ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንእሰያት እዋናዊ መምርሒ ብምሃብ ምሕጋዞም

ንመንእሰያት እዋናዊ መምርሒ ብምሃብ ምሕጋዞም

ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ

ንመንእሰያት እዋናዊ መምርሒ ብምሃብ ምሕጋዞም

 ኤጳፍራስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናብ ሮሜ እተጓዕዘ ክርስትያን ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: ብዛዕባ እታ ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ከተማ ቈሎሴ ይሓስብ ነበረ። ኣብታ ኸተማ ብስራት ሰቢኹ ስለ ዝነበረ: ብዘይ​ጥርጥር ንገለ ኻብ ሰብ ቈሎሴ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ክዀኑ ደጊፍዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 1:⁠7) ኤጳፍራስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾት ኣዝዩ ይሓሊ ስለ ዝነበረ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዀይኑ ንሰብ ቈሎሴ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ: ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ” በለ።​—⁠ቈሎሴ 4:⁠12

ብተመሳሳሊውን ሎሚ ዘለዉ ኣቦታትን ኣዴታትን ንመንፈሳዊ ድሕንነት ደቆም ዓሚቝ ጸሎት ይገብሩ ኢዮም። እዞም ወለዲ እዚኣቶም ደቆም ድልድልቲ እምነት ምእንቲ ኽትህልዎም: ኣብ ኣልባቦም ንኣምላኽ ፍቕሪ ንኸሕድሩሎም ይጽዕሩ ኢዮም።

ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ንዘጋጥሞም ጸገማት ንኽዋጽኡሉ ሓገዝ ክወሃቦም ሓቲቶም ኢዮም። ሓንቲ ጓል 15 ዓመት ኰተቴ “ዘጋጥመና ግድላት እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ህይወት ዘፍርህ ኢዩ ዀይኑ። ሓገዝ የድልየና ኢዩ!” በለት። ሕቶ ናይዞም መንእሰያትን ጸሎት ናይቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለድን ተመሊሱዶ፧ እወ! “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣዳልዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ መንእሰያት ‘ምሉኣትን ርዱኣትን ኰይኖም ደው ንኽብሉ’ ዝሓገዞም ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ። ገለ ኻብዚ ጽሑፋት እዚ እስከ ንርአ።

“እነዉ . . . 15,000 ሓደስቲ መሰኻኽር!”

ኣብ ነሓሰ 1941: ኣብ ሰይንት ሎይስ: ሚዙሪ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓቢ ኣኼባ 115,000 ዝዀኑ ተኣከብቲ ነበሩ፣ እዚ ኣኼባ እዚ ኣብታ ዓመት እቲኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዝገበርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት እቲ ዝበዝሐ ተኣከብቲ ዝነበርዎ ኢዩ። ኣብታ “መዓልቲ ቘልዑ” ተባሂላ እተሰምየት መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ: ኣብ ጥቓ እቲ መድረኽ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ 15,000 ዝዀኑ ቘልዑ: ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ “ደቂ እቲ ንጉስ” ብዝብል ኣርእስቲ ንዝሃቦ ዝርርብ ጽን ኢሎም ሰሚዖሞ ኢዮም። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይቲ ዝርርብ እቲ ወዲ 71 ዓመት ዝነበረ ራዘርፎርድ ብኣባታዊ ድምጺ ኸምዚ በለ:-

“ኵልኹም . . . ንኣምላኽን ንንጉሱን ክትእዘዙ እትደልዩ ቘልዑ: በጃኹም ሓፍ በሉ።” እቶም ቈልዑ ብሓንሳእ ብድድ በሉ። ድሕርዚ ሓው ራዘርፎርድ “እነዉ ልዕሊ 15,000 ሓደስቲ መሰኻኽር መንግስቲ ኣምላኽ!” በለ። ብርቱዕ ጣቕዒት ከኣ ተሰምዐ። እቲ ተዛራባይ ወሲኹ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምንጋር ዝከኣለኩም ዘበለ ዅሉ ንምግባር ድሉዋት ዝዀንኩም: . . . በጃኹም ‘እወ’ በሉ” በለ። እቶም ቈልዑ ብብርቱዕ ድምጺ “እወ!” ኢሎም መለሱ። ድሕርዚ: እታ ቈልዑ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ገለጸ: ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ጣቕዒት ድማ ሰዓበ።

ደድሕሪ እዚ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ብዙሓት ቈልዑ ተሰሪዖም ናብቲ መድረኽ ደየቡ: ሓው ራዘርፎርድ ከኣ ሓሓንቲ ቕዳሕ ናይታ ሓዳስ መጽሓፍ ብመልክዕ ህያብ ሃቦም። እዚ ትርኢት እዚ ነቶም ተኣከብቲ ኸም ዝነብዑ ገይርዎም ኢዩ። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዚ በለ:- “በቲ እቶም መንእሰያት ኣብ የሆዋ ኣምላኾም [ዘርእይዎ ዝነበሩ] ምሉእ ትውክልትን እምነትን ልቡ ዘይትንከፍ: ምንም ዘይስምዖ ሰብ ጥራይ ኢዩ።”

ኣብቲ ዘይርሳዕ ዓቢ ኣኼባ 1,300 መንእሰያት ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ብማይ ጥምቀት ኣርኣዩ። መብዛሕትኦም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ: ካብ እምነቶም ፈልከት ኣይበሉን። ንጉባኤኦም ይድግፉ: ኣብ ቤትኤል ወለንተኛታት ኰይኖም ይዓዩ ወይ ሚስዮናውያን ብምዃን ኣብ ወጻኢ ሃገራት የገልግሉ ኣለዉ። እታ “መዓልቲ ቘልዑ” ዀነት እታ ቈልዑ እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ኣልባብ ንኣሽቱ ብርግጽ ዘይሃስስ ጦብላሕታ ገዲፈን ኢየን!

“ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ኢዩ ዝወጽእ”

ኣብ 1970ታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንኣልባብ ብዙሓት ቈልዑን መንእሰያትን ዝተንከፋ ሰለስተ መጻሕፍቲ ሓተሙ። እዚኣተን ድማ ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ (እንግሊዝኛ): ንእስነትካ​—⁠ብዝበለጸ ተጠቐመሉ (እንግሊዝኛ) ከምኡውን: መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዝብሃላ ኢየን። ኣብ 1982 “መንእሰያት ዝሓትዎ . . .” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጽ ኣብ መጽሔት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኽወጽእ ጀመረ። እዚ ዓንቀጻት እዚ ኣብ ኣልባብ ንኣሽቱን ዓበይትን ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ። ሓደ ወዲ 14 ዓመት “ከምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጻት ከም ዝሕተም ስለ ዝገበረልና ንኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኢየ ዘመስግኖ” በለ። ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ከኣ “ነዚ ዓንቀጻት እዚ እፈትዎ ኢየ: ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ኢዩ ዝወጽእ” በለት። ወለድን እተመዘዙ ክርስትያን ሽማግለታትን እዚ ዓንቀጻት እዚ እዋናውን ጠቓምን ምዃኑ ይሰማምዑሉ ኢዮም።

ክሳዕ 1989 ገለ 200 ዝኸውን “መንእሰያት ዝሓትዎ . . .” ዘርእስቱ ዓንቀጻት ኣብ ንቕሑ! ወጺኡ ነይሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ እተገብረ “ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ወጸት። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንመንእሰያት ሓጊዛቶም ድያ፧ ሰለስተ መንእሰያት ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንጸገማትና ንኽንርድኦን ብኸመይ ክንፈትሖ ከም ዘሎና ንኽንፈልጥን ብዙሕ ጠቒማትና ኢያ። ስለቲ ዘርኣኹምና ሓልዮት ነመስግነኩም።” ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ምስዚ ሓሳባት እዚ ይሰማምዑ ኢዮም።

“ተዓንጊልና ኢና”

ብ1999 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንእሰያት ዝኸውን ካልእ ዓይነት መምሃሪ ኣዳለዉ፣ እዚኣ ድማ እታ መንእሰያት ዝሓትዎ​—⁠ብኸመይ ኢየ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኢያ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ልዑል ተቐባልነት ረኺባ ኢያ። ሓንቲ ጓል 14 ዓመት መንእሰይ “እዛ ቪድዮ እዚኣ ውሽጠይ ኢያ ተንኪፋትኒ” በለት። ሓንቲ ንጽል ኣደ “ክፍሊ ናይ ስርዓታዊ መንፈሳዊ መግብና ኽትከውን ኢያ” በለት። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ “እቲ ናይ ማሕርሮ ዓርክና: የሆዋ: ነቶም ኣብ ዓለምለኻዊ ማሕበሩ ዘለዉ መንእሰያት ብሓቂ ኸም ዘፍቅሮምን ዝሓልየሎምን ምፍላጥ ልቢ ዝትንክፍ ኢዩ” በለት።

እዛ ቪድዮ እዚኣ እንታይ ኢያ ዓሚማ፧ ገሊኦም መንእሰያት ከምዚ ዝብል መልሲ ሃቡ:- “ምስ መን ዕርክነት ከም ዝገብር ተጠንቂቐ ኽምርምር: ኣብ ጉባኤ ፍቕረይ ከስፍሕ: ከምኡውን ንየሆዋ ዓርከይ ንኽገብሮ ሓጊዛትኒ ኢያ።” “ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብትብዓት ንኽዋጽኣሉ ሓጊዛትኒ ኢያ።” “ብእተኻእለኒ መጠን ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርክዎ ውሳነ ንኸደልድል ሓጊዛትኒ ኢያ።” ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ድማ “ነዚ ‘መግቢ’ እዚ ስለ ዘዳለኹምልና ካብ ልቢ ኢና ነመስግነኩም። ተዓንጊልና ኢና” በሉ።

እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ብተኣማንነት ብምፍጻም ነቶም ዝቕበልዎ ሰባት በብግዜኡ መንፈሳዊ መግቢ ኣዳልዩሎም ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ‘ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኰይኖም ደው ንኽብሉ’ ኽሕግዞም ምርኣይሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓቢ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽእ!