ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ያእቆብ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ

ያእቆብ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ

ያእቆብ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ

ህይወት ያእቆብ ህውከትን መግደራን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። እቲ ፍላይ ማንታኡ ተቘጢዑ ክቐትሎ ብምድላዩ ኻብ ሞት ንምምላጥ ክሃድም ተገደደ። ኣብ ክንዲ ነታ ዘፍቅራ ጓል ጠቢሮም መጀመርታ ንኻልእ ከም ዝምርዖ ገበርዎ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ኣርባዕተ ኣንስቲ ነበራኦ: እዚውን ብዙሕ ጸገማት ኣስዓበሉ። (ዘፍጥረት 30:1-13) ን20 ዓመት ኣብ ትሕቲ ሓደ እተበለጸሉ ሰብኣይ ዓየየ። ምስ መልኣኽ ተቓለሰ: ንሱውን ነባሪ ጕድኣት ኣውረደሉ። ንጓሉ ሓደ ሰብኣይ ዓመጻ: ደቁ ድማ ንኻልኦት ብጃምላ ቐተሉ። እቲ ዝፈትዎ ወዱን እታ ዘፍቅራ ሰበይቱ ብሙማቶም ኣልቀሰሎም። ብዕድመ ደፊኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ጥሜት ንምምላጥ ክስደድ ምስ ተገደደ: ዓመታቱ “ሒደትን ክፉኣትን” ምዃኑ ገለጸ። (ዘፍጥረት 47:9) ያእቆብ እዚ ዅሉ ጸገማት እናኣጋጠሞ ግን ኣብ ኣምላኽ ዝውከል መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ዘይረብሕ ነገር ድዩ እምነት ገይሩ፧ ካብቲ ያእቆብ ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ካብ ሓዉ ኣዝዩ እተፈልየ

ያእቆብ ካብ ሓዉ ዝነበሮ መሰረታዊ ፍልልይ: ኤሳው ንመንፈሳዊ ነገራት ዝንዕቕ ክኸውን ከሎ ንሱ ግን ኣኽቢሩ ዝርኢ ብምንባሩ እዩ። ያእቆብ እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን የገድሶ ነበረ: ነቶም ኣምላኽ ኣብታ ስድራቤት ወረስቲ ገይሩ ዝመረጾም ንምክንኻን ድማ ውፉይ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ‘ኣፍቀሮ።’ ያእቆብ ዝነኣድ ባህሪ ነበሮ። ብኣንጻሩ ግን ኤሳው ንመንፈሳዊ ውርሻኡ ዘይግደስ ብምንባሩ ብዘይረብሕ ነገር ንያእቆብ ሸጠሉ። ያእቆብ ብስምረት ኣምላኽ ነቲ ዝግብኦ ብዅርናን ንሓዉ ተባሂሉ ዝነበረ ምርቓን ምስ ወሰደ: ኤሳው ብቝጥዓ ሕነ ኽፈዲ ደለየ። ድሕርዚ ያእቆብ ንዅሉ እቲ ዝፈትዎ ዝነበረ ነገራት ሓዲጉ ተሰደ: እንተዀነ ግን እቲ ጸኒሑ ዘጋጠሞ ነገራት መሊሱ ዝደቍስ እዩ ነይሩ።—ሚልክያስ 1:2, 3፣ ዘፍጥረት 25:27-34፣ 27:1-45

ኣምላኽ ንያእቆብ ብሕልሚ መላእኽቲ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብ“መሳልል” ወይ ብመደያይቦ ኽወርዱን ክድይቡን ኣርኣዮ: በዚ ዝስዕብ ቃላት ድማ ንዕኡን ንዘርኡን ዕቝባ ኸም ዝዀኖም ገለጸሉ:- “ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻን ብዘርእኻን ኪባረኹ እዮም። እንሆ ኸኣ: ኣነ ምሳኻ እየ: እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሐድገካን እየ እሞ: ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ እየ: ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።”—ዘፍጥረት 28:10-15

እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ! እቲ ንኣብርሃምን ይስሃቅን እተኣትወ መብጽዓታት ንስድራቤት ያእቆብ ብመንፈሳዊ ኸም ዘሀብትማ እዩ የሆዋ ኣረጋጊጹሉ። መላእኽቲ ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ከገልግልዎም ከም ዝኽእሉ ፈለጠ: ዕቝባ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ድማ መረጋገጺ ተዋህቦ። ያእቆብ ካብ ሞሳ ተላዒሉ ንየሆዋ እሙን ክኸውን ተመባጽዐ።—ዘፍጥረት 28:16-22

ያእቆብ ንውርሻ ኤሳው ፈጺሙ ኣይመንዝዖን። ክልቲኣቶም ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ: የሆዋ “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ” ኢሉ ነይሩ። (ዘፍጥረት 25:23) ‘ያእቆብ መጀመርታ ኸም ዝውለድ ምግባርዶ ኣይምቐለለን ነይሩ፧’ ኢሉ ዝሓትት ሰብ ይህሉ ይኸውን። እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ግን ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዝምህረና። ኣምላኽ ነቶም በረኸቱ ‘ይብጽሓና እዩ’ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት በረኸቱ ኣይሓዝኣሎምን እዩ: የግዳስ ነቶም ዝሓርዮም ዘበሉ ዘይበቕዕዎ ሕያውነት እዩ ዘርእዮም። ስለዚ: እቲ ብዅርና ናብቲ ዘየማሱ ዓብዪ ሓዉ ዘይኰነስ ናብ ያእቆብ ተመሓላለፈ። ብተመሳሳሊ: እቶም ብስጋ ኣይሁድ ብሓፈሻ ኸምቲ ናይ ኤሳው ዝኣመሰለ ዝንባለ ስለ ዘርኣዩ: በቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ዝዀኑ ተተክኡ። (ሮሜ 9:6-16, 24) ሕጂውን ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ክህልወና እንተ ዀይኑ: ዋላ እውን ኣብ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ስድራቤት እንተ ተወለድና ከይጸዓርና ብውርሲ ኣይንረኽቦን ኢና። ኵሎም እቶም በረኸት ኣምላኽ ዝረኽቡ ንመንፈሳዊ ነገራት ብሓቂ ኣኽቢሮም ዝርእዩን ዘማስዉን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ንምዃን ክጽዕሩ ኣለዎም።

ላባን ናብ ቤቱ ተቐበሎ

ያእቆብ ካብ ኣዝማዱ ሰበይቲ ንምእታው ኣብ ጳዳን-ኣራም ምስ በጽሐ: ምስ ራሄል ጓል ላባን ኣኮኡ ኣብ ዒላ ተራኸበ: ነተን እትጓስየን ዝነበራ መጓሰ ማይ ንኸስትየን ድማ ነቲ ዓብዪ እምኒ ገልበጦ። a ራሄል ናብ ቤታ ጐይያ ያእቆብ ከም ዝመጸ ነገረት: ላባን ድማ ክቕበሎ ጐየየ። ላባን ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ኣቐዲሞም ስድራኡ ኻብ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ዝረኸብዎ ሃብቲ ዘኪሩ እንተደኣ ዀይኑ: ንያእቆብ ጥራይ ኢዱ ስለ ዝረኸቦ ጕህዩ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ላባን ሓደ ኽብለጸሉ ዝኽእል ጻዕራም ሰራሕተኛ ከም ዝረኸበ ኣስተውዒሉ ክኸውን ኣለዎ።—ዘፍጥረት 28:1-5፣ 29:1-14

ያእቆብ ንላባን ታሪኹ ነገሮ። እቲ ብዅርና ንምርካብ እተጠቕመሉ ሜላ ይንገሮ ኣይንገሮ ንጹር ኣይኰነን: እንተዀነ ግን “እዚ ነገርዚ ዅሉ” ምስ ሰምዐ: “ብሓቂ ንስኻ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ሓደ ምሁር እዛ ሓረግ እዚኣ ንያእቆብ ሓንጐፋይ ኢሉ ኸም እተቐበሎ ወይ ከኣ ዝምድናኡ ንኸዕቍቦ ስለ ዘገደዶ ጥራይ ከም እተቐበሎ ኸተመልክት ከም እትኽእል ገለጸ። ዝዀነ ዀይኑ ላባን ነዚ ወዲ ሓብቱ ብኸመይ ክብለጸሉ ኸም ዝኽእል ሓሰበ።

ላባን ንዝቕጽል 20 ዓመት ዘፈሓፍሐ ጕዳይ ኣበገሰ። “ሓወይ ክንዲ ዝዀንካዶ ብኸምኡ ኽትግዝኣኒ፧ ዓስብኻ ደኣ እንታይ ምዃኑ ንገረኒ” በሎ። ላባን ንፉዕ ኣኮ መሲሉ እኳ እንተ ቐረበ: ነቲ ምስ ያእቆብ ዝነበሮ ናይ ስጋ ዝምድና ሓዲጉ ብዓስቢ ኸም ዝሰርሕ ሸቃላይ ገበሮ። ያእቆብ ንራሄል የፍቅራ ብምንባሩ: “ምእንቲ ራሄል: እታ ንእሽቶ ጓልካ: ሾብዓተ ዓመት እግዝኣካ” በሎ።—ዘፍጥረት 29:15-20

ኣብቲ ግዜ እቲ ሕጸ በቲ ንስድራ እታ ጓል ዝኽፈል ገዝሚ ይውሰን ነበረ። ጸኒሑ ሕጊ ሙሴ ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ድንግል ብምሕባል ምስኣ እንተ ደቀሰ: 50 ሲቃል ብሩር ክቕጻዕ ሓጊጉ ነበረ። ጎርደን ዌናም ዝበሃል ምሁር: እዚ “እቲ ዝለዓለ ገዝሚ” ምንባሩ: መብዛሕትኡ ገዝሚ ኸኣ ካብዚ “ኣጸቢቑ ዝትሕት” ምንባሩ እዩ ዝኣምን። (ዘዳግም 22:28, 29) ያእቆብ ገዝሚ ክህብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ: ንላባን ሸውዓተ ዓመት ከገልግሎ ወሰነ። ዌናም ቀጺሉ “ብግዜ ጥንታዊት ባቢሎን: ሸቃሎ ኣብ ወርሒ ኻብ ፍርቂ ክሳዕ ሓደ ሲቃል ይኽፈሎም ብምንባሩ (ካብ 42-84 ሲቃል ኣብ ሸውዓተ ዓመት): ያእቆብ ንራሄል ንኽምርዖ ኢሉ ንላባን ብዙሕ ገዝሚ እዩ ዝውፍየሉ ነይሩ” በለ። ላባን ከኣ ተሓጒሱ ተቐበሎ።—ዘፍጥረት 29:19

ያእቆብ ንራሄል ኣዝዩ ይፈትዋ ብምንባሩ: እተን ሸውዓተ ዓመት “ሒዶት መዓልቲ” ዀይነን ተራእያኦ። ድሕሪኡ: መርዓቱ ገጻ ተሸፊና ምስ ተዋህበቶ: ነቲ ላባን ዝሓሰቦ ተንኰል ፈጺሙ ኣይጠርጠረን። ንጽብሒቱ ንግሆ ምስ ራሄል ዘይኰነስ ምስ ልያ ሓብታ ኸም ዝደቀሰ ምስ ፈለጠ ዝሰምበዶ ስምባድ እሞ ገምቶ! ያእቆብ ንላባን “እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ፧” ኢሉ ሓተቶ። ላባን ድማ “ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በዅሪ ምሃብ: ከምኡ ኣይግበርን እዩ። ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ: እቲኣ ድማ ንህበካ” በሎ። (ዘፍጥረት 29:20-27) ያእቆብ ዘራይ ስለ ዘይነበሮ ንራሄል እንተ ደልይዋ: ነቲ እተባህሎ ምፍጻም እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን።

እዘን ሸውዓተ ዓመት ግን ከምተን ቀዳሞት ዘይኰናስ መረርቲ እየን ነይረን። ያእቆብ ነቲ ላባን ብዘይ ንሕስያ ዝፈጸሞ ጥበራ ብኸመይ ክርስዖ ይኽእል፧ ነታ ኣብቲ ውዲት ተሓባባሪት ዝነበረት ልያኸ ብኸመይ እዩ ይቕረ ዝብለላ፧ ላባን ነቲ ንልያን ራሄልን ንመጻኢ ዘዳልወለን ዝነበረ ሽግር ከም ዘየተሓሳሰቦ ፍሉጥ እዩ። ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ እዩ ዝሓስብ ነይሩ። ራሄል ገና ኸይወለደት ከላ ልያ ኣብ ረርእሲ ኣርባዕተ ውሉዳት ምስ ወለደት: ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበራ ቒም ቅንኢ ወሰኸትሉ። ድሕሪኡ ኻብ ምሒር ውሉድ ምድላይ: ነታ ግዝእታ ኣብ ክንዳኣ ዀይና ኽትወልደላ ፈቐደት። ልያ ድማ ምስኣ ንኽትወዳደር ኢላ ኸምኡ ገበረት። ኣብ መወዳእታኡ ⁠ያእቆብ 4 ⁠ኣንስትን 12 ውሉዳትን ነበርዎ: እታ ስድራቤት ሓጐስ ከም ዘይነበራ ድማ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንያእቆብ ዓብዪ ህዝቢ እዩ ዝገብሮ ነይሩ።—ዘፍጥረት 29:28–30:24

የሆዋ ኣሀብተሞ

ያእቆብ ብዙሕ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ኣምላኽ ከምቲ እተመባጽዖ ምስኡ ኸም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ላባን እውን እተን ያእቆብ ክመጽእ ከሎ ሒደት ዝነበራ መጓሰኡ እቲ ወዲ ሓብቱ ኽጓስየን ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን ምስሳነን ኣስተብሂሉ እዩ። ክሰዶ ብዘይምድላዩ ኸኣ ተወሳኺ እንተ ኣገልጊልዎ እንታይ ዓስቢ ኸም ዝደሊ ሓተቶ: ኣብቲ ግዜ እቲ ያእቆብ ካብ መጓሰ ላባን ዘይተለምደ ሕብሪ ዘለወን ጤለ-በጊዕ ዓስቡ ክዀና ሓተተ። ኣብቲ ኸባቢ እቲ መብዛሕትአን ኣባጊዕ ውጹኣት ጸዓዱ: መብዛሕትአን ኣጣል ከኣ ውጹኣት ጸለምቲ: ሒደት ጥራይ ከኣ ጕራጕራ ምንባረን ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ: ላባን እቲ ያእቆብ ዘቕረቦ ሓሳብ ዘዋጽእ ኰይኑ ስለ እተራእዮ: ብኡንብኡ ነተን ፍልይ ዝበለ ሕብሪ ዘለወን መጓሰኡ ምስተን ኣብ ትሕቲ ያእቆብ ዝነበራ መጓሰ ምእንቲ ኸይሕወሳ ኣርሓቐን። እዚ ስምምዕ እዚ ንያእቆብ ብዙሕ ከም ዘየርብሖ እዩ ኣሚኑ ነይሩ: አረ እቶም ጥንታዎት ጓሶት ብልምዲ ዝወስድዎ ዝነበሩ 20 ሚእታዊት ናይተን ዝውለዳ ዕያውቲ ዀና መሓስእ ክረክብ እውን ኣይተጸበዮን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ምስ ያእቆብ ብምንባሩ: እቲ ላባን ዝወጠኖ ሓሳብ ጌጋ እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 30:25-36

ያእቆብ ብኣምላኽ እናተመርሐ: ከምቲ እተደልየ ሕብሪ ዘለወን ድልዱላት ኣባጊዕ ኣርብሐ። (ዘፍጥረት 30:37-42) ከምቲ ዝደልየን ዓይነት ኰይነን ንኽራብሓ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሜላ ቕኑዕ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ናሆም ሳርና ዝበሃል ምሁር ‘በተን ናይ ትኳዕ ትኳዕ ጂን ዘመሓላልፋ ግን ከኣ ሓደ ዓይነት ውጹእ ሕብሪ ዘለወን እንስሳታት ጌርካ እውን እቲ ዝድለ ውጽኢት ክርከብ ዝከኣል ምዃኑ ብስነ-ፍልጠት ከም እተረጋገጸ’ ገለጸ። ብተወሳኺውን “ከምዚኣተን ዝኣመሰላ እንስሳታት . . . ፈራያት ብምንባረን እየን ዝፍለጣ” ብምባል ገለጸ።

ላባን ነዚ ምስ ረኣየ: እተን ንወዲ ሓብቱ ዝወሃባ ዓስቡ ዝዀና እንስሳታት ሓንሳእ ዑፌታት (ሽራጥ ሽራጥ): ሓንሳእ ጨቦሬታት (ትኳዕ ትኳዕ): ሓንሳእ ቡረቴታት (በርሃታት): ሓንሳእ ጸነጺት (ጕራጕራ) እናበለ ስምምዑ ቐያየረ። ኸምዚ ዝገብር ዝነበረ ንረብሓኡ እዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ውዕል ዋላ እውን እንተ ቐያየሮ: የሆዋ ንያእቆብ ከም ዝህብትም ገበሮ። ላባን ኣስናኑ ኻብ ምሕርቃም ሓሊፉ ዝገብሮ ኣይነበሮን። ነዊሕ ከይጸንሐ ያእቆብ ብዙሕ ሃብቲ: መጓሰ: ባሮት: ኣግማል: ከምኡውን ኣእዱግ ኣጥረየ። እዚ ድማ ብብልሓቱ ዘይኰነስ ብሓገዝ የሆዋ እዩ ኣጥርይዎ። ጸኒሑ ንራሄልን ልያን “ኣቦኽን ደኣ ዓስበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታለለኒ: እግዚኣብሄር ግና ክፉእ ኪገብረኒ ኣይፈቐደሉን። . . . ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሀበኒ” በለን። የሆዋ ንያእቆብ እቲ ላባን ዝገብሮ ዅሉ ኸም ዝረኣዮ ግን ከኣ በዚ ኽጭነቕ ከም ዘይብሉ ኣረጋገጸሉ። “ናብ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ: ጽቡቕ ክገብረልካ እየ” ድማ በሎ።—ዘፍጥረት 31:1-13፣ 32:9

ኣብ መወዳእታኡ ያእቆብ ካብቲ ዘታልሎ ዝነበረ ላባን ሃዲሙ: ናብ ዓዱ ኣቕንዐ። ዕስራ ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: ንኤሳው ግን ገና ይፈርሆ ነበረ። ኤሳው ምስ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኡት ክቀባበሎ ይመጽእ ምህላዉ ምስ ፈለጠ ድማ ብዝያዳ ፈርሀ። ያእቆብ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ኣብ ኣምላኽ ዝውከል መንፈሳዊ ሰብ ብምንባሩ: ብእምነት ስጕምቲ ወሰደ። እቲ የሆዋ ዝገበረሉ ልግሲ ዘይግብኦ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ጸለየ: ኣብቲ መብጽዓታት ብምምርኳስ ድማ ንዕኡን ንስድራቤቱን ካብ ኢድ ኤሳው ከድሕኖም ለመነ።—ዘፍጥረት 32:2-12

ድሕርዚ ሓደ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጋጠሞ። ሓደ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ለይቲ ተቓለሶ። ምሕኵልቱ ብምትንካይ ድማ ቈጸዮ። እዚ ሰብኣይ መልኣኽ ነበረ። ያእቆብ እቲ መልኣኽ ከይባረኾ ኸይከይድ ምሕዳጉ ኣበየ። ጸኒሑ ነብዪ ሆሴእ ብዛዕባ ያእቆብ “በኸየ: ለመኖ ኸኣ” በለ። (ሆሴእ 12:2-4፣ ዘፍጥረት 32:24-29) ያእቆብ ቅድሚ ሕጂ መላእኽቲ ኣብ እተራእዩሉ እዋን እቲ ንኣብርሃም ብዛዕባ ዘርኡ እተኣትወሉ ኺዳን ብኸመይ ከም ዝፍጸም ተገዳስነት ኣሕዲሮም ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ። ስለዚ: ኣበርቲዑ ተቓለሰ: በረኸት ድማ ረኸበ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ ስሙ ናብ እስራአል ለወጠሉ: ትርጕሙ ኸኣ “ምስ ኣምላኽ ዝቃለስ (ዘይሕለል)” ወይ ከኣ “ኣምላኽ ይቃለስ” ዝብል እዩ።

ንኽትቃለስ ፍቓደኛ ዲኻ፧

ያእቆብ ምስ መልኣኽ ድሕሪ ምቅላሱን ምስ ኤሳው ድሕሪ ምርኻቡን ጸገማቱ በዚ ኣየብቅዐን። እንተዀነ ግን: እዚ ኣብዚ ዝረኣናዮ ነጥብታት እንታይ ዓይነት ሰብኣይ ምንባሩ ይገልጸልና እዩ። ኤሳው ብንእሽቶ ጥሜት ብዅርናኡ ኣሕሊፉ ኽህብ ከሎ: ያእቆብ ግን በረኸት ንምርካብ ህይወቱ ምሉእ እዩ ዝጋደል ነይሩ: አረ ሕሉፍ ሓሊፉውን ምስ መልኣኽ ተቓሊሱ እዩ። ከምቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ: ያእቆብ መምርሕን ዕቝባን ኣምላኽ ረኸበ: ካብኡ ዓብዪ ህዝቢ ወጸ: እቲ መሲህ እውን ካብ ዘርኡ መጸ።—ማቴዎስ 1:2, 16

ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ንኽትጋደል ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንኽትቃለስ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ኣብዚ ግዜና እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ዝደልዩ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ጸገማትን ፈተናታትን የጋጥሞም እዩ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር ቃልሲ የድሊ እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ያእቆብ ዝገደፎ ጽቡቕ ኣብነት ነቲ የሆዋ ዘንበረልና ተስፋ ኣጽኒዕና ንኽንሕዞ ሓያል ድራኸ እዩ ዝዀነና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ ምስቲ ርብቃ ኣደ ያእቆብ ንኣግማል ኣልኣዛር ዘስተየትሉ ኣጋጣሚ ዝመሳሰል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ርብቃ ናብ ቤታ እናጐየየት ከይዳ ሓደ ጋሻ ኸም ዝመጸ ነገረት። ላባን ድማ ነቲ ሓብቱ እተዋህበቶ ኻብ ወርቂ እተሰርሐ ስልማት ምስ ረኣየ: ንኣልኣዛር ንክቕበሎ ጐየየ።—ዘፍጥረት 24:28-31, 53

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ያእቆብ በረኸት ንምርካብ ህይወቱ ምሉእ ተቓለሰ