ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኦሪት ዘሌዋውያን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ኦሪት ዘሌዋውያን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ኦሪት ዘሌዋውያን ዚጐልሕ ነጥብታት

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ኻብ ዚወጹ እሞ ሓድሽ ህዝቢ ዀይኖም ናብ ምድሪ ከነኣን ኪጐዓዙ ኻብ ዚጅምሩ ሓደ ዓመት እኳ ኣይገበሩን ነይሮም። ዕላማ የሆዋ ኣብታ ምድሪ: ቅዱሳን ህዝቢ ንኪቕመጡ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበአር: ኣነባብራ ከነኣናውያንን ሃይማኖታዊ ልምድታቶምን ብልሹው እዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ነገልግሎቱ እተፈልዩ ዚገብሮም ስርዓታት ሃቦም። እዚ ስርዓታት እዚ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኦሪት ዘሌዋውያን ተመዝጊቡ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብ1512 ቅ.ኣ.ዘ. ነብዪ ሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ዝጸሓፋ ዀይና: ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ እተገብረ ታሪኽ እስራኤላውያን ዝሓዘት እያ። (ዘጸኣት 40:17፣ ዘሁልቍ 1:1-3) የሆዋ ንህዝቡ ቕዱሳት ንኪዀኑ ብተደጋጋሚ ተማሕጸኖም።—ዘሌዋውያን 11:44፣ 19:2፣ 20:7, 26

ሎሚ ዘለዉ መሰኻኽር የሆዋ: ኣብ ትሕቲ እቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦ ሕጊ ኣይኰኑን። ሞት የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሕጊ ስዒርዎ እዩ። (ሮሜ 6:14፣ ኤፌሶን 2:11-16) ይኹን እምበር: ኣብ ዘሌዋውያን ዚርከብ ስርዓታት ብዛዕባ እቲ ናብ የሆዋ ኣምላኽና እነቕርቦ ኣምልኾ ስለ ዚምህረና: ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።

ብፍታውን ብግዴታን ዚቐርብ ቅዱስ መስዋእትታት

(ዘሌዋውያን 1:1–7:38)

ካብቲ ብመሰረት እቲ ሕጊ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ገሊኡ ብፍታው እዩ ዚቐርብ ነይሩ: ገሊኡ ግን ብግዴታ ኪቐርብ ዚግብኦ ነበረ። ንኣብነት: ዚሓርር መስዋእቲ ብፍታው እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ብፍታው ምሉእ ብምሉእ ህይወቱ በጃ ኽትከውን ዝወፈየ: እዚ መስዋእቲ እዚውን ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ዚቐርብ ነበረ። እቲ ብፍታው ዚቐርብ መስዋእቲ ምስጋና ግን ይመቓቐልዎ እዮም ነይሮም። ሓደ ኽፋሉ ኣብ መሰውኢ ንኣምላኽ ይቐርብ: ካልኣይ ክፋሉ እቲ ኻህን ይበልዖ: እቲ ሳልሳይ ክፋሉ ኸኣ እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ይወስዶ። ብተመሳሳሊ: ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ: ቅቡኣት ክርስትያናት ብሓባር ዚምገብዎ መኣዲ እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:16-22

መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ናይ ግድን ኪቐርብ ዝነበሮ እዩ። መስዋእቲ ሓጢኣት ነቲ ብጌጋ ወይ ብዘይፍላጥ ዚግበር ሓጢኣት ዜተዓርቕ ኪኸውን ከሎ: መስዋእቲ በደል ከኣ መሰል ኪጠሓስ ከሎ ንኣምላኽ ዚቐርብ መስዋእቲ ወይ ከኣ እቲ እተነስሐ በዳሊ ዝሰኣኖ መሰል ወይ ክልቲኦም ወገናት እጥፊኦምዎ ዝነበሩ መሰል ናብ ዝነበሮ ዚመልስ እዩ። ንልግሲ የሆዋ ኣፍልጦ ንምሃብ ዚቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እውን ነይሩ። እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኺዳን ዚርከብ መስዋእትታት ንየሱስ ክርስቶስን ንመስዋእቱን ወይ ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ በረኸት ዜመልክት ስለ ዝዀነ: እዚ ዅሉ ኼገድሰና ኣለዎ።—እብራውያን 8:3-6፣ 9:9-14፣ 10:5-10

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:11, 12—መዓር “መስዋእቲ ሓዊ” ዀይኑ ኪቐርብ የሆዋ ዘይቅበሎ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ኣብዚ መዓር ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ንህቢ ዚሰርሖ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። “መስዋእቲ ሓዊ” ኪኸውን እኳ እንተ ዘይተፈቕደ: ምስ ‘በዅራት እቶት ግራሁ’ ግን ተጠቒሱ ኣሎ። (2 ዜና መዋእል 31:5) እዚ መዓር ተባሂሉ ዘሎ እምበኣር ጽማቝ ፍረታት እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እዚ ኺበኵዕ ወይ ኪመጽጽ ይኽእል ስለ ዝነበረ: ኣብ መሰውኢ ኪቐርብ ኣይክእልን እዩ ነይሩ።

2:13—ጨው “ኣብ ኵሉ መስዋእቲ” ዚቐርብ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ነቲ መስዋእቲ ንምምቃር ኣይኰነን ዚኣቱ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ጨው ከም መዐቀቢ ምግቢ ዀይኑ የገልግል እዩ። ምስ መስዋእቲ ዚቐርብ ዝነበረ: እቲ መስዋእቲ ኸም ዘይተበላሸወን ከም ዘይመሽመሸን ንምምልካት እዩ ኪኸውን ዚኽእል።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

3:17 ስብሒ ዝበለጸ ወይ እተመርጸ ኽፋል ጌርካ ይርአ ብምንባሩ: እስራኤላውያን ከይበልዕዎ ኪኽልከሉ ኸለዉ እቲ ዝበለጸ ኽፋል ንየሆዋ ኸም ዚግባእ እዮም ዚመሃሩ ነይሮም። (ዘፍጥረት 45:18) እዚ ኸኣ እቲ ዘዝበለጸ ንየሆዋ ኽንህብ ከም ዘሎና እዩ ዜዘኻኽረና።—ምሳሌ 3:9, 10፣ ቈሎሴ 3:23, 24

7:26, 27 እስራኤላውያን ደም ኪበልዑ ኣይተፈቕደሎምን። በረኣእያ ኣምላኽ: ደም ንህይወት እዩ ዜመልክት። ዘሌዋውያን 17:11 “ነፍሲ [ህይወት] ስጋ ኣብቲ ደም እዩ” ትብል። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እውን ካብ ደም ኪኽልከሉ ኣለዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

ቅዱስ ክህነት ተመስረተ

(ዘሌዋውያን 8:1–10:20)

መስዋእቲ ንኬቕርቡ ሓላፍነት እተዋህቦም መን እዮም ነይሮም፧ እዚ ሓላፍነት እዚ ነቶም ካህናት እዩ ተዋሂቡ። ሙሴ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ንኣሮን ሊቀ ኻህናት: ነርባዕተ ደቁ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ዜገልግሉ ኻህናት ንኪዀኑ ዜኽእሎም ስርዓት ኣዳለወ። እቲ ስርዓት ሸውዓተ መዓልቲ ኣቢሉ ዚወሰደ ኪኸውን ኣለዎ: እቶም ካህናት ድማ ካብታ እትቕጽል መዓልቲ ኣትሒዞም ኬገልግሉ ጀመሩ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

9:9—ደም ኣብ እግሪ መሰውኢ ምኽዓውን ኣብ እተፈላለየ ኣቓሑ ምልካይን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ እዚ ተግባር እዚ የሆዋ ነቲ ደም ንዕርቂ ኪኸውን ከም እተቐበሎ እዩ ዜመልክት። ብምሉኡ እቲ ንዕርቂ ዚምልከት ምድላው ኣብ ደም እተመስረተ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪ: ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ” በለ።—እብራውያን 9:22

10:1, 2—እቶም ናዳብን ኣቢሁን ዚበሃሉ ደቂ ኣሮን እንታይ ሓጢኣት እውን እዮም ፈጺሞም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ ናዳብን ኣቢሁን ኣብ ክህነቶም ጌጋ ድሕሪ ምፍጻሞም ነዊሕ ከይጸንሐ: የሆዋ ንኻህናት ኣብቲ ማሕደር ወይኒ ዀነ ዜስክር መስተ ኸይሰትዩ ኸልከሎም። (ዘሌዋውያን 10:9) እዚ ኸኣ እዞም ክልተ ደቂ ኣሮን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ነይሮም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚሕብር። ይኹን እምበር: እቲ ቐንዲ ዝሞቱሉ ምኽንያት: ‘የሆዋ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ስለ ዘቕረቡ እዩ።’

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

10:1, 2 ሎሚ ዘለዉ ሓላፍነት እተዋህቦም ኣገልገልቲ የሆዋ: ነቲ ኣምላኽ ዘውጸኦ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ ብድርቅና ስጕምቲ ኺወስዱ የብሎምን።

10:9 ክሳዕ እንሰክር ኣልኮላዊ መስተ ሰቲና ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ኽንፍጽም ኣይግባእን።

ቅዱስ ኣምልኾ ብንጽህና ኺፍጸም ይግባእ

(ዘሌዋውያን 11:1–15:33)

ብዛዕባ ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳታት ብዚምልከት እተዋህበ ስርዓታት ንእስራኤላውያን ብኽልተ መገዲ እዩ ጠቒምዎም። በቲ ሓደ ሸነኽ እዚ ስርዓታት እዚ ኻብ ሕማም ኪከላኸለሎም ከሎ: በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝቢ ንዝነበሮም ጋግ ኣስፍሖ። ብተወሳኺውን ሬሳ ብምትንካፍ ብዛዕባ ዚመጽእ ርኽሰት: ሰበይቲ ውሉድ ድሕሪ ምውላዳ ኽሳዕ እትነጽህ ብዛዕባ ዘሎ ግዜ: ንለምጺ ብዛዕባ ዚምልከት ኣሰራርሓታት: ከምኡውን ወዲ ተባዕታይ ኰነ ጓል ኣንስተይቲ ኻብ ጾታዊ ኣካሎም ምስ ዚከዓዎም ብዛዕባ ዚመጽእ ርኽሰት ዚገልጽ ስርዓታት ነበረ። ምስ ዝረኸሱ ሰባት ዚተሓሓዝ ጕዳይ ንካህናት እዩ ዚምልከት ነይሩ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

12:2, 5—ሓንቲ ሰበይቲ ውላድ ምስ ወለደት ‘እትረክስ’ ስለምንታይ እያ፧ ኣካላት ምፍራይ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ንኼመሓላልፍ እዩ ተፈጢሩ። ይኹን እምበር: ብሰንኪ እቲ እተወርሰ ሓጢኣት: ዘይፍጹምን ሓጥእን ህይወት እዩ ናብ ውሉዳት ዜመሓላልፍ። ምስ ምላድ: ጽግያት: ምኽዓው ዘርኢ: ከምኡውን ካልእ ነዚ ዚመስል ነገራት እተተሓሓዘ ግዜያዊ ‘ርኽሰት:’ ነቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ዜዘኻኽር እዩ። (ዘሌዋውያን 15:16-24፣ መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12) እቲ እስራኤላውያን ንኺነጽሁ ኺገብርዎ ዚግባእ ነገራት: ሓጢኣት ደቅሰብ ብምሽፋን ንሰባት ናብ ፍጽምና ንምምላስ በጅነታዊ መስዋእቲ ኸም ዜድሊ ንኺግንዘቡ ዚሕግዞም ነበረ። በዚ ኸምዚ እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዜብጽሖም ቀጻዒኦም’ ኰነ።—ገላትያ 3:24

15:16-18—ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ “ምኽዓው ዘርኢ” እንታይ እዩ፧ እዚ ብለይቲ ንዚክዖ ዘርኢ ዀነ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

11:45 የሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ እዩ: እቶም ዜገልግልዎ እውን ቅዱሳት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። ብቕድስና ኺመላለሱን ኣካላዊ ዀነ መንፈሳዊ ንጽህናኦም ኪሕልዉን ኣለዎም።—2 ቈረንቶስ 7:1፣ 1 ጴጥሮስ 1:15, 16

12:8 የሆዋ ንድኻታት ነቲ ዝያዳ ዝዋግኡ በጊዕ ዘይኰነስ: ኣዕዋፍ ንመስዋእቲ ኬቕርቡ ፈቐደሎም። ንድኻታት ሓላዪ እዩ።

ቅድስና ኺሕሎ ኣለዎ

(ዘሌዋውያን 16:1–27:34)

እቲ ንሓጢኣት ብዚምልከት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ መስዋእትታት: ሓንሳእ ኣብ ዓመት ብመዓልቲ ዕርቂ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ነቶም ካህናትን ንነገድ ሌዊን ሓደ ዝራብዕ ይቐርብ ነበረ። ሓደ ድቤላ ነቶም ካህናት ዘይኰኑ ነገዳት እስራኤል ኪስዋእ ከሎ: ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ድቤላ ሓጢኣት ህዝቢ ድሕሪ ምንዛዝ ብህይወቱ ናብ በረኻ ይፍኖ ነበረ። እዞም ክልተ ድቤላታት ከም መስዋእቲ ሓጢኣት እዮም ዚረኣዩ ነይሮም። እዚ ዅሉ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚስዋእን ሓጢኣትና ኸም ዚስከምን እዩ ዜመልክት።

ብዛዕባ ምብላዕ ስጋን ካልእ ጕዳያትን ዚምልከት ስርዓታት: ንየሆዋ ኸነምልኾ ኸለና ቕዱሳት ክንከውን ከም ዚግባእ እዩ ዜመልክት። እቶም ካህናትውን ቅድስናኦም ኪሕልዉ ነበሮም። እቲ ኣብ ዓመት ዚግበር ሰለስተ በዓላት ኣዝዩ ዜሐጕስን ንፈጣሪ ምስጋና ዚወሃበሉን ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺውን: የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ ንስሙ ምጽራፍ: ብዛዕባ ምሕላው ሰንበትን ዓመት እልልታን: ብዛዕባ ንድኻታት ኪገብሩሎም ዚግባእ ነገራት: ከምኡውን ብዛዕባ ንባሮቶም ኪህልዎም ዘለዎ ኣተሓሕዛ ስርዓታት ሃቦም። ትእዛዛት የሆዋ ብምሕላው ዚርከብ በረኸት: ምስቲ ትእዛዛቱ ብምጥሓስ ዚመጽእ መርገም ተነጻጺሩ ኣሎ። ነቲ ምስ መብጽዓን ግምገማን በዅሪ እንስሳታትን ዚተሓሓዝ መስዋእትታት ከምኡውን ኵሉ ዕሽር “ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ” ኪኸውን ከም ዚግባእ ስርዓታት ወጸሉ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

16:29—እስራኤላውያን ‘ነፍሶም ዜዋርዱ’ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ደድሕሪ እታ መዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ነገር: ንሓጢኣት ይቕረታ ምስ ምድላይ ዚተሓሓዝ እዩ ነይሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ዚግበር ጾም: ሓጢኣቶም ከም እተኣመኑ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር: ‘ነፍሶም ኬዋርዱ’ ኺበሃል ከሎ: ኪጾሙ ማለት እዩ ኪኸውን ዚኽእል።

19:27—‘ወሰነ ወሰን ጸጕሪ ርእሶም’ ወይ ‘ወሰነ ወሰን ጭሕሞም ንኸይቈርጹ’ እተዋህቦም ትእዛዝ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ እዚ ሕጊ እዚ እተዋህበ: ኣይሁድ ንጭሕሞም ወይ ጸጕሮም ከምቲ ናይ ኣረማውያን ገይሮም ንኸይቈርጽዎ ተባሂሉ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። (ኤርምያስ 9:25, 26፣ 25:23፣ 49:32) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንኣይሁድ ጭሕሞም ፈጺሞም ኪቘርጹ ኸም ዘይብሎም ኣይኰነን ኣዚዝዎም።—2 ሳሙኤል 19:24 ትርጕም 1990

25:35-37—እስራኤላውያን ሓረጣ ወይ ወለድ ኬኽፍሉ ኸቶ ዘይፍቀድ ድዩ ነይሩ፧ ሓደ ሰብ ገንዘቡ ንንግዲ እንተ ኣለቂሑ: ወለድ ኬኽፍል ይኽእል ነይሩ። ንድኻ ዚግበር ልቓሕ ግን: ወለድ ወይ ሓረጣ ኸይክፈሎ እቲ ሕጊ ይኽልክል ነበረ። ካብ ዝደኸየ ጐረቤት መኽሰብ ምርካብ ጌጋ እዩ ነይሩ።—ዘጸኣት 22:25

26:19—‘ሰማያት ከም ሓጺን: ምድሪውን ከም ኣስራዚ’ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ከንኣን ዚርከብ ሰማያት ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናም ከምቲ ማይ ዘየሕልፍ ሓጺን ጌርካ ይውሰድ። ዝናም ብዘይምህላዉ ድማ: ምድሪ ኸም ኣስራዚ ዝኣመሰለ ቕይሒ ይህልዋ።

26:26—‘ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን እንጌራ ይስንክታ’ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከም ንቡር እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ዜድልያ እንጌራ ንምስንካት ሓደ እቶን የድልያ ነበረ። እዚ ቓላት እዚ ግን ዋሕዲ ምግቢ ኻብ ምስፍሕፋሑ እተላዕለ ዓሰርተ ኣንስቲ እኳ ኣብ ሓደ እቶን ኪስንክታ ኸም ዚኽእላ እዩ ዚሕብር። እዚ ሓደ ኻብቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ቕድስና ዘይምሕላው ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

20:9 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽልኢ ወይ እከይ ማዕረ ቕትለት እዩ ዚርአ። ስለዚ: ንወለዱ ዝረገመ ማዕረ እቲ ንወለዱ ዝቐተለ ኪቕጻዕ ትእዛዝ ኣውጽአ። እዝስ ንክርስትያናት ብጾትና ንኸነፍቅር ኪድርኸና ዚግባእዶ ኸይኰነ፧—1 ዮሃንስ 3:14, 15

22:32 24:10-16, 23 ስም የሆዋ ኺጽረፍ የብሉን። የግዳስ ንስሙ ኽንውድስን ምእንቲ ኪቕደስ ክንጽልን ኣሎና።—መዝሙር 7:17፣ ማቴዎስ 6:9

ኦሪት ዘሌዋውያን ነምልኾና ብኸመይ ትትንክፎ፧

ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኣይኰኑን። (ገላትያ 3:23-25) እቲ ኣብ ዘሌዋውያን ተጠቒሱ ዚርከብ: የሆዋ ኣብ እተፈላለየ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ብዕምቈት ንኽንፈልጥ ስለ ዚሕግዘና ግን ነምልኾና ይትንክፎ እዩ።

ነቲ ንቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ዘሎ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ኣምላኽ ካብ ኣገልገልቱ ቕድስና ኸም ዚጽበ ምፍላጥካ ኸም ዚምስጠካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዛ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ዘዝበለጸ ንኽንህቦን ኵሉ ሳዕ ንውዳሴኡ ቕድስናና ንኽንሕሉን ክትድርኸና ትኽእል እያ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ንየሱስ ክርስቶስን ንመስዋእቱን ዜመልክት ነበረ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

በዓል ቅጫ ዓብዪ ሓጐስ ዚሕጐሱሉ እዋን እዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ከም በዓል ዳስ ዝኣመሰለ ዓመታዊ በዓላት: እስራኤላውያን ንየሆዋ ምስጋና ዚህቡሉ እዋን እዩ ነይሩ