ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትዝከር ዘለዋ ዕለት

ክትዝከር ዘለዋ ዕለት

ክትዝከር ዘለዋ ዕለት

ደቅሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ናይ ምርካብ ተስፋ ኸም ዝህልዎም ብምግባር ንታሪኽ ወድሰብ ምሉእ ብምሉእ ዝቐየረት ዕለት እያ። ብዛዕባ መጻኢ ደቅሰብ ክሳዕ ክንድዚ ጽልዋ ዘሕደረት ካልእ ዕለት የላን። የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ዝፈጸመሉ ዕለት እውን እያ ነይራ። ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ምስ ተሰቕለ: ኣብታ ናይ መወዳእታ እስትንፋሱ “ተፈጸመ” ኢሉ ጨደረ። (ዮሃንስ 19:30) የሱስ ንምንታይ ዕላማ እዩ መጺኡ፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” ብምባል መልሲ ይህበና። (ማቴዎስ 20:28) ደቅሰብ ካብቲ ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኽወጹ የሱስ ህይወቱ ሃበ። እወ: “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) እምበኣር መስዋእቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ምድላው ኰን እዩ!

የሱስ ዝሞተላ ዕለት: ብኻልእ ምኽንያታት እውን ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ወዲ ኣምላኽ ንሃዋርያቱ እሙናት ንክዀኑ ዝሕግዞም ጠቓሚ ትምህርትታት መሃሮም። እተን ናይ መወዳእታ ቓላቱ ንልቢ ደቀ መዛሙርቱ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተንኪፈናኦም ክዀና ኣለወን! እቲ ዝመሃሮም ትምህርትታት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ካብቲ የሱስ ዝመሃሮምከ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክምለስ እዩ።