ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ዓስቢዶ ተተኵር ኣሎኻ፧

ኣብቲ ዓስቢዶ ተተኵር ኣሎኻ፧

ኣብቲ ዓስቢዶ ተተኵር ኣሎኻ፧

እቲ ሕማም በብቝሩብ እዩ ዜስፋሕፍሕ። ፈለማ ነቲ ሰብ ብየማነ-ጸጋም ናይ ምርኣይ ክእለቱ ኸም ዚንኪ ይገብሮ። ሕክምና እንተ ዘይረኺቡ: እቲ ሕማም እናኣስፋሕፍሐ ይኸይድ እሞ ፊት ንፊቱ ዘሎውን ምርኣይ ይስእን። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚዓውር ይገብሮ። እዚ ሕማም እዚ እንታይ እዩ፧ ግላውኮማ ዚበሃል ቀንዲ ጠንቂ ዑረት እዩ።

ከምቲ በብቝሩብ ክንዓውር እንኽእል: ብምሳልያዊ መዳይ እውን ካብዚ ዝገደደ ዓይነት ዑረት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ናይ ምርኣይ ክእለትና ምጥፋእ እዩ። እምበኣር: ንመንፈሳዊ ነገራት ልዕሊ ዅሉ ቐዳምነት ብምሃብ ከነተኵረሉ ይግባእ።

ኣብቲ ዓስቢ ምትኳር

ገለ ኻብቲ ብተፈጥሮኣዊ ዓይንና “ዘይርኤ” ነገራት: እቲ የሆዋ ንእሙናቱ ዘቕረበሎም ክቡር ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:18) ልክዕ እዩ: ክርስትያናት ንኣምላኽ ዜገልግሉሉ ቐንዲ ምኽንያት ስለ ዜፍቅርዎ እዩ። (ማቴዎስ 22:37) ይኹን እምበር: የሆዋ ንዓስብና ሃረር ክንብሎ ይደልየና እዩ። እዚ ለጋስ ኣቦና “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ጌርና ኽንርእዮ እዩ ዚደልየና። (እብራውያን 11:6) ስለዚ: እቶም ብሓቂ ንኣምላኽ ዚፈልጥዎን ዜፍቅርዎን ነቲ መብጽዓ ዝኣተወልና በረኸታቱ ኣኽቢሮም ይርእይዎ: ፍጻሜኡ ኺርእዩ ድማ ሃረር ይብሉ።—ሮሜ 8:19, 24, 25

ሓያሎ ነዛ መጽሔት እዚኣን ነታ ንቕሑ! እትበሃል ብጸይታን ዜንብቡ ሰባት እቲ ብዛዕባ ምድሪ ገነት እትዀነሉ እዋን ዚገልጽ ስእልታት ባህ ይብሎም እዩ። ሓቂ እዩ: ምድሪ ገነት ምስ ኰነት ከመይ ከም እትመስል ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና: እቲ ዚሕተም ስእልታት ከኣ ኣብ ከም ኢሳይያስ 11:6-9 ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ተመርኲስካ እተሳእለ እዩ። ኰይኑ ግን: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ “ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ኣብ ንቕሑ! ብዛዕባ እታ እትመጽእ ገነት ዚገልጽ ስእሊ ኽርኢ ኸለኹ: ልክዕ ከምዚ ንበጻሕቲ ሃገር ኢልካ ዚዳሎ ጽሑፍ ተጠንቂቐ እየ ዚምርምሮ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ነዚ ንምርካብ ተስፋ ስለ ዚገብር: ኣብኡ ኸም ዘለኹ ገይረ እየ ዝሓስብ” በለት።

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ “ናይ ላዕሊ ጽውዓ” ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ነይርዎ። ክሳዕ መወዳእታ እሙን ኪኸውን ስለ ዝነበሮ: ንሱ ብርእሱ ኸም ዝረኸቦ ኣይመስሎን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ‘ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ኻብ ምምጥጣር’ ዓዲ ኣይወዓለን። (ፊልጲ 3:13, 14) የሱስ እውን ብተመሳሳሊ “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ” ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ሞት ተዓገሰ።—እብራውያን 12:2

ናብ ሓዳስ ዓለም ክትኣቱ እንተ ዄንካ ተጠራጢርካዶ ትፈልጥ፧ ነቲ ሽልማት ህይወት ክንረክብ እንኽእል ክሳዕ መወዳእታ እሙናት እንተ ዄንና ጥራይ ስለ ዝዀነ: እምብዛ ኽንተኣማመን ጽቡቕ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 24:13) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ንኸነማልእ ዚከኣለና ዅሉ ንገብር እንተሊና: ነቲ ዓስቢ ኸም እንረክብ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። የሆዋ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” ኸም ዝዀነ ኣይንረስዕ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና: ሸቶና ኽንወቅዕ ኪሕግዘና እዩ። ነቶም ካብ ልቦም ኬሐጕስዎ ዚጽዕሩ: ብቕዓት ከም ዘይብሎም ዚገብሮም ጌጋታት ኪኣሪ ኣይደልን እዩ።—መዝሙር 103:8-11፣ 130:3, 4፣ ህዝቅኤል 18:32

የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ ኸመይ ከም ዚስምዖ ምፍላጥና: ተስፋ ንኺህልወና የኽእለና። እዛ ባህሪ እዚኣ ኸኣ ማዕረ እምነት ኣገዳስነት ዘለዋ እያ። (1 ቈረንቶስ 13:13) እታ “ተስፋ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ጽቡቕ ነገር ምጽባይ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚኣ ዝዓይነታ ተስፋ ብምሓዝ “ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር: ድንዙዛት ከይትዀኑስ: ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 6:11, 12) ንየሆዋ ብተኣማንነት ካብ ምግልጋል እንተ ዘይሰኒፍና: ተስፋና ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ምዃንና ኸነስተብህለሉ ይግባእ። እዛ ተስፋ እዚኣ ኸም መብዛሕትኡ ዓለማዊ ትጽቢታት “ኣይተሕፍርን እያ።” (ሮሜ 5:5) እሞ ደኣ ተስፋና ብሩህ ክንገብሮን ኣብኡ ኸነተኵርን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንመንፈሳዊ ኣትኵሮና ብኸመይ ከም እነመሓይሾ

ተፈጥሮኣዊት ዓይንና ብሓንሳእ ኣብ ክልተ ነገራት ኣየተተኵርን እያ። መንፈሳዊት ዓይንና እውን ካብዚ እተፈልየት ኣይኰነትን። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ምስ እነተኵር: ነታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ከም ዘይነተኵረላ ዚገብረና ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። እቲ ዘይነተኵረሉ መብጽዓ ምስ ግዜ እናሃሰሰ ይኸይድ: ፈጺምና እውን ንርስዖ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! (ሉቃስ 21:34) እምበኣር: ‘ዓይንና ጥዕይቲ’ ኽንገብራ ማለት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወትን ከም እተተኵር ክንገብራ ኣሎና!—ማቴዎስ 6:22

ዓይንና ወትሩ ጥዕይቲ ጌርና ምሓዝ ቀሊል ኣይኰነን። መዓልታዊ ዜጋጥመና ጸገማት ነቓልቦና ይወስዶ: ኣብ ናብራና እውን ዚዕንቅፈና ወይ ዚፍትነና ነገራት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኻልእ ኣድላዪ ነገራት ዕሽሽ ከይበልና ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለምን ከነተኵር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሰለስተ መገድታት ንርአ።

መዓልታዊ ቓል ኣምላኽ ኣጽንዕ። ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ምስ እነንብብን ምስ እነጽንዕን: ኣእምሮና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸነተኵር ይሕግዘና። ሓቂ እዩ: ቃል ኣምላኽ ንዓመታት ኣጽኒዕና ኽንከውን ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: ከምቲ ብህይወት ንምንባር ኣዘውቲርና ኽንምገብ ዜድልየና: መጽናዕቲ እውን ቀጻሊ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን በሽሓት ዚቝጸር ግዜ ስለ እተመገብና: ካብ ምብላዕ ኣይነቋርጽን ኢና። ስለዚ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ሽሕ ሳዕ ንፍለጦ ብዘየገድስ: ተስፋና ብሩህ ንምግባር: እምነትናን ፍቕርናን ከኣ ንምድልዳል: ኣዘውቲርና ኻብኡ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ ኣሎና።—መዝሙር 1:1-3

ንቓል ኣምላኽ ብሞሳ ኣስተንትነሉ። ምስትንታን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክልተ ምኽንያታት ኣሎና። ፈለማ: ምስትንታን ነቲ ዘንበብናዮ ኸም ዚወሃሃደናን ንዕኡ ሞሳ ኸም እነማዕብልን ይገብረና። ካልኣይ: ምስትንታን ንየሆዋን ነቲ ዜደንቕ ግብርታቱን ንተስፋናን ንኸይንርስዖ ይሕግዘና። ነዚ ንምብራህ ሓደ ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። እቶም ምስ ሙሴ ኻብ ግብጺ ዚወጹ እስራኤላውያን ነቲ ዜደንቕ ሓይሊ የሆዋ ብዓይኖም ርእዮምዎ ነይሮም እዮም። ናብታ ዚወርስዋ ምድሪ ኺመርሖም ከሎ እውን ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝገበረሎም ዕቝባ ርእዮም እዮም። ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዚወስድ በረኻ ምስ በጽሑ ግን ኬጕረምርሙ ጀመሩ: እዚ ኸኣ እምነት ከም ዝጐደሎም እዩ ዜርኢ። (መዝሙር 78:11-17) ልቦም እንታይ ሽግር ስለ ዝነበሮ እዮም ከምዚ ዝገበሩ፧

እቶም ህዝቢ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ዜደንቕ ተስፋኡን ዘይኰነስ: ኣብቲ ሽዑ ዚረኽብዎ ምሾትን ስጋዊ ሓልዮቶምን ኣተኰሩ። ተኣምራትን ዜደንቕ ነገራት እኳ እንተ ረኣዩ: ሓያሎ እስራኤላውያን እምነት ዘየሕድሩ መጕረምረምቲ ዀኑ። መዝሙር 106:13 “ንተግባሩ [ንተግባር የሆዋ] ቐልጢፎም ረስዕዎ” ትብል። እቲ ወለዶ ብሰንኪ ዘርኣዮ ሸለልትነት: ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣይኣተወን።

እምበኣር: ቅዱሳት ጽሑፋት ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ: ግዜ ወሲድካ ኣስተንትነሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ንመንፈሳዊ ጥዕናኻን ዕቤትካን ወሳኒ እዩ። ንኣብነት: ነታ እተወሰነ ኽፋላ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መበል 106 መዝሙር ከተንብብ ከለኻ: ንባህርያት የሆዋ ኣስተንትነሉ። ንእስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ ከም እተዓገሶምን ምሕረት ከም ዝገበረሎምን ኣስተብህል። ናብታ ምድሪ ተስፋ ንኺኣትዉ ዚከኣሎ ዅሉ ኸም ዚገበረሎም ተመልከት። ብኸመይ ደጋጊሞም ካብኡ ኸም ዝዓለዉ ኣስተውዕል። የሆዋ ነቶም ፈጺሞም ዘየማስዉ ሰባት ብእተኻእሎ መጠን ኪምሕሮምን ኪዕገሶምን ከሎ: እተሰምዖ ጓህን ስቓይን ክትርድኦ ጽዓር። ብተወሳኺውን: ነተን ፊንሃስ ምእንቲ ጽድቂ ብትብዓት ዝወሰዶ ተሪር ኣቕዋም ዚገልጻ ኣብ ቝጽሪ 30ን 31ን ዚርከባ ቓላት ከነስተንትነለን ከለና: የሆዋ ንእሙናቱ ኸም ዘይርስዕን ኣብዚሑ ዓስቦም ከም ዚህቦምን መረጋገጺ ንረክብ ኢና።

ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንስዕብ: የሆዋ ዚህበና ምኽሪ ኸም ዚዓዪ ኢና እንርኢ። ምሳሌ 3:5, 6 “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ትብል። ሓያሎ ሰባት ዚስዕብዎ ዘይስነ-ምግባራዊ ናብራ ዜምጽኣሎም ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ጸገማት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንቕጽበታዊ ባህታ ኺብሉ: ንሓያሎ ዓመታት: አረ ንምሉእ ህይወቶም እውን መከራ ይዓጽዱ። ብኣንጻሩ ግን: እቶም በታ ‘ቐጣን መገዲ’ ዚመላለሱ ኣብ ሓድሽ ኣገባብ ምንባር ዜምጽኦ ረብሓ ይጥዕምዎ: እዚ ኸኣ ብቐጻሊ ብመገዲ ህይወት ንኺመላለሱ የተባብዖም።—ማቴዎስ 7:13, 14፣ መዝሙር 34:8

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ: ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መፍትሒ ኻብ ፈታኒ ዅነታት ብኡንብኡ ዚገላግለካ ኺመስል ይኽእል። ንኣብነት: ቍጠባዊ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ካልኣይ ቦታ ንኽትህብ ትፍተን ትኸውን። ይኹን እምበር: እቶም ብእምነት ዚመላለሱን መንፈሳዊ ኣትኵሮኦም ዘይስሕቱን ኣብ መወዳእታ ነቶም “ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚዀነሎም” ይተኣማመኑ እዮም። (መክብብ 8:12) ሓድሓደ ግዜ ሓደ ክርስትያን ካብቲ ስሩዕ ሰዓታት ስራሑ ወጻኢ ተወሳኺ ስራሕ ኪሰርሕ የድልዮ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ከምቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ከም ዘይረብሕ ነገር ገይሩ ብምርኣይ ዝነዓቐ ኤሳው ከቶ ኣይከውንን እዩ።—ዘፍጥረት 25:34፣ እብራውያን 12:16

የሱስ ከም ክርስትያናት መጠን ዘሎና ሓላፍነት ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ’ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:33) ከምኡ እንተደኣ ጌርና: የሆዋ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ብምምላእ ኣባታዊ ፍቕሩ ኼርእየና እዩ። በቲ ንሱ ዚሓልዮ ነገራት ክንጭነቕ ኣይደልየናን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየድሊ ጭንቀት ከም መንፈሳዊ ግላውኮማ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስጕምቲ እንተ ዘይወሲድና: ናይ ምርኣይ ክእለትና ናብ ስጋዊ ነገራት ጥራይ ከም ዜተኵር ይገብር: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕዉራት ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተሊና: መዓልቲ የሆዋ “ኸም መፈንጠራ” እያ እትመጸና። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!—ሉቃስ 21:34-36

ከም እያሱ ትኩር ኩን

ንኻልእ ሓላፍነታትና ቐዳማይ ቦታ ንኸይንህብ ብምጥንቃቕ: ነታ ኽብርቲ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ነተኵረላ። ኣዘውቲርና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብምስትንታንን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን: ከም እያሱ ብዛዕባ ተስፋና ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ። እያሱ ንእስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ መሪሑ ምስ ኣእተዎም “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” በሎም።—እያሱ 23:14

እምበኣር ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ የበርትዕካ: ነዚ ኣብ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ንጥፈታትካን ብምንጽብራቕ ከኣ ሕጉስ ኩን።—ምሳሌ 15:15፣ ሮሜ 12:12

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሓዳስ ዓለም ክትኣቱ እንተ ዄንካ ተጠራጢርካዶ ትፈልጥ፧

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ምስትንታን ኣገዳሲ ኽፍሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኵር