ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሳነ ምግባር ዘይተረፍ ነገር

ውሳነ ምግባር ዘይተረፍ ነገር

ውሳነ ምግባር ዘይተረፍ ነገር

ኣብ መበል 19 ዘመን ሃጸይ ፈረንሳ ዝነበረ ናፖልዮን ቦናፓርተ “ውሳነ ምግባር ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ኣሸጋርን ኣዝዩ ኣገዳስን እዩ” በለ። ሰባት ብሓፈሻ ንህይወቶም ብዝግባእ ምምራሕ ኣድላዪ ምዃኑ ስለ ዝኣምኑሉ: ውሳነ ምግባር ዘሸግርን ኣገዳስን ተግባር ምዃኑ ትሰማማዓሉ ትኸውን ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ ውሳነ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ እውን ተገንዚቦም እዮም።

ውሳነ ምግባር ቀሊል ይኹን ከቢድ ዘይተረፍ ነገር እዩ። መዓልታዊ ዘጋጥመና ነገር እዩ። ንግሆ ምስ ተንሳእና: እንታይ ከም እንኽደን: እንታይ ከም እንቘርስ: ከምኡውን በታ መዓልቲ እቲኣ እተፈላለየ ዋኒንና ብኸመይ ከም እንፍጽም ክንውስን ኣሎና። መብዛሕትኡ እዚ ውሳነታት እዚ ንኣሽቱ ነገራት እዩ። ብዙሕ እውን ኣይንሓስበሉን ኢና። ዝወሰንክዎ ውሳነ ጽቡቕ ድዩ ሕማቕ ኢልና ብሓሳብ ድቃስ ክሳዕ እንስእን ኣይንጭነቕን ኢና።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ገሊኡ ውሳነታት ክብድ ዝበለ እዩ። ኣብዚ ግዜና ብዙሓት መንእሰያት እንታይ ሸቶ ኽገብሩ ኸም ዝደልዩ ኽውስኑ ኣለዎም። እንታይ ዓይነት ትምህርት ከም ዝመሃሩን ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኽመሃሩ ኸም ዘድልዮምን ክውስኑ ኣለዎም። ውዒሎም ሓዲሮም ከኣ መብዛሕትኦም ንኽምርዓዉ ወይ ንጽል ኰይኖም ንኽቅጽሉ ምውሳኖም ዘይተርፍ እዩ። እቶም ሓዳር ክገብሩ ዝደልዩ ዘበሉ ኸኣ ‘ሓዳር ንምግባር ድሉው ድየ: ብስለትከ ኣሎኒ ድዩ፧ እንታይ ዓይነት ሰበይቲ (ሰብኣይ) እየ ዝደሊ፧’ ንዝብል ሕቶታት መልሲ ኽረኽቡሉ ኣለዎም። ብዓልቲ ኪዳን (ብዓል ኪዳን) ምምራጽ ንህይወትና ኣጸቢቑ እዩ ዝጸልዎ።

ሓጐስካ ኣብቲ እትገብሮ ውሳነ ስለ ዝምርኰስ: ዓብዪ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ጕዳያት ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር ኣሎካ። ገሊኣቶም ሰባት ጽቡቕ ውሳነ ኽገብሩ ኸም ዝኽእሉ ዀይኑ ስለ ዝስምዖም: ሓገዝ ክቐርበሎም ከሎ ኣይቅበሉን እዮም። ከምዚ ምግባር ግን ቅኑዕ ድዩ፧ መልሱ ቐጺልና ንርኣዮ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

Napoleon: From the book The Pictorial History of the World