ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

 ኦሪት ዘፍጥረት ኣድማስ ከመይ ኢሉ ናብ ህላወ ኸም ዝመጸ: ምድሪ ኸኣ ደቅሰብ ምእንቲ ኽነብሩላ ብኸመይ ከም እተዳለወት: ሰብ ብኸመይ ኣብኣ ኽነብር ከም ዝጀመረ እትገልጸልና ብምዃና: “ዘፍጥረት” ዝብል ስም ንዓኣ ዝበቅዕ እዩ። ሙሴ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝጸሓፋ ኣብ በረኻ ክኸውን ከሎ ዝዛዘማ ድማ ምናልባት ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ እታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም: ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዘጋጠመ ዅነታት: ከምኡውን የሆዋ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ዮሴፍ ብኸመይ ከም እተመላለሰ ትነግረና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኻብ ዘፍጥረት 1:1–11:9 ዘሎ ነጥብታት እተጐልሕ ክትከውን ከላ: ብመሰረቱ ክሳዕ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ምስቲ ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ ኣብርሃም ርክብ ዝመስረተሉ እዋን ዘሎ ጸብጻብ እትሽፍን እያ።

እታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም

(ዘፍጥረት 1:1–7:24)

እታ ኣብ መእተዊ ኦሪት ዘፍጥረት ዘላ “ብመጀመርታ” እትብል ቃል ቍጽሩ ዘይተወሰነ ቢልዮናት ዓመታት ይገብር ንዝነበረ እዋን እያ እተመልክት። እቲ በተን ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት “መዓልትታት” ወይ ከኣ መዋእላት እተፈጸመ ነገራት: ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ነይሩ እንተ ዝኸውን ክርእዮ ኸም ዝኽእል ኰይኑ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ኣምላኽ ሰብ ፈጠረ። እታ ሽዑ ዝነበረት ገነት ብምኽንያት ዘይምእዛዝ ወድሰብ: ነዊሕ ከይጸንሐት እኳ እንተ ጠፍአት: የሆዋ ተስፋ ሂቡ እዩ። እቲ ሽዑ ዝሃቦ ተስፋ ብዛዕባ እቲ ንሳዕቤን ሓጢኣት ኣጥፊኡ ንርእሲ ሰይጣን ዝቕጥቅጥ “ዘርኢ” ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 1,600 ዓመት: ሰይጣን ብጀካ ንኸም እኒ ኣቤል: ሄኖክ: ኖህ ዝኣመሰሉ ሒደት እሙናት ገዲፍካ ንዅሎም ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ኣዕለዎም። ንኣብነት: ቃየል ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ኣቤል ሓዉ ቐተሎ። ከምኡውን “ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ:” ወይ ከኣ “ስም የሆዋ ምጽዋዕ ተጀመረ።” (NW) እዚ ድማ ንስም የሆዋ ብርኹስ መገዲ ይጥቀምሉ ኸም ዝነበሩ ኸመልክት ይኽእል እዩ። ላሜክ ንርእሰ-ምክልኻል ኢሉ ብኸመይ ሰብኣይ ከም ዝቐተለ ዝገልጽ ግጥሚ ገጢሙ እዩ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዜኡ ገኒኑ ዝነበረ መንፈስ ዓመጻ ዘንጸባርቕ ነበረ። እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝነበሩ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሲዶም ነፍሊም ዝበሃሉ ንጉዓት ሰባት ምስ ወለዱ ኵነታት እናተበላሸወ እዩ ኸይዱ። እቲ እሙን ዝነበረ ኖህ ግን መርከብ እናሰርሐ: ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ማይ ኣይሂ ንሰባት ብትብዓት የጠንቅቕ ነበረ: ምስ ስድራቤቱ ኸኣ ካብቲ ጥፍኣት ደሓነ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:16—እቲ ብርሃን ዝህብ ሰማያዊ ኣካላት ክሳዕ እታ ራብዐይቲ መዓልቲ ዘይተፈጥረ እንተደኣ ነይሩ ዀይኑ: ኣምላኽ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ብኸመይ እዩ ብርሃን ዘብርሀ፧ እታ ኣብ ቍጽሪ 16 “ገበረ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ምስታ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ቍጽሪ 1, 21, 27 “ፈጠረ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ሓንቲ ኣይኰነትን። እቲ ብርሃን ንዝህብ ሰማያዊ ኣካላት ዝሓዘ “ሰማያት” እታ “ቐዳመይቲ” መዓልቲ ቅድሚ ምጅማራ ነዊሕ ይገብር እዩ ተፈጢሩ። ይኹን እምበር: ብርሃኖም ኣብ ምድሪ ኣይበጽሕን ነይሩ። ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ደባን ብርሃን ንደበናታት ሰንጢቑ ናብ ምድሪ ብምብጽሑ “ብርሃን ድማ ዀነ” ተባሂሉ ኣሎ። ስለዚ: እታ እትዘውር ምድሪ መዓልትን ለይትን ክህልዋ ኸኣለ። (ዘፍጥረት 1:1-3, 5) እቶም ብርሃን ዝምንጨሎም ኣካላት ግን ካብ ምድሪ ገና ኣይረኣዩን እዮም ነይሮም። ኣብታ ራብዐይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ ግን ፍልይ ዝበለ ለውጢ ተራእየ። ጸሓይ: ወርሒ: ከዋኽብቲ: “ኣብ ልዕሊ ምድሪ . . . ኼብርሁ” ጀመሩ። (ዘፍጥረት 1:17) ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዄንካ ከም ዝርኣዩ “ገበረ።”

3:8—የሆዋ ኣምላኽ ንኣዳም ብቐጥታ ድዩ ተዛሪብዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንሰባት ክዛረቦም ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልኣኽ ኣቢሉ ኸም ዝዀነ እዩ ዝገልጸልና። (ዘፍጥረት 16:7-11፣ 18:1-3, 22-26፣ 19:1፣ መሳፍንቲ 2:1-4፣ 6:11-16, 22፣ 13:15-22) እቲ ቐንዲ ኣፈኛ ኣምላኽ: እቲ “ቓል” ተባሂሉ ዘሎ ሓደ ወዱ እዩ። (ዮሃንስ 1:1) ኣምላኽ: ንኣዳምን ሄዋንን በቲ “ቓል” ኣቢሉ እዩ ተዛሪብዎም ክኸውን ዝኽእል።—ዘፍጥረት 1:26-28፣ 2:16፣ 3:8-13

3:17—ምድሪ በየናይ መገዲ እያ እተረግመት: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜኸ፧ እቲ ንምድሪ እተባህለ መርገም: ንኸተልምዓ ኣጸጋሚት ክትከውን ምዃና እዩ ዘመልክት። ዘርኢ ኣዳም በቲ እታ እተረግመት መሬት ዘፍረየቶ እሾኽን ተዀርባን ኣጸቢቖም ይሳቐዩ ስለ ዝነበሩ እኳ: ላሜክ ኣቦ ኖህ ‘ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮኦምን ጻዕሪ ኢዶምን’ ምጽንናዕ ክረክብ ተመንዩ እዩ። (ዘፍጥረት 5:29) ድሕሪ ማይ ኣይሂ የሆዋ ንኖህን ንደቁን ንምድሪ ኽመልእዋ ዕላማኡ ምዃኑ ብምግላጽ ባረኾም። (ዘፍጥረት 9:1) እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝረገማ መርገም ሽዑ ዝሰረዞ እዩ ዝመስል።—ዘፍጥረት 13:10

4:15—የሆዋ ንቃየል እንታይ ዓይነት “ምልክት” እዩ ዝገበረሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣካላት ቃየል ምልክት ከም እተገብረ ኣይገልጽን እዩ። እቲ ምልክት: ሰባት ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ምእንቲ ኸይቀትልዎ ዝከላኸል ንጹር ኣዋጅ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

4:17—ቃየል ንሰበይቱ ኻበይ እዩ ኣምጺእዋ፧ ኣዳም “ኣወዳትን ኣዋልድን . . . ወለደ።” (ዘፍጥረት 5:4) ስለዚ ቃየል ንሓንቲ ኻብ ኣሓቱ: ምናልባትውን ንሓንቲ ኻብ ደቂ ኣሕዋቱ ወይ ደቂ ኣሓቱ እዩ ሰበይቱ ክትኰኖ ወሲድዋ። እቲ ጸኒሑ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ግን ብስጋ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ምምርዓው ዝኽልክል እዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 18:9

5:24—ኣምላኽ ንሄኖክ ብኸመይ እዩ “ወሲድዎ”፧ ሄኖክ ብሰባት ከይቅተል ኣብ ዘስግእ ኵነታት እዩ ዝርከብ ነይሩ: ይኹን እምበር ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኽወድቕ ኣየፍቀደን። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሄኖክ: ሞት ምእንቲ ኸይርኢ: . . . ገዐዘ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (እብራውያን 11:5) እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ናብ ሰማይ ወሲዱ የንብሮ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሰማይ ዝደየበ የሱስ እዩ። (ዮሃንስ 3:13፣ እብራውያን 6:19, 20) ሄኖክ ‘ሞት ምእንቲ ኸይርኢ ገዓዘ’ ኽበሃል ከሎ ኣምላኽ ብትንቢት ከም ዝምሰጥ ብምግባር ኣብቲ ዅነታት እቲ ኸሎ ህይወቱ ኸም እተብቅዕ ገይርዋ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዅነታት እዚ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ኣይተሳቐየን ወይ “ሞት ኣይረኣየን።”

6:6—የሆዋ ሰብ ብምግባሩ “ተጣዕሰ” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብዚ እታ “ተጣዕሰ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ኣመለኻኽታኻ ወይ ሓሳብካ ምቕያር ዝብል ትርጕም እዩ ዘለዋ። የሆዋ ፍጹም ብምዃኑ ሰብ ብምፍጣሩ ጌጋ ኣይገበረን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ወለዶ ኣተሓሳስባኡ ቐይሩ እዩ። በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ እከይ ስለ ዝጐሃየ: በተሓሳስባኡ ካብ ፈጣሪ ደቅሰብ ናብ መጥፍኢ ደቅሰብ እዩ ተቐይሩ። ንገለ ደቅሰብ ብምድሓኑ ግን ጣዕሳኡ ኣብቶም እኩያት ጥራይ እዩ ገሊጽዎ።—2 ጴጥሮስ 2:5, 9

7:2—እንስሳታት ንጹህን ዘይንጹህን ተባሂሎም እተፈለዩ ብምንታይ መሰረት እዮም፧ እቲ መፍለዪ ዝነበረ ንመስዋእቲ ዝበቅዕን ዘይበቅዕን እንታይ እዩ ዝብል ደኣ እምበር ክብላዕ ዝኽእልን ዘይክእልን እንታይ እዩ ዝብል ኣይነበረን። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ስጋ እንስሳ ኣይብላዕን እዩ ነይሩ። ንመግቢ “ንጹህ” ከምኡውን “ዘይንጹህ” እንስሳ ተባሂሉ ኽፍለ ዝጀመረ ኣብ ሕጊ ሙሴ ጥራይ እዩ: እቲ ሕጊ ምስ ተሳዕረ ኸኣ ኣብቂዑ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:9-16፣ ኤፌሶን 2:15) ኖህ: ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ካብታ መርከብ ምስ ወጸ “ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ: ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ።”—ዘፍጥረት 8:20

7:11—እቲ ንዓለም ዘዕለቕለቐ ማይ ኣይሂ ኻበይ እዩ መጺኡ፧ ኣብታ ኻልአይቲ ናይ ፍጥረት መዋእል ወይ “መዓልቲ:” “ጠፈር” ምድሪ ኽፍጠር ከሎ “ኣብ ትሕቲ ጠፈር” ኰነ “ኣብ ልዕሊ ጠፈር” ማያት ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:6, 7) እቲ “ኣብ ትሕቲ ጠፈር” ዝነበረ ማያት: እቲ ዛጊት ኣብ ምድሪ ዝነበረ ማያት ክኸውን ከሎ: እቲ “ኣብ ልዕሊ ጠፈር” ዝነበረ ማያት ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ደስኪሉ ዝነበረ “ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት” እዩ ነይሩ። እዚ ማያት እዚ ኣብ መዓልቲ ኖህ ናብ ምድሪ ፈሰሰ።

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ:-

1:26 ደቅሰብ ብምስሊ ኣምላኽ ስለ እተፈጥሩ ባህርያት ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ኣለዎም። ስለዚ ንኸም እኒ ፍቕሪ: ምሕረት: ሕያውነት: ሰናይ: ትዕግስቲ ዝኣመሰለ ባህርያት ብምንጽብራቕ ነቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ ንምምሳል ክንጽዕር ይግብኣና።

2:22-24 መርዓ ኣምላኽ ዝሰርዖ ቅዱስን ነባርን ምድላው እዩ። ርእሲ ስድራቤት ከኣ ሰብኣይ እዩ።

3:1-5, 16-23 ሓጐስና ንሉዓላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ እተመርኰሰ እዩ።

3:18, 19 5:5 6:7 7:23 ቃል የሆዋ ኸይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ።

4:3-7 ኣቤል ጻድቕ ናይ እምነት ሰብ ስለ ዝነበረ በቲ ዘቕረቦ መስዋእቲ የሆዋ ተሓጒስሉ እዩ። (እብራውያን 11:4) ቃየል ግን ብኣንጻሩ እምነት ኣጕዲሉ ነበረ። እቲ ብቕንእን ጽልእን ቕትለትን እተጋህደ ግብርታቱ እኩይ እዩ ነይሩ። (1 ዮሃንስ 3:12) ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ዘቕረቦ መስዋእቲ ንማለቱ ኢሉ ደኣ እምበር ብተገዳስነት ተለዓዒሉ ኣይኰነን ኣቕሪብዎ። እቲ ንየሆዋ እነቕርበሉ መስዋእቲ ምስጋና እምበኣር ቅኑዕ ኣተሓሳስባን ጠባይን ሃልዩና ብምሉእ ነፍስና ኽንገብሮ ዝግብኣናዶ ኸይኰነ፧

6:22 ኖህ መርከብ ንምህናጽ ሓያሎ ዓመታት እኳ እንተ ወሰደሉ ኸምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ እዩ ገይሩ። ስለዚ: ኖህን ስድራቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ድሒኖም እዮም። የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ይዛረበና: ብማሕበሩ ኣቢሉ ኸኣ መምርሒ ይህበና። ስለዚ: ጽን ኢልና ምስ እንሰምዖን ምስ እንእዘዞን ንረብሓና እዩ።

7:21-24 የሆዋ ነቲ ጻድቕ ምስቲ እኩይ ኣየጥፍኦን እዩ።

ወድሰብ ሓድሽ መዋእል ይጅምር

(ዘፍጥረት 8:1–11:9)

እታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም ምስ ጠፍአት: ወድሰብ ሓድሽ መዋእል ጀመረ። ሰባት ስጋ ኽበልዑ ኽፍቀደሎም ከሎ: ደም ከይበልዑ ግን ተኸልከሉ። የሆዋ: ሰብ ዝቐተለ ብሞት ከም ዝቕጻዕ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ: ድሕሪ ደጊም ማይ ኣይሂ ንኸየውርድ ብምምብጻዕ ከኣ ብቐስተ-ደመና ቓል ኪዳን ኣተወ። እቶም ሰለስተ ደቂ ኖህ ናይ ምሉእ ዘርኢ ደቅሰብ ኣቦታት ክዀኑ በቕዑ: እቲ ኻብ ወዲ ወዱ እተወልደ ኒምሮድ ግን “ንየሆዋ ዝጻረር ጅግና ሃዳኒ” (NW) ዀነ። ሰባት ፋሕ ብምባል ንምድሪ ኣብ ክንዲ ዝመልእዋ: ስሞም ንኸጸውዑ ባቤል እትበሃል ከተማን ግምብን ክሃንጹ ወሰኑ። የሆዋ ግን ንቛንቋኦም ሓናፊጹ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ፋሕ ከም ዝብሉ ብምግባር ዕላማኦም ኣፍሸለሎም።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

8:11—ኣግራብ በቲ ማይ ጠፊኡ እንተደኣ ነይሩ: እታ ርግቢ ቘጽሊ ኣውልዕ ካበይ እያ ረኺባ:- ክልተ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎ። ኦም ኣውልዕ ናይ ምጽዋር ተኽእሎ ስለ ዘለዎ: ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ ኣብ ትሕቲ እቲ ማይ ነዋርሕ ዝኣክል ከይተበላሸወ ጸኒሑ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝውሕዝ ማይ ምስ ነጸፈ: እቲ ተዋሒጡ ዝነበረ ኦም ኣውልዕ ጠጢዑ ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ንኖህ ቈጽሊ ኣውልዕ ሒዛትሉ ዝመጸት ርግቢ: እቲ ውሒዝ እናጐደለ ምስ ከደ ኽበቍል ካብ ዝጀመረ ኣውልዕ ዝወሰደቶ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

9:20-25ኖህ ንከነኣን ዝረገሞ ስለምንታይ እዩ፧ ከነኣን ኣብ ልዕሊ ኣባሓጎኡ ኖህ ጸይቂ ገይሩ ክኸውን ኣለዎ። ካም ኣቦ ከነኣን: ነዚ ምስክር እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ተግባር ከም ዘቋርጽ ኣብ ክንዲ ዝገብር ወረ ዝነዝሐ እዩ ዝመስል። እቶም ክልተ ደቂ ኖህ: ሴምን ያፌትን: ግን ሕፍረት ኣቦኦም ብምኽዳን ስጕምቲ ወሲዶም እዮም። በዚ ኽልቲኦም ክባረኹ ኸለዉ: ከነኣን ተረግመ: ካም ከኣ በቲ ንወዱ ዘጋጠሞ ዘሕፍር ኵነታት ተሳቐየ።

10:25—ብዘበን ፌሌግ ምድሪ ብኸመይ እያ “እተኸፋፈለት፧” ፌሌግ ካብ 2269 ክሳዕ 2030 ቅ.ኣ.ዘ. እዩ ዝነብር ነይሩ። የሆዋ ነቶም ንግምቢ ባቤል ዝሃነጹ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፋሕ ከም ዝብሉ ብምግባር ዝኸፋፈሎም ከኣ “ብዘበኑ” እዩ። (ዘፍጥረት 11:9) ስለዚ “ምድሪ [ወይ: ኣብ ምድሪ ዝነብር ህዝቢ] . . . እተኸፋፈለ” ብዘበን ፈሌግ እዩ።

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ:-

9:1 11:9 ዝዀነ ይኹን ሰብ: ዝገበረ እንተ ገበረ ንዕላማታት የሆዋ ኽዓናቕፎ ኣይክእልን እዩ።

10:1-32 እቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 5ምዕራፍ 10ን ዝርከብ ዝርዝር: እቲ ቕድሚ ማይ ኣይህን ድሕሪ ማይ ኣይህን ዝነበረ ወለዶ: ንምሉእ ዘርኢ ወድሰብ በቶም ሰለስተ ደቂ ኖህ ኣቢሉ ምስቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ኣዳም እዩ ዘተሓሕዞ። ኣሶራውያን: ከለዳውያን: እብራውያን: ሶርያውያንን ገለ ኻብ ዓሌታት ኣዕራብን ካብ ሴም እተወልዱ እዮም። ኢትዮጵያውያን: ግብጻውያን: ከነኣናውያን: ገለ ካብ ዓሌታት ኣፍሪቃን ካብ ዓሌታት ኣዕራብን ካብ ካም እተወልዱ እዮም። ህንዳውያንን ኣውሮጳውያንን ድማ መበቆሎም ካብ ያፌት እዩ። ኵሎም ደቅሰብ ንሓድሕዶም እተዛመዱ ክዀኑ ኸለዉ: ኵሎም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብማዕረ እዮም ዝረኣዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) እዚ ሓቂ እዚ ምፍላጥና ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ዘሎና ኣረኣእያን ምሳታቶም ዘሎና ርክብን ክትንክፎ ይግባእ።

ቃል ኣምላኽ መስለጢ እዩ

ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ወዲሰብ ክነግረና ዝኽእል ርጡብ ጸብጻብ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኽፋል ኦሪት ዘፍጥረት ጥራይ ኢና እንረኽቦ። እዚ ምዕራፋት እዚ ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝገበረሉ ዕላማ ንኽንፈልጥ ይሕግዘና። ከም ኒምሮድ ዝኣመሰሉ ሰባት ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ: ንዕላማ ኣምላኽ ክዓናቕፍዎ ከም ዘይክእሉ ምፍላጥናስ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ!

ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝቐርብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዳሎ ኸሎኻ: ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ” ዘሎ ነጥብታት ምምርማርካ ነቲ ኽብድ ዝበለ ሓሳባት ንምርዳእ ክሕግዘካ ይኽእል። ኣብ ትሕቲ እቲ “ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት ከኣ ካብቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትጥቀም ክሕብረካ ይኽእል። ከድሊ ኸሎ እውን ኣብቲ ንጉባኤ ዘድሊ ዝብል ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝቐርብ ክፍሊ ኻብዚ ኽምረጽ ይከኣል እዩ። እወ: ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን ስለ ዝዀነ ኣብ ናብራ ህይወትና ኽዓዪ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 4:12