ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘በታ ቕንዕቲ መገዲ’ ተመላለስ

‘በታ ቕንዕቲ መገዲ’ ተመላለስ

‘በታ ቕንዕቲ መገዲ’ ተመላለስ

 ነብዪ ኢሳይያስ ‘ጻድቕ: ፍረ ግብሩ ኽበልዕ ኢዩ እሞ: ክዕወት ኢዩ’ በለ። ብተወሳኺውን “መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ” በለ። (ኢሳይያስ 3:10፣ 26:7) ጽቡቕ ፍረ ኸነፍሪ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅኑዕ ዝዀነ ነገራት ክንገብር ከም ዘሎና ንጹር ኢዩ።

በታ ቕንዕቲ መገዲ ኽንመላለስ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ከምዚ ብምግባርና እንታይ በረኸታት ክንረክብ ንኽእል፧ ምስ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስና ኻልኦት ብኸመይ ክጥቀሙ ይኽእሉ፧ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ኣብ ምዕራፍ 10 ናይታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ ንጽድቂ ምስ እከይ ከነጻጽሮ ኸሎ ናይዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ሂቡ ኣሎ። ነተን “ጻድቕ” ወይ “ጻድቃን” ዝብላ ቃላት 13 ሳዕ ተጠቒሙለን ኣሎ። ካብዚኣተን ድማ እተን ትሽዓተ ኻብ ቍጽሪ 15 ክሳዕ 32 ኢየን ዝርከባ። እምበኣር: ምሳሌ 10:15-32 ብምምርማር ምትብባዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። a

ምዕዶ ሓሉ

ሰሎሞን ጽድቂ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ሓበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ: ንድኻ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ። ዕዮ ጻድቕ ንህይወት: እቶት ረሲእ ግና ንሓጢኣት እዩ።”ምሳሌ 10:15, 16

ልክዕ ከምቲ እተዓርደት ከተማ ነቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ብመጠኑ ውሕስነት ከም ዝስምዖም እትገብር: ሃብቲ እውን ካብቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ጸገማት ዕቝባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድኽነት ግን ዘይተጸበኻዮ ዅነታት ኣብ ዝመጸሉ እዋን ናብ ጥፍኣት ኢዩ ዝወስድ። (መክብብ 7:12) እንተዀነ ግን: እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሃብቲ ዀነ ድኽነት ዘምጽኦ ሓደጋ ኽሕብር ደልዩ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሃብታም ሰብ ንሃብቱ ከም “ቀጽሪ” ገይሩ ብምርኣይ ትውክልቱ ኣብ ሃብቱ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 18:11) ድኻ ድማ ብሰንኪ ድኽነቱ ተስፋ ዘይብሉ ዀይኑ ክስምዖ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ኣየጥርዩን።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ: ጻድቕ ይሃብትም ወይ ይድከ ብዘየገድስ: ቅንዕናኡ ናብ ህይወት ኢዩ ዝመርሖ። ብኸመይ፧ በቲ ዘለዎ ዕጉብ ኢዩ። ቍጠባዊ ዅነታቱ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ጽቡቕ ርክብ ከበላሽዎ ኣየፍቅድን ኢዩ። ጻድቕ ይሃብትም ወይ ይድከ ብዘየገድስ: ኣነባብርኡ ንሕጂ ሓጐስ ንመጻኢ ድማ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት የምጽኣሉ ኢዩ። (እዮብ 42:10-13) ረሲእ ግን ሃብታም እውን እንተዀነ ኣይጥቀምን ኢዩ። ነቲ ሃብቲ ዘምጽኦ ዕቝባ ኣብ ክንዲ ዘማስወሉን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኣብ ክንዲ ዝነብርን: ንሃብቱ ናብራ ሓጢኣት ንምንባር ኢዩ ዝጥቀመሉ።

እቲ ንጉስ እስራኤል ቀጺሉ “ምዕዶ ዚሕሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ: ተግሳጽ ዚአቢ ግና ይስሕት” በለ። (ምሳሌ 10:17) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብኽልተ መገዲ ኽትርአ ኸም እትኽእል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ሓደ መገዲ እቲ ምዕዶ ዝሕሉን ጽድቂ ዝገብርን ኣብ መገዲ ህይወት ክህሉ ኸሎ: እቲ ተግሳጽ ዝኣቢ ግን ነታ መገዲ ስሒትዋ ኣሎ ዝብል ኢዩ። ካልኣይ መገዲ ድማ “እቲ ተግሳጽ ዝሰምዕ መገዲ ህይወት [ንኻልኦት] የርኢ: [ከመይሲ እቲ ሰናይ ኣብነቱ ይጠቕሞም ኢዩ:] እቲ መኣረምታ ዘይቅበል ግን ንኻልኦት ናብ ግጉይ መገዲ ይመርሖም” ዝብል ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 10:17 ኒው ኢንተርናሽናል ባይብል) እዚ ዀይኑ እቲ: ምዕዶ ኽንሕሉን ተግሳጽ ክንሰምዕን ከመይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ!

ንጽልኢ ብፍቕሪ ተክኣዮ

ሰሎሞን ቀጺሉ ኽልተ ኽፍሊ ዘለዋ ምሳሌ ተዛረበ: እታ ኻልኣይቲ ነታ ቐዳመይቲ እትድግፍ ኢያ። “ጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር አለዋኦ” በለ። ሓደ ሰብ ንብጻዩ ብልቡ ዝጸልኦን ብጥዑም ዘረባ ወይ ሻሕራ ገይሩ ነቲ ጽልኢ ዝሽፍኖን እንተድኣ ዀይኑ: መታለሊ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ: “ሓሰውቲ ኸናፍር” ድማ ኣለዋኦ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ “ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ምሳሌ 10:18) ገሊኣቶም ሰባት ጽልኦም ኣይሓብኡን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ዝጸልእዎ ሰብ የጸልሙዎ ወይ ዘናሽዎ ወረ ይነዝሑ። ሕሜት ነቲ ውልቀ-ሰብ ስለ ዘይቅይሮ: ዕሽነት ኢዩ። ነቲ ጕዳይ ዝሰምዕ መስተውዓሊ ሰብ እተኣልመ ተንኰል ምዃኑ ስለ ዝፈልጦ ነቲ ሓማዪ ይንዕቆ ኢዩ። ስለዚ: ሕሜት ዝዝርግሕ ንርእሱ ኢዩ ዝጐድእ።

ጻድቕ ግን ኣየታልል ኣይሓሚ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ንሓውኻ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ” በሎም። (ዘሌዋውያን 19:17) የሱስ እውን ንሰማዕቱ ‘ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ: ጸላእትኹም [እውን ከይተረፈ] ፍተዉ: ንዝረግሙኹም መርቑ’ በሎም። (ማቴዎስ 5:44, 45) ንልብና ኣብ ክንዲ ብጽልኢ ብፍቕሪ ኽንመልኦስ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!

‘ከናፍርካ ግታእ’

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ንልሳን ምቍጽጻር ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኸጕልሕ ከሎ “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስአኖን: ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ” በለ።—ምሳሌ 10:19

“ዓሻስ ቃላት የብዝሕ።” (መክብብ 10:14) ካብ ኣፉ “ዕሽነት ይፍልፍል።” (ምሳሌ 15:2) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ኵሉ ተዛራቢ ሰብ ዓሻ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሓደ ብዙሕ ዝዛረብ ሰብ ብቐሊሉ ኢዩ ሓማዪ ወይ ወረኛ ዝኸውን። ዕሽነት ዝመልኦ ዘረባ ሕማቕ ስም ኸስዕብ: ስምዒት ሰብ ክጐድእ: ርክብ ከላሕልሕ: ከምኡውን ኣካላዊ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። “ዘረባ ኽበዝሕ ከሎ: ሓጢኣት ኣይሰኣንን ኢዩ።” (ምሳሌ 10:19 ኣን ኣመሪካን ትራንዝሌሽን) ብተወሳኺውን: ዘረባ ዘብዝሕ ሰብ ቅጭ ኢዩ ዘምጽኣልካ። ስለዚ ዘረባ ኣይነብዝሕ።

እቲ ኸናፍሩ ዝገትእ ካብ ሓሶት ይርሕቕ ጥራይ ዘይኰነስ ብምስትውዓል ኢዩ እውን ዝመላለስ። ከይሓሰበ ኣይዛረብን ኢዩ። ንመገድታት የሆዋ ብዘለዎ ፍቕርን ንሰባት ንምሕጋዝ ብዘለዎ ናይ ሓቂ ባህግን ተደሪኹ: ዘረብኡ ኣብ ካልኦት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ይሓስበሉ ኢዩ። ዘረባኡ ፍቕራውን ሕያውነት ዝመልኦን ኢዩ። ብኸመይ ዘሐጕስን ጠቓምን ከም ዝገብሮ ድማ ኢዩ ዘስተንትን። ቃላቱ ከም “ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር” ስለ ዝዀነ ወትሩ ብጥንቃቐ እተመርጸን ርዝነት ዘለዎን ኢዩ።—ምሳሌ 25:11

“ንብዙሓት ይጓስያ”

ሰሎሞን ቀጺሉ “ልሳን ጻድቕ ሕሩይ ብሩር እዩ: ልቢ ረሲኣን ግና ፍረ የብሉን” በለ። (ምሳሌ 10:20) እቲ ጻድቕ ዝዛረቦ ዘረባ: ከም ሕሩይ: እተዀልዐ: ወይ ከም ጽሩይ ብሩር ኢዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ህይወት ዘድሕን ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ዘካፍሉሉ እዋን ሓቅነት ናይዚ ይርአ ኢዩ። እቲ ዓቢ መምህሮም የሆዋ ኣምላኽ ‘ንድኹም ብቓል ገይሮም ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጡ: ናይ ምሁራት ልሳን ሂብዎም ኢዩ።’ (ኢሳይያስ 30:20፣ 50:4) ብርግጽ: ልሳኖም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ሕሩይ ብሩር ኢዩ። እቲ ዘውስእዎ ቓላት ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብቲ እቲ ረሲእ ዝሕልኖ ነገራት ብዓሰርተ ኢድ ይሕሾም! እምበኣር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ዘደንቕ ተግባራት ኣምላኽን ንምዝራብ ሃንቀውታ ይሃልወና።

ጻድቕ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ በረኸት ኢዩ ዝዀኖም። ሰሎሞን ቀጺሉ “ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይጓስያ: ዓያሱ ግና ስኣን ልቢ እዮም ዚሞቱ” በለ።—ምሳሌ 10:21

‘ጻድቕ ንብዙሓት ዝጓሲ’ ብኸመይ ኢዩ፧ እዛ ጥቕሲ እዚኣ: ከምቲ ናይ ጥንቲ ጓሳ ንኣባጊዑ ገይሩ ዝጓስየን: ሳዕሪ ናብ ዝበልዓሉ ቦታ ምምራሕ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘት ኢያ። (1 ሳሙኤል 16:11፣ መዝሙር 23:1-3፣ መሃልየ መሃልይ 1:7) ጻድቕ ንኻልኦት ሰባት ናብ መገዲ ጽድቂ ይመርሖም: ብዘረባኡ ድማ ንሰማዕቱ ይዕንግሎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ሕጉስን ዘዕግብን ናብራ ይነብሩ: ዘለኣለማዊ ህይወት እውን ክረኽቡ ይኽእሉ።

እቲ ዓሻኸ፧ ልቢ ስለ ዘይብሉ ሰናይ ድራኸ የብሉን ወይ ብዛዕባ እቲ ኣካይዳኡ ኸምጽኣሉ ዝኽእል ሳዕቤን ኣየጨንቖን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ: ብዛዕባ ሳዕቤናቱ ግዲ ኸይገበረ ቃሕ ዝበሎ ይገብር። ስለዚ: መቕጻዕቲ ይቕበል። ጻድቕ ንኻልኦት ብህይወት ንኽነብሩ ኽሕግዞም ከሎ: ልቢ ዘይብሉ ሰብ ግን ንህይወቱ እውን ኣይጥንቀቕን ኢዩ።

ካብ ክፉእ ምግባር ርሓቕ

ባህርይ ናይ ሓደ ሰብ በቲ ዝፈትዎ ወይ ዝጸልኦ ነገራት ይፍለጥ ኢዩ። እቲ ንጉስ እስራኤል ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኽዛረብ ከሎ “ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ዋዛኡ እዩ: ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ” በለ።—ምሳሌ 10:23

ገሊኣቶም ክፉእ ምግባር ከም ዋዛ ወይ ጸወታ ገይሮም ይርእይዎ: “ንኽስሕቁ” ጥራይ ኢሎም ድማ ኽፉእ ይገብሩ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ዅሉ ሰብ ጸብጻብ ክህቦ ዝግባእ ኣምላኽ የሕስርዎ: ንበደሎም ክእመኑ ኸኣ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። (ሮሜ 14:12) ኣተሓሳስባኦም ኣዝዩ ስለ ዝበላሾ ኣምላኽ ንበደልና ኣይርእዮን ኢዩ ኢሎም ክሳዕ ምሕሳብ ይበጽሑ። ብተግባሮም “ኣምላኽ የልቦን” ይብሉ። (መዝሙር 14:1-3፣ ኢሳይያስ 29:15, 16) ኣየ ዕሽነት!

መስተውዓሊ ሰብ ግን ክፉእ ምግባር ዋዛ ኸም ዘይኰነ ይፈልጥ ኢዩ። ንኣምላኽ ከም ዘጕህዮን ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ከም ዘበላሽወሉን ይግንዘብ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘጥፍእ: ሓዳር ዝብትን: ንኣእምሮን ኣካልን ዝጐድእ: ከምኡውን መንፈሳውነት ዘጥፍእ ስለ ዝዀነ ዕሽነት ኢዩ። ካብ ክፉእ ምግባር ርሒቕና ንጥበብ ከም ሓብትና ምስ እንፈትዋ መስተውዓልቲ ክንከውን ኢና።—ምሳሌ 7:4

ኣብ ድልዱል መሰረት ህነጽ

ሰሎሞን ንህይወት ኣብ ድልዱል መሰረት ምህናጽ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ክሕብር ከሎ “ንረሲእ እቲ ዚፈርሆ ነገር ይመጾ: ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሀቦም። ህቦብላ ምስ ዚሐልፍ: እቲ ረሲእ የሎን: ጻድቕ ግና ንዘለኣለም ዚነብር መሰረት እዩ” በለ።—ምሳሌ 10:24, 25

ረሲእ ንኻልኦት ብዙሕ ከፈራርህ ይኽእል ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዝፈርሆ ነገር ይመጾ። ኣብቲ ጽድቃዊ ስርዓታት መሰረት ስለ ዘይብሉ: ከምቲ ህቦብላ ምስ መጸ ዝዓኑ ቤት ኢዩ። ጸቕጢ ኸጋጥሞ ኸሎ ኢዱ ኢዩ ዝህብ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ጻድቕ ከምቲ ምስ ቃላት የሱስ ተሰማሚዑ ዝኸይድ ሰብኣይ ኢዩ። እዚ ሰብ እዚ “ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ” ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ዝናም ዘነመ: ውሒዝ ወሐዘ: ንፋስውን ነፈሰ: ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ: ኣይወደቐትን።” (ማቴዎስ 7:24, 25) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ጽኑዕ ኢዩ: ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ እተሰረተ ኢዩ።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ረሲእን ሓጥእን ዘሎ ተወሳኺ ፍልልይ ቅድሚ ምግላጹ: ሓጺርን ኣገዳስን መጠንቀቕታ ሃበ። “ከም መጺጽ ንስኒ: ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒ: ሃካይ ንለኣኽቱ ኸምኡ እዩ” በለ። (ምሳሌ 10:26) መጺጽ ንስኒ ይዀዂ: እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣቸቶኣዊ ኣሲድ ከኣ ኣብ ኣፍካ ይምጭቍር ኢዩ። ትኪ እውን ንዓይኒ ጸላዕላዕ ከብሎ ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ሃካይ ሰራሕተኛ ዘለዎ ወይ ንሃካይ ወኪሉ ዝልእኽ ሰብ: ካብ ብስጭትን ክሳራን ኣየምልጥን ኢዩ።

‘መገዲ እግዚኣብሄር እምባ ኢዩ’

እቲ ንጉስ እስራኤል ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ዕድመ የንውሕ: ዓመታት ረሲእ ግና ኺሐጽራ እየን። ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ: ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።”ምሳሌ 10:27, 28

ጻድቕ ብፍርሃት ኣምላኽ ኢዩ ዝምራሕ: በተሓሳስባኡን ብዘረባኡን ብተግባሩን ድማ ንየሆዋ ኸሐጕስ ኢዩ ዝጽዕር። ኣምላኽ ይሓልየሉን ነቲ ጻድቕ ትጽቢታቱ የማልኣሉን ኢዩ። ረሲእ ግን ብኣነባብራኡ ኣምላኽ የለን ኢዩ ዝብል። ሓድሓደ ግዜ ተስፋኡ እተፈጸመ ኽመስል ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን መብዛሕትኡ እዋን ብሰብ ስለ ዝቕተል ወይ ኣነባብራኡ ብዘስዓቦ ሕማም መዓልትታቱ ስለ ዝሓጽራ ኣሳልጦኡ ግዝያዊ ኢዩ። በታ ዝሞተላ መዓልቲ ዅሉ ተስፋኡ ይጠፍእ።—ምሳሌ 11:7

ሰሎሞን “መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምባኡ: ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ” በለ። (ምሳሌ 10:29) ኣብዚ መገዲ የሆዋ ተባሂላ ዘላ: ነታ ኽንመላለሰላ ዘሎና መገዲ ህይወት ዘይኰነትስ: ኣምላኽ ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎ ርክብ ተግባራቱ ዝፍጽመሉ መገዲ ኢያ እተመልክት። ሙሴ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ” በለ። (ዘዳግም 32:4) ፍትሓዊ መገድታት ኣምላኽ ክበሃል ከሎ: ንጻድቕ ዕቝባ: ንረሲእ ከኣ ጥፍኣት ማለት ኢዩ።

የሆዋ ንህዝቡ ኣየ ኸመይ ዝበለ እምባ ዀን ኢዩ! “ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽን: ረሲኣን ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም። ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የውጽእ: ልግመኛ ልሳን ግና ትቝረጽ። ከናፍር ጻድቃን ነቲ ዜሐጕስ ይፈልጣኦ: ኣፍ ረሲኣን ግና ልግመኛ እዩ።”ምሳሌ 10:30-32

ጻድቕ በታ ቕንዕቲ መገዲ ስለ ዝመላለስ ክዕወትን ክባረኽን ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብርግጽ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።” (ምሳሌ 10:22) ስለዚ: ወትሩ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ንመላለስ ምህላውና ነረጋግጽ። ከናፍርና ንግታእ: ልሳንና ነቲ ህይወት ዘድሕን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ንምምሃር እናተጠቐምና ንኻልኦት ናብ መገዲ ጽድቂ ንምርሓዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር መግለጺ ናይ ምሳሌ 10:1-14 እንተ ደሊኻ: ናይ 15 ሓምለ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24-7 ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ልሳን ከም “ሕሩይ ብሩር” ክትከውን ትኽእል ኢያ