ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ —ናይ ምድሪ ሓዳስ ምምሕዳር

መንግስቲ ኣምላኽ —ናይ ምድሪ ሓዳስ ምምሕዳር

መንግስቲ ኣምላኽ—⁠ናይ ምድሪ ሓዳስ ምምሕዳር

“[እታ] መንግስቲ . . . ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

1. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እምንቶ ኢና ክንገብር እንኽእል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዝግለጸሉ መገዲ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ . . . ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ተሰሎንቄ 2:⁠13) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጦ ዘድልየና ነገራት ማለት ብዛዕባ ባህርያቱ: ዕላምኡ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘ ኢዩ። ንናብራ ስድራ​ቤትን መዓልታዊ ምምልላስን ዝጠቅም ምኽሪ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ፍጻሜኡ ዝረኸበ: ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ: ከምኡውን ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ትንቢታት ብዝርዝር ዝገልጽ ኢዩ። እወ: “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17

2. የሱስ ነቲ ቐንዲ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጕልሖ ብኸመይ ኢዩ፧

2 ኣምላኽ ብሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ዝፍጽሞ ምርግጋጽ ሉዓላውነቱ (ንኽገዝእ ዘለዎ መሰል) እቲ ጕሉሕ ኣገዳስነት ተዋሂብዎ ዘሎ ቀንዲ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ነዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘተኵረሉ ዝነበረ። “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ: እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።” (ማቴዎስ 4:⁠17) “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ኢሉ ብምምሕጻን ከኣ ኣብ ህይወትና እንታይ ዓይነት ቦታ ክወሃባ ከም ዝግባእ ኣርእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠33) ብተወሳኺውን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃና ንምርኣይ ንሰዓብቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ማሃሮም።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠10

ኣብ ምድሪ ዝህሉ ሓድሽ ምምሕዳር

3. መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቓ እተገድሰና ስለምንታይ ኢያ፧

3 መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ክሳዕ ክንድዚ እተገድሶም ስለምንታይ ኢያ፧ ንምምሕዳር እዛ ምድሪ እዚኣ ነባሪ ለውጢ ንኸተምጽኣሉ ድሕሪ ሓጺር እዋን ስጕምቲ ክትወስድ ስለ ዝዀነት ኢዩ። እቲ ኣብ ዳንኤል 2:⁠44 ተነጊሩ ዘሎ ትንቢት ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሕጂ ኣብ ምድሪ ዝገዝኡ ዘለዉ] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ [ኣብ ሰማይ ዝቐውም ምምሕዳር] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን [ምድራውያን ምምሕዳራት] ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክትገዝእ ምስ ጀመረት: ደቅሰብ ንምድሪ ደጊም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከቶ ኣይክገብሩዋን ኢዮም። እዚ ከፋፋልን ዘየዕግብን ሰብኣዊ ምምሕዳር እዚ ንዘለኣለም ነበረያ ነበረ ኰይኑ ኽተርፍ ኢዩ።

4, 5. (ሀ) የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ብሉጽ ብቕዓት ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ መዝነት ኢዩ ክህልዎ፧

4 ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ መሪሕነት ብምዃን: ቀንዲ ገዛኢ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝኸውን ብሉጽ ብቕዓት ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ ኢዩ። ንሱ ናይ ፈለማ ፍጥረት ኣምላኽ ብምዃኑ: ናብ ምድሪ ቀቅድሚ ምምጽኡ “ሰራሕተኛ” ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። (ምሳሌ 8:⁠22-31) “ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ: በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ . . . ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ።” (ቈሎሴ 1:⁠15, 16) ኣምላኽ ናብ ምድሪ ምስ ለኣኾ: የሱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምፍጻም ድሕር ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ፈተናታት ተጸሚሙ ኢዩ: ኣብ ኣቦኡ ዝነበሮ ተኣማንነት ዓቂቡ ኸኣ ሞተ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠34፣ 15:⁠10

5 የሱስ ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ እሙን ብምዃኑ ዓስቢ ተዋሂብዎ ኢዩ። ኣምላኽ ናብ ሰማይ ኣተንስኦ እሞ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን መሰል ሃቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠32-36) ከም ንጉስ እታ መንግስቲ መጠን ክርስቶስ የሱስ ነቶም ንሰብኣዊ ምምሕዳር ብምእላይ ንምድርና ካብ ኵሉ እከይ ንምንጋፋ ዝምርሹ ኣእላፋት ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ናይ ምምራሕ ዘርዕድ መዝነት ክወሃቦ ኢዩ። (ምሳሌ 2:⁠21, 22፣ 2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-9፣ ራእይ 19:⁠11-21፣ 20:⁠1-3) ድሕርዚ እታ ብክርስቶስ እትምራሕ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እታ ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ምድሪ ናይ ምግዛእ ስልጣን ዝህልዋ ሓዳስን እንኮን ምምሕዳር ክትከውን ኢያ።​—⁠ራእይ 11:⁠15

6. ካብቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ኣገዛዝኣ ኢና ክንጽበ እንኽእል፧

6 ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ናይ ምድሪ ሓድሽ ገዛኢ “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ” ብምባል ይገልጽ። (ዳንኤል 7:⁠14) የሱስ ንፍቕሪ ኣምላኽ ከንጸባርቖ ስለ ዝዀነ: እቲ ኣብ ግዝኣቱ ዝሰፍን ሰላምን ሓጐስን ደረት ኣልቦ ክኸውን ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠5፣ ዮሃንስ 3:⁠16፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠7-10) ‘ብፍርድን ብጽድቅን ምእንቲ ኸጽንዓ ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።’ (ኢሳይያስ 9:⁠7) ብፍቕርን ፍትሕን ጽድቅን ዝገዝእ ገዛኢ ክህሉስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! ስለዚ ኸኣ ኢያ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13 “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን [ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ] ሓድሽ ምድርን [ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ] ንጽበ አሎና” ብምባል እትንበ።

7. ማቴዎስ 24:⁠14 ሎሚ እትፍጸም ዘላ ብኸመይ ኢያ፧

7 ብርግጽ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም መፍቀርቲ ጽድቂ ዝዀኑ እታ ዝበለጸት ብስራት ኢያ። ስለዚ ድማ ኢዩ ከም ክፍሊ እቲ ሕጂ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዘሎና ዝሕብር ምልክት ገይሩ የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል እተነበየ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5፣ ማቴዎስ 24:⁠14) እዚ ትንቢት እዚ ሕጂ ይፍጸም ኢዩ ዘሎ: ኣብ 234 ሃገራት ዝርከቡ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምንጋር ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ይውፍዩ። እተን 90,000 ዝዀና ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ዝጥቀማሉ ኣምልኾኦም ዘካይድሉ ቦታታት: ኣደራሽ መንግስቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ እምበኣር ዝበቅዕ ኢዩ። ሰባት ናብዚ ቦታታት እዚ ብምኻድ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ሓዳስ ምምሕዳር ይማሃሩ።

ተሓጋገዝቲ ገዛእቲ

8, 9. (ሀ) መጋዝእቲ ክርስቶስ ካበይ እተረኽቡ ኢዮም፧ (ለ) ኣብ ኣገዛዝኣ እቲ ንጉስን መጋዝእቱን ከመይ ዝበለ እምንቶ ኢና ክንገብር እንኽእል፧

8 ምስ ክርስቶስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝገዝኡ ተሓጋገዝቲ ክህልዉ ኢዮም። ራእይ 14:⁠1-4 ‘ካብ ደቂ ኣዳም ተዓዲጎም’ ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝትንስኡ 144,000 ሰባት ክህልዉ ምዃኖም ኣቐዲማ ተነብያ ኢያ። እዚኣቶም ካልኦት ከገልግልዎም ኣብ ክንዲ ዝጽበዩ ብትሕትና ንኣምላኽን ንሰብኣውያን ብጾቶምን ዘገልግሉ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም። “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ: ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም።” (ራእይ 20:⁠6) ቍጽሮም ካብቲ ናይቶም ንመወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዝሰግሩ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” ኣጸቢቑ ዝውሕድ ኢዩ። እዚኣቶምውን ንኣምላኽ “ለይትን መዓልትን የገልግልዎ” ኢዮም፣ ይኹን እምበር: ሰማያዊ ጽውዓ የብሎምን። (ራእይ 7:⁠9, 15) ንሳቶም ከም ተገዛእቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ሕምብርቲ ናይታ ሓዳስ ምድሪ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 37:⁠29፣ ዮሃንስ 10:⁠16

9 የሆዋ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዝገዝኡ ክሓርዮም ከሎ: ነቶም ንህይወት ምስ ኵሉ ግድላቱ እተመከርዎ እሙናት ደቅሰብ ኢዩ መሪጹ። እዞም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ዘገልግሉ ሰባት ዘይተመከርዎ ኣብ ደቅሰብ ዝበጽሐ ግድል ዳርጋ የለን። ስለዚ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሕልፍዎ ናብራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ንምግዛእ ዝህልዎም ክእለት ዘሰስኖ ኢዩ። የሱስ እውን ከይተረፈ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ።” (እብራውያን 5:⁠8) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕብኡ “ብዘይ​ሓጢኣትሲ: ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር: ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (እብራውያን 4:⁠15) ኣብታ ጽድቃዊት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ፈቃራትን ደንገጽትን ዝዀኑ ነገስታትን ካህናትን ንደቅ​ሰብ ክገዝእዎም ምዃኖም ምፍላጥስ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!

እታ መንግስቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ እትውቲ ድያ ነይራ፧

10. እታ ሰማያዊት መንግስቲ ክፍሊ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ዘይነበረት ስለምንታይ ኢያ፧

10 እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ክፈጥሮም ከሎ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ድያ ነይራ፧ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ተዋሂቡ ዘሎ ናይ ፍጥረት ጸብጻብ ብዛዕባ ንደቅ​ሰብ እትገዝእ መንግስቲ ኣይገልጽን ኢዩ። የሆዋ ባዕሉ ኢዩ ገዛኢኦም ነይሩ: ክሳዕ እቲ እዙዛት ኰይኖም ዝቐጸልሉ እዋን ከኣ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሜላ ኣገዛዝኣ ኣየድልን ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ምስ ኣዳምን ሄዋንን ርክብ ከም ዝነበሮ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ትገልጽ ኢያ። ሽዑ የሆዋ ምሳታቶም ዝራኸብ ዝነበረ በቲ ሰማያዊ በዅሪ ወዱ ኣቢሉ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ጸብጻብ “ኣምላኽ ድማ፤ . . . በሎም” ከምኡውን “ኣምላኽ ድማ፤ . . . በለ” ዝኣመሰለ መግለጺታት ኢዩ ዝጥቀም።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠28-30፣ ዮሃንስ 1:⁠1

11. ደቅሰብ ከመይ ዝበለ ፍጹም ኣጀማምራ ኢዩ ዝነበሮም፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል። (ዘፍጥረት 1:⁠31) ኵሉ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ፍጹም ኢዩ ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ፍጹም ዝዀነ ኣእምሮን ኣካላትን ኢዩ ነይርዎም። ምስ ፈጣሪኦም ክራኸቡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። እሙናት ኰይኖም እንተ ዝቕጽሉ ነይሮም ከኣ ፍጹማት ውሉዳት ምሃለውዎም። ሓድሽ ሰማያዊ ምምሕዳር ፍጹም ኣየመድለየን ነይሩ።

12, 13. እቶም ፍጹማት ደቅሰብ እናሰሰኑ ምስ ዝኸዱ እውን: ኣምላኽ ገና ምስኦም ርክብ ክገብር ዝኽእል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ሰብኣዊ ስድራ​ቤት እናሰሰነ ምስ ከደ: ኣምላኽ ምስ ኵላቶም ብኸመይ ርክብ ክገብር ምኸኣለ፧ ብዛዕባ ከዋኽብቲ ሰማይ እሞ ሕስብ ኣብል። ጋላክስታት ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ደሴታውያን ኣድማስ ኢዮም ተጠርኒፎም ዘለዉ። ገለ ጋላክስታት ሓደ ቢልዮን ከዋኽብቲ ዝሓዙ ኢዮም። ካልኦት ከኣ ዳርጋ ሓደ ትሪልዮን ኢዮም ዝሕዙ። ኣብዚ ክሳዕ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ኣድማስ ድማ ዳርጋ 100 ቢልዮን ዝኸውን ጋላክስታት ምህላዉ ሊቃውንቲ ይግምቱ! እንተ​ዀነ ግን ፈጣሪ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”​—⁠ኢሳይያስ 40:⁠26

13 ኣምላኽ ንዅሎም እዞም ሰማያውያን ኣካላት እዚኣቶም ክፈልጦም ካብ ከኣለ እምበኣር: ብርግጽ ነቶም ካብኣቶም ኣዝዩ ዝተሓተ ቍጽሪ ዘለዎም ደቅሰብ ንኽከታተሎም ምንም ኣይጽግሞን ኢዩ። ሕጂ እውን እንተ​ዀነ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣገልገልቱ መዓልቲ መዓልቲ ኢዮም ናብኡ ዝጽልዩ። እቲ ዘቕርብዎ ጸሎት ብቕጽበት ኢዩ ዝበጽሖ። ስለዚ ምስ ኵሎም ፍጹማት ደቅሰብ ንኸይራኸብ ዝዓግቶ ነገር ኣይምሃለወን። ንዅላቶም ንምክትታል ሰማያዊ መንግስቲ ኣይመድለዮን ነይሩ። የሆዋ ገዛኢኻ ክኸውን: ምስኡ ብቐጥታ ክትራኸብ: ከምኡውን ከቶ ከይሞትካ ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ክህልወካስ ክንደይ ዘደንቕ ምድላው ኰን ኢዩ!

‘ሰብ ዓቕሚ የብሉን’

14. ደቅሰብ ግዝኣት የሆዋ ንዘለኣለም ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ይኹን እምበር እቶም ፍጹማት ዝዀኑ ደቅሰብ እውን ከይተረፉ: የሆዋ ንዘለኣለም ክገዝኦም መድለየ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ካብ ግዝኣቱ ተገሊሎም ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ክመሓደሩ ክእለት ከም ዝህልዎም ገይሩ ኣይኰነን ፈጢርዎም። እዚ ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣፍልጦ ሂብሉ ዘሎ ደቅሰብ ከምልጥሉ ዘይክእሉ ስርዓት ኢዩ:- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ: ጐይታየ: ቅጽዓኒ።” (ኤርምያስ 10:⁠23, 24) ደቅሰብ ካብ ግዝኣት የሆዋ ርሒቖም ሕብረተሰብ ዝኣክል ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ክመርሑ ከም ዝኽእሉ ገይሮም ዝሓስቡ እንተ​ድኣ ዀይኖም: እዚ ንዕኦም ዕሽነት ኢዩ። እዚ ኣንጻር ኣፈጣጥራኦም ኢዩ። ካብ ግዝኣት የሆዋ ተገሊልካ ብርእስኻ ምኻድ ስስዐ: ጽልኢ: ጭከና: ዓመጻ: ውግእ: ከምኡውን ሞት ዘስዕብ ኢዩ። “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ” ኢዩ።​—⁠መክብብ 8:⁠9

15. እቲ ቀዳሞት ወለድና ዝገበርዎ ሕማቕ ምርጫ እንታይ ሳዕቤናት ኣምጽአ፧

15 እቲ ዘሕዝን ግን ቀዳሞት ወለድና ኣምላኽ ገዛኢኦም ክኸውን ከም ዘይደልዩ ዘነጽር ውሳነ ገበሩ: ካብኡ ተገሊሎም ክነብሩ ኸኣ ሓረዩ። ከም ሳዕቤን እዚ ድማ ኣምላኽ ደጊም ፍጹማት ኰይኖም ክቕጽሉ ኣይፈቐደን። ሽዑ ልክዕ ከም ሓንቲ ካብ ምንጪ ጸዓት እተበትከት ብሓይሊ ኤለክትሪክ እትዓዪ መሳርሒት ኰኑ። ስለዚ ድሕሪ ገለ ግዜ ክቕህሙን ንምሸቱ ኸኣ ብሞት ከብቅዑን ነበሮም። ልክዕ ከም ሓደ እተጠፍልዐ መውሃቢ ቅርጺ ዀኑ: ናብ ዘርኦም ከሕልፍዎ ዝኽእሉ ነገር እንተ ነይሩ ድማ እቲ ኣበር እቲ ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠12) “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ [የሆዋ] ግብሩ ፍጹም እዩ: . . . ንሳቶም ተባላሸውዎ ደቁ ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም።” (ዘዳግም 32:⁠4, 5) ሓቂ ኢዩ ኣዳምን ሄዋንን በቲ ጸኒሑ ሰይጣን ዝዀነ ዓለወኛ ፍጡር ኢዮም ተጸልዮም፣ ይኹን እምበር: ፍጹም ኣእምሮ ስለ ዝነበሮም ነቲ ዘቕረቦ ግጉይ ሓሳባት ክነጽግዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠1-19፣ ያእቆብ 4:⁠7

16. ታሪኽ ነቲ ካብ ኣምላኽ ተገሊልካ ብርእስኻ ምኻድ ዘለዎ ሳዕቤን ዘረጋግጽ መርትዖ ዘቕርብ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ታሪኽ ነቲ ካብ ኣምላኽ ተገሊልካ ብርእስኻ ምኻድ ዘለዎ ሳዕቤን ዘረጋግጽ ምሉእ ዘይጕዱል መርትዖ የቕርብ ኢዩ። ደቅሰብ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ዘይፈተንዎ ዓይነት ሰብኣዊ ምምሕዳር ከምኡውን ቍጠባውን ማሕበራውን ሜላ የልቦን። እንተ​ዀነ ግን: እከይ ‘እናገደደ’ ኢዩ ዝቕጽል ዘሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠13) መበል 20 ዘመን ነዚ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብሕሱም ጽልኢ: ዓመጻ: ውግእ: ጥሜት: ድኽነት: ስቓይ ዝመልአ ኢዩ ነይሩ። እቲ ተበጺሑ ዘሎ ሕክምናዊ ምዕባለታት ብዘየገድስ: ውዒሉ ሓዲሩ ካብ ሞት ዘምልጥ ሰብ የልቦን። (መክብብ 9:⁠5, 10) ደቅሰብ ስጕምቶም ንኸቕንዑ ጻዕርታት ብምግባር: ንገዛእ ርእሶም ግዳይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክትከውን ስለ ዝሓደግዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ እንተ ጸውዖ ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠4

ህያብ ናጻ ድሌት

17. እቲ ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ህያብ ናጻ ድሌት ኣብ መዓላ ክውዕል ዝነበሮ ብኸመይ ኢዩ፧

17 የሆዋ ንደቅ​ሰብ መመገዶም ይኺዱ ዝሓደጎም ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ክፈጥሮም ከሎ እቲ ምርጫኻ ንምግባር ዘኽእል ዘደንቕ ሓርነት: ንሱ ኸኣ ናጻ ድሌት: ለጊስሎም ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ: ኣብኡ ሓርነት አሎ” ብምባል ገሊጹ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 3:⁠17) ወግሐ ጸብሐ ንነፍሲ ወከፍ ዝዛረባን ዝገብራን ነገር ካልእ ሰብ ክውስነሉ ትጽቢት ዝገብር ሮቦት ክኸውን ዝደሊ ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። ይኹን እምበር: የሆዋ ደቅሰብ ነቲ ፍቓዱ ኣብ ምፍጻምን ግዙኡ ዄንካ ኣብ ምቕጻልን ዘሎ ጥበብ ምእንቲ ኽግንዘብዎ ነዚ ህያብ እዚ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ክጥቀምሉ ኢዩ ዝደልዮም ነይሩ። (ገላትያ 5:⁠13) ስለዚ እቲ ናጽነት እቲ ፋሉልነት ከስዕብ ዝኽእል ቀይዲ ኣልቦ ክኸውን ኣይነበሮን። እወ: እዚ ናጽነት እዚ ኣብ ውሽጢ ፍቕራዊ ሓጹር ሕግጋት ኣምላኽ ዝወሃብን መጠኑ ዝሓለወን ኢዩ ክኸውን ነይርዎ።

18. ኣምላኽ ንወድሰብ ብናጻ ድሌቱ ክመላለስ ምሕዳጉ እንታይ ከም ዝረጋገጽ ኢዩ ገይሩ ዘሎ፧

18 ኣምላኽ ንሰብኣዊ ስድራ​ቤት መገዱ ይኺድ ብምሕዳግ: ኣገዛዝእኡ ዘድልየና ምዃኑ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዝረጋገጽ ገይሩ ኣሎ። እቲ ዝገዝኣሉ መገድን ሉዓላውነቱን እቲ እንኮ ቅኑዕ መገዲ ኢዩ። ዝለዓለ ደረጃ ሓጐስን ዕግበትን ብልጽግናን ዝርከቦ ኢዩ። እዚ ድማ የሆዋ ንኣእምሮናን ኣካላትናን ምስ ሕጋጋቱ እንተ​ድኣ ተሰማሚዑ ብዝበለጸ ከም ዝዓዪ ገይሩ ስለ ዝፈጠሮ ኢዩ። “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።” (ኢሳይያስ 48:⁠17) እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ሕጋጋት ኣምላኽ ኴንካ ዝግበር ናጻ ምርጫ ፍሕት ዘየብል ኣይኰነን ነይሩ: ኣብ ክንድኡስ እተፈላለየ ዓይነት ባህ ዘብል መግቢ: ኣባይቲ: ስነ⁠-​ጥበብ: ከምኡውን ሙዚቃ ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ ነይሩ። ናጻ ድሌት ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘደንቕን መሳጥን ናብራ ህይወት ከም ዝህሉ ምገበረ ነይሩ።

19. ደቅሰብ ምስኡ ምእንቲ ክዕረቑ ኣምላኽ ንመን ኢዩ ዝጥቀም፧

19 ደቅሰብ ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ግጉይ ምርጫ ካብ ኣምላኽ ረሓቑ እሞ ናብ ዘይፍጽምናን ሕስራንን ሞትን ተደርበዩ። ስለዚ ካብቲ ዘሕዝን ኵነታቶም ዘድሕኖምን ናብቲ ከም ኣወዳቱን ኣዋልዱን መጠን ምስ ኣምላኽ ዝህሉ ንቡር ርክብ ዝመልሶምን መገዲ የድልዮም ኢዩ። ነዚ ዕማም እዚ ንምፍጻም ኣምላኽ ዝሓረዮ መገዲ እታ መንግስቲ ክትከውን ከላ እቲ መድሓኒ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16) ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምስላ ተገሊጹ ዘሎ ሓሻሽ ወዲ እቶም ናይ ሓቂ ተናሳሕቲ በዚ ምድላው እዚ ምስ ኣምላኽ ክዕረቑን ከም ውሉዳቱ ገይሩ ክቕበሎምን ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 15:⁠11-24፣ ሮሜ 8:⁠21፣ 2 ቈረንቶስ 6:⁠18

20. ዕላማ ኣምላኽ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ዝፍጸም ብኸመይ ኢዩ፧

20 ፍቓድ የሆዋ ዝዀነ ይኹን ፍሽለት ከየጋጠሞ ኣብ ምድሪ ክፍጸም ኢዩ። (ኢሳይያስ 14:⁠24, 27፣ 55:⁠11) በታ ብክርስቶስ እትመሓደር መንግስቱ ገይሩ ነቲ ልዑል ገዛኢና ናይ ምዃን መሰሉ ምሉእ ብምሉእ ከረጋግጾ (ቅኑዕ ወይ ርትዓዊ ምዃኑ ከነጽሮ) ኢዩ። እታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዘሎ ሰብኣውን ጋኒናውን ኣገዛዝኣ ከም ዘብቅዕ ክትገብሮ ኢያ: ንሳ ንበይና ድማ ኣብ ሰማይ ኰይና ሽሕ ዓመት ክትገዝእ ኢያ። (ሮሜ 16:⁠20፣ ራእይ 20:⁠1-6) ኣብቲ እዋን እቲ ግን የሆዋ ዝገዝኣሉ መገዲ ብሉጽ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ክርአ፧ ድሕሪ እተን ሽሕ ዓመትከ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ግደ ኢዩ ክህልዋ፧ ነዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት

• ቀንዲ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ፧

• ናይ ምድሪ ሓድሽ ኣገዛዝኣ ብመን ዝቘመ ኢዩ፧

• ካብ ኣምላኽ እተገለለ ሰብኣዊ ምምሕዳር ከቶ ዕዉት ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧

• ኣጠቓቕማ ናጻ ድሌት ከመይ ኢዩ ክኸውን ዝግባእ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ የሱስ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ትምህርቲ ነቲ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ዝፍጸም ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኵለን ሃገራት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ዘመሓላልፍዎ ቀንዲ ትምህርቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ታሪኽ ነቲ ካብ ኣምላኽ ተገሊልካ ብርእስኻ ምኻድ ዘለዎ ሕማቕ ሳዕቤን ዘረጋግጽ መርትዖ የቕርብ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

WWI soldiers: U.S. National Archives photo; concentration camp: Oświęcim Museum; child: UN PHOTO 186156/J. Isaac