ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቀኛ ኣምልኾ ንሰባት የሕብሮም

ሓቀኛ ኣምልኾ ንሰባት የሕብሮም

ሓቀኛ ኣምልኾ ንሰባት የሕብሮም

 ሃይማኖት ብሓፈሻ ኽርአ ኸሎ ንደቅሰብ ዝኸፋፍሎም እኳ እንተዀነ: ነቲ በይኑ ሓቀኛ ዝዀነ ኣምላኽ ምምላኽ ግን ንሰባት የሕብሮም ኢዩ። እስራኤላውያን ኣምላኽ ዝመረጾም ህዝቢ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ካብ ኣህዛብ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ናብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ይሰሓቡ ነበሩ። ንኣብነት: ሩት ንኣማልኽቲ ሞኣብ ጠንጢና ንናእሚ “ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ። (ሩት 1:16) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብዙሓት ካብ ኣህዛብ ኣምለኽቲ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48፣ 17:4) ድሕሪ ገለ ግዜ ሃዋርያት የሱስ ነቲ ብስራት ንምብጻሕ ናብ ርሑቕ ቦታታት ክጐዓዙ ምስ ጀመሩ: ካልኦት ቅኑዓት ሰባት ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣብ ምምላኽ ሓበርዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ ካብ ጣኦታት ተመለስኩም’ ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰሎንቄ 1:9) ሎሚኸ ንሓቀኛ ኣምላኽ ምምላኽ ንሰባት የሕብሮም ድዩ፧

ሓቀኛ ፍልጠት ዝበሃል የለን ዝብሉ ሰባት “ሓቀኛ ኣምልኾ” ወይ “ሓቀኛ ኣምላኽ” ኢልካ ምዝራብ ጌጋ ኢዩ ይብሉ። ነቲ ሓቂ ዝርከበሉ ምንጪ ስለ ዘይፈልጥዎ: ከምዚ ኽስምዖም ይኽእል ኢዩ። እተፈላለየ ኣተዓባብያ ዘለዎም ሓቂ ዝደልዩ ሰባት ግን ኣምልኾ ብምርጫኻ እትገብሮ ነገር ከም ዘይኰነ ይፈልጡ ኢዮም። ክምለኽ ዝግብኦ እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (ራእይ 4:11) ንሱ ሓቀኛ ኣምላኽ ኢዩ: ብኸመይ ክምለኽ ከም ዘለዎ ንኽውስን ድማ መሰል ኣለዎ።

የሆዋ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ: ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ነጊሩና ኢዩ። ሕጂ ዳርጋ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንብምሉኡ ወይ ንገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን: ወዲ ኣምላኽ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም . . . ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 8:31, 32) ስለዚ: ሓቂ ኽፍለጥ ይከኣል ኢዩ። ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዝነበሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብትብዓት ነዚ ሓቂ እዚ ይቕበሉን ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ይሓብሩን ኣለዉ።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ ራእይ 7:9, 10

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓለምለኻዊ ሕብረት!

ኣብ መጽሓፍ ጸፎንያስ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ከም ዝሓብሩ ዝገልጽ ዘደንቕ ትንቢት ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ [ኣነ የሆዋ ኣምላኽ] ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ።” (ጸፎንያስ 3:9) እዝስ ንኣምላኽ ብሕብረት ንኸምልኽዎ ለውጢ ብዛዕባ ዝገበሩ ሰባት ዝገልጽ ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል መግለጺ ዀን ኢዩ!

እዚ መዓስ ኢዩ ዝፍጸም፧ ጸፎንያስ 3:8 ከምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ: ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትውሐጥሲ: ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም: ነህዛብ ክእክቦም: ንመንግስትታት ከኣ ክአኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ: ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ።” እወ: ኣብቲ ርሱን ቍጥዓኡ ቕድሚ ምፍሳሱ ዘሎ ነህዛብ ዝእክበሉ እዋን: ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ትሑታት ጽሩይ ቋንቋ ኽመልሰሎም ኢዩ። ኵሎም ኣህዛብ ናብታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንውግእ ናብ ኣርማጌዶን ይእከቡ ስለ ዘለዉ: እታ ጽሩይ ቋንቋ ዝረኽቡላ ግዜ ሕጂ ኢያ።—ራእይ 16:14, 16

የሆዋ ንህዝቡ ንምሕባር ጽሩይ ቋንቋ ሃቦም። እዚ ሓድሽ ቋንቋ እዚ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ኣጸቢቕካ ምርዳእ ዘጠቓልል ኢዩ። ነዚ ጽሩይ ቋንቋ እዚ ምዝራብ ክበሃል ከሎ ንሓቂ ምእማን: ብዛዕብኡ ንኻልኦት ምምሃር: ከምኡውን ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባር ዘጠቓልል ኢዩ። ነቲ ዓለም እተንጸባርቖ ኸም ዓሌታውነትን ፈላላዪ ሃገራውነትን ዝኣመሰለ ስሱዕ ኣተሓሳስባ ኻብ ልቢ ምምሓውን ካብ ፖለቲካ ምርሓቕን ዝሓትት ኢዩ። (ዮሃንስ 17:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ኵሎም ሓቂ ዝፈትዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ነዚ ቛንቋ እዚ ኽመሃርዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሱ ሓደ እዋን ኣዝዩ እተፈላለየ ሃይማኖት ዝነበሮም ሓሙሽተ ሰባት: ነቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብምምላኾም ብኸመይ ከም ዝሓበሩ እስከ ንርአ።

ብሓቀኛ ኣምልኾ ሓበሩ

እታ ውፍይቲ ካቶሊክ ዝነበረት ፊደልያ: ንጓላ ኣብ ትምህርቲ እትጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዓደገትላ: እቶም ሓሙሽተ ዝሞቱ ደቃ እንታይ ከም ዝዀኑ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኽገልጸላ ንሓደ ኻህን ሓተተቶ። መልሱ “ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽ!” ምንባሩ ገለጸት። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበጽሕዋ ምስ መጹ: ተመሳሳሊ ሕቶ ሓተተቶም። ምዉታት ኣበይ ከም ዘለዉ: ካብ መጽሓፍ ቅዱሳ እቲ ሓቂ ምስ ኣንበቡላ: ቤተ-ክርስትያና ኽሳዕ ክንደይ ኣታሊላታ ኸም ዝነበረት ፈለጠት። ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ: ስለዚ ድማ ኣብ ሊምቦ ዝበሃል ቦታ ወይ ኣብ ካልእ ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉ ፈለጠት። (መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5) ፊደልያ ንዅሉ ሃይማኖታዊ ምስልታታ ኣወገደት: ኣባል እታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ምዃን ኣቋረጸት: መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ድማ ጀመረት። (1 ዮሃንስ 5:21) ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ሓቂ ተሓጒሳ ንኻልኦት ሰባት ክትምህር ጸኒሓ ኣላ።

እታ ኣብ ካትማንዱ እትነብር ዝነበረት ታራ ብዙሕ ኣብያተ-መቕደስ ሂንዱ ናብ ዘይብሉ ሃገር ገዓዘት። ስለዚ ኸኣ መንፈሳዊ ድሌታ ንምዕጋብ ናብ ናይ ሜቶዲስት ቤተ-ክርስትያን ከደት። ሰባት ስለምንታይ ከም ዝሳቐዩ ግን መልሲ ኣይረኸበትን። ድሕርዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ድማ ሓተትዋ። ታራ ኸምዚ በለት:- “እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ብዅሉ እዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ስቓይ ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ኣስተውዓልኩ። . . . ሰላምን ስኒትን ዘለዋ ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ ምዃና ተስፋ ምስ ረኸብኩ ተሓጐስኩ።” (ራእይ 21:3, 4) ታራ ነቲ ናይ ሂንዱ ምስልታታ ኣወገደቶ: ነቲ ናይ ዓዳ ሃይማኖታዊ ልምዲ ገደፈቶ: ከምኡውን ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ንመንፈሳዊ ድሌት ካልኦት ንምርዋይ ክትሕግዝ ብምኽኣላ ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኸበት።

እቲ ቡድሂስት ዝነበረ ፓንያ ኣብ ባንግኮክ ንፈለማ ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክራኸብ ከሎ ጠንቋሊ ነበረ። ስለዚ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢታት ኣገረሞ። ፓንያ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ካብቲ ፈጣሪ መጀመርታ ሓሊንዎ ዝነበረ እተፈልየ ዝዀነሉ ምኽንያት ከምኡውን እቶም ንዕኡን ንሉዓላውነቱን ዝነጸጉ ዘምጽእዎ ጕድኣት ንምዕራይ ዝገበሮ ምድላው ምስ ፈለጥኩ: ንዓይነይ ጋሪዱ ዝነበረ ነገር ከም እተቐንጠጠለይ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ። ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ኢዩ። ንየሆዋ ከም ኣካል ከፍቅሮ ጀመርኩ: እዚ ድማ ነቲ ቕኑዕ ምዃኑ እተረዳእክዎ ነገራት ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ድራኸ ዀነኒ። ካልኦት ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ጥበብን ኣምላኻዊ ጥበብን ዘሎ ፍልልይ ምእንቲ ኽግንዘቡ ንምሕጋዞም ተሃንጠኹ። ሓቀኛ ጥበብ ብርግጽ ንህይወተይ ለዊጥዎ ኢዩ።”

ቨርጀል ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ኸቢድ ጥርጠራ ኽሓድሮ ጀመረ። ኣምላኽ ንጸለምቲ ንኽሕግዞምን ነታ ንጸዓዱ ምጽላእ እተተባብዕ ዓሌታውነት ዘለዋ ገይሩ ዝረኣያ ማሕበር ንኽድግፋን ኣብ ክንዲ ዝጽሊ: ሓቂ ዝዀነት ትኹን ወይ ኣብ ዝሃለወት ትሃሉ ብዘየገድስ ንኽረኽባ ጸለየ። ቨርጀል ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ጽባሕ እታ ናብ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ዝገበርኩላ መዓልቲ ኻብ ድቃሰይ ምስ ተሳእኩ: ኣብ ገዛይ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ረኸብኩ። . . . ብትሕቲ ማዕጾ ኣስሊኾማ ክዀኑ ኣለዎም።” ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ጀመረ። ቀጺሉ ድማ “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ዕግበት ረኸብኩ። . . . ኣብ ውሽጠይ ጩራ ተስፋ ኽበርህ ጀመረ” በለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ምስታ ኻልኦት ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝርከብ ሓቀኛ ተስፋ ንኽረኽቡ እትሕግዝ እንኮ ማሕበር ሓበረ።

ሓንቲ ግላዲስ እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ነታ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ቻሮ ንኣሽቱ ደቃ የሸግርዋ ምንባሮም ኣስተውዓለት: ስለዚ ድማ ንኽትሕግዛ ኢላ ናብ ዕዳጋ ሒዛታ ምስ ከደት ቻሮ ተገረመት። ጸኒሓ ግላዲስ ንቻሮ ብናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብረላ ምስ ሓተተታ ተቐበለታ። ቻሮ ዅሎም ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዘይከዱን የሆዋ ንሰባት ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝህቦምን ካብ መጽሓፍ ቅዱሳ ምስ ተማህረት ተገረመት። (መዝሙር 37:11, 29) ቻሮ እውን ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ነዚ ተስፋ እዚ ንኻልኦት ከተካፍሎም ጸኒሓ ኢያ።

ምልእቲ ምድሪ ነቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ብዘምልኹ ቕኑዓት ሰባት ክትመልእ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እዚ ሕልሚ ኣይኰነን። የሆዋ ኢዩ ተመባጺዕዎ። ኣምላኽ ብነብዪ ጸፎንያስ አቢሉ ኸምዚ በለ:- “ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ: ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኑ እዮም። . . . ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ: . . . ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስዉን እዮም: ኣብ ኣፎም ከኣ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።” (ጸፎንያስ 3:12, 13) እዚ መብጽዓ እዚ እንተ ስሒቡካ: ነዚ ዝስዕብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃቦ ምሕጽንታ ኣቕልበሉ:- “ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።”—ጸፎንያስ 2:3