ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሽጣዊ ሰላም ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ውሽጣዊ ሰላም ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ውሽጣዊ ሰላም ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ኣብዚ ግዜናን ኣብ ግዜ ናይቲ ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ዘሮውን ብዙሕ ፍልልያት ኣሎ። ሎሚ ብኸመይ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም እተጥሪ ዝሕግዝ ምኽሪ ብቐሊሉ ዝርከብ ምዃኑ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ፍልልያት ኢዩ። ተመራመርቲ ስነ⁠-​ኣእምሮ: ንገዛእ ርእስኻ ክትሕግዝ ዝምህሩኻ መጻሕፍቲ ዝጽሕፉ ሰባት: ከምኡውን ጸሓፍቲ ዓምድታት ጋዜጣ እውን ከይተረፉ ሓሳቦም የካፍሉ ኢዮም። እቲ ምኽሮም ንሓጺር እዋን ይሕግዝ ይኸውን: እንተ​ዀነ ግን ነባሪ መፍትሒ ንምርካብ ዝያዳ ዕምቈት ዘለዎ ነገር የድሊ። እዞም ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሱ ውልቀ⁠-​ሰባት እውን ነዚ ሓቂ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦሞ።

 ኣንቶንዮ: ማርኮስ: ገርዞን: ቫንያ: ከምኡውን ማርሴሎ እተፈላለየ ኣተዓባብያ ነበሮም: እተፈላለየ ሽግራት ድማ ኣጋጠሞም። እንተ​ዀነ ግን: ብሰለስተ ነገር ይመሳሰሉ ነበሩ። ቀዳማይ: “ትጽቢት ዜብሎም: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ​ ኣምላኽ” ዝነበሩሉ እዋን ነይሩ ኢዩ። (ኤፌሶን 2:⁠12) ካልኣይ: ናይ ኣእምሮ ሰላም ንምርካብ ሃረር ኢሎም ኢዮም። ሳልሳይ ከኣ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ምስ ተሰማምዑ ኵሎም ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ውሽጣዊ ሰላም ረኺቦም ኢዮም። ዕቤት እናገበሩ ምስ ከዱ: ኣምላኽ ከም ዝሓልየሎም ክርድኡ ጀመሩ። እወ: ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ዝነገሮም ኣምላኽ ‘ኻብ ነፍሲ ወከፍና ኣይረሓቐን።’ (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠27) ነዚ ብምሉእ ልቢ ምእማን ውሽጣዊ ሰላም ንምርካብ ዘኽእል ዓቢ ረቛሒ ኢዩ።

ሰላም ብርቂ ኰይኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሰላም ማለት ውሽጣዊ ሰላም ኰነ ኣብ መንጎ ሰባት ዝህሉ ሰላም ካብ ዓለም ዝጠፍኣሉ ክልተ መሰረታዊ ምኽንያታት ይህበና። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት ኣብ ኤርምያስ 10:⁠23 ከምዚ ብምባል ተገሊጹ ኣሎ:- ‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኣይኰነን: እቲ ዝመላለስውን ስጓሜኡ ከቕንዕ ዓቕሚ የብሉን።’ ወድሰብ ንገዛእ ርእሱ ብዘይ​ሓገዝ ንምምራሕ ዘኽእሎ ጥበብ ኰነ ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለት የብሉን: እቲ ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ሓገዝ ድማ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ። እቶም መምርሒ ኣምላኽ ዘይደልዩ ደቅሰብ ፈጺሞም ነባሪ ሰላም ኣይክረኽቡን ኢዮም። ሰላም ብቐሊሉ ዘይርከብ ዝዀነሉ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብተን ከምዚ ዝብላ ቃላት ሃዋርያ ዮሃንስ ተገሊጹ ኣሎ:- ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ።’ (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ወድሰብ መለኮታዊ መምርሒ እንተ ዘይረኺቡ: እቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ኵሉ ሳዕ በቲ ዘይርአ ግን ከኣ ህላወኡ እተረጋገጸን ኣዝዩ ሓያልን “እኩይ”ን ዝዀነ ሰይጣን ይፈሽል ኢዩ።

በዘን ክልተ ምኽንያታት እዚኣተን ማለት ብዙሓት ሰባት መምርሒ ኣምላኽ ብዘይምድ​ላዮምን ሰይጣን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብንጥፈት ብምንቅስቓሱን: ዓሌት ሰብ ብጠቕላልኡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ የስቈርቊርን ቅልውላው ሒዝዎን ኣሎ’ ብምባል ነዚ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 8:⁠22) ምስዚ መግለጺ እዚ ዘይሰማማዕ መን ኢዩ፧ ኣብ ሃብታማት ኰነ ድኻታት ሃገራት ናይ ስድራ​ቤት ጸገማት: ዓመጽ: ዘይፍትሓውነት: ናይ ባህርይ ግጭት: ቍጠባዊ ቕልውላው: ቀቢላውን ዓሌታውን ጽልኢ: ጭቈና: ሕማም: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ነገራት ንሰባት ናይ ኣእምሮ ሰላሞም ይሰርቀሎም ኢዩ።

ውሽጣዊ ሰላም ኣበይ ከም ዝርከብ

ኣንቶንዮ: ማርኮስ: ገርዞን: ቫንያ: ከምኡውን ማርሴሎ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ ንህይወቶም ዝቕይር ነገራት ተማህሩ። ሓደ መዓልቲ ኵነታት ዓለም ከም ዝልወጥ ፈለጡ። እዚ ግን ኣብ መወዳእታ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ክኸውን ኢዩ ዝብል ዘይንጹር ተስፋ ጥራይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዕላማ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን: ፍቓዱ እንተ​ድኣ ገይርና ኸኣ ሕጂውን ከይተረፈ ካብቲ ዕላማ እቲ ረብሓ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሰባት ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ነገር ኣብ ህይወቶም ኣውዓልዎ: ኵነታቶም ድማ ተመሓየሸሎም። ካብቲ ዝገመትዎ ንላዕሊ ኸኣ ሓጐስን ሰላምን ረኸቡ።

ኣንቶንዮ ደጊም ኣብ ተቓውሞታትን ናይ ሸቃሎ ናዕብን ኣይካፈልን ኢዩ። በዚ ኸምዚ ዝመጽእ ለውጢ ውሱንን ግዝያውን ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። እዚ ቀደም መራሒ ሸቃሎ ዝነበረ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተማህረ። እዛ መንግስቲ እዚኣ እታ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነታ ናይ ጐይታ ጸሎት (ወይ ኣቡነ⁠-​ዘበሰማያት) ክደግሙ ኸለዉ “መንግስትኻ ትምጻእ” ብምባል ዝጽልዩላ ኢያ። (ማቴዎስ 6:⁠10ሀ) ኣንቶንዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ናይ ሓቂ ሰላም እተምጽእ ሓቀኛ ሰማያዊት መንግስቲ ምዃና ተማህረ።

ማርኮስ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ተማህረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እዚ ቀደም ፖለቲከኛ ዝነበረ ሰብ ምስ ሰበይቱ እንደገና ብምሕባር ተሓጒሱ ይነብር ኣሎ። ንሱ እውን እንተ​ዀነ ነቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ስስዐ ዝመልኦ ኣገባብ እዛ ዓለም ብዝሓሸ እትቕይረሉ እዋን ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ። ነታ ኣብ ናይ ጐይታ ጸሎት ዘላ “ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” እትብል መግለጺ ብዝያዳ ዕምቈት ኢዩ ተረዲእዋ። (ማቴዎስ 6:⁠10ለ) ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ: ደቅሰብ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ዓይነት ህይወት ከስተማቕሩ ኢዮም።

ገርዞንከ እንታይ ኰነ፧ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምጋሽን ስርቅን ገዲፍዎ ኢዩ። እዚ ቀደም ግዳም ሓደር ዝነበረ ሰብ ሕጂ ጕልበቱ ካልኦት ውሽጣዊ ሰላም ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ስለ ዘውዕሎ ህይወቱ ትርጕም ኣለዋ። እዚ ተመክሮታት እዚ ከም ዝሕብሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ነቲ ዝብሎ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ንናይ ሓደ ሰብ ህይወት ኣጸቢቑ የመሓይሾ ኢዩ።

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ውሽጣዊ ሰላም ምርካብ

የሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ቀንዲ ፍሉጥ ኣካል ኢዩ: ሰባት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ኸለዉ ኸኣ ብዛዕባኡ ብዙሕ ኢዮም ዝማሃሩ። በታ እተወልደላ ለይቲ መላእኽቲ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ: ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ንኣምላኽ መዝሙር ውዳሰ ዘመሩ። (ሉቃስ 2:⁠14) የሱስ ምስ ዓበየ ናይ ሰባት ህይወት ንምምሕያሽ ይግደስ ነበረ። ስምዒታቶም ይርድኦ: ነቶም እተወጽዑን ሕሙማትን ከኣ ሓለፍ ዝበለ ድንጋጽ የርእዮም ነበረ። ምስ ቃላት ናይቶም መላእኽቲ ብምስምማዕ ከኣ ነቶም ትሑታት ዘድልዮም ውሽጣዊ ሰላም ኣምጽኣሎም። ኣብ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ሰላም እሐድገልኩም: ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ: ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።”​—⁠ዮሃንስ 14:⁠27

የሱስ ገባር ሰናይ ካብ ምዃን ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንገዛእ ርእሱ ምስ ጓሳ: ነቶም ትሑታት ሰዓብቱ ኸኣ ምስ ኣባጊዕ ኣመሳሲሉ ኣሎ:- “ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።” (ዮሃንስ 10:⁠10, 11) እወ: ኣንጻር እዞም ሎሚ ዘለዉ ብቐዳምነት ንርእሶም ዝሓልዩ ብዙሓት መራሕቲ: የሱስ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ኢዩ።

ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ብዙሓት ሰባት ነዘን ከምዚ ዝብላ ቃላት ይፈልጥወን ኢዮም:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:⁠16) ኣብ የሱስ ንምእማን ብቐዳምነት ብዛዕብኡን ብዛዕባ የሆዋ ኣቦኡን ፍልጠት የድሊ። ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ ምስቲ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከነጥሪ ዝሕግዘና የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ናብ ምግባር ክመርሓና ይኽእል ኢዩ።

የሱስ ከምዚ በለ:- “እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ: ኣነ ኸኣ ኤለልየን: ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን: ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን: ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን።” (ዮሃንስ 10:⁠27, 28) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ልቢ ዘረስርስ ቃላት ኢዩ! ልክዕ ኢዩ: የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበን ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ሕጂውን ከምቲ ናይ ሽዑ ሓይሊ ኣለወን። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዝገዝእ ዘሎ ህያውን ንጡፍን ምዃኑ ፈጺምካ ኣይትረስዕ። ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ዝነበሮ ሓልዮት ሕጂውን ነቶም ናይ ኣእምሮ ሰላም ዝደልዩ ትሑታት ሰባት ይሓልየሎም ኢዩ። ብተወሳኺውን ናይ ኣባጊዑ ጓሳ ኢዩ። እንተ ስዒብናዮ ውሽጣዊ ሰላም ንኸነጥሪ ክሕግዘና ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መጻኢ ምሉእ ሰላም ማለት ዓመጽን ውግእን ገበንን እውን ዝጠፍኣሉ ግዜ ናይ ምርካብ እተረጋገጸ ተስፋ ዘጠቓልል ኢዩ።

ሓቀኛ ረብሓታት: የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ከም ዝሕግዘና ካብ ምፍላጥን ምእማንን ኢዩ ዝርከብ። ነታ ንእሽቶ ጓል ከላ ከቢድ ሓላፍነታት ዝወደቓን ኣምላኽ ከም ዝጠንጠና እትሓስብ ዝነበረትን ቫንያ ዘኪርካያዶ፧ ሕጂ ቫንያ ኣምላኽ ከም ዘይጠንጠና ተማሂራ ኢያ። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ኣምላኽ ዝፍቶ ባህርያት ዘለዎ ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ተማሂረ ኢየ። እታ ፍቕሩ ንወዱ ኣብ ክንዳና ህይወቱ ምእንቲ ክህበና ናብ ምድሪ ንኽሰዶ ደረኸቶ። ነዚ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።”

ማርሴሎ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ናይ ሓቂ ምዃኑ ገለጸ። እዚ ቀደም ናብ ኣብያተ⁠-​ትልሂት ምኻድ ዘዘውትር ዝነበረ ሰብ ከምዚ በለ:- “መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት እንታይ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን ኢዮም: ስለዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ገዛእ ርእሶም ኢዮም ዝሃስዩ። ገሊኣቶም ከምቲ ኣነ ዝነበርክዎ ሓሽሽ ይወስዱ። ተስፋ እገብር መቸም ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ወዱን ንዝገልጽ ሓቂ ተማሂሮም ከምዚ ኣነ ረኺበዮ ዘለኹ በረኸት ክረኽቡ።”

ቫንያን ማርሴሎን ብጥንቃቐ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽንዖም ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ኣጥረዩ: ሽግራቶም ንኽዋጽኡሉ ክሕግዞም ፍቓደኛ ምዃኑ ምትእምማን ኣማዕበሉ። ከምቲ ዝገበርዎ እንተ​ድኣ ገይርና ማለት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዕናን ነቲ ዝብሎ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮን ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ዝረኸብዎ ዓቢ ውሽጣዊ ሰላም ክንረክብ ኢና። ድሕሪኡ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መተባብዒ ብሓቂ ኣባና ክውዕል ኢዩ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ እዩ።”​—⁠ፊልጲ 4:⁠6, 7

ሎሚ ሓቀኛ ሰላም ምርካብ

የሱስ ክርስቶስ ነቶም ሓቂ ዝጸምኡ ሰባት በታ ናብቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እተብጽሕ መገዲ ይመርሖም ኣሎ። ናብቲ ናይ ኣምላኽ ጽሩይ ኣምልኾ ክመርሖም ከሎ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ” ብምባል እተገልጸ ዝመሳሰል ሰላም የስተማቕሩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 32:⁠18) እዚ ናይቲ ኣብ መጻኢ ዘስተማቕርዎ ሰላም መርኣዪ ጥራይ ኢዩ። ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”​—⁠መዝሙር 37:⁠11, 29

ስለዚ: ሕጂ ውሽጣዊ ሰላም ክህልወና ይኽእልዶ ኢዩ፧ እወ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብ ቀረባ እዋን ኣምላኽ ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰላም ክህቦም ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር: ሰላም ምእንቲ ክህበና ስለምንታይ ብጸሎት ዘይንሓቶ፧ ሰላምና ዝሰርቕ ጸገማት እንተ​ድኣ ኣሎና: ከም ንጉስ ዳዊት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ንጸሊ:- “ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ: ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ: ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ።” (መዝሙር 25:⁠17, 18) ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ከም ዝሰምዖ ኣይትጠራጠር። ንዅሎም እቶም ብቕንዕና ልቢ ዝደልይዎ ሰባት ኢዱ ዘርጊሑ ሰላም ይህቦም ኢዩ። ብፍቕራዊ መገዲ ከምዚ ዝብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኢዩ:- “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም: ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።”​—⁠መዝሙር 145:⁠18, 19

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ወድሰብ ንገዛእ ርእሱ ብዘይ​ሓገዝ ንምምራሕ ዘኽእሎ ጥበብ ኰነ ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለት የብሉን: እቲ ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ሓገዝ ድማ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ ምስቲ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከነጥሪ ዝሕግዘና የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ናብ ምግባር ክመርሓና ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ምስዓብ ንሰላማዊ ናብራ ስድራ​ቤት ኣበርክቶ ይገብር