ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ንየሆዋ “ብመንፈስ” ምምላኽ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ካብታ ኣብ ጥቓ ሲካር እትበሃል ከተማ እትርከብ ዔላ ያእቆብ ማይ ክትቀድሕ ኢላ ኻብ ሰማርያ ንዝመጸት ሰበይቲ ኽምስክረላ ኸሎ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም” በላ። (ዮሃንስ 4:24) ሓቀኛ ኣምልኾ ‘ብሓቅነት’ ክቐርብ ኣለዎ: እዚ ድማ ምስቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ዕላማታቱን ዝገለጾ ነገር ክሰማማዕ ኣለዎ ማለት ኢዩ። ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብመንፈስ ክኸውን ኣለዎ ኽበሃል ከሎ ድማ ቀናኣት ክንከውን ከምኡውን ልብና ብፍቕርን እምነትን ክድረኽ ይግባእ ማለት ኢዩ። (ቲቶስ 2:14) ይኹን እምበር: ካብ ከባቢ ናይታ ጥቕሲ ኸም እንርእዮ የሱስ ብዛዕባ ‘ንኣምላኽ ብመንፈስ ምስጋድ’ ክዛረብ ከሎ: ንየሆዋ ኣብ እነገልግለሉ እዋን ኽህልወና ብዛዕባ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ጥራይ ኣይኰነን ዝጠቅስ ነይሩ።

እቲ የሱስ ኣብቲ ጥቓ እቲ ዔላ ምስታ ሰበይቲ ዝገበሮ ምይይጥ ብዛዕባ ውዕዉዕ ስምዒት ምህላው ወይ ምጕዳል ኣይኰነን ነይሩ። ናይ ሓሶት ኣምልኾ እውን ከይተረፈ ብቕንእን ተወፋይነትን ክቐርብ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ኣቦ ኣብ ክልቲኡ ብዓይኒ ዝርአ ቦታታት ማለት ኣብ ከረን ሰማርያ ዀነ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዘይምለኸሉ እዋን ክመጽእ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር: ኣብቲ ናይ ሓቂ ባህርይ ኣምላኽ እተመርኰሰ ሓድሽ ዓይነት ኣምልኾ ሓበረ። (ዮሃንስ 4:21) “ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣካል ኢዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:24 ትርጕም ቻርለስ ቢ. ዊልያምስ) ሓቀኛ ኣምላኽ ስጋዊ ኣካል ኣይኰነን: ብዓይኒ ኽርአ ዀነ ኽተሓዝ ኣይክእልን ኢዩ። ኣምልኾኡ ድማ ብዓይኒ ኣብ ዝርአ ቤት መቕደስ ወይ ከረን እተሓጽረ ኣይኰነን። ስለዚ: የሱስ ብዛዕባ ብዓይኒ ዘይርአ ዓይነት ኣምልኾ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ተቐባልነት ዘለዎ ኣምልኾ ብመገዲ ሓቂ ክቐርብ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ዘይርአ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እውን ክምራሕ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “መንፈስ [ቅዱስ] ግና መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ” በለ። ወሲኹ ድማ “እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ: ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን” በለ። (1 ቈረንቶስ 2:8-12) ንኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ንምምላኽ: መንፈሱ ኽህልወናን ብእኡ ኽንምራሕን ኣሎና። ብተወሳኺውን: ቃሉ ብምጽናዕን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን መንፈስና ወይ ኣተሓሳስባና ምስ መንፈስ ኣምላኽ ክሰማማዕ ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ኣምልኮ