ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ካብ ልብና ይዓቢ

የሆዋ ካብ ልብና ይዓቢ

የሆዋ ካብ ልብና ይዓቢ

 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ . . . ይሕጐስ” ኢሉ ጸሓፈ። ፈጣሪ ኵሎም ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ክድግፉ ክጽዕሩ ኸለዉ ምስ ዝርእዮም ከም ዝሕጐስ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም እሙናት ሰባት ይባርኾም: የተባብዖም: ከምኡውን ተስፋ ክቘርጹ ኸለዉ የጸናንዖም ኢዩ። ኣምለኽቱ ዘይፍጹማት ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣይጽበን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 147:⁠11

የሆዋ ኣብ ኣገልገልቱ ብሓፈሻ ዓሚቝ ፍቕሪ ከም ዘለዎ ንምእማን ኣየሸግረናን ይኸውን። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ብጕድለታቶም ኣጸቢቖም ስለ ዝጭነቑ የሆዋ ፈጺሙ ከም ዘየፍቅሮም ዝኣምኑ ኢዮም ዝመስሉ። ‘ኣዝየ ዘይፍጹም ስለ ዝዀንኩ የሆዋ ኣየፍቅረንን ኢዩ’ ኢሎም ይድምድሙ ይዀኑ። ርግጽ ኢዩ: ሓሓሊፉ ኣሉታዊ ስምዒታት ይስምዓና ኢዩ። ገሊኣቶም ግን ምስ ስምዒታት ናይ ዋጋ ኣልቦነት ብቐጻሊ ዝቃለሱ ዘለዉ ኢዮም ዝመስሉ።

ናይ ጓሂ ስምዒታት

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ዝነበሩ እሙናት ውልቀ-ሰባት ዝጐሃዩሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ። እዮብ ኣምላኽ ዝጠንጠኖ ስለ ዝመሰሎ ህይወት ጸሊኡ ነበረ። እታ ድሓር ንሳሙኤል ዝወለደት ሃና ኣብ ሓደ እዋን ውላድ ስለ ዘይነበራ ጐሃየት እሞ ኣምሪራ በኸየት። ዳዊት ‘እምብዛ ሓጒቡ’ ነበረ: ኤጳፍሮዲጦስ ከኣ ኣሕዋቱ ምሕማሙ ሰሚዖም ብምሕዛኖም ጕህዩ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 38:⁠6፣ 1 ሳሙኤል 1:⁠7, 10፣ እዮብ 29:⁠2, 4, 5፣ ፊልጲ 2:⁠25, 26

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናትከ፧ ምናልባት ንገሊኣቶም ሕማም: እርጋን: ወይ ካልእ ብሕታዊ ጸገማት ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ከምቲ ዝደልይዎ ገይሮም ንኸይካፈሉ ይዕንቅፎም ይኸውን። እዚ ኸኣ ንየሆዋን ንኣመንቲ ብጾትናን ኣይነሐጕሶምን ኢና ዘሎና ናብ ዝብል መደምደምታ ክመርሖም ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ ገሊኣቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዝገበርዎ ጌጋታት: የሆዋ ይቕረ ከም ዝበለሎም ስለ ዝጠራጠሩ ብቐጻሊ ገዛእ ርእሶም ይወቕሱ ይዀኑ። ምናልባት ሽግር ዝመልኦ ኣተዓባብያ ዝነበሮም ካልኦት ከኣ ክፍቀሩ ዝግብኦም ኰይኑ ኣይስምዖምን ይኸውን። እዚ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

ገሊኣቶም ኣብ ፍቕሪ ዘለወን ስድራ​ቤታት ዘይኰነስ ኣብ ስስዐ: ሽምጠጣ: ከምኡውን ፍርሂ ዘለወን ስድራ​ቤታት ኢዮም ዓብዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘፍቅሮም: ንኽንእዶምን ንኸተባብዖምን ኣጋጣሚታት ዝደሊ: ቀሊል ጌጋታቶም ዕሽሽ ዝብልን ካብኡ ዝኸብድ በደላት ይቕረ ንምባል ድሉው ዝዀነን: ከምኡውን በቲ ውዕዉዕ ስምዒት ንስድራ​ቤቱ ድሕንነት ከም ዝስምዖም ዝገብር ኣቦ ኣይነበሮምን ይዀኑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ፈቃር ምድራዊ ኣቦ ስለ ዘይነበሮም: ፈቃር ሰማያዊ ኣቦ ምህላው ማለት እንታይ ምዃኑ ንኽርድእዎ ከጸግሞም ይኽእል ኢዩ።

ንኣብነት: ፍሪትስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዋን ቍልዕነተይን ጕብዝናይን በቲ ፍቕራዊ ዘይኰነ ባህሪ ኣቦይ ኣጸቢቑ ተጸልዩ ኢዩ። a ንኢዱኒ ኣይፈልጥን ነበረ: ምስኡ ናይ ምቅርራብ ስምዒት ኣይስምዓንን ኢዩ ነይሩ። አረ መብዛሕትኡ ግዜስ እፈርሆ ኢየ ነይረ።” ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እዚ ሕጂ ኣብ 50ታት ዓመት ዕድሜኡ ዘሎ ፍሪትስ ክሳዕ ሕጂ ናይ ባዶነት ስምዒት ይስምዖ ኢዩ። ማርጋሬት እውን ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ወለደይ ስምዒትን ፍቕርን ዘይብሎም ኢዮም ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ክጅምር ከለኹ ፈቃር ኣቦ ዝበሃል ከመይ ዝበለ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮይ ንምስኣል ጸጊሙኒ ነይሩ ኢዩ።”

ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ይበገስ ብዘየገድስ ነቲ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብቐዳምነት ብፍቕሪ ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ብገበነኛ ናይ ምዃን ስምዒት ወይ ፍርሂ ከም ዝኸውን ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ዝከኣለና እኳ እንተ ገበርና ዘዕግብ ኰይኑ ኣይስምዓናን። እቲ ንየሆዋን ንኣመንቲ ብጾትናን ንምሕጓስ ዘሎና ባህጊ ክንገብሮ ዘይንኽእል ነገር ንምነ ዘሎና ኰይኑ ከም ዝስምዓና ክገብር ይኽእል ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ሸቶታትና ከይወቓዕና ክንተርፍ: ንገዛእ ርእስና ክንወቅስ: ከምኡውን ኣዚና ተስፋ ክንቈርጽ ንኽእል ኢና።

እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ምናልባት ንገዛእ ርእስና የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ርሕሩሕ ምዃኑ ከነዘኻኽራ ከድልየና ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ፍቕራዊ መዳይ ባህሪ ኣምላኽ እዚ ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ።

‘ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ’

ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዮሃንስ ንኣመንቲ ብጾቱ “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና: ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ: ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ: ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ዮሃንስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝጸሓፈ ስለምንታይ ኢዩ፧​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠19, 20

ዮሃንስ ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ልቡ ክነቕፎ ከም ዝኽእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ምናልባት እውን ንሱ ባዕሉ እዚ ስምዒት እዚ ተሰሚዕዎ ይኸውን። ዮሃንስ መንእሰይ ከሎ ውዑይ ነበረ: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ምሕረት ስለ ዘይገበረ ብየሱስ ክርስቶስ ተኣሪሙ ኢዩ። የሱስ እውን ንዮሃንስን ንሓዉ ያእቆብን “ቦኣኔርጌስ ኣውጽኣሎም: ማለት: ደቂ ነጐዳ።”​—⁠ማርቆስ 3:⁠17፣ ሉቃስ 9:⁠49-56

ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ 60 ዓመታት: ዮሃንስ ካብ ተመክሮ ተማህረ እሞ ሚዛናዊ: ፈቃር: ከምኡውን መሓሪ ክርስትያን ኰነ። ካብ ሃዋርያት ንሱ በይኑ ብህይወት ተሪፉ ነታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ብነፍሲ ወከፍ ጌጋ ከም ዘይጸባጸቦም ፈሊጡ ነበረ። ኣብ ክንድኡስ ንዅሎም ዘፍቅርዎን ብመገዲ ሓቂ ዘምልኽዎን ዓሚቝ ፍቕሪ ዘለዎ: ርሕሩሕ: ለጋስ: ከምኡውን ደንጋጺ ኣቦ ኢዩ። ዮሃንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠8

የሆዋ በቲ ንዕኡ ክንብል እንገብሮ ይሕጐስ ኢዩ

ኣምላኽ ካብ እንውለድ ኣትሒዝና ድኽመትን ጕድለትን ከም ዘሎና ይፈልጥ: ነዚ እውን ኣብ ግምት የእትዎ ኢዩ። ዳዊት “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። የሆዋ ኣተዓባብያና ንመንነትና ከም ዝጸልዎ ይርዳእ ኢዩ። አረ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካባና ንላዕሊ ኢዩ ዝፈልጥ።​—⁠መዝሙር 103:⁠14

መብዛሕትና ካብዚ ዘለናዮ እተፈለና ክንከውን ከም እንደሊ: እንተ​ዀነ ግን ንዘይፍጽምናና ከነሰንፎ ከም ዘይንኽእል ይፈልጥ ኢዩ። ኵነታትና ምስ ኵነታት ናይቲ “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ከነወዳድሮ ንኽእል ኢና። ኵላትና ኣብ ተመሳሳሊ ቃልሲ ኣቲና ኣሎና። ኣብ ገለ ጕዳያት እዚ ነገር እዚ ንገዛእ ርእስና ዝነቅፍ ልቢ ከስዕበልና ይኽእል ኢዩ።​—⁠ሮሜ 7:⁠19

ኵሉ ሳዕ ካብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና ገይርና እንርእያ ንላዕሊ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝርእየና ብዝያዳ ከም ዘገድስ ኣይትረስዕ። ከነሐጕሶ ንጽዕር ከም ዘሎና ክርኢ ኸሎ: ቀሊል ዕግበት ጥራይ ዘይኰነስ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዖ። (ምሳሌ 27:⁠11) ነቲ እንፍጽሞ ነገራት ኣብ ዓይንና ብተዛማዲ ሒደት ኰይኑ እኳ እንተ ተራእየና: ወለንተኛታት ብምዃንናን ጽቡቕ ድራኸ ስለ ዘሎናን ይሕጐስ ኢዩ። ነቲ ክንፍጽሞ እንኽእል ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ዝጥምት: እንታይ ክንገብር ከም እንደሊ የስተውዕል ኢዩ፣ ንባህግታትናን ድሌታትናን ይፈልጦ ኢዩ። የሆዋ ንኣልባብና ከንብቦ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኤርምያስ 12:⁠3፣ 17:⁠10

ንኣብነት: ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብባህሪኦም ብዙሕ ኣቓልቦ ክስሕቡ ዘይደልዩን ሓፋራትን ስቕ በሃልትን ኢዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ካብ ቤት ናብ ቤት ከይድካ ነቲ ብስራት ምስባኽ ዓንቃጺ ብድሆ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: እቶም ሓፋራት ዝዀኑ ሰባት እውን በቲ ንኣምላኽ ንምግልጋልን ንብጾቶም ንምሕጋዝን ዘለዎም ባህጊ ተደሪኾም ንብጾቶም ምቕራብን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝራብን ይማሃሩ ኢዮም። ብዙሕ ዝፈጸሙ ኰይኑ ኣይስምዖምን ይኸውን: እዚ ድማ ንሓጐሶም ከጥፍኦ ይኽእል ኢዩ። ልቦም እቲ ዝገብርዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ብቑዕ ከም ዘይኰነ ይነግሮም ይኸውን። የሆዋ ግን በቲ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ዝገብርዎ ብርቱዕ ጻዕሪ ብርግጽ ይሕጐስ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ዝዘርእዎ ዘርኢ ሓቂ መዓስን ኣበይን ከም ዝበቍልን ፍረ ከም ዘፍርን ብርግጽ ክፈልጡ ኣይክእሉን ኢዮም።​—⁠መክብብ 11:⁠6፣ ማርቆስ 12:⁠41-44፣ 2 ቈረንቶስ 8:⁠12

ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነዊሕ እዋን ብናይ ጥዕና ጸገማት ወይ ብእርጋን ይሳቐዩ ኢዮም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ብቐጻሊ ከይድካ ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ዘሳቕን ዘጨንቕን ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ዝርርብ ክሰምዑ ከለዉ: ኣብዚ እዋን እዚ ድኽመቶም እኳ ዝዓግቶም እንተ​ዀነ ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩን ሕጂ ክገብርዎ ዝደልዩን ነገራት ከዘኻኽሮም ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ዝብህግዎ ገይሮም ነቲ ምኽርታት ክስዕቡ ስለ ዘይከኣሉ ገበነኛ ናይ ምዃን ስምዒት ከሳቕዮም ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ግን ነቲ ተኣማንነቶምን ጽንዓቶምን ብርግጽ ሓብሒቡ ኢዩ ዝሕዞ። እሙናት ኰይኖም ክሳዕ ዝቐጸሉ ነቲ እምነት ዘንጸባርቕ መዝገቦም ፈጺሙ ኣይርስዖን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 18:⁠25፣ 37:⁠28

“ንልብና . . . ነህድኣዮ”

ዮሃንስ ኣብ ዝኣረገሉ እዋን ኣምላኽ ርሕሩሕ ምዃኑ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ክኸውን ኣለዎ። “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን [ኢዩ]” ኢሉ ከም ዝጸሓፈ ኣይትረስዕ። ብተወሳኺ: ዮሃንስ ‘ልብና ከነህድኦ’ ኣተባቢዑና ኢዩ። ዮሃንስ ከምዚ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

ብመሰረት እቲ ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዝበሃል መዝገበ-ቃላት (እንግሊዝኛ): እታ “ነህድኣዮ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ግሲ “ናይ ምእማን ክእለት ምጥቃም: ምዕዋት ወይ ምርታዕ: ምእማን” ማለት ኢያ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ንልብና ምእንቲ ከነህድኦ: የሆዋ ከም ዘፍቅረና ከነእምኖ ኣሎና። ብኸመይ፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ፍሪትስ: ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ 25 ዓመታት ሽማግለ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ: የሆዋ ከም ዘፍቅሮ ንልቡ ከረጋግጸሉ ብሕታዊ መጽናዕቲ ሓጋዚ ኰይኑ ኢዩ ረኺብዎ። ከምዚ ድማ በለ:- “መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትናን ብቐጻሊ ከምኡውን ብጥንቃቐ አጽንዕ ኢየ። እዚ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ንኸየተኵር የግዳስ ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ መጻኢ ንጹር ኣመለኻኽታ ንኽህልወኒ ሓጊዙኒ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ: ብዛዕባ ዝሓለፈ ነገራት ብምሕሳብ እወሓጥ ኢየ: ኣምላኽ ፈጺሙ ከፍቅረኒ ዘይክእል ኰይኑ እውን ይስምዓኒ። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ግን: ስርዓታዊ መጽናዕቲ ንልበይ ዘበራትዕ: እምነት ዝውስኽ: ከምኡውን ሕጉስን ሚዛናውን ኰይነ ንኽቕጽል ዝሕግዘኒ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ።”

ልክዕ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕብኡ ምስትንታንን ነቲ ክዉን ነገራት ክቕይሮ ኣይክእልን ይኸውን። ኣብቲ ኵነታት ንዘሎና ኣረኣእያ ግን ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓሳባት ናብ ልብና ከም ዝኣቱ ምግባር: ንኣተሓሳስባና ከም ናቱ ንኽኸውን ይሕግዘና ኢዩ። ብተወሳኺ: መጽናዕቲ ምግባር ኣምላኽ ርሕሩሕ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንኽንርዳእ ይሕግዝ ኢዩ። የሆዋ ብሰንኪ ኣተዓባብያና ኰነ ብሰንኪ ድኽመታትና ከም ዘይወቕሰና ቀስ ብቐስ ክንቅበሎ ንኽእል ኢና። እቲ መብዛሕትና እንስከሞ ስምዒታዊ ወይ ኣካላዊ ጾር ዝበዝሕ ግዜ ባዕልና ዘምጻእናዮ ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ኢዩ: ነዚ ኸኣ ብፍቕሪ ኣብ ግምት የእትዎ ኢዩ።

እታ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናያ ማርጋሬትከ፧ ንየሆዋ ምስ ፈለጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ብዙሕ ጠቒምዋ ኢዩ። ልክዕ ከም ፍሪትስ ነቲ ብዛዕባ ኣቦ ዘለዋ ኣረኣእያ ደጊማ ክትምርምሮ ነይርዋ። ጸሎት ነቲ ካብ መጽናዕቲ እተማህረቶ ንኸተገናዝቦ ሓጊዝዋ ኢዩ። ማርጋሬት ከምዚ በለት:- “ቅድም ቀዳድም ካብ ምስ ፈቃር ኣቦ ምስ ፈቃራት ኣዕሩኽ ዝያዳ ተመክሮ ስለ ዝነበረኒ: ንየሆዋ ከም ናይ ቀረባ ዓርከይ ገይረ ረኣኽዎ። ቀስ ብቐስ ስምዒታተይ: ጥርጣረይ: ጭንቀተይ: ከምኡውን ጸገመይ ንየሆዋ ምንጋር ተማሃርኩ። ብተደጋጋሚ ብጸሎት ነገርክዎ ከምኡውን ነቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ሓደስቲ ነገራት ልክዕ ከምቲ እተፈላለየ ሕብሪ ብዘለዎ ንኣሽቱ ኣእማን እናገጣጠምካ ዝስራሕ ስእሊ ንሓድሕዱ ከም ዝወሃሃድ ገበርክዎ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ንየሆዋ ከም ፈቃር ኣቦይ ገይረ ብዘይ​ገለ ጸገም ንምርኣይ ክሳዕ ዝኽእል ኣብኡ ዘሎኒ ስምዒት ዓበየ።”

ካብ ኵሉ ጭንቀት ሓራ ምዃን

እዚ እኩይን ኣረጊትን ኣገባብ ክሳዕ ዘሎ ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ጭንቀት ሓራ ክኸውን ኢየ ኢሉ ተስፋ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ንገሊኣቶም ክርስትያናት ምስቲ ጠንቂ ጭንቀት ክኸውን ዝኽእል ተደጋጋሚ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስምዒት ወይ ምስቲ ናብ ተመሳሳሊ ሽግር ከምርሕ ዝኽእል ምጥፋእ ርእሰ-ተኣማንነት ምግጣም ማለት ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: የሆዋ ነቲ ሰናይ ድራኸናን ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ጻዕርን ከም ዝፈልጦ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ንስሙ እነርእዮ ፍቕሪ ፈጺሙ ኣይክርስዖን ኢዩ።​—⁠እብራውያን 6:⁠10

ኣብታ ድሕሪ ሓጺር እዋን በታ መሲሓዊት መንግስቲ እትመሓደር ሓዳስ ምድሪ ኵሎም እሙናት ደቅሰብ ካብዚ ኣብ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዘሎ ጾር ሓራ ንምዃን ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ ዝኸውን! ድሕሪኡ: የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ርሕሩሕ ምዃኑ ዝያዳ መርትዖ ክንርኢ ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግን: “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ንኹን።​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠20

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ሕሱም መላኺ ኣይኰነን የግዳስ ብሰባት ዝግደስ: ርሕሩሕ: ከምኡውን ደንጋጺ ኣቦ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ንቓል ኣምላኽ ምጽናዕ ንኣተሓሳስባና ከም ናይ ኣምላኽ ዝበለ ንኽኸውን ይሕግዘና