ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንቲ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ደገፍቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

ጥንቲ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ደገፍቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

ጥንቲ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ደገፍቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

 ንጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ዝበኸየላ ሰብኣይ ትዝክሮዶ፧ ‘የሱስ ኢዩ:’ ኢልካ እንተ መሊስካ ኣይተጋገኻን፣ እወ የሱስ በኽዩላ ኢዩ። (ሉቃስ 19:⁠28, 41) ይኹን እምበር: የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጽኡ ዘመናት ኣቐዲሙ ካልእ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ እውን ንየሩሳሌም በኽዩላ ነይሩ ኢዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ነህምያ ይበሃል።​—⁠ነህምያ 1:⁠3, 4

ነህምያ ንየሩሳሌም ዝበኸየላ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ንረብሓ እታ ኸተማን ተቐማጦኣን እንታይ ኢዩ ገይሩ፧ ካብዚ ኣብነት እዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ነቲ ኣብቲ ግዜቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት እስከ ንርአ።

ርሕሩሕን ቈራጽን ሰብኣይ

ነህምያ ምስለኔ የሩሳሌም ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ከተማ ሱሳን ላዕለዋይ ስልጣን ዝነበሮ ሰብ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ምቹእ ናብራኡ ንድሕንነት እቶም ካብኡ ርሒቖም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኣሕዋቱ ከም ዝርስዕ ኣይገበሮን። ካብ ኣይሁድ እተላእኩ ሰባት ናብ ሱሳን ምስ መጹ ፈለማ ዝገበሮ ነገር ‘ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ የሩሳሌምን ምሕታት’ ኢዩ ነይሩ። (ነህምያ 1:2) እቶም በጻሕቲ ድማ ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ሰባት “ብብዙሕ መከራ” ይነብሩ ኸም ዘለዉ: መካበብያ እታ ኸተማ እውን ከም ‘ዝፈረሰ’ ምስ ነገርዎ: ‘ሓያሎ መዓልቲ ሓዚኑ እናበኸየ ተቐመጠ።’ ድሕሪኡ እተሰምዖ ጓሂ ብልባዊ ጸሎት ንየሆዋ ገለጸሉ። (ነህምያ 1:⁠3-11) ነህምያ ኽሳዕ ክንድዚ ዝሓዘነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ የሩሳሌም ኣብ ምድሪ ማእከል ኣምልኾ የሆዋ እኳ እንተ ነበረት: ተደርብያ ኢያ ነይራ። (1 ነገስት 11:⁠36) ኣብ ርእሲ እዚውን እታ ኸተማ ምፍራሳ: ተቐማጦኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘለዉ ዘመልክት ነበረ።​—⁠ነህምያ 1:⁠6, 7

ነህምያ ንየሩሳሌም ዝነበሮ ሓልዮትን ነቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ኣይሁድ ዝነበሮ ድንጋጽን ገዛእ ርእሱ ንዕዮ ኽለዓዓል ደፋፍኦ። እቲ ንጉስ ፋርስ ክኸይድ ምስ ኣፍቀደሉ: ናብ የሩሳሌም ነዊሕ ጕዕዞ ንምግባር መደብ ኣውጽአ። (ነህምያ 2:⁠5, 6) ኣብቲ ናይ ምጽጋን ዕዮ ጕልበቱን ግዜኡን ክእለቱን ክውፊ ደለየ። ኣብታ ኸተማ ምስ በጽሐ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ንብምሉኡ መካበብያ የሩሳሌም ንምጽጋን መደብ ኣውጽአ።​—⁠ነህምያ 2:⁠11-18

ነቲ መካበብያ ናይ ምጽጋን ዓብዪ ዕዮ ኣብ ሓያሎ እናኣለጋገቡ ዝዓዩ ስድራ​ቤታት ኣከፋፈሎ። a ልዕሊ 40 እተፈላለዩ ጕጅለታት ሓሓደ እተወሰነ “ክፍሊ” ኽጽግኑ ተመደበሎም። ሓያሎ ሰባት እንተላይ ወለድን ደቅን ግዜኦምን ጕልበቶምን ስለ ዝወፈዩ: እቲ ኣዝዩ ዓብዪ ዝመስል ዝነበረ ዕዮ ተዛዘመ። (ነህምያ 3:⁠11, 12, 19, 20) ንኽልተ ወርሒ ጽዑቕ ዕዮ ድሕሪ ምዕያይ: ብምሉኡ እቲ መካበብያ ተዓረየ። ነህምያ: እቶም ተቓወምቲ እውን ከይተረፉ እቲ ዕዮ ‘ብሓገዝ ኣምላኽ ከም እተፈጸመ’ ኣፍልጦ ምሃቦም ጸሓፈ።​—⁠ነህምያ 6:⁠15, 16

ክንዝክሮ ዘሎና ኣብነት

ነህምያ ግዜኡን ናይ ምምሕዳር ክእለቱን ጥራይ ኣይኰነን ወፍዩ። ገንዘቡ እውን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድጋፍ ኣውዒልዎ ኢዩ። ብገንዘቡ ገይሩ ንኣይሁድ ኣሕዋቱ ኻብ ባርነት ተበጀዎም። ብዘይ​ ሓረጣ ገንዘብ ኣለቅሐ። ነቲ ንሹማምንቲ ዝግባእ ግብሪ ኸምጽኡሉ ብምእዛዝ እውን ንኣይሁድ ‘ኣየኽበደሎምን።’ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ርእሲ ‘እቶም ካብቲ ኸባቢ ዝመጹ ኣህዛብ: ሚእትን ሓምሳን ሰብ’ ኣብ መኣዱ ይምገቡ ነበሩ። ኣብ መመዓልቲ ‘ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን ኣዕዋፍን’ ንኣጋይሹ የዳሉ ነበረ። ብተወሳኺውን: በብዓሰርተ መዓልቲ “ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ” የዳሉ ነበረ: እዚ ዅሉ ድማ ካብ ጁቡኡ ኢዩ ዘቕርቦ ነይሩ።​—⁠ነህምያ 5:⁠8, 10, 14-18

ነህምያ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ዀነ ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ናይ ልግሲ ኣብነት ኰን ኢዩ ሓዲጉሎም! እዚ ተባዕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዚ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ገንዘቡ ብፍቓዱ ነቶም ዓየይቲ ንምድጋፍ ኣውዒልዎ ኢዩ። ስለዚ ንየሆዋ “ዎ ኣምላኸይ: እዚ ዅሉ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ: ንጽቡቕ ሕሰበለይ” ኢሉ ኽልምኖ ሓቁ ኢዩ። (ነህምያ 5:19) ብርግጽ ድማ የሆዋ ክዝክሮ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 6:⁠10

ሎሚውን ኣብነት ነህምያ ዝስዕቡ ኣለዉ

ኣብዚ ግዜና ህዝቢ የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኢሎም ተመሳሳሊ ርሕራሐ: ቈራጽነት: ከምኡውን ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ከንጸባርቑ ብምርኣይና ንሕጐስ ኢና። ኣመንቲ ብጾትና ጸገማት የጓንፎም ከም ዘሎ ኽንሰምዕ ከሎና: ብዛዕባ ድሕንነቶም ንጭነቕ ኢና። (ሮሜ 12:⁠15) የሆዋ ነቶም ጸገማት ዘጋጠሞም ክርስትያናት ኣሕዋትና ምእንቲ ኽድግፎም ልክዕ ከም ነህምያ ብጸሎት ናብኡ ብምቕራብ “በጃኻ: ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ” ኢልና ንልምን ኢና።​—⁠ነህምያ 1:11፣ ቈሎሴ 4:2

ይኹን እምበር: ንመንፈሳውን ስጋውን ድሕንነት ክርስትያናት ኣሕዋትና ከምኡውን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎና ሓልዮት ንስምዒትና ጥራይ ኣይኰነን ዝትንክፍ። ስጕምቲ ንኽንወስድ እውን ይድርኸና ኢዩ። እቶም ኵነታቶም ዘፍቅደሎም ልክዕ ከም ነህምያ ዝያዳ ምቾት ዘለዎ ኣባይቶም ሓዲጎም: ነቶም እተጸገሙ ንምሕጋዝ ናብ ካልእ ቦታ ይግዕዙ ኢዮም። እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም እቲ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዘጋጥሞም ምቾት ዘይብሉ ዅነታት ዕጅብ ከይበሎም: ምስ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ብሓባር ኰይኖም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ሓገዞም ይውፍዩ ኣለዉ። እቲ ዘንጸባርቕዎ ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ።

ኣብ ጥቓ ቤትና እጃምና ምብርካት

መብዛሕትና ናብ ርሑቕ ቦታታት ክንግዕዝ ከም ዘጸግመና ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ጥቓ ቤትና ግን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ደገፍና ንህብ ኢና። እዚ ኣብ መጽሓፍ ነህምያ እውን ተገሊጹ ኢዩ። ገሊኣቶም ኣብቲ ዕዮ ምጽጋን እተኻፈሉ እሙናት ስድራ​ቤታት ዝዓየይዎ ዕዮ ነህምያ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “የዳያ ወዲ ሓሩማፍ ከኣ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። . . . ብድሕሪኦም ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ኣዐረዩ። ደድሕሪኦም ኣዛርያ: ወዲ ማዓስያ ወዲ ዓናንያ: ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣዐረየ።” (ነህምያ 3:10, 23, 28-30 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዞም ሰብኡትን ስድራ​ቤቶምን ኣብ ጥቓ ቤቶም ኣብ ዝግበር ዕዮ ብምክፋል ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም።

ኣብዚ ግዜና እውን መብዛሕትና ኣብ ከባቢና ብእተፈላለየ መገዲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንድግፍ ኢና። ኣብ ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብ ናይ ረድኤት ንጥፈታት: ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንሳተፍ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ህንጸት ኰነ ኣብ ናይ ረድኤት ንጥፈታት ብኣካል ንሳተፍ ኣይንሳተፍ ብዘየገድስ: ከምቲ ነህምያ ብልግሲ ገንዘቡ ዝውፊ ዝነበረ ንሕናውን ብገንዘብና ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ልባዊ ባህጊ ኣሎና።​—⁠“ብወለንታ ኣብ ዝግበር ወፈያ ዝንጸባረቕ ባህርያት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ዕዮ ሕትመት: ናይ ረድኤት ንጥፈታት: ከምኡውን ሓያሎ ኻልእ ኣገልግሎታት ንምክያድ ዘድሊ ገንዘብ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝመስለሉ እዋን ኣሎ። ይኹን እምበር: ነቲ ነዊሕ መካበብያ የሩሳሌም ናይ ምጽጋን ዕዮ እውን ኣዝዩ ከቢድ ይመስል ከም ዝነበረ ኣይንረስዕ። (ነህምያ 4:⁠10) እቲ ዕዮ ኣብ ብዙሓት ስድራ​ቤታት ስለ እተመቓቐለ ግን ክዕመም ተኻኢሉ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ነፍሲ ወከፍና አእጃምና እንተ ኣበርኪትና: ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት ንምፍጻም ዘድሊ ነገራት ክርከብ ኢዩ።

እታ “ገሊኣቶም ወፈያ ዝህቡሉ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን ነቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብ ክንድግፈሉ እንኽእል ገለ መገድታት ትሕብረና ኢያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓያሎ ኻብ ህዝቢ የሆዋ ደገፎም ሂቦም ኢዮም: ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንዅሎም እቶም ብፍታው ንኽልግሱ ልቦም ዝደረኾም ሰባት ዘለዎ ዓሚቝ ሞሳ ኽገልጽ ይፈቱ። ልዕሊ ዅሉ ድማ የሆዋ ነቲ ህዝቡ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ ብምሉእ ልቦም ዝገብርዎ ጻዕርታት ኣብዚሑ ስለ ዝባረኾ ነመስግኖ ኢና። እወ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኢድ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝመርሓትና ምልስ ኢልና ኽንሓስቦ ከሎና: ነቲ ነህምያ ብሞሳ ተደሪኹ ‘እታ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ሕያወይቲ ኢያ’ ብምባል እተዛረቦ ቓላት ከነቃልሖ ንለዓዓል ኢና።​—⁠ነህምያ 2:⁠18

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነህምያ 3:⁠5 ገሊኣቶም ምርኡያት ወይ ‘ክቡራት’ ኣይሁድ ኣብቲ ዕዮ ምክፋል ከም ዝኣበዩ ገሊጻ ኣላ: እዚኣቶም ግን ብዙሓት ኣይነበሩን። ካህናት: ኣንጠረኛታት ወርቂ: ገበርቲ ሽቱ: ሹማምንቲ: ነጋዶ ኰታስ ኣብ እተፈላለየ ሞያ እተዋፈሩ ሰባት ኣብቲ ዕዮ እጃሞም ኣበርኪቶም ኢዮም።​—⁠ቍጽሪ 1, 8, 9, 32

[ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገሊኣቶም ወፈያ ዝህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዝኸውን ውጽኢት—​ማቴዎስ 24:⁠14” ዝብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዘእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ናብቲ ናይቲ ኸባቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእካኦ። ብወለንታ ዝግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ ናብ Treasurer’s Office, Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ክልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዘገልግል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ክስደድ ይከኣል ኢዩ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ​ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዝነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ክለኣኽ ኣለዎ።

ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ፍሉይ ስምምዕ ብምግባር ወፈያ ኽግበር ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝሃበ ሰብ ንብሕቲ ጕዳይ ክጥቀመሉ እቲ ገንዘብ ምስ ዘድልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ተሓዝ ገንዘብ ጸሓፍ።

ብመደብ ዝግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ​ ገለ ገደብ ዝግበር ህያብን ክምለስ ዝኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብን: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዝስዕብ ድማ ዘጠቓልል ኢዩ:-

መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ⁠-​ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዝፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደራ ክወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ​ ገለ ገደብ ዝወሃብ ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኽውፈ ይከኣል ኢዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ክሽየጥ ዝኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ​ ገለ ገደብ ዝወሃብ ህያብ ወይ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ክዀነሉ ዝኽእል መደብ ብምግባር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኽውፈ ይከኣል ኢዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዝገልጽ ሰነድ ቕድሚ ምፍራምካ: ምስቲ ኣብ ዓድኻ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ:- ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኽበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝህበሉ ምድላው ኢዩ። እቲ ወሃቢ ወይ እቲ ወሃቢ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ክፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ህያብ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዝስላዕ ግብሪ ይንኪ ኢዩ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኸተውርሳ ይከኣል ኢዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ክመሓላለፈላ ይከኣል ኢዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዝወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

እቲ “ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝብል ስያመ ከም ዝገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዝውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክውፍዩ ዝደልዩ ውልቀ⁠-​ሰባት ንምሕጋዝ: ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ስጳኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ነቲ ንህያባትን ለበዋን ሕድርን ዝምልከት እተፈላለየ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኢያ ተዳልያ። ብዘይ​ዚውን እታ ብሮሹር ንንብረትን ገንዘብን ንናይ ቀረጽ መደብ ምግባርን ዝምልከት ተወሳኺ ጠቓሚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ውልቀ⁠-​ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኽውፍዩሉ ዝኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር ኢያ። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ኻብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ብምሕታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዝርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ከዕብይዎ ክኢሎም ኢዮም። እቲ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ መደባት ክሕበርን ነቲ ጕዳይ ዝገልጽ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ክዋሃቦን ኣለዎ። በቲ ብመደብ ዝግበር ናይ ምሃብ ምድላዋት ኣቢልካ ክትውፊ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዘገልግል ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዝግበር ልግሲ” ዝሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive Patterson, New York 12563-​9204

Telephone: (845) 306-​0707

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ብወለንታ ኣብ ዝግበር ወፈያ ዝንጸባረቕ ባህርያት

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ: ብወለንታ ኣብ ዝግበር ወፈያ ዝንጸባረቕ ሰለስተ ባህርያት ጠቒሱ ኣሎ። (1) ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ውጽኢት ኣመልኪቱ “ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም . . . ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ” በለ። (1 ቈረንቶስ 16:2) ስለዚ ወፈያ ንምግባር ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ የድሊ: ብስርዓት ደኣ እምበር ብወዝቢ ኽግበር የብሉን። (2) ጳውሎስ ነፍሲ ወከፍ “ከከም ዓቕሙ” ኸዋጽእ ከም ዘለዎ እውን ጽሒፉ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 16:⁠2) ብኻልእ ኣዘራርባ ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ብመጠን ኣታዊኡ ኽውፊ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ሒደት ኣታዊ እኳ እንተ ኣለዎ: እታ ዘዋጽኣ ሒደት ወፈያ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ዋጋ ኣለዋ። (ሉቃስ 21:⁠1-4) (3) ብዘይ​ዚውን ጳውሎስ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ልቢ ተበጊሶም ብሓጐስ ኢዮም ዝህቡ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነህምያ ርሕሩሕን ቈራጽን ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ብወለንታ እንገብሮ ወፈያ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሕትመት: ናይ ረድኤት ንጥፈታት: ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ከምኡውን ንኻልእ ጠቓሚ ኣገልግሎታት ኢዩ ዝውዕል