ዝነብር ሓው ኣብ ሓንቲ ንመስርሒ ሰራሚክስ ዘገልግል ጻዕዳ መሬት ዝጸዓነት መርከብ ኣመዝገበና። እቲ መሕደሪና ኣዝዩ እተጻበበ: እቲ ናይታ መርከብ ባይታ ኸኣ ብማይ ዘዕለቕለቐ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ወደብ ፊላደልፈያ ምስ በጻሕና ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና እፎይ ዝበልና!

እቲ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝርከበሉ ዝነበረ ከባቢ ኣብ ሰሜናዊ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ደቡብ ላንሲንግ ዝበሃል ባህ ዘብል ቦታ ነበረ: እቲ ኣብኡ ዝረኸብክዎ ስልጠና ኸኣ ንዓይ ብዙሕ ጠቒሙኒ ኢዩ። እቶም ኣብ ክፍልና ዝነበሩ ተማሃሮ ካብ 18 ሃገራት ዝመጹ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኢዩ ኸኣ ማሕበር ንመጀመርታ ግዜ ካብ ወጻኢ ሃገራት ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከተእቱ ዝኸኣለት: ኵልና ድማ እንፋቶ ኣዕሩኽ ኰንና። ምስቲ ካብ ፊንላንድ ዝመጸ ካለ ሳላቫራ ዝበሃል መተሓድርተይ ዘሕለፍክዎ ምሕዝነት ብዙሕ ተሓጒሰሉ ኢየ።

ግዜ በሪሩ ምስ ሓለፈ ኣብ መደምደምታ እተን ሓሙሽተ ኣዋርሕ: ናይ ማሕበር ፕረዚደንት ናታን ኤች. ኖር ዲፕሎማ ንኽህበናን ኣበይ ከም እተመደብና ንኽነግረናን ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት መጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ተማሃሮ ክሳዕ እቲ ናይ ምረቓ ስነ-ስርዓት ኣበይ ከም እተመደቡ ኣይንገሮምን ኢዩ ነይሩ። ኣነ ናብ ናይ ለንደን ቤትኤል ተመሊሰ ዕዮይ ክቕጽል ተመደብኩ።

ናብ ለንደን ምምላስ

ኣብ ብሪጣንያ እተን ደድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበራ ዓመታት ጽንኩራት ኢየን ነይረን። መግብን ከም ወረቐት ዝኣመሰለ ብዙሕ ካልእ ኣድለይቲ ነገራትን ብመቑነን ይዕደል ነበረ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ እዋን እቲ ሓሊፍናዮ ኢና: ረብሓታት መንግስቲ የሆዋ ድማ ደንፊዑ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቤትኤል ዝገብሮ ዝነበርኩ ዕዮ: ኣብ ናይ ኣውራጃን ናይ ወረዳን ኣሰምብሊታት ኣገልጊለ: ንገለ ኣብ ኣየርላንድ ዝርከባ እውን ሓዊስካ ንጉባኤታት እበጽሐን ነይረ ኢየ። ምስቶም ካብ ኣውሮጳ ዝመጹ ከም በዓል ኤሪኽ ፍሮስትን ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ክራኸብ ምኽኣለይ እውን መሰል ኢዩ ነይሩ፣ ንሳቶም ብዛዕባ ንጽህና ናይቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ዘስካሕክሕ ጭከና ዘሕለፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾት ነገሩኒ። ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ብርግጽ እተባረኸ መሰል ኢዩ ነይሩ።

ነታ ብሰሜን ለንደን ኣብ እትርከብ ዋትፎርድ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ፍልይቲ ፓይነር ኰይና እተገልግል ዝነበረት ጆዋን ዌብ ካብ ዝፈልጣ ዓሰርተ ዓመት ኰይኑ ነበረ። ብ1952 ተመርዓና። ክልቴና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንቅጽል ንደሊ ነበርና: ስለዚ ካብ ቤትኤል ድሕሪ ምውጽአይ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ምስ ተመዘዝኩ ተሓጒስና ኢና። እቲ መጀመርታ እተመደብናሉ ወረዳ ኣብ ገማግም ደቡብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ሳሲክስን ሃምፕሻየርን ዝበሃል ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዄንካ ምዕያይ ቀሊል ኣይነበረን። መብዛሕትኡ ግዜ ብኣውቶቡስ: ብብሽክለታ: ከምኡውን ብእግሪ ንጓዓዝ ነበርና። መብዛሕትአን ጉባኤታት ንኽትከዶ ዘጸግም ሰፊሕ ገጠራዊ ዞባ ነበረን: እንተ​ዀነ ግን ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቐጻሊ ይዓቢ ነበረ።

ከተማ ኒው ዮርክ ብ1958

ብ1957 ካብ ቤትኤል ከምዚ ዝብል ካልእ ጻውዒት ተቐበልኩ:- “ናብ ቤት ጽሕፈት መጺእካ ናብቲ ኣብ 1958 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩምን ፖሎ ግራውንድስን ዝግበር ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ ንዝጓዓዙ ሰባት ምድላዋት ኣብ ምግባር ምሓገዝካናዶ፧” ብዙሕ ከይጸናሕና: ኣነን ጆዋንን በተን ማሕበር እተኻረየተን ነፈርትን መራኽብን ክኸዱ ዝደልዩ ኣሕዋት ዝመልእዎ መሕተቲ ቅጥዒ ኣብ ምስላጥ ትሑዛት ኰንና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢዩ እቲ 253,922 ተኣከብቲ ዝነበርዎ “መለኮታዊ ፍቓድ” ዘርእስቱ ውሩይ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ እተገብረ። ኣብዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ 7,136 ሰባት ኣብ ማይ ጥሒሎም ብምጥማቕ ንየሆዋ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ኣርኣዩ፣ እዚ ቍጽሪ እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቐሶ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እተጠመቑ ክነጻጸር ከሎ ካብ ክልተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠41

ኣነን ጆዋንን ነቶም ካብ 123 ሃገራት ናብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝኸዱ ዕዱማት ኣብ ምእንጋድ ንኽንሕግዝ ሓው ኖር ብብሕቱ ብምዕዳም ዘርኣየና ሕያውነት ኣይንርስዖን ኢና። እዚ ዘሐጕስን ዘዕግብን ተመክሮ ኢዩ ኰይኑና።

ካብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸታት

ምስ ተመለስና ክሳዕ እቲ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘጋጥመና ኣብ ዕዮ መገሻ ነገልግል ነበርና። ጆዋን ሆስፒታል ኣትያ ነበረት: ኣነ እውን ፈኲስ ወቕዒ ኣጋጢሙኒ ነበረ። ድሕርዚ ፍሉያት ፓይነራት ኰንና: ጸኒሑ ግን ግዝያዊ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዄንካ ናይ ምግልጋል መሰል ነበረኒ። ኣብ መወዳእታ: ናብ ብሪስቶል ተመለስና እሞ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትና ቀጸልና። ዲክ ሓወይ ምስ ስድርኡ ኣብ ጥቓና ኢዩ ዝነብር: ብተደጋጋሚ ኸኣ ተኣኪብና ብዛዕባ ሕሉፍ ተመክሮታትና እናዘከርና ነዕልል ኢና።

ብ1971 እቲ ረቲና ዝበሃል ዳሕረዋይ ክፍሊ ዓይነይ ክነጽል ስለ ዝጀመረ ክሓዊ ዘይክእል ሕማም ዓይኒ ኣስዓበለይ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ንባብ የጸግመኒ ኢዩ: ስለዚ እቲ ኣብ ካሴታት እተቐድሐ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ካብ የሆዋ እተዋህበ ዘደንቕ ምድላው ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ኣነን ጆዋንን ሕጂውን ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ኢና: ክሳዕ ሕጂ 40 ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ንሓቂ ንኽፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ መሰል ረኺብና ኢና: ካባታቶም ሓንቲ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራ​ቤት ትርከቦም።

ቅድሚ 60 ዓመታት ርእስና ንየሆዋ ክንውፊ ከሎና ባህግና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንኣቱን ኣብኡ ክንቅጽልን ኢዩ ነይሩ። ነቲ ዓቢ ዝዀነ የሆዋ ንኸነገልግል ሕጂውን ሓይሊ ብምርካብናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ፣ ከመይሲ: ነቲ ዝገበረልና ሰናይ ነገር ከምኡውን ነቲ ብሓባር ዘሕለፍናዮ ሓጐስ ከነመስግነሉ እንኽእል እንኮ መገዲ እዚ ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚኣ ብጨርቂ እተሰርሐት ቦርሳ ኰይና ኣብ መንኩብ እትንጥልጠልን ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ኮንሶሌሽን (ደሓር ንቕሑ! ) ንኽትሕዝ እተሰርሐትን ኢያ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ዲክ ሓወይን (ብጸጋማይ ጫፍ ዘሎና፣ ዲክ ደው ኢሉ ኣሎ) ካልኦት ፓይነራትን ኣብ ኣፍደገ እታ ናይ ብሪስቶል መንበሪት ፓይነራት

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እታ ናይ ብሪስቶል መንበሪት ፓይነራት ብ1940

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ስታንሊ ረይኖልድስን ጆዋን ረይኖልድስን ብ12 ጥሪ 1952 ኣብ መዓልቲ መርዕኦምን ኣብዚ ሕጂ እዋንን