ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

“ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

“ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ”

‘ኣምላኽ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ኣይኰነን። ’​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:27

1, 2. (ሀ) ኣብቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት ክንጥምት ከሎና እንታይ ሕቶታት ኢና ብዛዕባ ፈጣሪ ክንሓትት እንኽእል፧ (ለ) የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዋጋ ዘይብሎም ገይሩ ከም ዘይርእዮም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዝሕብረና፧

 ለይቲ ኣብቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማያት ብምጥማት ተደኒቕካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ማእለያ ዘይብሉ ከዋኽብትን ደረት ዘይብሉ ጠፈርን ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ። ምድሪ ኣብዚ ሰፊሕ ኣድማስ እዚ ከም ሓንቲ ንእሽቶ ነጥቢ እያ። እዚ ኽበሃል ከሎ ግን እቲ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ዝዀነ ፈጣሪ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብደቅ​ሰብ ክግደስ የጸግሞ እዩ ማለት ድዩ፧ ወይ ከኣ ዝነብረሉ ስፍራ ኽብጻሕ ዘይክኣል ኣዝዩ ርሑቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ደቅሰብ ክፈልጥዎ ኣይክእሉን እዮም ማለት ድዩ፧​—⁠መዝሙር 83:⁠18

2 የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዋጋ ዘይብሎም ገይሩ ከም ዘይርእዮም መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። አረ ቓል ኣምላኽሲ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ብምግላጽ ክንደልዮ እዩ ዘተባብዓና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠27፣ 1 ዜና መዋእል 28:⁠9) ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ስጕምቲ እንተደኣ ወሲድና ንጻዕርታትና ኽባርኾ እዩ። በየናይ መገድታት፧ ናይ 2003 ዓመታዊት ጥቕሲ “ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብል ልቢ ዝትንክፍ መልሲ ትህበና። (ያእቆብ 4:⁠8) ንገለ ኻብቲ የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ ዝህቦም ዘደንቕ በረኸታት እስከ ንመያየጠሉ።

የሆዋ ንብሕትና ዝሃበና ህያብ

3. የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ እንታይ ህያብ እዩ ዝህቦም፧

3 ብመጀመርታ ደረጃ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: እቲ የሆዋ ንህዝቡ ጥራይ ዝህቦም ክቡር ህያብ ኣለዎም። እቲ ኻብዚ ኣገባብ እዚ ዝርከብ ስልጣንን ሃብትን ትምህርትን ነዚ ህያብ እዚ ኽህበና ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ ጥራይ ብብሕቲ ዝህቦም ህያብ እዩ። እዚ ህያብ እዚ እንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይምልሰልና:- “ንምስትውዓል . . . እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ።” (ምሳሌ 2:3-6) ዘይፍጹማት ሰባት ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ክረኽቡሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ። እዚ ህያብ እዚ​—⁠እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት​—⁠ምስ “ሕቡእ መዝገብ” ተመሳሲሉ ኣሎ። ስለምንታይ፧

4, 5. “ምፍላጥ ኣምላኽ” ምስ “ሕቡእ መዝገብ” ክመሳሰል ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧ መረዳእታ ሃብ።

4 ቅድም ቀዳድም ፍልጠት ኣምላኽ ዝህቦ ጥቕሚ ብዋጋ ዝሽነን ኣይኰነን። ሓደ ኻብቲ ኽቡር በረኸታቱ ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ዝህበና ምዃኑ እዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ይኹን እምበር: እዚ ፍልጠት እዚ ሕጂ እውን እንተዀነ ንህይወትና ዘበልጽግ እዩ። ንኣብነት: ቃል ኣምላኽ ተጠንቂቕና ብምጽናዕና: ንኸም እኒ ‘ኣምላኽ መን እዩ ስሙ፧ (መዝሙር 83:⁠18) ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት እንታይ እዩ፧ (መክብብ 9:⁠5, 10) ኣምላኽ ንምድርን ንደቅ​ሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ (ኢሳይያስ 45:⁠18)’ ዝብል ኣገደስቲ ሕቶታት መልሱ ኽንፈልጦ ኽኢልና ኢና። ዝሓሸ ናብራ ህይወት ከነሕልፍ እንኽእል ነቲ ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ምዃኑ እውን ፈሊጥና ኣሎና። (ኢሳይያስ 30:⁠20, 21፣ 48:⁠17, 18) ነቲ ኣብ ናብራ ህይወትና ዘጋጥመና ጭንቀት ንኽንዋጽኣሉ: ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ዘምጽእ ኣነባብራ ድማ ንኽንነብር ዝሕግዝ ርጡብ መምርሒ ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕና ነቲ ዘደንቕ ባህርያት የሆዋ ኣምላኽ ፈሊጥና ናብኡ ንኽንቀርብ ኣኽኢሉና እዩ። ካብቲ ኣብ “ምፍላጥ ኣምላኽ” ተመርኲስካ ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምጥራይ ዝበልጽ እሞ እንታይ ኣሎ፧

5 ፍልጠት ኣምላኽ ምስ “ሕቡእ መዝገብ” ክመሳሰለሉ ዝኽእል ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኻልእ መዛግብቲ: እዚ እውን ብተዛማዲ ኽርአ ኸሎ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ሳሕቲ እዩ ዝርከብ። ካብ ሽዱሽተ ቢልዮን ተቐማጦ ምድሪ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ወይ ከኣ 1 ካብ 1000 ዝዀኑ ኣምለኽቲ የሆዋ ጥራይ እዮም “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክረኽብዎ ኽኢሎም ዘለዉ። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ምፍላጡ ብቐሊሉ ዘይርከብ መዝገብ ምዃኑ ዝሕብር ሓደ መረዳእታ ኽንጠቅስ እንተደኣ ዄንና “ሰባት ምስ ሞቱ እንታይ እዩ ዘጋጥሞም፧” እትብል ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶ ንርአ። ነፍሲ ከም እትመውት ምዉታት ድማ ገለ እኳ ከም ዘይፈልጡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንፈልጥ ኢና። (ህዝቅኤል 18:⁠4) እንተዀነ ግን ሰብ ምስ ሞተ ኣብ ውሽጡ ዘላ ሓንቲ ነገር ትነብር እያ ዝብል ናይ ሓሶት እምነት ብመብዛሕትኦም ናይ ዓለም ሃይማኖታት ተቐባልነት ዝረኸበ እምነት እዩ። ኣብ ሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ከኣ ቀንዲ ኽፍሊ ሰረተ⁠-​እምነት እዩ። ኣብ ቡድሂዝም: ሂንዱዝም: እስላም: ጀይኒዝም: ኣይሁድነት: ሺንቶ: ስኪዝም ከምኡውን ታኦኢዝም እውን ኣሎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በዛ ሓንቲ ናይ ሓሶት ሰረተ⁠-​እምነት እዚኣ ተታሊሎም እዮም።

6, 7. (ሀ) ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ክረክብ ዝኽእል መን ጥራይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዙሓት “ብልህታትን ኣስተውዓልትን” ዘይረኸብዎ ዓሚቝ ፍልጠት ብምሃብ ከም ዝባረኸና ዘርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

6 መብዛሕትኦም ሰባት ‘ንምፍላጥ ኣምላኽ’ ክረኽብዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ እንተ ዘይሓጊዙና ንቓል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ፍልጠት እዚ ውህበት ምዃኑ ኣይትረስዕ። የሆዋ ነቶም ብቕንዕናን ብትሕትናን ቃሉ ኽምርምሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ እዩ ዝህቦም። እዞም ሰባት እዚኣቶም “ብስጋ ለባማት” ከይኰኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 1:⁠26) አረ ሓያሎ ኻባታቶምሲ ብመዐቀኒታት ዓለም ከም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ይቝጸሩ ይዀኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠13) ይኹን እምበር: እዚ ዘገድስ ኣይኰነን። የሆዋ በቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዝረኸቦ ባህርያት ተደሪኹ ‘ፍልጠቱ’ ብምሃብ ባሪኹና ኣሎ።

7 እስከ ሓደ ኣብነት ንርአ። ሓያሎ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ምሁራት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ ሰፊሕ ጸብጻብ ዝሓዘ ጽሑፋት ሓቲሞም እዮም። እዚ ናይ መወከሲ ጽሑፋት እዚ ታሪኻዊ ጸብጻብ: ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽን ቃላት ትርጕም: ከምኡውን ካልእ ሰፊሕ ነገራት ዝገልጽ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እዞም ምሁራት እዚኣቶም ምስናይዚ ዅሉ ትምህርቶም “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክረኽብዎ ኽኢሎምዶ እዮም፧ ነቲ ብሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ዝረጋገጽ ሉዓላውነት የሆዋ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍረ⁠-​ነገር ብሓቂዶ ኽፈልጥዎ ኽኢሎም እዮም፧ የሆዋ ኣምላኽ ክፍሊ ስላሴ ኸም ዘይኰነ ኽርድእዎዶ ኽኢሎም እዮም፧ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ርጡብ ምርዳእ ዘሎና ንሕና ጥራይ ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ነቲ ብዙሓት “ብልህታትን ኣስተውዓልትን” ዘይረኸብዎ ናይ መንፈሳዊ ሓቂ ምርዳእ ብምሃብ ባሪኹና እዩ። (ማቴዎስ 11:⁠25) እወ: የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ ብብዙሕ እዩ ባሪኽዎም ዘሎ።

“እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም”

8, 9. (ሀ) እቶም ንየሆዋ ዝቐርብዎ ሰባት ዝረኽብዎ ኻልእ በረኸት ኣመልኪቱ ዳዊት እንታይ በለ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት መለኮታዊ ዕቝባ ዘድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

8 እቶም ንየሆዋ ዝቐርብዎ ሰባት ካልእ በረኸት እውን ይረኽቡ እዮም። እዚ ድማ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኽብዎ ዕቝባ እዩ። እቲ ብዙሕ መከራ ዘሕልፍ ዝነበረ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም: ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ። እግዚኣብሄር ንዜፍቅርዎ ዅሎም ይሕልዎም።” (መዝሙር 145:18-20) እወ: የሆዋ ንዅሎም እቶም ዘፍቅርዎ ቐረባኦም ስለ ዝዀነ ንኣውያቶም ቀልጢፉ ኽምልሰሎም ይኽእል እዩ።

9 ዕቝባ ኣምላኽ ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሳዕቤናት ናይዚ “ክፉእ ዘመን” ዝትንክፎም ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ፍሉይ ዒላማ ናይቲ ቐንዲ ጸላኢ የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) እዚ ሕሱም ጸላኢ እዚ ‘ኽውሕጠና’ ቘሪጹ እዩ ዘሎ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8) ሰይጣን የሳድደና: ጸቕጢ ይገብረልናን ይፍትነናን እዩ። ነቓዕ ረኺቡ ምእንቲ ኸጥቅዓና ኢሉ እውን ኵነታት ኣእምሮናን ልብናን የጽንዕ እዩ። እምነትናን መንፈሳውነትናን ንምድኻም ዕላማ ኣለዎ። (ራእይ 12:⁠12, 17) ክንቃለሶ ዘሎና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጸላኢ ኻብ ሃለወና: ‘እግዚኣብሄር ንዘፍቅርዎ ዅሎም ከም ዝሕልዎም’ ምፍላጥና ዘጸናንዕዶ ኸይኰነ፧

10. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ዝሕልዎም፧ (ለ) እቲ ዝበለጸ ዓይነት ዕቝባ እንታይ እዩ: ስለምንታይከ፧

10 የሆዋ ንህዝቡ ዝሕልዎም ግን ብኸመይ እዩ፧ እቲ ኸዕቝበና ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ኸይተንከፈና ንኽንነብር ውሕስነት ዝህበና ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳና ዀይኑ ተኣምራት ክፍጽም ይግደድ እዩ ማለት እውን ኣይኰነን። ይኹን እምበር: የሆዋ ንህዝቡ ብጕጅለ ደረጃ ኣካላዊ ዕቝባ ይገብረሎም እዩ። ድያብሎስ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ምድሪ ኽሳዕ ዝጸንቱ መስጐጕቲ ኸውርደሎም ኣይፈቕደሉን እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠9) ልዕሊ ዅሉ: የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ እዩ ዘዕቝበና። ፈተናታት ንምጽማምን ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንምሕላውን ዘኽእለና መንፈሳዊ ነገራት ይህበና እዩ። ካብ መንፈሳዊ ዕቝባ ዝበልጽ ዕቝባ ኸኣ የለን። ስለምንታይ፧ ሓንትስ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ደኣ ድልዱል ይኹን እምበር ዝዀነ ይኹን ነገር: ሞት እውን ከይተረፈ ነባሪ ጕድኣት ከውርደልና ኣይክእልን እዩ።​—⁠ማቴዎስ 10:⁠28

11. የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መገዲ ንኸዕቝቦም እንታይ ምድላዋት እዩ ገይሩ ዘሎ፧

11 የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ ብመንፈሳዊ መገዲ ኸዕቝቦም ኢሉ ብዙሕ ምድላዋት ገይሩ እዩ። ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተፈላለየ ፈተናታት ክንዋጽኣሉ ኽሕግዘና ዝኽእል ጥበብ ሂቡና ኣሎ። (ያእቆብ 1:⁠2-5) ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ተግባራዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ርእሱ ዝኸኣለ ዕቝባ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ የሆዋ ‘ንዝልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም እዩ።’ (ሉቃስ 11:13) እቲ መንፈስ እቲ ኣብ ኣድማስ ካብ ዘሎ ዅሉ ዝበርትዐ ሓይሊ ስለ ዘለዎ ንዘጋጥመና ዝዀነ ይኹን ፈተናታት ብዓወት ክንዋጽኣሉ የኽእለና። የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ “ውህበት ሰብኡት” ሂቡና እዩ። (ኤፌሶን 4:⁠8 NW ) እዞም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት እዚኣቶም ንኣሕዋቶም ክሕግዙ ኸለዉ ዓሚቝ ድንጋጽ ብምርኣይ ንየሆዋ ክቐድሕዎ ይጽዕሩ እዮም።​—⁠ያእቆብ 5:⁠14, 15

12, 13. (ሀ) የሆዋ በብግዜኡ መንፈሳዊ መግቢ ዝህበና በየናይ መገዲ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኢሉ ዝገበሮ ምድላው እንታይ ይስምዓካ፧

12 ብዘይ​ካዚውን የሆዋ ኸዕቝበና ኢሉ በብግዜኡ መንፈሳዊ መግቢ ይህበና እዩ። (ማቴዎስ 24:⁠45) መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሓዊስካ ብእተፈላለየ ጽሑፋት ከምኡውን ብሰሙናዊ ዀነ ብዓበይቲ ኣኼባታት ኣቢሉ በብግዜኡ ዘድልየና ነገራት የማልኣልና እዩ። ኣብ ሰሙናዊ: ኣብ ፍሉይ ወይ ናይ ወረዳ: ወይ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንልብኻ ተንኪፉ ዘጸናንዓካ ቓላት ትዝክርዶ፧ ካብዘን ኣቐዲመን እተጠቕሳ መጽሔታት ሓንቲ ዓንቀጽ ምስ ኣንበብካ: ንዓኻ ብፍላይ ከም እተጻሕፈት ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

13 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዝጥቀመሉ: ኣዝዩ ኣስላጢ ዀይኑ ድማ ዝረኸቦ ኣጽዋር: ተስፋ ምቝራጽ እዩ: በዚ ኽትንከፍ ዘይክእል ሰብ ከኣ የለን። ንነዊሕ እዋን ተስፋ እንተደኣ ቘሪጽና ሓይልና ኣድኪሙ ኣላሽ ከብለና ከም ዝኽእል ይፈልጥ እዩ። (ምሳሌ 24:⁠10) ሰይጣን ንኣሉታዊ ስምዒታትና ተጠቒሙ ኽብለጸልና ስለ ዝደሊ ሓገዝ የድልየና እዩ። መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሓድሓደ ግዜ ንተስፋ ምቝራጽ ክንዋጽኣሉ ኽሕግዘና ዝኽእል ዓንቀጻት የውጽእ እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንሓደ ኻብዚ ዓንቀጻት እዚ ኣመልኪታ ኸምዚ በለት:- “ነታ ዓንቀጽ መዓልቲ መዓልቲ እየ ዘንብባ: ከንብባ ከሎኹ ብንብዓት ጀርበብ እብል። ናይ ምድቋስ ስምዒት ክሓድረኒ ኸሎ ምእንቲ ኸንብባ ኢለ ዅሉ ሳዕ ኣብ ጥቓ ዓራተይ እየ ዝገብራ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጻት ከንብብ ከሎኹ የሆዋ ሕቝፍ ዘበለኒ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ።” a የሆዋ እዋናዊ መንፈሳዊ መግቢ ይህበና ብምህላዉስ ኣይነማስወሉንዶ ኢና፧ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኢሉ ዝገብረልና ዘሎ ምድላዋት ከም ዝቐረበናን ኣብ ትሕቲ ዕቝብኡ ከም ዝሕብሕበናን ዘረጋግጽ እዩ።

ናብቲ ‘ጸሎት ዝሰምዕ’ ኣምላኽ ናይ ምቕራብ ፍሉይ መሰል

14, 15. (ሀ) የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ ከመይ ዝኣመሰለ ብሕታዊ በረኸት እዩ ዝህቦም፧ (ለ) ንየሆዋ ከይተሰከፍና ብጸሎት ክንቀርቦ ተዋሂቡና ዘሎ መሰል ፍሉይ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

14 ደቅሰብ ሓይልን ስልጣንን ምስ ረኸቡ ዝበዝሕ ግዜ ነቶም ትሕቲኦም ዘለዉ ሰባት ከም ዘይቀርብዎም ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽከ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ልዕልነቱ ነቲ ኻብ ደቅሰብ ዝመጽእ ዘረባ ፈጺሙ ኽሳዕ ዘይግደስ ዝገብሮ ድዩ፧ ኣይፋሉን! ከመይሲ የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ ዝህቦም ካልእ በረኸት እውን ኣሎ: ንሱ ኸኣ ናይ ጸሎት ውህበት እዩ። እወ: ናብቲ “ጸሎት ዝሰምዕ” ኣምላኽ ከይተሰከፍና ኽንቀርብ ተዋሂቡና ዘሎ መሰል ብሓቂ ፍሉይ ውህበት እዩ። (መዝሙር 65:⁠2) ስለምንታይ፧

15 ንመረዳእታ:- ንኣብነት ሓደ ኣመሓዳሪ ናይ ሓንቲ ዓባይ ትካል ብዙሕ ሓላፍነት እዩ ዘለዎ። ንሱ ባዕሉ ኽገብሮ ዘለዎን ካልኦት ኣብ ክንድኡ ዀይኖም ክገብርዎ ኢሉ ብውክልና ዝህቦም ነገራትን ይውስን እዩ። ብተመሳሳሊ እቲ ዝለዓለ ኣመሓዳሪ ናይ ኣድማስ እውን ባዕሉ ኽገብሮ ዘለዎ ነገራትን ንኻልኦት ብውክልና ኽህቦም ዘለዎ ነገራትን ይውስን እዩ። ንዅሉ እቲ የሆዋ ነቲ ዘፍቅሮ ወዱ የሱስ ብውክልና ዝሃቦ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ወዲ ‘ክፈርድ ስልጣን’ ተዋህቦ። (ዮሃንስ 5:⁠27) መላእኽቲ ‘ተገዚኦምዎ’ እዮም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠22) እቲ ካብ የሆዋ ዝምንጭ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ: የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እውን ንደቀ መዛሙርቱ ንኽመርሕ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 15:⁠26፣ 16:⁠7) ስለዚ: የሱስ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” ክብል ክኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 28:18) ብጸሎት ዝመጸ ግን የሆዋ ንኻልእ ከይወከለ ባዕሉ ብብሕቱ ኽገብሮ እዩ መሪጹ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጽሊ ኸሎና ብየሱስ ኣቢልና ናብ የሆዋ ጥራይ ከነቕርቦ ከም ዘሎና ዝነግረና።​—⁠መዝሙር 69:⁠13፣ ዮሃንስ 14:⁠6, 13

16. የሆዋ ንጸሎትና ብሓቂ ኸም ዝሰምዖ ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 የሆዋ ንጸሎትና ብሓቂ ይሰምዖ ድዩ፧ ዘይግደሰሉ ነይሩ እንተ ዝኸውን ‘ጸሎት ከነዘውትር’ ወይ ከኣ ጾርና ወይ ሓልዮትና ናብኡ ኽንድርብዮ ኣይምተላበወናን። (ሮሜ 12:⁠12፣ መዝሙር 55:⁠22፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠7) ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈትሉ ግዜ ዝነብሩ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: የሆዋ ጸሎት ከም ዝሰምዕ ምሉእ ምትእምማን ነይርዎም እዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠14) በዚ ድማ እዩ: ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “[የሆዋ] ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ዝበለ። (መዝሙር 55:⁠17) ንሕናውን የሆዋ ቐረባና ምዃኑ ማለት ንዅሉ ሓሳባትናን ዘሻቕለና ነገራትን ክሰምዕ ድሉው ምዃኑ ዘይንተኣማመነሉ ምኽንያት የብልናን።

የሆዋ ንኣገልገልቱ ይባርኾም

17, 18. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብተኣማንነት ዝገብርዎ ኣገልግሎት እንታይ እዩ ዝስምዖ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ንኻልኦት እነርእዮም ምሕረት ዕሽሽ ከም ዘይብሎ ምሳሌ 19:⁠17 ብኸመይ እያ እትገልጾ፧

17 ደቅሰብ ሓደ ነገር ምግባሮም ወይ ዘይምግባሮም ኣብ ሉዓላውነት የሆዋ ዘምጽኦ ለውጢ የለን። ይኹን እምበር: የሆዋ መማሰዊ እዩ። መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብተኣማንነት ዝገብርዎ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ። (መዝሙር 147:⁠11) እቶም ንየሆዋ ዝቐርብዎ ሰባት ዘስተማቕርዎ ኻልእ በረኸት እምበኣር የሆዋ ንኣገልገልቱ ዓስቦም ዝህቦም ምዃኑ እዩ።​—⁠እብራውያን 11:⁠6

18 የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ ዝገብርዎ ነገራት ኣኽቢሩ ኸም ዝምልከቶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣነጺሩ ይነግረና እዩ። ንኣብነት እኳ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ዝብል ነንብብ ኢና። (ምሳሌ 19:17) የሆዋ ንሽጉራት ምሕረቱ ብምርኣይ ከም ዝሓልየሎም ኣብ ሕጊ ሙሴ ተንጸባሪቑ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 14:⁠21፣ 19:⁠15) ንሕናኸ ንምሕረት የሆዋ ብምቕዳሕ ንሽጉራት ምስ እንሓልየሎም እንታይ እዩ ዝስምዖ፧ ሽጉራት ክመልሱልና ኸይተጸበና ዘድልዮም ነገራት ምስ እንህቦም የሆዋ ንዕኡ ከም ዘለቃሕናዮ ገይሩ እዩ ዝወስዶ። ነዚ ዕዳ እዚ ኸኣ ባህ ኢልዎ ኣብዚሑ ከም ዝፈድየና ተመባጺዑልና እዩ። (ምሳሌ 10:22፣ ማቴዎስ 6:3, 4፣ ሉቃስ 14:12-14) እወ: ንሓደ እተሸገረ ብጻይና ድንጋጽ ምስ እነርእዮ የሆዋ ልቡ ይትንከፍ እዩ። ሰማያዊ ኣቦና ነቲ እነርእዮ ምሕረት ዕሽሽ ኢሉ ኸም ዘይሓልፎ ብምፍላጥናስ ከነማስወሉ ዝግብኣናዶ ኸይኰነ!​—⁠ማቴዎስ 5:⁠7

19. (ሀ) የሆዋ ነቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮና ኣኽቢሩ ከም ዝርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ንረብሓታት መንግስቱ ንምድንፋዕ ኢልና እንገብሮ ነገራት ብኸመይ እዩ ዝባርኾ፧

19 የሆዋ ነቲ ረብሓታት መንግስቱ ንምድንፋዕ ኢልና እንገብሮ ነገራት ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ። ናብ የሆዋ ብዝቐረብና መጠን ግዜና: ጕልበትና: ጥሪትና ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ኸነውዕሎ ኸም እንደሊ ፍሉጥ እዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ዘይንዓምም ዘሎና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። እቲ ዘይፍጹም ልብና: የሆዋ በቲ እንገብሮ ጻዕርታት ኣይሕጐስን እዩ ዝብል ስምዒት ከሕድረልና ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 3:⁠19, 20) ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ብፍቕሪ ተደሪኽና እንህቦ ነገራት ይንኣስ ይዕበ ብዘየገድስ የማስወሉ እዩ። (ማርቆስ 12:⁠41-44) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ብምባል የረጋግጸልና። (እብራውያን 6:10) የሆዋ ነቲ ረብሓታት መንግስቱ ንምድንፋዕ ኢልና እንገብሮ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ ብምዝካር ይባርኸና እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ እንረኽቦ ማእለያ ዘይብሉ መንፈሳዊ በረኸታት: ኣብታ ብልግሲ ኢዱ ኸፊቱ ንቕኑዕ ባህግታት ናይቶም ዝቐርብዎ ሰባት ዘዕግበላ ሓዳስ ዓለም እውን ንህይወትና ዘሐጕስ ሓያሎ ነገራት ከማልኣልና ብተስፋ ኽንጽበ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 145:⁠16፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

20. ኣብ ዓመት 2003 ንቓላት ናይ ዓመት ጥቕስና ብኸመይ ኢና ኽንዝክራ እንኽእል: ከመይ ዝበለ ፍረኸ ኢና እንዓጽድ፧

20 ኣብ ዓመት 2003 ነፍሲ ወከፍና ‘ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኽቐርብ ዘየቋርጽ ጻዕሪ እገብርዶ ኣሎኹ እየ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ከምኡ እንተደኣ ገይርና መብጽዓኡ ኸም ዝፍጽም ርግጸኛታት ከንከውን ንኽእል ኢና። ደሓር ከኣ የሆዋ “ዘይሕሱ ኣምላኽ” እዩ። (ቲቶስ 1:⁠2) እንተ ቐሪብናዮ ንሱ እውን ክቐርበና እዩ። (ያእቆብ 4:⁠8) ፍሪኡኸ፧ ሕጂ ብዙሕ በረኸት ንረክብ: ንዝመጽእ እውን ንዘለኣለም ናብ የሆዋ ዝያዳ እናቐረብና ንነብር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2000 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 እትርከብ “የሆዋ ካብ ልብና ይዓቢ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ምስ ኣንበበት ዝሃበቶ ምላሽ።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ነቶም ዝቐርብዎ እንታይ ህያብ እዩ ዝህቦም፧

• የሆዋ ህዝቡ መንፈሳዊ ዕቝባ ንኽረኽቡ ኢሉ እንታይ ምድላዋት እዩ ዝገብረሎም፧

• ንየሆዋ ብጸሎት ከም ድላይና ኽንቀርቦ እተዋህበና መሰል ክቡር ህያብ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ነቲ መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብተኣማንነት ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዝገልጸልና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ መንፈሳዊ ሓቂ ኸም እነስተውዕል ብምግባር ባሪኹና እዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ መንፈሳዊ ዕቝባ ይህበና

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ቐረባና እዩ: ንዅሉ ጸሎትና ኽሰምዕ ድማ ድሉው እዩ