ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን “እቲ ጠቢብ . . . ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ” በለ። መብዛሕትና ምኽሪ ኻልኦት ብዘይ ምቕባልና ጥራይ ሕማቕ ውሳነ ዝገበርናሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።—ምሳሌ 1:5

እዘን ሰሎሞን እተዛረበን ቃላት ጸኒሐን ምስተን ንሱ ዝመዝገበን “ሰለስተ ሽሕ ምስላ” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊረን እየን። (1 ነገስት 4:32) ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ምስላታቱ ብምፍላጥን ናብኡ ብምቕላብን ክንጥቀም ንኽእልዶ፧ እወ። “ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ: ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል: ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል” ይሕግዘና እዩ። (ምሳሌ 1:2, 3) ጽቡቕ ውሳነ ንኽንገብር ክሕግዝና ዝኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓሙሽተ መምርሒታት እስከ ንርአ።

እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣርሒቕካ ርአ

ገሊኡ ውሳነታት ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎ። ስለዚ: እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣቐዲምካ ኽትፈልጥ ጽዓር። እቲ ብኡንብኡ እትረኽቦ ረብሓታት ነቲ ድሒሩ ዝመጽእ ዘይትደልዮ ሳዕቤናት ንኸይትርኢ ኸይጋርደካ ተጠንቀቕ። ምሳሌ 22:3 “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ትብል።

እቲ ኣብ ሓጺርን ኣብ ነዊሕን ግዜ ዝመጽእ ሳዕቤናት ኣብ ወረቐት ምጽሓፉ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ዓይነት ስራሕ ክትመርጽ ከለኻ: ጽቡቕ ደሞዝን ባህ ዘብል ስራሕን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እትረኽቦ ረብሓታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣርሒቕካ ኽትርኢ ኸለኻ ግን እቲ ስራሕ ዕቤት ዘይትረኽበሉ ድዩ፧ ምናልባት ካብ ፈተውትኻ ወይ ስድራቤትካ ርሒቕካ ናብ ካልእ ቦታ ኽትግዕዝ ዘገድደካ ደዀን ይኸውን፧ ናብ ሕማቕ ሃዋሁ ዘቃልዓካ ወይ ኣዚኻ ስለ እትጸልኦ ዘበሳጭወካ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ጥቕሙን ጕድኣቱን ኣመዛዝን: ድሕሪኡ ነየናይ ቀዳምነት ክትህብ ከም ዘሎካ ወስን።

እኹል ግዜ ውሰድ

ብታህዋኽ ዝግበር ውሳነ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምሳሌ 21:5 “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ: እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ብምባል ተጠንቅቕ። ንኣብነት: ብፍቕሪ ሃነይነይ ዝበሉ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርከቡ መንእሰያት ተሃዊኾም ሓዳር ቅድሚ ምግባሮም ኣጸቢቖም ክሓስብሉ ኣለዎም። እንተ ዘይኰይኑ: ከምቲ እቲ ኣብ መጀመርታ መበል 18 ዘመን ዝነበረ ደራሲ ተዋስኦ ዊልያም ኮንግረቭ “ብታህዋኽ ምስ እንምርዖ: ግዜና ብጣዕሳ ኢና እነሕልፎ” ብምባል እተዛረቦ እዩ ዘጋጥሞም።

እኹል ግዜ ኽትወስድ ክበሃል ከሎ ግን ሎሚ ጽባሕ እናበልካ ክትደናጐ ማለት ኣይኰነን። ገሊኡ ውሳነታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ እንተ ተገብረ ጥበብ እዩ። ብዘይረብሕ ምኽንያት ምድንጓይ ንዓና ወይ ንኻልኦት ክጐድእ ይኽእል እዩ። ምዕንይናይ ንርእሱ ውሳነ እዩ: ምናልባት እውን ሕማቕ ውሳነ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምኽሪ ተቐበል

ክልተ ሰባት ዘለዎም ኵነታት ምሉእ ብምሉእ ሕደ ክኸውን ስለ ዘይክእል: ተመሳሳሊ ጸገማት ከጋጥሞም ከሎ ክልቲኣቶም ሓደ ዓይነት ውሳነ ይገብሩ እዮም ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ምስ ናትና ኣብ ዝመሳሰል ኵነታት ካልኦት እንታይ ውሳነ ኸም ዝወሰኑ ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ። ነቲ ውሳነኦም ሕጂ ብኸመይ ከም ዝርእይዎ ሕተቶም። ንኣብነት: ሓደ ዓይነት ስራሕ ንምጅማር ነቶም ነቲ ስራሕ ዝፈልጥዎ ሰባት ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያቱ ኽነግሩኻ ሕተቶም። ካብቲ ዝገበርዎ ምርጫ እንታይ ጥቕሚ ረኺቦም: እንታይ ጸገም ኣጋጢምዎም: ወይ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧

“ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን: ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ” ዝብል መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ኣሎ። (ምሳሌ 15:22) ልክዕ እዩ: ምኽሪ ኽንደልን ካብ ተመክሮ ኻልኦት ክንመሃርን ከለና: እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ንሕና ባዕልና ኽንገብሮ ከም ዘሎናን ዘስዕበልና ሓላፍነት ክንስከም ከም ዝግባእን ምሉእ ብምሉእ ክርድኣና ኣለዎ።—ገላትያ 6:4, 5

ነቲ ብዝግባእ ዝሰልጠነ ሕልናኻ ስምዓዮ

ሕልናና ምስቲ ኣብ ህይወትና ኽንምርሓሉ እንደልዮ መሰረታዊ ስርዓታት ዝሰማማዕ ውሳነታት ንኽንገብር ክሕግዘና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ሓደ ክርስትያን ሕልናኡ ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ዝሰማማዕ ክገብሮ ኣለዎ ማለት እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ቃል ኣምላኽ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ይብለና። (ምሳሌ 3:6) ልክዕ እዩ: ኣብ ገሊኡ መዳያት ክልተ ብዝግባእ ዝሰልጠነ ሕልና ዘለዎም ሰባት ኣብ እተፈላለየ መደምደምታ ኽበጽሑ ስለ ዝኽእሉ: ውሳነታቶም እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር: ብዝግባእ ዝሰልጠነ ሕልና: ቃል ኣምላኽ ብቐጥታ ዝዅንኖ ነገራት ንኽትገብር ኣይፈቕደልካን እዩ። ንኣብነት: ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰልጠነ ሕልና ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን: ብስኒት ዝነብሩ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ንምፍታን: ቅድሚ መርዓ ተኣኻኺቦም ንኽነብሩ ይፈቅድ ይኸውን። ‘ናብ ሕማቕ ሓዳር ተጓዪና ኻብ ምእታው ይሰትረና’ ብዝብል መመኽነይታ እቲ ውሳነኦም ጽቡቕ ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። ሕልናኦም እውን ኣይወቕሶምን ይኸውን። ይኹን እምበር: ንጾታዊ ርክብን መውስቦን ብዝምልከት ከም ናይ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግዜያውን ዘይግቡእን ምትእኽኻብ ኣይቅበሎን እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:18፣ 7:1, 2፣ እብራውያን 13:4

ውሳነኻ ንኻልኦት ብኸመይ ይትንክፎም

መብዛሕትኡ ግዜ ውሳነኻ ንኻልኦት ይትንክፎም እዩ። ስለዚ: ነቲ ምስ ፈተውትኻ: ኣዝማድካ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ ኣምላኽካ ዘሎካ ኽቡር ርክብ ኣብ ሓደጋ ኸእቱ ዝኽእል ሕማቕ ወይ ናይ ዕሽነት ውሳነ ኣይትግበር። ምሳሌ 10:1 “ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ: ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ” ትብል።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ሓድሓደ ግዜ ኻብ መንጎ እቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክባት ሓዲኡ ኽትመርጽ ከም እትግደድ ኣይትረስዕ። ንኣብነት: ነቲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝጻረር ዝፈለጥካዮ ኣቐዲሙ ዝነበረካ ሃይማኖታዊ እምነት ክትገድፎ ትውስን ትኸውን። ወይ ምስቲ ሕጂ እተቐበልካዮ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ ስለ እትደሊ: ኣብ ባህርያትካ ዓብዪ ለውጢ ኽትገብር ትውስን ትኸውን። እቲ ውሳነኻ ንፈተውትኻ ወይ ኣዝማድካ ባህ ዘየብሎም እኳ እንተዀነ: ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ግን ጥበባዊ እዩ።

ነቲ ዝዓበየ ውሳነ ኽትገብር ከለኻ ጥበበኛ ኹን

ኣብዚ ግዜና ሰባት ብሓፈሻ ዘይፈልጥዎ እኳ እንተዀኑ: ኵሉ ሰብ ግን ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ውሳነ ንኽገብር ምርጫ ቐሪቡሉ ኣሎ። እቶም ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ ሰፊሮም ዝነበሩ ጥንታዎት እስራኤላውያን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ኣጓኒፍዎም ነይሩ። ሙሴ ኣፈኛ ኣምላኽ ብምዃን ከምዚ በሎም:- “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ . . . አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ: ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ: ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን: ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።”—ዘዳግም 30:19, 20

ካብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ካብ ጸብጻብ ግዜያትን ከም እንርድኦ: ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና ንነብር ዘለና: ብተወሳኺውን “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 1 ቈረንቶስ 7:31) እዚ እተበላሸወ ኣገባብ ወድሰብ በታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ምስ ተተክአ እቲ ብትንቢት እተነግረ ለውጢ ፍጻሜኡ ኽረክብ እዩ።

ኣብ ድርኵኺት ሓዳስ ዓለም ኢና ዘሎና። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ዲኻ፧ ወይስ እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ከልግስ ከሎ ምስኡ ሓቢርካ ኢኻ ኽትጠፍእ፧ (መዝሙር 37:9-11፣ ምሳሌ 2:21, 22) ሕጂ እንታይ መገዲ ኸም እትስዕብ ክትውስን ኣሎካ: እዚ ኸኣ ብሓቂ ናይ ሞትን ህይወትን ውሳነ እዩ። ቅኑዕ ወይ ጽቡቕ ውሳነ ንኽትገብር ሓገዝ ትደሊዶ፧

ህይወት ንኽትሓሪ እትገብሮ ውሳነ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ከተማልኦ ዝሓቶ ብቕዓታት ምፍላጥ የጠቓልል። መብዛሕትአን ኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ብቕዓታት እዚ ብዝግባእ ኣይምህራን እየን። መራሕተን ንምእመናኖም ኣብ ሓሶት ንኽኣምኑን ንኣምላኽ ዘጕሂ ነገራት ንኽገብሩን የስሕትዎም እዮም። ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ንኸምልኽዎ ብብሕቲ ውሳነ ኽገብሩ ኸም ዝግባእ ኣይገልጹሎምን እዮም። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ: ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ኣየምልኽዎን እዮም። እንተዀነ ግን: የሱስ “ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ: እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል።—ማቴዎስ 12:30

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንኽፈልጡ ተሓጒሶም እዮም ዝሕግዝዎም። ምስ ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለታት ኣብ ዝጥዕሞም ግዜን ቦታን ስሩዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ይገብሩ እዮም። እቶም ካብዚ ምድላው እዚ ኽጥቀሙ ዝደልዩ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢኦም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክራኸቡ ወይ ናብ ሓተምቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኽጽሕፉ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኣቶም ኣምላኽ እንታይ ብቕዓት ከነማልእ ከም ዝደልየና መሰረታዊ ፍልጠት ክህልዎም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅነት ዘለዎን ዘተኣማምንን ምዃኑ እውን ይኣምኑሉ ይዀኑ። ኰይኑ ግን: ብዙሓት ካብዚኣቶም ህይወቶም ንኣምላኽ ንኸይውፍዩ ሎሚ ጽባሕ ክብሉ ጸኒሖም እዮም። ስለምንታይ፧ እተፈላለየ ምኽንያታት ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ምናልባትዶ ህይወቶም ንኣምላኽ ምውፋይ ኣገዳሲ ስጕምቲ ምዃኑ ኣይተገንዘብዎን ይዀኑ፧ የሱስ ብንጹር “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:21) ንመጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን: የግዳስ እቲ ዝብሎ ኽዕየየሉ ኣለዎ። እታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ትዀነና እያ። ብዛዕባ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገለ ሰባት ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም: ምስ አመንዎ: ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 8:12) ስለዚ: ሓደ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ካብ ልቡ እንተ ተቐቢልዎ: ነቲ ዝብሎ እንተ ኣሚኑሉ: ከምኡውን ናብራ ህይወቱ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ኣሰማሚዑ ዝመላለስ እንተ ዀይኑ: ህይወቱ ኸም ዝወፈየ ንኸርኢ ኢሉ ኸይጥመቕ እንታይ እዩ ዝኽልክሎ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 8:34-38) ልክዕ እዩ: ሓደ ሰብ ብኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ: ነዚ ስጕምቲ እዚ ብፍታውን ብሕጉስ ልብን ክገብሮ ኣለዎ።—2 ቈረንቶስ 9:7

ገሊኣቶም እኹል ፍልጠት ዘለዎም ኰይኑ ስለ ዘይስምዖም: ህይወቶም ንኣምላኽ ንኽውፍዩ ዘይበቕዑ ይመስሎም። እንተዀነ ግን: ኣብ ህይወቱ ሓድሽ ነገር ዝጀመረ ዝዀነ ይኹን ሰብ ውሱን ፍልጠት እዩ ዘለዎ። ንምዃኑ ኣየናይ ክኢላ በዓል ሞያ እዩ ነቲ ሕጂ ዘለዎ ፍልጠት ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ኽዛረብ ዝኽእል፧ ንኣምላኽ ኸተገልግል ውሳነ ንምግባር መሰረታዊ ትምህርትታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥ: ብእኡ ንኽትመላለስ ድማ ናይ ሓቂ ባህጊ ኽህልወካ ጥራይ እዩ ዘድሊ።

ምናልባት ገሊኣቶም ‘ምስቲ ውሳነና ተሰማሚዕና ኽንነብር እንተ ዘይከኣልናኸ’ ካብ ዝብል ፍርሂ ይደናጐዩዶ ይዀኑ፧ ወድሰብ ዝዀነ ይኹን መብጽዓ ኽኣቱ ኸሎ: ‘እንተ ዘይፈጸምክዎኸ’ ዝብል እተወሰነ ፍርሂ ኣለዎ። ሓደ ሓዳር ክገብርን ውሉዳት ክወልድን ዝውስን ሰብ ገለ ብቕዓት ዝጐድሎ ዀይኑ ኽስምዖ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነዚ ንምግባር ቃል ምእታዉ ግን ዝከኣሎ ዅሉ ንኽገብር የለዓዕሎ እዩ። ብተመሳሳሊ: ሓደ ሓድሽ መምርሒ ፍቓድ ዝሓዘ መንእሰይ ሓደጋ ማኪና ንኸየጋጥሞ ይፈርህ ይኸውን። ብፍላይ ድማ መንእሰያት መራሕቲ ማኪና ኻብቶም ዓበይቲ ንላዕሊ ንሓደጋ እተቓልዑ ምዃኖም ዝሕብር ጸብጻብ እንተ ርእዩ የተሓሳስቦ ይኸውን። እዚ ፍልጠት እዚ ብጥንቃቐ ንኽዝውር እንተ ደሪኽዎ ግን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። መምርሒ ፍቓድ ንኸየውጽእ ድሕርሕር ምባል ግን ፈጺሙ መፍትሒ ኣይከውንን እዩ።

ህይወት ሕረ!

መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሃይማኖታውን ኣገባብ ኰነ እቶም ዝድግፍዎ ዘበሉ ኻብዛ ምድሪ እዚኣ ኽጠፍኡ ምዃኖም ይገልጽ እዩ። እቶም ብጥበብ ህይወት ዝሓርዩን ምስቲ ውሳነኦም ተሰማሚዖም ዝመላለሱን ግን ብህይወት ክነብሩ እዮም። መሰረት ሕብረተሰብ ሓዳስ ዓለም ብምዃን ንምድሪ ናብቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዝሓለኖ ገነት ኣብ ምግባር ክሳተፉ እዮም። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ ኴንካ ኣብዚ ዘሐጕስ ዕዮ እዚ ኽትሳተፍ ትደሊዶ፧

ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ቃል ኣምላኽ ንኸተጽንዕ ወስን። ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ብቕዓታት ክትመሃርን ምስኡ ተሰማሚዕካ ንኽትመላለስን ወስን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ውሳነኻ ኽሳዕ መወዳእታ ንምፍጻም ወስን። ኰታስ ብሓጺሩ ህይወት ሕረ!

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ከቢድ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ እኹል ግዜ ውሰድ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሞያ ኽትመርጽ ከለኻ ምኽሪ ተቐበል

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ሕጂ ንኣምላኽ ንኸገልግሉ ዝውስኑ: ንምድሪ ገነት ኣብ ምግባር ክሳተፉ እዮም