ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር”

“ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር”

“ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር”

ከምቲ ሓንቲ ንጣር ቝልዒ ሓዊ ባርዕ ብምብጋስ ንዓብዪ ዱር ከተንድድ እትኽእል: ሓንቲ ኽፍሊ ኣካልና እውን ንብምሉእ ህይወት ሓደ ሰብ ክትቅይር ትኽእል እያ። ሕንዚ ዝመልኣ ወይ “ኦም [ህ]ይወት” ክትከውን ትኽእል እያ። (ምሳሌ 15:4) ህይወትን ሞትን ኣብ ስልጣና እዩ። (ምሳሌ 18:21) እዛ ንእሽቶ ኣካል እዚኣ ልሳን ክት​ከውን ከላ ንብዘሎ ስጋና ኸተርክሶ ትኽእል እያ። (ያእቆብ 3:5-9) ንልሳንና ኽንሕልዋ እንተ ኽኢልና: ጥበ​በኛታት ኢና።

ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይታ መበል 12 ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ምሳሌ: ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን ንዘረባና ኽንቈጻጸረሉ እንኽእል ጠቓሚ ምኽርታት ሂቡ ኣሎ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ብሓጺር ግን ከኣ ትርጕም ብዘለዎ ምሳሌታት ገይሩ: ዘረባ ሳዕቤን ከም ዘለዎን ብዛዕባ እቲ ባህሪ ተዛራቢኡ ብዙሕ ከም ዝገልጽን ሓበረ። እዚ ሰሎሞን ዝሃቦ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ንዝዀነ ይኹን ‘ደገ ኸናፍሩ ኽሕሉ’ ዝደሊ ሰብ ናይ ግድን የድልዮ እዩ።​—⁠መዝሙር 141:3

‘ዝጠልፍ ሓጢኣት’

ሰሎሞን “እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ: ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመሉቝ” በለ። (ምሳሌ 12:13) ሓሶት ነቲ ተዛራቢኡ ኣብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሓጢኣት ከናፍር እዩ። (ራእይ 21:8) ምድንጋር ካብ መቕጻዕቲ ወይ ካብ ባህ ዘይበለካ ዅነታት እተምልጠሉ ቐሊል መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሓንቲ ሓሶት ካልእ ሓሶት ደይኰነትን እትወልድ፧ ልክዕ ከምቲ ብሒደት ገንዘብ ክጣላዕ ዝጀመረ ሰብ ነቲ እተበልዖ ገንዘብ ንኸምልስ ኢሉ ቐስ እናበለ ብብዙሕ ገንዘብ ክጣላዕ ዝጅምር: ሓሶት ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ሕማቕ ዓንኬል እያ እተእቱ።

ሓጢኣት ከናፍር ነቲ ንኻልኦት ዝሕሱ ሰብ ኣማስያኡ ንገዛእ ርእሱ ኸም ዝሕሱ ኽገብሮ ይኽእል። ንኣብነት: ሓደ ሓሳዊ ሰብ ብዙሕ ዘይፈልጥ ክነሱ ኣዝዩ ፈላጥን በሊሕን ከም ዝዀነ ብቐሊሉ ንርእሱ ኸእምና ይኽእል። ስለዚ: ምስቲ ሓሶት ተሰማሚዑ ኽነብር ይጅምር። እወ: “ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲ: በዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ።” (መዝሙር 36:2) ሓሶት ኣየ ኸመይ ዝበለ ሕማቕ መፈንጠራ ዀን እዩ! በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ጻድቕ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣይኣቱን እዩ። ኣብ ግዜ ጭንቂ እውን ከይተረፈ ሓሶት ኣይዛረብን እዩ።

‘ዘጽግብ ፍረ’

ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ: ኣይትጠበሩ: ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (ገላትያ 6:7) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ብዘይ​ጥርጥር ንዘረባናን ተግባራትናን ዝምልከት እዩ። ሰሎሞን “ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይጸግብ: ከም ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ኪፍደ እዩ” በለ።​—⁠ምሳሌ 12:14

‘ጥበብ ዝዛረብ’ ኣፍ: ዘጽግብ ፍረ እዩ ዝፍሪ። (መዝሙር 37:30) ጥበብ ንምርካብ ፍልጠት የድሊ: ዋላ ሓደ ሰብ ከኣ ምሉእ ፍልጠት የብሉን። ኵሉ ሰብ ንዝወሃብ ሰናይ ምኽሪ ኽሰምዕን ክዓየሉን ኣለዎ። እቲ ንጉስ እስራኤል “ዓሻ: መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ: ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ” በለ።​—⁠ምሳሌ 12:15

የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ማለት በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳልዎ ጽሑፋት ኣቢሉ ጽቡቕ ምኽሪ ይህበና እዩ። (ማቴዎስ 24:45፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንዝወሃበና ሰናይ ምኽሪ ነጺግና ብመገድና ንመላለስ እንተ ዄንናስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዕሽነት ኰን እዩ! እቲ “ፍልጠት ንሰብ ዚምህር” የሆዋ በቲ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሉ መትረብ ኣቢሉ ኽምዕደና ኸሎ ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት’ ክንከውን ኣሎና።​—⁠መዝሙር 94:10፣ ያእቆብ 1:19

ጥበበኛ ሰብን ዓሻ ሰብን ንጸርፊ ወይ መሰረት ንዘይብሉ ነቐፋ እንታይ ምላሽ እዮም ዝህቡሉ፧ ሰሎሞን “ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ: ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ” ብምባል መለሰ።​—⁠ምሳሌ 12:16

ዓሻ ሰብ ክግፋዕ ከሎ “ብኡብኡ” ብቝጥዓ መልሲ ይህብ። መስተውዓሊ ሰብ ግን ርእሱ ኽገትእ ምእንቲ ክኽእል መንፈስ ኣምላኽ ክወሃቦ ይጽሊ። ግዜ ወሲዱ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝህቦ ማዕዳ የስተንትነሉ: ነቲ “የማነይቲ መ[ትል]ሕካ ንዚወቕዓካ ግና: እታ ኻልአይቲውን ምለሰሉ” ዝብል ቃላት የሱስ ድማ ብሞሳ ይሓስበሉ። (ማቴዎስ 5:39) እቲ ለባም ሰብ ‘ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ክፈዲ’ ስለ ዘይደሊ: ከይሓሰበ ምእንቲ ኸይዛረብ ንኸናፍሩ ይገትእ። (ሮሜ 12:17) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ዝዀነ ይኹን ጸርፊ ኸጋጥመና ኸሎ ዕሽሽ ምስ እንብሎ: ካብ ባእሲ ኢና እነምልጥ።

‘ጥዕና እተምጽእ መልሓስ’

ሓጢኣት ከናፍር ኣብ ቤት ፍርዲ ብዙሕ ጕድኣት ከምጽእ ይኽእል እዩ። እቲ ንጉስ እስራኤል “ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ: ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ” በለ። (ምሳሌ 12:17) ሓቀኛ ምስክር ዝህቦ ምስክርነት ዘተኣማምን ስለ ዝዀነ ቕንዕና እዩ ዘውሪ። ቃላቱ ፍትሒ ንኽወጽእ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ሓሳዊ ምስክር ግን ምትላል ዝመልኦ እዩ: ስለዚ ድማ ፍትሒ ይጥወ።

ቀጺሉ ሰሎሞን “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” በለ። (ምሳሌ 12:18) ቃላት ንዕርክነት ብምብልሻውን ጸገማት ብምልዓልን ከም ሰይፊ ኽወግእ ይኽእል እዩ። ወይውን ንዕርክነት ብምድልዳል ባህ ዘብል ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጸርፊ: ቈየቛ: ዘየቋርጽ ነቐፋ: ከምኡውን ዘለፋ ከቢድ ስምዒታዊ ስቓይ ዘስዕብ ሰይፊ እንተ ዘይኰይኑ እንታይ ካልእ መግለጺ ኽወሃቦ ይኽእል፧ እምበኣር ጌጋታትና ኻብ ልቢ ይቕረታ ብምሕታት ከነዐርዮ ይግባእ።

ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ጽንኩር እዋን ብዙሓት ሰባት “ስቡር ልቢ” ከምኡውን “ቅጥቁጥ መንፈስ” ዘለዎም ምዃኖም ዘገርም ኣይኰነን። (መዝሙር 34:18) ‘ነቶም ሕልናኦም ዝዓረቦም ከነተባብዖምን ነቶም ድኹማት ክንድግፎምን’ ከሎና ንቓላትና ጥዕና ንምርካብ ደይኰንናን እንጥቀመሉ ዘሎና፧ (1 ተሰሎንቄ 5:14 ትርጕም 1990 ) እወ: ብድንጋጽ እንዛረቦ ዘረባ ነቶም ጐዳኢ ዝዀነ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ዝጻወሩ ዘለዉ መንእሰያት ከተባብዖም ይኽእል እዩ። ብሓልዮት ዝዝረብ ዘረባ ንኣረጋውያን ተደለይትን ተፈቀርትን ምዃኖም የረጋግጸሎም። ብሕያውነት ዝዝረብ ቃላት ነቶም ዝሓመሙ ሰባት ንኽብርሆም ከም ዝሕግዝ ኣየጠራጥርን እዩ። ተግሳጽ እውን እንተዀነ: “ብህዱእ መንፈስ” ምስ ዝወሃብ እዩ ብቐሊሉ ተቐባልነት ዝረክብ። (ገላትያ 6:1) ነቶም ዝሰምዑ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ዝነግር ሰብ ልሳን እውን ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ ጥዕና እተምጽእ!

‘ንሓዋሩ እትነብር ከንፈር’

ሰሎሞን ነተን “ኸንፈር” ከምኡውን “መልሓስ” ዝብላ ቓላት ቀያይሩ ብምጥቃም “ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር: ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ” በለ። (ምሳሌ 12:19) እታ “ሓቀኛ ኸንፈር” እትብል መግለጺ ኣብ እብራይስጢ ንጽል እያ: ሓቂ እትዛረብ ከንፈር ጥራይ ማለት ከኣ ኣይኰነትን። ከምቲ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ዝበሎ “ነባሪ: ቀዋሚ: ከምኡውን ዘተኣማምን ዝብል ባህርያት እውን ተመሓላልፍ እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ዝንጸባረቖ ዘረባ ንሓዋሩ ይነብር . . . ከመይሲ ከምታ ንእተወሰነ እዋን እውን እንተ ኣታለለት ክትፍተን ከላ ዘይትዕወት ሓሳዊት መልሓስ ዘይኰነስ ዘተኣማምን እዩ።”

እቲ ጥበበኛ ንጉስ “እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት አሎ: እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ አለዎም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ንጻድቕ ገለ ኽፉእ ኣይረኽቦን: ረሲኣን ግና ሕሰም መሊእዎም እዩ” ብምባል ተዛረበ።​—⁠ምሳሌ 12:20, 21

እቶም ክፍኣት ዝኣልሙ ሰባት ስቓይን መከራን ጥራይ እዮም ከምጽኡ ዝኽእሉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ሰላም ዝመኽሩ ዘበሉ ቅኑዕ ብምግባሮም ደስታ ይዓጽዱ። ጽቡቕ ፍረ ብምርኣዮም እውን ይሕጐሱ። ልዕሊ ዅሉ ድማ መጽሓፍ ምሳሌ “ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን: እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጕስዎ” ስለ ዝብል ሞገስ ኣምላኽ ይረኽቡ።​—⁠ምሳሌ 12:22

‘ፍልጠት ዝሓብእ ዘረባ’

እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ መንጎ እቲ ንቓላቱ ዝጥንቀቕን ዘይጥንቀቕን ዘሎ ተወሳኺ ፍልልይ ክገልጽ ከሎ “ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሐብእ: ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ” በለ።​—⁠ምሳሌ 12:23

ለባም ወይ መስተውዓሊ ሰብ መዓስ ክዛረብ መዓስ ከኣ ትም ክብል ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ ነገራት ንርኣዩለይ ስለ ዘይዛረብ: ፍልጠት ይሓብእ ክበሃል ይከኣል። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ወትሩ ፍልጠቱ ይሓብእ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ ንፍልጠቱ ብምስትውዓል እዩ ዝገልጾ። ብኣንጻሩ ግን ዓሻ ህውኽ ኢሉ ይዛረብ: ዕሽነቱ ኸኣ ይቕላዕ። ስለዚ: ዘረባ ኣይነብዝሕ: ልሳንና ኸኣ ካብ ጃህራ ንግትኣያ።

ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ ንትግሃትን ትህኪትን ብምንጽጻር ዘደንቕ ነጥቢ ኣጕልሐ። “ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ: እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ” በለ። (ምሳሌ 12:24) ጻዕራም ምዃን ከመሓይሸካን ርእስኻ ከም እትኽእል ክገብረካን ይኽእል እዩ: ትህኪት ግን ናብ ባርነትን ጊልያነትን እያ እትመርሕ። ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ “ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ሃካይ: ባርያ እቲ ትጉህ እዩ ዝኸውን።”

‘ባህ ዘብል ቃል’

ንጉስ ሰሎሞን እንደገና ብዛዕባ ዘረባ ኣመልኪቱ ኣብ ባህሪ ደቅሰብ እተዓዘቦ ነገር ጠቐሰ። “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ: ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ” ድማ በለ።​—⁠ምሳሌ 12:25

ልቢ ኸም ዝጕሂ ኽገብሮ ዝኽእል ብዙሕ ጭንቀትን ሻቕሎትን ኣሎ። ነቲ ጾር ንምፍኳሱን ልቢ ኸም ዝሕጐስ ንምግባሩን: ካብ ዝርድኣካ ሰብ ዘተባብዕ ቓላት የድልየካ። እንተዀነ ግን: ልብና ኸፊትና እንተ ዘይነጊርናዮም: ካልኦት ሰባት ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ጭንቀት ከመይ ገይሮም እዮም ኽፈልጥዎ እንጽበዮም፧ እወ: ጸበባ ወይ ጭንቀት ከጋጥመና ኸሎ: ክሕግዘና ንዝኽእል ሓላዪ ሰብ ምስጢርና ኸነካፍሎ ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ: ስምዒትካ ምግላጽ ንጓሂ ልቢ ብእተወሰነ ደረጃ የፋዅሶ እዩ። እምበኣር: ንበዓልቲ ቤትካ ወይ ንበዓል ቤትኪ: ንወለድኻ: ወይ ድማ ብቕዓት ንዘለዎ ደንጋጽን መንፈሳውን ፈታዊ ምስጢርካ ምክፋል ጠቓሚ እዩ።

ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መተባብዒ ዝሓይሽ ስለ ዘይርከብ: ብዛዕባ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ብሞሳ ብምስትንታን ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ንዝጐሃየ ልቢ ኸሐጕሶ: ንዝሓዘና ኣዒንቲ ኸኣ ከብርሀን ይኽእል እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብዛዕባዚ መረጋገጺ ሃበ:- “ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ: ንነፍሲ ይመልሳ። ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ: ንልቢ የሐጕሶ: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ: ነዒንቲ የብርሄን።”​—⁠መዝሙር 19:7, 8

ዓስቢ ዘለዋ መገዲ

እቲ ንጉስ እስራኤል ንመገዲ ጻድቕ ምስ መገዲ እኩይ ብምንጽጻር “ጻድቕ ንብጻዩ መገዲ ይሕብሮ: [“ጻድቕ መገሃጫኡ ይስሊ: ” NW ] ንረሲኣን ግና መገዶም ተጋግዮም” በለ። (ምሳሌ 12:26) ጻድቕ መገሃጫኡ ተጠንቂቑ እዩ ዝመርጽ ማለት ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ኣብ ምምራጽ ጥንቁቕ እዩ። ካብ ሓደገኛ ዅነታት ምእንቲ ኽርሕቕ ኢሉ ብጥበብ እዩ ዝመርጾም። እቶም ምኽሪ ዘይቅበሉን ብመገዶም ክመላለሱ ዝደልዩን ረሲኣን ግን ኣይጥንቀቑን እዮም። መገዶም ስለ ዝጋገዩ ኸኣ ይዅብልሉ።

ንጉስ ሰሎሞን ቀጺሉ ኣብ መንጎ ሃካይን ትጉህን ዘሎ ፍልልይ ብኻልእ ሸነኽ ገለጸ። “ሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶን: ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ” በለ። (ምሳሌ 12:27) በዚ ምኽንያት እዚ ሃካይ ነቲ ዝጀመሮ እኳ ኣይዛዝሞን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ትግሃት ምስ ሃብቲ ትተሓሓዝ እያ።

ትህኪት ኣዝያ ጐዳኢት ካብ ምዃና እተላዕለ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፍ ከሎ ነቶም ‘ብዘይ​ ስርዓት ዝመላለሱ’ ማለት ነቶም ዙረት እምበር: ሓንቲ እኳ ዘይዓዩ ውልቀ⁠-​ሰባት መአረምታ ኽህቦም ኣድላዪ ዀይኑ ረኸቦ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቶም ዝተረፉ ኸቢድ ጾር እዮም ዝዀንዎም። ስለዚ ጳወሎስ ብጋህዲ “ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ” ተማሕጸኖም። ነዚ ተሪር ተግሳጽ እዚ እንተ ዘይሰሚዖም ግን ነቶም ካልኦት ካባታቶም ‘ክፍለዩ’ ማለት ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ከርሕቕዎም መዓዶም።​—⁠2 ተሰሎንቄ 3:6-12

ነቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ጻዕራም ምዃን ዝሃቦ ምኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ልሳንና ብግቡእ ብዛዕባ ምጥቃም ዝሃቦ ማዕዳ እውን ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። ነታ ንእሽቶ ኣካልና ኻብ ሓጢኣት ከናፍር ብምርሓቕን ቅኑዕ መገዲ ብምስዓብን: ጥዕናን ሓጐስን ንምምጻእ ንጠቐመላ። ከመይሲ: ሰሎሞን “ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት አላ: ኣብ መተሓላለፊኣ ኸኣ ሞት የልቦን” ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ።​—⁠ምሳሌ 12:28

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

‘ጥበበኛ ምኽሪ ይሰምዕ’

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

‘መልሓስ እቶም ጠቢባን ጥዕና እዩ’

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ምስጢርካ ምክፋል ምጽንናዕ ክዀነካ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ንቓል ኣምላኽ ብሞሳ ምስትንታን ንልቢ የሐጕሶ