ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃስሞናውያንን ሓድጎምን

ሃስሞናውያንን ሓድጎምን

ሃስሞናውያንን ሓድጎምን

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣይሁድነት ኣብ እተፈላለየ ባእታታት ተኸፋፊሉ ነበረ: ኵለን እተን ባእታታት ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ጽልዋ ኽገብራ ይቀዳደማ ነበራ። ኣብቲ ናይ ወንጌል ጸብጻባትን ኣብ ጽሑፋት ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጆሰፈስ እተባህለ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽን ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ሓሳብ ኢና እንረክብ።

ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም: ነቲ ህዝቢ የሱስ መሲሕ ከም ዘይኰነ ገይሩ ንኽኣምን እውን ከይተረፈ ዝጠዋውይዎ ዓይነት ሰባት ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 15:​1, 2፣ 16:1፣ ዮሃንስ 11:​47, 48፣ 12:​42, 43) እንተ​ዀነ ግን: እዞም ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም ክልተ ጕጅለ እዚኣቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቒሶም ኣይንረኽቦምን ኢና።

ጆሰፈስ ብዛዕባ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ክጽሕፍ ከሎ መጀመርታ ንሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን ኢዩ ጠቒስዎም ዘሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ኣይሁዳውያን በቲ ሄለኒዝም ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ባህልን ፍልስፍናን ይሰሓቡ ነበሩ። እቶም ካብ መስመር ንግስነት ሴሉሲድ ዝነበሩ መራሕቲ ንቤት መቕደስ የሩሳሌም ንዘዩስ ብምውፋይ ምስ ኣርከስዋ: እቲ ኣብ መንጎ ባህሊ ግሪኽን ኣይሁድነትን ዝነበረ ምስሕሓብ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ። ሓደ ካብ ዓሌት ሃስሞናውያን ዝነበረ ይሁዳ መቃቢ ዝበሃል ሓያል ኣይሁዳዊ መራሒ: ሰራዊት ሒዙ ብምዕላው ነታ ቤት መቕደስ ካብ ቍጽጽር ግሪኻውያን ናጻ ኣውጽኣ። a

እቲ መቃባውያን ዓልዮም ድሕሪ ምዕዋቶም ዝነበረ ዓመታት ንሓድሕደን ዝወዳደራ ኣንቈራታት እተመስረታሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፈን ድማ ዝበዝሐ ክፋል ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሰዓብተን ንምግባር ሓንቲ ምስታ ሓንቲ ትወዳደር ነበረት። ከምዚ ዝኣመሰለ ምውድዳር ዝማዕበለ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣይሁድነት ክሳዕ ክንድዚ እተኸፋፈለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ ንምምላስ ንታሪኽ ሃስሞናውያን ንመርምሮ።

እናሰፍሐ ዝኸይድ ዝነበረ ምንጻልን ሕንፍሽፍሽን

ይሁዳ መቃቢ ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ኣምልኾ ከም ዝምለስ ንምግባር ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ሸቶ ምስ ወቕዐ: ናብ ፖለቲካ ተቐየረ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ኣይሁድ ካብ ምስዓቡ ኣቋረጹ። ንሱ ግን ኣንጻር እቶም ካብ መስመር ንግስነት ሴሉሲድ ዝነበሩ መራሕቲ ምቅላስ ቀጸለ: ምስ ሮሜ ውዕል ገበረ: ናጻ ዝዀነት ሃገረ ኣይሁድ ክምስርት ድማ ደለየ። ይሁዳ ኣብ ኲናት ምስ ሞተ: ጆናታንን ሳይመንን እተባህሉ ኣሕዋቱ ነቲ ቓልሲ ቀጸልዎ። ኣብ መጀመርታ እቶም ካብ መስመር ሴሉሲድ ዝነበሩ መራሕቲ ንመቃባውያን ኣበርቲዖም መከትዎም። ዳሕራይ ግን ነቶም ካብ ሃስሞንያ ዝነበሩ ክልተ ኣሕዋት ባዕሎም ንባዕሎም ዓዶም ከማሓድሩ ብምፍቃድ ፖለቲካዊ ምትዕጽጻፍ ከርእዩ ተሰማምዑ።

ሃስሞናውያን ካብ ዓሌት ቤተ⁠-​ክህነት እኳ እንተ ነበሩ: ካብኦም ሊቀ⁠-​ኻህን ኰይኑ ዘገልገለ ፈጺሙ ኣይነበረን። ብዙሓት ኣይሁድ ሊቀ⁠-​ኻህን ናይ ምዃን መሰል ነቶም ካብ ዘርኢ እቲ ሊቀ⁠-​ኻህን ክኸውን ሰሎሞን ዝሸሞ ጻዶቕ ዝመጹ ካህናት ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ ዝብል እምነት ነበሮም። (1 ነገስት 2:​35፣ ህዝቅኤል 43:19) ጆናታን እቶም ካብ መስመር ንግስነት ሴሉሲድ ዝነበሩ መራሕቲ ከም ሊቀ⁠-​ካህን ገይሮም ክሸምዎ ንኸእምኖም ኲናትን ዲፕሎማስን ተጠቕመ። ጆናታን ምስ ሞተ ግን ሓዉ ሳይመን ብዝበለጸ ክዕወት ጀመረ። ኣብ መስከረም 140 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ሓደ ኣገዳሲ ኣዋጅ ወጸ። እቲ ኣዋጅ ብናይ ግሪኽ ቅዲ ካብ ብሮንዝ ኣብ እተገብረ ጽላት ኰይኑ ከምዚ ዝብል ነበረ:- “ንጉስ ድሜጥሮስ [ካብ መስመር ንግስነት ሴሉሲድ ግሪኽ ዝነበረ መራሒ] [ንሳይመን] ኣብ ዝለዓለ ቦታ ክህነት ኣንቢሩ: ሓደ ካብ ፈተውቱ ብምግባር ዝለዓለ ክብሪ ሃቦ። . . . ትውክልቲ ዝግበሮ ነብዪ ክሳዕ ዝትንስእ ኣይሁዳውያንን ካህናቶምን ንሳይመን መራሒኦምን ሊቀ⁠-​ኻህኖምን ክኸውን ወሲኖም ኣለዉ።”​—⁠1 መቃባውያን 14:⁠38-41 (ኣብ መጽሓፍ ኣዋልድ ዝርከብ ታሪኻዊ መጽሓፍ)

ስለዚ ድማ እቲ ሳይመን​—⁠ብድሕሪኡ ድማ ዘርኡ⁠—​ከም መራሕን ሊቀ⁠-​ካህንን ንኽኸውን ዝረኸቦ ስልጣን በቶም ባዕዳውያን መራሕቲ ሴሉሲድ ጥራይ ዘይኰነስ ብናይ ደቂ ዓዲ “ዓቢ ዋዕላ” እውን ጸዲቑ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣገዳሲ ነጥበ⁠-​መቐይሮ ዀነ። ሃስሞናውያን ነዚ ፖለቲካዊ ስርወ⁠-​ንግስነት እዚ ሓንሳእ ምስ ኣቘሙ “እቲ ቐንዲ ኣትኵሮኦም ንቶራህ [ሕጊ ኣይሁድ] ምፍጻም ዘይኰነስ ነቲ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ምዕቃብን ምስፍሕፋሕን” ከም ዝገበሩ ኤሚል ሹረር እተባህለ ጸሓፍ⁠-​ታሪኽ ገሊጽዎ ኣሎ። እንተ​ዀነ ግን: ሳይመን ስምዒት ኣይሁዳውያን ንምሕላው ኢሉ ንገዛእ ርእሱ “ንጉስ” ዝብል መጸውዒ መዓርግ ኣብ ክንዲ ዝሕዝ “ኤትናርክ” ወይ “መራሕ ሓፋሽ” ኢሉ ሰየማ።

እንተ​ዀነ ግን: ሃስሞናውያን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ስልጣን መንዚዖም ብምሓዞም ኵሎም ኣይሁድ ኣይኰኑን ተሓጒሶምሎም። ብዙሓት ምሁራት ከም ዝብልዎ: ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ ማሕበረሰብ ቁምራን እተመስረተ። እቲ ካብ የሩሳሌም ወጺኡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ምዉት ባሕሪ ዝነበረ በረኻ ይሁዳ ተቓወምቲ ጕጅለ ዝመስረተ: ኣብ ናይ ቁምራን ጽሑፋት ከኣ “መምህር ጽድቂ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ካብ ዘርኢ ጻዶቕ ዝነበረ ካህን ምንባሩ ኢዩ ዝዝረብ። ኣብ መንጎ እቲ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት እተረኽበ ብዛዕባ መጽሓፍ ኣንባቆም መብርሂ ዝህብ ጥቕላል “ኣብ መጀመርታ ብጕልባብ ሓቂ እተጸውዐ: ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክገዝእ ምስ ጀመረ ግን ልቡ እተዓበየሉ እኩይ ካህን” ኢሉ ብምጽዋዕ ኰነኖ። ብዙሓት ምሁራት እቲ እዚ ኣንቈራ እዚ “እኩይ ካህን” ኢልዎ ዘሎ ንጆናታን ወይ ንሳይመን ከመልክት ከም ዝኽእል ይኣምንሉ ኢዮም።

ሳይመን ግዝኣቱ ንምስፋሕ ወተሃደራዊ ወፍርታቱ ቀጸለ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኣብ ድግስ ከለዉ ሰብኣይ ጓሉ ቶሎሜ ምስ ክልተ ደቁ ምስ ቀተሎ ግዝኣቱ ብሃንደበት ኣቋረጸ። እቲ ቶሎሜ ስልጣን ንምሓዝ ዝገበሮ ፈተነ ግን ፈሸለ። ጆን ሂርካነስ እተባህለ ወዱ ንሳይመን ካብ ሞት ኣምሊጡ ስለ ዝነበረ ንኸይቅተል ክጥንቀቕ ተነግሮ። ነቲ ክቐትሎ ዝሓሰበ ብምምራኽ ከኣ ነቲ ናይ ኣቦኡ መሪሕነትን ሊቀ⁠-​ክህነትን ባዕሉ ሓዞ።

ተወሳኺ ምስፍሕፋሕን ጭቈናን

ኣብ መጀመርታ ሓይልታት ሶርያ ንጆን ሂርካነስ ብዙሕ የፈራርህዎ ነበሩ: ዳሕራይ ግን ብ129 ቅ.ኣ.ዘ. ስርወ⁠-​ንግስነት ሴሉሲድ ብጴርቴናውያን ከቢድ ስዕረት ወረዶም። እዚ ኲናት እዚ ኣብቶም ካብ መስመር ሴሉሲድ ዝዀኑ ነገስታት ዘውረዶ ጽልዋ ክገልጽ ከሎ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ መናሀም ስተርን “ብምሉኡ ኣሰራርዓ ናይታ መንግስቲ ቃል ብቓሉ ተቘልዓሰ” በለ። ስለዚ ኸኣ ሂርካነስ “ንይሁዳ ምሉእ ብምሉእ ፖለቲካዊ ናጽነት ከም እትረክብ ገበራ: ብእተፈላለየ ኣንፈት ድማ ከስፋሕፍሕ ጀመረ።” ብሓቂ ድማ ግዝኣቱ ኣስፋሕፍሐ።

ብድሕርዚ ሂርካነስ ዝዀነ ይኹን ዝዓናቕፎ ሶርያዊ ሓይሊ ስለ ዘይነበረ ካብ ይሁዳ ሓሊፉ ንኻልኦት ግዝኣታት እናወረረ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ከእትወን ጀመረ። ተቐማጦ ናይተን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘእትወን ዝነበራ ኸተማታት ሓደው ናብ ኣይሁድነት ክልወጡ ነበሮም ወይ ድማ ከተማታቶም ክሕምሸሻ ነበረን። ኢዱሜናውያን (ኤዶማውያን) ገለ ካብቶም ከምዚ ዘጋጠሞም ኢዮም ነይሮም። ብዛዕባ እዚ ስተርን ከምዚ በለ:- “ምልዋጥ ኢዱሜናውያን ናይ ውሑዳት ውልቀ⁠-​ሰባት ዘይኰነስ ናይ ብምሉኡ ዓሌት ምልዋጥ ብምዃኑ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ኢዩ።” ካብ መንጎ እተን ከምዚ ዘጋጠመን ከተማታት ድማ ሰማርያ ትርከበን። ሂርካነስ ነቲ ኣብ ከረን ጌረዚም ዝነበረ ቤት መቕደስ ሳምራውያን ኣዕነዎ። ብዛዕባ እዚ ስግንጢር ዝዀነ ስርወ⁠-​ንግስነት ሃስሞንያን ዘተኣታተውዎ ብሓይሊ ናይ ምቕያር ፖሊሲ: ሰሎሞን ግሬዜል ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ወዲ ወዱ ንማታቲያስ [ኣቦኡ ንይሁዳ መቃባዊ] ነቲ ቐዳሞት ወለዶ ንምዕቃቡ ኣጸቢቖም እተቓለስሉ ስርዓት ሃይማኖታዊ ናጽነት ጠሓሶ።”

ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ይቕልቀሉ

ጆሰፈስ ብዛዕባ ግዝኣት ሂርካነስ ክጽሕፍ ከሎ ኢዩ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ጽልዋ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዝጠቐሰ። (ጆሰፈስ ነቶም ኣብ ግዜ ግዝኣት ጆናታን ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኢዩ ጠቒስዎም ዘሎ።) ብዛዕባ ኣመጻጽእኦም ግን ኣይጸሓፈን። ገለ ምሁራት ካብቶም ንይሁዳ መቃቢ ኣብ ሃይማኖታዊ ዕላማታቱ ዝሓገዝዎ: ድሌቱ ናብ ፖለቲካ ምስ ተቐየረ ግን ዝገደፍዎ ውፉያት ሃይማኖታውያን ዝነበሩ ሃሲዲም ዝበሃሉ ጕጅለ ዝመጹ ምዃኖም ኢዮም ዝገልጹ።

እቲ ፈሪሳውያን ዝብል ስም እውን ዋላ እኳ ገሊኦም ምስቲ “ተርጐምቲ” ዝብል ቃል እተተሓሓዘ ገይሮም እንተ ወሰድዎ: ብሓፈሻ ግን ምስቲ “ፍሉያት” ዝብል ሱር ቃል ናይ እብራይስጢ እተተሓሓዘ ኢዩ። ፈሪሳውያን ፍሉይ ወለዶ ዘይነበሮም: ካብቶም ተራ ህዝቢ ዝወጹ ምሁራት ኢዮም ነይሮም። ነቲ ንቕድስና ካህናት ተባሂሉ እተዋህበ ሕጊ ቤት መቕደስ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ናይቲ ተራ ህዝቢ ከም ዝውዕል ብምግባር: ፍሉይ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍልስፍና ተጠቒሞም ንገዛእ ርእሶም ካብ ዝዀነ ይኹን ዘይንጽህና ይሕልዉ ነበሩ። ፈሪሳውያን ሓድሽ ዓይነት ኣተረጓጕማ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምኡውን ዳሕራይ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ተባሂሉ እተፈልጠ ሓሳብ ኣማዕበሉ። ኣብ ግዜ ሳይመን ገሊኦም ኣብቲ ዳሕራይ ሳንሄድሪን ተባሂሉ እተጸውዐ የሮስያ (ቤት ምኽሪ ሽማግለታት) ክኣትዉ ምስ ተመርጹ ፊሪሳውያን ዝያዳ ጽልዋ ክህልዎም ጀመረ።

ጆን ሂርካነስ ኣብ መጀመርታ ሰዓብን ደጋፍን ፈሪሳውያን ምንባሩ ጆሰፈስ ገሊጹ ኣሎ። ዳሕራይ ግን ነቲ ናይ ሊቀ⁠-​ክህነት ማዕርግ ስለ ዘይገደፎ ፈሪሳውያን ገንሕዎ። እዚ ድማ ቅጽበታዊ ለውጢ ኣምጽአ። ሂርካነስ ነቲ ናይ ፈሪሳውያን ሃይማኖታዊ ስርዓት ክልኩል ምዃኑ ኣወጀ። ከም ተወሳኺ መቕጻዕቲ ኸኣ ምስቶም ኣንጻር ፈሪሳውያን ዝነበሩ ሰዱቃውያን ወገነ።

እቲ ሰዱቃውያን ዝብል ስም ምስቲ ዘርኡ ካብ ግዜ ሰሎሞን ኣትሒዞም ቦታ ክህነት ዝነበሮም ሊቀ⁠-​ኻህን ጻዶቕ እተተሓሓዘ ምዃኑ ግልጺ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኵሎም ሰዱቃውያን ካብዚ መስመር እዚ ኢዮም ነይሮም ማለት ኣይኰነን። ከም ኣገላልጻ ጆሰፈስ ሰዱቃውያን ቡርዥዋታትን ሃብታማትን ናይቲ ህዝቢ ኢዮም ነይሮም: ደገፍ ሓፋሽ ከኣ ኣይነበሮምን። ፕሮፌሰር ሺፍማን ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “ዝበዝሑ ኻብኣቶም . . . ካህናት ወይ ምስቶም ካብ ቤት ሊቀ⁠-​ክህነት እተዋሰቡ ኢዮም ነይሮም።” ስለዚ ኸኣ ንነዊሕ ግዜ ምስቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ርክብ ነይርዎም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ፈሪሳውያን በብግዜኡ ዝርአ ኣብ ናብራ ማሕበረሰብ ዝነበሮም ተራን ከም ናይ ካህናት ዝኣመሰለ ስርዓተ⁠-​ንጽህና ኣብ ኵሉ ህዝቢ ምስፍሕፋሕ ዝብል ዝነበሮም ኣምርን ነቲ ናይ ሰዱቃውያን ልሙድ ስልጣን ከድክም ዝኽእል ኣስጋኢ ነገር ገይርካ ተወስደ። ኣብ መወዳእታ ግዝኣት ሂርካነስ ግን ሰዱቃውያን እንደገና ዝያዳ ጽልዋ ክህልዎም ጀመረ።

ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ይገንን መንፈሳውነት ይሃስስ

ቦዅሪ ወዱ ንሂርካነስ ኣሪስቶቡለስ ምስ ነገሰ ኣብ ሓደ ዓመቱ ሞተ። ነቲ ብሓይሊ ናይ ምቕያር ፖሊሲ ኣብ ኢቱራናውያን ተጠቐመሉ: ንላዕለዋይ ክፋል ገሊላ ድማ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሃስሞናውያን ኣእተዎ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብቲ ሓዉ ኣሌክሳንደር ጃነስ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ማለት ካብ 103⁠-​76 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ እዋን ኢዩ ስርወ⁠-​ንግስነት ሃስሞናውያን ኣብቲ ዝለዓለ ጠርዙ ዝበጽሐ።

ኣሌክሳንደር ጃነስ ነቲ ናይ ቅድም ፖሊሲ ገዲፉ ንገዛእ ርእሱ ሊቀ⁠-​ካህንን ንጉስን ገይሩ ሸማ። እቲ ኣብ መንጎ ሃስሞናውያንን ፈሪሳውያንን ዝነበረ ምስሕሓብ ከረረ: ናብቲ 50,000 ዝዀኑ ኣይሁዳውያን ዝሞትሉ ውግእ ሓድሕድ ድማ ኣምርሐ። እቲ ዕልወት ምስ ተደምሰሰ: ጃነስ ንኣረማውያን ነገስታት ብዘዘኻኽር መገዲ ን800 ዝዀኑ ተቓወምቱ ሰቐሎም። ቀቅድሚ ምቕታሎም ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተሓርዱ: ጃነስ ድማ ምስ ዕቁባቱ ዀይኑ ድግስ ይገብር ነበረ። b

ጃነስ ዋላ እኳ ንፈሪሳውያን ዝጸልኦም እንተ ነበረ: ኣብ ተግባር ዝኣምን ፖለቲከኛ ኢዩ ነይሩ። ፈሪሳውያን ብቐጻሊ ዓብላሊ ደገፍ ይረኽቡ ከም ዝነበሩ ተረድአ። ኣብ ኣጋ ሞቱ ንበዓልቲ ቤቱ ሳሎም ኣሌክሳንድራ ንፈሪሳውያን እውን ኣብቲ ስልጣን ግደ ከም ዝህልዎም ክትገብር ነገራ። ጃነስ ኣብ ክንዲ ደቁ: ሰበይቱ ኣብታ መንግስቲ ክትክኦ ኢዩ መሪጹ። ንሳ እውን ክኢላ መራሒት ምዃና ኣረጋጊጻ ኢያ። ኣብቲ ሰላም ዝነበረሉ ግዝኣት ሃስሞንያን (76-​67 ቅ.ኣ.ዘ.) ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ መራሒ ምርካብ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። ፈሪሳውያን እንደገና ስልጣን ሓዙ: ነቲ ኣንጻር ሃይማኖታዊ ስርዓቶም ዝነበረ ሕግታት ድማ ሰረዝዎ።

ሳሎም ምስ ሞተት ክልቲኦም ደቃ ማለት እቲ ከም ሊቀ⁠-​ካህን ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሂርካነስ ካልኣይን ኣሪስቶቡለስ ካልኣይን ስልጣን ንምሓዝ ተቓለሱ። ክልቲኦም ከም ናይ ኣባሓጎታቶም ዝኣመሰለ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጥበብ ኣይነበሮምን: ነቲ መንግስቲ ሴሉሲድ ምሉእ ብምሉእ ምስ ዓነወት ኣብቲ ኸባቢ እናዐበየ ዝኸይድ ዝነበረ ጽልዋ ሮሜ እተረድእዎ ኣይመስሉን ኢዮም ነይሮም። ብ63 ቅ.ኣ.ዘ. ፖምፐይ ናይ ሮሜ መራሒ ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኽዓርቆም ለመንዎ። ፖምፐይ ድማ ኣብታ ዓመት እቲኣ ሰራዊቱ ሒዙ ንየሩሳሌም ተቘጻጸራ። እዚ ድማ መጀመርታ ናይቲ ምውዳእ መንግስቲ ሃስሞናውያን ኰነ። ብ37 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዱማዊ ንጉስ ሄሮዶስ ዓቢ ንየሩሳሌም ተቘጻጸራ: ባይቶ ሮሜ ድማ “ንጉስ ይሁዳ:” ከምኡውን “ሽርካን ፈታውን ህዝቢ ሮሜ” ከም ዝዀነ ገይሩ ኣጽደቖ። ንግስነት ሃስሞናውያን ድማ ካብ መድረኽ ዓለም ተደምሰሰ።

ሓድጊ ሃስሞናውያን

እቲ ካብ ይሁዳ መቃቢ ክሳብ ኣሪስቶቡለስ ካልኣይ ዝነበረ ግዝኣት ሃስሞናውያን: መሰረት ናይቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል ኰነ። ሃስሞናውያን ንኣምልኾ ኣምላኽ ቅንኢ ብምንጽብራቕ ኢዮም ጀሚሮምዎ: ዳሕራይ ግን ጥቕሚ ርእስኻ ናብ ምዕጋብ ተቐየረ። እቶም ሕጊ ኣምላኽ ንምስዓብ ነቲ ህዝቢ ከሕብርዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ካህናት: ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንኽኣቱ መርሕዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ፈላላዪ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያታት ኣስፋሕፍሐ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሃስሞናውያን ዝበሃሉ ኣይነበሩን: እቲ ብሃይማኖታዊ መገዲ ንምዕብላል ኣብ መንጎ ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን ካልኦትን ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ግን መለለዪ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሄሮዶስን ሮሜን ዝነበረ ህዝቢ ዀነ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “መቃባውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።

b እቲ “ብዛዕባ ትንቢት ናሆም ሓሳባት ዝህብ” ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል “ንሰባት ብህይወቶም ዝሓነቐ” “ኣንበሳ ቝጥዓ” ዝበሎ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ፍጻመ ኢዩ ዝኸውን።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሰሌዳ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ስርወ⁠-​ንግስነት ሃስሞናውያን

ይሁዳ መቃቢ ጆናታን መቃቢ ሳይመን መቃቢ

ጆን ሂርካነስ

↓ ↓

ሳሎም ኣሌክሳንድራ — በዓልቲ ቤቱ — ንኣሌክሳንደር ጃነስ ኣሪስቶቡለስ

↓ ↓

ሂርካነስ ካልኣይ ኣሪስቶቡለስ ካልኣይ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ይሁዳ መቃቢ ናጽነት ይሁዳ ይደሊ ነበረ

[ምንጪ ስእሊ]

The Doré Bible Illustrations/Dover Publications, Inc.

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ሃስሞናውያን ናብተን ናይ ኣይሁድ ዘይኰና ከተማታት ከስፋሕፍሑ ኸለዉ

[ምንጪ ስእሊ]

The Doré Bible Illustrations/Dover Publications, Inc.