ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ኣብ ራእይ 21:⁠1 ብዛዕባ “እቲ ቐዳማይ ሰማይን [ንጽል] እታ ቐዳመይቲ ምድርን” እናተዛረበ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13 ስለምንታይ ኢዩ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማያትን [ብዙሕ] ሓድሽ ምድርን” ዝዛረብ፧

መጀመርታ ነቲ ናይ እብራይስጢ ጥቕስታት ርአ። እዚ ብመሰረቱ ምስቲ በዅሪ ጽሑፍ እተተሓሓዘ ናይ ሰዋስው ዝርዝር ዝሓዘ ሓሳባት ኢዩ ዘለዎ። ብትርጕም ዝመጸ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍልልይ የብሉን።

ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ: እታ “ሰማይ(ያት)” እትትርጐም ሻማይም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ወትሩ ንብዙሕ ኢያ እተመልክት። ኣብዚ ንብዙሕ ከም እተመልክት ኰይና ምቕራባ ንቝጽሪ ዘመልክት ብዝሒ ዘይኰነስ ሓደ ክቝጸር ብዘይ​ክእል እተፈላለለየ ክፍልታት ዝቘመ ነገር ንዘለዎ ዝርጋሐ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ኸኣ ርዱእ ኢዩ ከመይሲ እቲ ግኡዝ ሰማያት ብዅሉ ዅርናዓት ካብ ምድሪ ዝሰፍሐ ዀይኑ ብቢልዮናት ዝቝጸር ከዋኽብቲ ዝሓቘፈ ኢዩ። ቀቅድሚ እታ ሻማይም እትብል ቃል ውሱን ኣመልካቲ ምስ ዝህሉ (ቃል ብቓሉ “እቲ ሰማያት”): ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዳርጋ ኣብ ኵሉ “ሰማያት” ኢሉ ኢዩ ዝትርጕሞ: ሓደ ኻብዚ ኸኣ ኢሳይያስ 66:⁠22 ኢዩ። እታ ሻማይም እትብል ቃል ውሱን ኣመልካቲ ምስ ዘይህልዋ ኸኣ: ንጽል (“ሰማይ:” ከም ኣብ ዘፍጥረት 1:⁠8፣ 14:⁠19, 22፣ መዝሙር 69:⁠34) ወይ ከኣ ብዙሕ (“ሰማያት:” ከም ኣብ ዘፍጥረት 49:⁠25፣ መሳፍንቲ 5:⁠4፣ እዮብ 9:⁠8፣ ኢሳይያስ 65:⁠17) ከም ዘመልክት ገይርካ ክትትርጐም ትኽእል ኢያ።

ኣብ ኢሳይያስ 65:⁠17 ከምኡውን 66:⁠22: እታ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሰማያት እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል ንብዙሕ ኢያ እተመልክት: “ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” ዝብል ኣተረጓጕማ ድማ ተዘውቲሩ ኣሎ።

እታ ኦራኖስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ሰማይ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ: እታ ንብዙሕ እተመልክት ኡራኖ እትብል ቃል ከኣ “ሰማያት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እቲ ዘገርም ግን ተርጐምቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ኣብ ኢሳይያስ 65:⁠17 ከምኡውን 66:⁠22 ንጽል ኢዮም ተጠቒሞም ዘለዉ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ክልተ ግዜ ዝርከብ “ሓድሽ ሰማይን [ወይ ሰማያት] ሓዳስ ምድርን” ዝብል ሓረግከ እንታይ ምበልና፧

ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13 እቲ ሃዋርያ ነታ ንብዙሕ እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ ዘሎ። ቀቅድሚኣ እውን (ቍጽሪ 7, 10, 12): ንብዙሕ ዘመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ብምጥቃም ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ “ሰማያት” ኢሉ ተዛሪብሉ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ምስዚ ንምስምማዕ ኣብ ቍጽሪ 13 ንብዙሕ እተመልክት ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ልክዕ ከምቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 2:⁠22 ካብ ምሳሌ 26:⁠11 ዝወሰዶ ናይ እብራይስጢ ጥቕሲ: ኣብዚ እውን ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:⁠17 ብእብራይስጢ ንብዙሕ ብዘመልክት መገዲ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ ጠቒሱ። ስለዚ ጴጥሮስ “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን [ብዙሕ] ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባል ሓቢሩ ኣሎ።

ካብዚ ቍሩብ ፍልይ ዝበለ ግን: ኣብ ራእይ 21:⁠1 ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ኣብ ሰፕቱጀንት ዝርከብ ናይ ኢሳይያስ 65:⁠17 ትርጕም ከም እተጠቕመ ግሁድ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብቲ ትርጕም እቲ: ነታ “ሰማይ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ብንጽል ተጠቒሙላ ኣሎ። ስለዚ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ኢዩ ጽሒፉ:- “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም: ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ: ሓድሽ ሰማይን [ንጽል] ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።”

ኵሉ እዚ ሓሳባት እዚ ምስ ምትርጓም እተተሓሓዘ ናይ ሰዋስው ዝርዝር ኢዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ “ሓድሽ ሰማያት” ወይ “ሓድሽ ሰማይ” ኢሉ እንተ ኣንበበ ወይ እንተ ተዛረበ ኣብ ትርጕም ዘምጽኦ ለውጢ የለን። ክልቲኡ ሓደ ዓይነት ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።

[ምንጪ ስእሊ]

Stars: Frank Zullo