ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ክትፈልጦ ዘሎካ ኣምላኽ

የሆዋ ክትፈልጦ ዘሎካ ኣምላኽ

የሆዋ ክትፈልጦ ዘሎካ ኣምላኽ

ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ነገር የምልጠካዶ ይህሉ ይኸውን፧ ብዛዕባ ኣምላኽ ሒደት ነገራት ጥራይ ትፈልጥ እንተደኣ ዄንካ: ብዙሕ ኣገዳሲ ነገር የምልጠካ ኸም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ምፍላጡ ኣብ ህይወት ብዙሕ ረብሓታት የምጽእ እዩ: ነዚ ድማ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ተመኲሮምዎ እዮም። እዚ ረብሓታት እዚ ካብቲ ንኣምላኽ ክትፈልጠሉ ዝጀመርካ ግዜ ኣትሒዙ ንሓዋሩ ዝቕጽል እዩ።

እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክንፈልጦ ይደልየና እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ኢሉ ጸሓፈ። የሆዋ ንዕኡ ምስ እንፈልጦ: ንርእስና ኸም እንጠቅም ይፈልጥ እዩ። ስለዚ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካ . . . ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” በለ። ነቲ ኣዝዩ ልዑል ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብምፍላጥና ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧​—⁠መዝሙር 83:18፣ ኢሳይያስ 48:17

ገለ ኻብቲ እንረኽቦ ጥቕሚ ኣብ መዓልታዊ ንዘጋጥመና ጸገማት መምርሒ ንረክብ: ንመጻኢ ድልድልቲ ተስፋ ትህልወና: ከምኡውን ናይ ኣእምሮ ሰላም ነጥሪ። ብዘይ​ካዚ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ምፍላጥና ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ደቅሰብ ዘለዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ብዝምልከት ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ንኽህልወና የኽእለና። ይኹን እምበር: እዚ ሕቶታት እዚ እንታይ እዩ፧

ህይወትካ ዕላማ ኣለዋዶ፧

ደቅሰብ ዘደንቕ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለ እኳ እንተ ገበሩ: ክሳዕ ሕጂ ግን ውልቀ⁠-​ሰባት ‘ንምንታይ እየ ተፈጢረ፧ ናበይ እየ ዘምርሕ ዘለኹ፧ ህይወት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧’ ዝብል መሰረታዊ ሕቶታት ይሓቱ እዮም። ሓደ ሰብ ነዚ ሕቶታት እዚ ዘዕግብ መልሲ እንተ ዘይረኺቡሉ: ህይወቱ ናይ ሓቂ ዕላማ ኣይህልዋን። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብ ህይወቶም ዝጐደሎም ነገር ይፈልጥዎዶ እዮም፧ ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣብ ጀርመን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ካብቶም ሕቶታት ዝቐረበሎም ሰባት እቶም ፍርቆም: መብዛሕትኡ ግዜ ወይ ሓድሓደ ግዜ ህይወት ትርጕም ዘይብላ ዀይኑ ኸም ዝስምዖም ገሊጾም እዮም። ምናልባት ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ተመሳሳሊ ዅነታት ይህሉ ይኸውን።

ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣብ ህይወቱ ዕላማ እንተ ዘይብሉ: ብሕታዊ ሸቶታት ንኸውጽእ ዘኽእሎ መሰረት የብሉን። ሓያሎ ሰባት ዕዉት ዝገብሮም ሞያ ብምጥራይ ወይ ሃብቲ ብምድላብ ነዚ ሃጓፍ እዚ ኽዓብስዎ ይጽዕሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ባዶነት ስምዒት ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ናይ ህይወቶም ዕላማ ክርድእዎ ብዘይ​ምኽኣሎም: ብህይወት ምንባር ክሳዕ ዝጸልእዎ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብመሰረት ኢንተርናሽናል ሄራልድ ትሪቡን ሓንቲ “ዘደንቕ ሃብትን እዚ ዘይበሃል ሓለፋታትን” ረኺባ ዝዓበየት መልክዐኛ ሰበይቲ: ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ እዩ ኣጋጢምዋ። ብምቾት ትነብር እኳ እንተ ነበረት: ብጽምዋ ተበልዐት: ህይወታ ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ ድማ ተሰምዓ። በዚ ምኽንያት እዚ መደቀሲ ኸኒና ብብዝሒ ወሰደት እሞ ሞተት። ምናልባት ንስኻውን ብዘሕዝን መገዲ ዝሞቱ ኻልኦት ሰባት ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ።

ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ሰባት ንህይወት ዘድሊ ነገራት ኵሉ ኻብ ስነ⁠-​ፍልጠት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና ኽብሉ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ዳይ ቮኽ እትበሃል ኣብ ጀርመን እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ‘ስነ⁠-​ፍልጠት ሓቂ እኳ እንተዀነ: ብመንፈሳዊ መዳይ ግን ጐደሎ እዩ። ክልሰ⁠-​ሓሳብ ፍልቀት ምዕቡል እዩ ኽበሃል ኣይከኣልን እዩ፣ እተሓላለኸ ሕሳብ ዝጥቀም ዓይነት ፊዚክስ እውን ከይተረፈ ዓሰርተ ሳዕ ስለ ዝቀያየር: ምጽንናዕን ድሕንነትን ኣየምጽእን እዩ’ በለት። ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ርኽበታት እተፈላለየ ዓይነት ህይወት ከምኡውን ብህይወት ንምንባር ዘድሊ ባህርያዊ ዑደታትን መስርሓትን ኣብ ምግላጽ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ገና ግን ንምንታይ ከም እተፈጠርናን ናበይ ገጽና ንጐዓዝ ከም ዘሎናን ኽሕብረና ኣይከኣለን። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስነ⁠-​ፍልጠት እንተደኣ ተወኪልና: እቲ ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዘበገስናዮ ሕቶ መልሲ ኣይረክብን እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ከምቲ ጋዜጣ ሱትዶይቸ ዘይቱንግ ዝበለቶ “ብዙሓት መሪሕነት የድልዮም ኣሎ።”

ኣብዚ መዳይ እዚ መሪሕነት ንኽህበና ዝሓሸ ኽእለት ዘለዎ ኻብ ፈጣሪ ሓሊፉ መን ክኸውን ይኽእል፧ ኣብ መጀመርታ ንደቅ​ሰብ ኣብ ምድሪ ዘንበሮም ንሱ ስለ ዝዀነ: እተፈጥሩሉ ምኽንያት ይፈልጦ እዩ። የሆዋ ንደቅ​ሰብ ንምድሪ ኽመልእዋን ክከናኸንዋን ከም ዝፈጠሮም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። ደቅሰብ ኣብ ኵሉ ተግባራቶም ከም እኒ ፍትሕን ጥበብን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ኸንጸባርቑ ነበሮም። የሆዋ ስለምንታይ ከም ዝፈጠረና እንተ ፈሊጥና: ንምንታይ ብህይወት ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኢና።​—⁠ዘፍጥረት 1:26-28

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ‘ንምንታይ እየ ተፈጢረ፧ ናበይ እየ ዘምርሕ ዘለኹ፧ ህይወት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧’ ንዝብል ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ እንተ ዘይረኸብካሉ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ እዩ ዝላበወካ። የሱስ እኳ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። ኣምላኻዊ ባህርያት ብፍላይ ከኣ ፍቕሪ ምምዕባል እውን ይጠቕመካ እዩ: ኣብ ትሕቲ እታ እትመጽእ ዘላ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንባር ድማ ብሕታዊ ሸቶ ግበር። ሽዑ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ከምኡውን ዘደንቕን ዘተኣማምንን ተስፋ ኽህልወካ እዩ። እቲ ሕጂ ዘጨንቐካ ዘሎ መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ ኸም እትረኽበሉ እውን ዘጠራጥር ኣይኰነን።​—⁠ዮሃንስ 17:3፣ መክብብ 12:13

እዚ እንታይ ጽልዋ ኸሕድር ይኽእል፧ ሓደ ሃንስ ዝበሃል ሰብኣይ እዚ ዘሕድሮ ጽልዋ ተመኲርዎ እዩ። a ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣምላኽ ንጹር እምነት ኣይነበሮን: በዚ ምኽንያት እዚ እምነቱ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጽልዋ ኣይነበራን። ሓሽሽ ምውሳድ: ምስ ነውራማት ኣንስቲ ምቅርራብ: ጸይቂ ምግባር: ከምኡውን ሞተር ብሽክለታ ይፈቱ ነበረ። “እንተዀነ ግን: ህይወተይ ባዶን ዘየዕግብን እዩ ነይሩ” ብምባል ባዕሉ ይገልጽ። ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሚኡ: መጽሓፍ ቅዱስ ብስርዓት ብምንባብ ንኣምላኽ ብብሕቲ ኽፈልጦ ወሰነ። ንየሆዋ ኣጸቢቑ ኽፈልጦን ትርጕም ህይወት ክርድኦን ምስ ጀመረ: ኣነባብራኡ ቐየረ: ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ድማ ተጠምቀ። ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ “ንየሆዋ ምግልጋል እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ። ዝወዳደሮ ነገር የለን። ንየሆዋ ምፍላጠይ ህይወተይ ዕላማ ንኽህልዋ ኣኽኢሉኒ” በለ።

ርግጽ እዩ: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ጥራይ ኣይኰኑን ዝሓስቡ። ኣብ ዓለም ዘሎ ኵነታት እናተበላሸወ ክኸይድ ከሎ: ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ሰባት ብኻልእ ኣገዳሲ ሕቶ እውን ይጭነቑ እዮም።

ንምንታይ እዩ እዚ ዘጋጥም፧

ጸበባ ኸጋጥም ከሎ: እቶም ግዳያት መብዛሕትኡ ግዜ ‘ንምንታይ እዩ እዚ ዘጋጥም፧’ ዝብል ሕቶ እዮም ዝሓቱ። ሓደ ሰብ እቲ ዘጋጥሞ ጸበባ ስምዒታዊ ጕድኣት ንኸየውርደሉ ዝሕግዞ ቐንዲ ነገር ነዛ ሕቶ እዚኣ ግቡእ መልሲ ምስ ዝረኽበላ እዩ። ዘዕግብ መልሲ እንተ ዘይረኺቡ ግን: እቲ ስቓዩ ኣይፍታሕን: እቲ ሰብ ድማ በዚ ይማረር። ንኣብነት ንብሩኒ ዘጋጠማ እስከ ንርአ።

ብሩኒ ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ኣደ እያ። እቲ ዘጋጠማ ነገራት ከኣ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ቅድሚ ገለ ዓመታት ሕጻን ጓለይ ሞተትኒ። ኣብ ኣምላኽ ስለ ዝኣምን: ካብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ቀሺ ምጽንናዕ ደለኹ። ንሱ ድማ ኣምላኽ ንሱዛን ናብ ሰማይ ከም ዝወሰዳ እሞ መልኣኽ ከም ዝዀነት ነገረኒ። ጓለይ ብሙማታ ምድረ⁠-​ሰማይ ጸልሚቱኒ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣምላኽ እውን ስለ ዝወሰዳ ጸላእክዎ።” ብሩኒ እተሰምዓ ስቓይን ሓዘንን ንገለ ዓመታት ቀጸለ። “ድሕርዚ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንኣምላኽ ክጸልኦ ምኽንያት ከም ዘይብለይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየትኒ። የሆዋ ንሱዛን ናብ ሰማይ ኣይወሰዳን: መልኣኽ ከኣ ኣይኰነትን። ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና እያ ሓሚማ። ሱዛን ሞይታ ስለ ዘላ የሆዋ ኸተንስኣ እያ ትጽበ ዘላ። የሆዋ ንደቅ​ሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ኸም ዝፈጠሮም እውን ተማሂረ እየ: እዚ ኸኣ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኽፍጸም እዩ። የሆዋ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎ ኽርዳእ ምስ ጀመርኩ: ናብኡ ብዝያዳ ቐረብኩ: ካብ ሓዘነይ ድማ ተጸናናዕኩ።”​—⁠መዝሙር 37:29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ሮሜ 5:12

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በብዓይነቱ መከራ ይወርዶም እዩ። ሓዘን: ውግእ: ጥሜት: ወይ ባህርያዊ ሓደጋታት ገለ ኻብዚ እዩ። ብሩኒ ናይቲ ዘጋጠማ መከራ ተሓታቲ የሆዋ ዘይምዃኑን ንደቅ​ሰብ መከራ ኽወርዶም ዕላማ ኸም ዘይብሉን ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ንእከይ መወዳእታ ኽገብረሉ ምዃኑን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኣየት እፎይታ ተሰምዓ። እከይ ይበዝሕ ምህላዉ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ከም ዘሎና እዩ ዝሕብር። እቲ ዅላትና ሃረር እንብሎ ዘደንቕ ለውጢ ቐሪቡ እዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማቴዎስ 24:7, 8

ንኣምላኽ ምፍላጡ

ሃንስን ብሩኒን ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይንጹር ሓሳባት እዩ ነይርዎም። ብዛዕባኡ ብዙሕ ከይፈለጡ ይኣምንዎ ነበሩ። ንየሆዋ ብትኽክል ንኽፈልጥዎ ግዜ ምስ ወሰዱ ግን ጻማ ጻዕሮም ረኸቡ። ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥም ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ዝኸውን ዘዕግብ መልስታት ረኸቡ። እዚ ኸኣ ናይ ኣእምሮ ሰላምን ብዛዕባ መጻኢ ዘተኣማምን ተስፋን ንኽህልዎም ኣኽኣሎም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣለዎም።

ንኣምላኽ ክንፈልጦ እንተደኣ ዄንና: ፈለማ ነቲ ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ኻባና ዝደልዮ ብቕዓታትን ዝነግረና መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ኣሎና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኣቶም ሰባት ከምዚ እዮም ገይሮም። እቲ ጸሓፍ ታሪኽን ሓኪምን ዝነበረ ሉቃስ ብዛዕባ እቶም ኣባላት ናይታ ኣብ ቤርያ: ግሪኽ: እትርከብ ጉባኤ ዝነበሩ ኣይሁድ “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል [ካብ ጳውሎስን ሲላስን] ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:10, 11

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ጉባኤታት ይእከቡ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 42, 46፣ 1 ቈረንቶስ 1:1, 2፣ ገላትያ 1:1, 2፣ 2 ተሰሎንቄ 1:1) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ ዘሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጉባኤታቶም ብሓባር ይእከቡ እዮም: እዚ ኣኼባታት እዚ ድማ ውልቀ⁠-​ሰባት ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንክቐርቡን ንዕኡ ብምግልጋል ንኽሕጐሱን ክሕግዞም እተዳለወ እዩ። ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕባርካ ተወሳኺ ረብሓታት እውን ኣለዎ። ደቅሰብ ቀስ ብቐስ ናይቲ ዘምልኽዎ ባህሪ ኽወርሱ ስለ ዝጅምሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ነቲ የሆዋ ዘለዎ ባህርያት ብእተወሰነ ደረጃ የንጸባርቑ እዮም። ስለዚ ምሳታቶም ምእካብና ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ።​—⁠እብራውያን 10:24, 25

ንኣምላኽ ክንፈልጦ እንገብሮ ጻዕሪ ኸቢድ ኰይኑ ድዩ ዝስምዓካ፧ ጻዕሪ ምግባር ብርግጽ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ህይወትካ ኽትረኽቦ እትደሊ ዝበዝሕ ነገራትከ ብዙሕ ጻዕሪ ደይኰንካን እትገብረሉ፧ ሓደ ብሉጽ ስፖርተኛ ዝገብሮ ጻዕሪ እስከ ሕስብ ኣብለሉ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ፈረንሳ ኣብ እተገብረ ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ እተዓወተ ዣን⁠-​ክሎድ ኪሊ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ዕዉት ተወዳዳሪ ንምዃን ብዛዕባ ዘኽእል ብቕዓት ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “10 ዓመት ኣቐዲምካ ክትጅምሮ ኣሎካ: ንዓመታት ድማ መዓልታዊ ብዛዕባኡ ኽትሓስብ ኣሎካ። . . . ብኣእምሮኣዊ ዀነ ኣካላዊ መዳይ ኣብ ዓመት 365 መዓልትታት ኢኻ እትዓዪ።” እዚ ዅሉ ግዜን ጻዕርን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ደቒቕ ንእትውዳእ ውድድር ጥራይ እዩ ዝግበር! ንየሆዋ ብምፍላጥና ደኣኸ ኻብዚ ዝዛይድን ንሓዋሩ ዝጸንሕን ጥቕሚ ደይኰንናን ክንረክብ፧

ወትሩ እናጠበቐ ዝኸይድ ዝምድና

ኣብ ህይወቱ ኣገዳሲ ነገር ከምልጦ ዝደሊ መን ኣሎ፧ ዋላ ሓደ የለን። እምበኣር: ህይወትካ ናይ ሓቂ ዕላማ ዘይብሉ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ወይ ጸበባ ንምንታይ ከም ዘጋጥም ክትርዳእ እንተ ደሊኻ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽ ንኽትፈልጦ ቈራጽነት ግበር። ብዛዕባኡ ምፍላጥካ ኣብ ህይወትካ ንሓዋሩ ኽጠቕመካ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ የሆዋ እትፈልጦ ነገር መወዳእታ ኣለዎዶ፧ እቶም ንሓያሎ ዓመታት ከገልግልዎ ዝጸንሑ: ነቲ ብዛዕባኡ ድሮ ዝፈልጥዎን ወትሩ ዝረኽብዎ ሓድሽ ፍልጠትን የደንቖም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ምፍላጥና የሐጕሰናን ናብኡ የቕርበናን እዩ። እምበኣር: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧” ብምባል ዝጸሓፎ ሓሳባት ነቃልሕ።​—⁠ሮሜ 11:33, 34

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ክሳዕ ሕጂ ውልቀ⁠-​ሰባት ‘ንምንታይ እየ ተፈጢረ፧ ናበይ እየ ዘምርሕ ዘለኹ፧ ህይወት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧’ ዝብል መሰረታዊ ሕቶታት ይሓቱ እዮም

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“የሆዋ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎ ኽርዳእ ምስ ጀመርኩ: ናብኡ ብዝያዳ ቐረብኩ: ካብ ሓዘነይ ድማ ተጸናናዕኩ”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንየሆዋ ምግልጋል እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ። ዝወዳደሮ ነገር የለን። ንየሆዋ ምፍላጠይ ህይወተይ ዕላማ ንኽህልዋ ኣኽኢሉኒ”