ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኻብ ተዋጽኦታት ደም ዚዳሎ ኽፋላት ይወስዱ ድዮም፧

እዚ ዚስዕብ መልሲ ኻብ ናይ 15 ሰነ 2000 ሕታም እንደገና እተሓትመ እዩ።

እቲ መሰረታዊ መልሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደም ኣይወስዱን እዮም ዚብል እዩ። እቲ ብዛዕባ ደም እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ምስቲ በብግዜኡ ዚለዋወጥ ኣረኣእያታት ንኺሰማማዕ ተባሂሉ ዚቀያየር ከም ዘይኰነ ኣጸቢቕና ንኣምነሉ ኢና። እንተዀነ ግን: ሎሚ ደም ብእተፈላለየ መስርሕ ብምሕላፍ ኣብ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደምን ናይዚ ተዋጽኦታት ክፋላትን ኪፈላለ ስለ ዚኽእል ሓደስቲ ሕቶታት ይለዓል እዩ። ሓደ ክርስትያን ነዚ ንኺወስድ ወይ ንኸይወስድ ቅድሚ ምውሳኑ ብዛዕባ ሕክምናዊ ረብሓታቱ ወይ ኬስዕቦ ዚኽእል ጠንቅታት ጥራይ ዘይኰነስ ክንዮኡ ኺሓስብ ኣለዎ። ልዕሊ ዅሉ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብልን ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ኬስዕቦ ዚኽእል ጽልዋን እዩ ኼተሓሳስቦ ዚግባእ።

እቲ መሰረታዊ ሕቶታት ቀሊል እዩ። እዚ ቀሊል ዝዀነሉ ምኽንያት ክንግንዘብ ምእንቲ ኺሕግዘና ገለ መጽሓፍ ቅዱሳዊ: ታሪኻዊ: ከምኡውን ሕክምናዊ ድሕረ-ባይታ ንርአ።

የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣቦ ዅላትና ዝዀነ ኖህ ንደም ፍሉይ ገይሩ ኺርእዮ ነገሮ። (ዘፍጥረት 9:3, 4) ጸኒሑ: እቲ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ንቕድስና ናይ ደም ዜርኢ ነበረ:- “ዝዀነ ሰብ: ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖት: ደም ዘበለ እንተ በልዔ: ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ።” ንሕጊ ኣምላኽ ዚነጽግ እስራኤላዊ ንኻልኦት ኪብክሎም ይኽእል ስለ ዝነበረ ኣምላኽ ቀጺሉ ነታ ነፍሲ “ካብ ማእከል ህዝባ . . . ክምንቍሳ እየ” በለ። (ዘሌዋውያን 17:10) ጸኒሑ: እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኻብ ‘ደም ንኽንክልከል’ ትእዛዝ ኣውጽኡ። ኣገዳስነት ናይዚ ማዕረ እቲ ኻብ ጾታዊ ርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ክንክልከል እተዋህበና ትእዛዝ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ምኽልካል’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ነበረ፧ ክርስትያናት ሓድሽ ይኹን ዝረግአ ደም ኣይወስዱን ነበሩ፣ ደሙ ናይ ዘይፈሰሰ እንስሳ ስጋ እውን ኣይበልዑን ነበሩ። ብተወሳኺውን: ከም ናይ ደም ግዕዝም ዝኣመሰለ ደም ዘለዎም ምግብታት ኣይበልዑን ነበሩ። ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ መገድታት ብዝዀነ ይኹን ደም ምውሳድ ንሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ ነበረ።—1 ሳሙኤል 14:32, 33

ከምቲ ኣብ ናይ ተርቱልያን (ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ.) ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ: ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ደም ምምጋብ ኣየጨንቖምን እዩ ነይሩ። ነቲ ክርስትያናት ደም ይበልዑ እዮም ዚብል ናይ ሓሶት ክሲ ተርቱልያን ክምልሰሉ ኸሎ: ደም ብምጥዓም ውዕል ዚገብሩ ዓሌታት ጠቐሰ። ብተወሳኺውን “ኣብቲ ምርኢት ዝቐርበሉ ቦታታት: [ገሊኣቶም] ነቲ ውዑይ ደም ናይ ገበነኛ ብህርፋን ይሰትይዎ ነበሩ . . . [እዚ ድማ] ካብ ሕማም ባርያ ንኽፍወሱ ኢሎም እዮም ዚገብርዎ” በለ።

እዚ ተግባራት እዚ (ዋላ እውን ገለ ሮማውያን ንጥዕናኦም ኢሎም ዚገብርዎ እንተ ነበሩ) ክርስትያናት ዘይገብርዎ ነገር እዩ ነይሩ። ተርቱልያን “ኣብ መዓልታዊ ምግብና ናይ እንስሳታት ደም እውን ኣይንሕውስን ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። ሮማውያን ንጽህና ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ንምፍታን ደም ዘለዎ ምግቢ ይጥቀሙ ነበሩ። ተርቱልያን ወሲኹ ኸምዚ በለ:- “በሉ እስኪ ተሓተቱ: [ክርስትያናት] ደም እንስሳታት ከም ዝፍንፍኑ ርግጸኛታት ክነስኹም: ንደም ሰብ ይሃርፉ እዮም ምባልሲ እንታይ ነገሩ እዩ፧”

ሎሚ: ሓካይም ደም ኪውሰድ ኪነግሩ ኸለዉ እቲ ጕዳይ ንሕግታት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዚጥሕስ ገይሮም ዚሓስቡ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪነብሩ ኸም ዚደልዩ ዜጠራጥር እኳ እንተ ዘይኰነ: ነቲ ብዛዕባ ደም ዚምልከት ሕጊ የሆዋ ኽንእዘዝ ግን ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ብዓይኒ ዘመናዊ ሕክምና ኺርአ ኸሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ልሙድ እናዀነ ምስ መጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ተግባር ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ፣ ሕጂ እውን ገና ኸምኡ ዓይነት እምነት እዩ ዘለዎም። እንተዀነ ግን: ሕክምና ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ይቀያየር እዩ ዘሎ። ሎሚ መብዛሕትኡ ምትሕልላፍ ዚግበር ብምሉእ ደም ዘይኰነስ ብሓደ ኻብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም እዩ። እዚኣቶም ከኣ:- (1) ቀያሕቲ ዋህዮታት፣ (2) ጸዓዱ ዋህዮታት፣ (3) ፕላትለት፣ (4) ፕላዝማ (ሴረም): እቲ ፈሳሲ ኽፍሊ እዮም። ሓካይም ኣብ ኵነታት ናይቲ ሕሙም ብምምርኳስ ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ወይ ፕላዝማ ኺወሃብ ኪእዝዙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ፈላሊኻ ዚግበር ምትሕልላፍ: ሓንቲ ኣሃዱ ደም ንብዙሓት ሕሙማት ክትጠቅም ተባሂሉ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምውሳድ ምሉእ ደም ወይ ዝዀነ ይኹን ካብቶም ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚጥሕስ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣቕዋም ብምሓዞም ካብቲ ብደም ኪመሓላለፍ ዚኽእል ከም ሕማም ወይቦን አይድስን ዝኣመሰለ ሓዊስካ ኻብ ብዙሕ ሓደጋታት ተዓቚቦም እዮም።

ይኹን እምበር: ንደም ብኻልእ ተወሳኺ መስርሕ ብምሕላፍ እቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም እውን ኪከፋፈል ስለ ዚከኣል: እቲ ኻብዚ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ዚወጽእ ክፋላት ሕቶ የልዕል እዩ። እዚ ኻብቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ዚርከብ ክፋላት ብኸመይ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል: ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ኺውስን ከሎ ኽሓስበሉ ዘለዎ እንታይ እዩ፧

ደም እተሓላለኸ ትሕዝቶ ዘለዎ ፈሳሲ እዩ። እቲ 90 ሚእታዊት ትሕዝቶኡ ማይ ዝዀነ ፕላዝማ እውን ከይተረፈ ሆርሞን: ጨው: ኤንዛይም: ማዕድንን ሽኮርን: ከምኡውን ካልእ ንጥረ-ነገራት ብብዝሒ ዝሓዘ እዩ። ብተወሳኺውን: ፕላዝማ ኸም ኣልቡሚን: ክሎቲን ፋክተርስ (ደም ከም ዚረግእ ዚገብር ረቛሒ): ከምኡውን ሕማም ዚከላኸል ጸረ-ኣካል ዝኣመሰለ ፕሮቲናት ኣለዎ። ክኢላታት ነቲ ኣብ ፕላዝማ ዚርከብ ፕሮቲን ብምውጻእ ይጥቀሙሉ እዮም። ንኣብነት: ነቶም ብሰንኪ ናይ ደም ዘይምርጋእ ብቐሊሉ ዚደምዩ ሰባት ክሎቲን ፋክተር VIII ዚበሃል ንጥረ-ነገር ኪወሃቦም ጸኒሑ እዩ። ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ንገለ ዓይነት ሕማም እተቓልዐ እንተደኣ ዀይኑ: ሓካይም ካብ ናይ ደም ፕላዝማ ናይቶም ነዚ ሕማም እዚ ተጻዋርነት ዘለዎም ሰባት ዝወጸ ጋማ ግሎቢሊን ዚበሃል መድሃኒት ይእዝዙ ይዀኑ። ኣብ ፕላዝማ ዚርከብ ካልእ ዓይነት ፕሮቲን እውን ንሕክምና የገልግል እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ቐንዲ ተዋጽኦ ደም (ፕላዝማ) ብገለ መስርሕ ድሕሪ ምሕላፉ ብኸመይ ካልእ ክፋላት ከም ዝወጾ ዘርኢ ኣብነት ጥራይ እዩ: ካልእ ኣብ ፕላዝማ ዚርከብ ፕሮቲን እውን ኣብ ሕክምና የገልግል እዩ። a

ልክዕ ከምቲ ናይ ደም ፕላዝማ እተፈላለየ ኽፋላት ኪወጾ ዚኽእል: እቲ ኻልእ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም (ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት) እውን ብእተፈላለየ መስርሕ ብምሕላፍ እቲ ዝደቐቐ ኽፋላቶም ክፍለ ይከኣል እዩ። ንኣብነት: ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ናይቲ ብቫይረስ ንዚመጽእ ረኽስን ንሕማም መንሽሮን ንምሕካም ዜገልግል ኢንተርፊርዮን ከምኡውን ኢንተርሊኪን ዚበሃል ነገራት ምንጪ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ፕላትለት ብሓደ መስርሕ ብምሕላፍ ቍስሊ ዜሕዊ ረቛሒ ኼውጽእ ይኽእል እዩ። ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዚርከብ ክፋላት ዝሓዘ (እንተ ወሓደ ኣብ መጀመርታ እቲ መስርሕ) ካልእ መድሃኒታት እውን ይስራሕ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክምና ምስ ምትሕልላፍ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ሕደ ኣይኰነን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኽፋላት ናይቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት እዩ ዚሕዝ። ክርስትያናት ኣብ እዋን ሕክምና ነዚ ኽፋላት እዚ ኺወስዱ ይኽእሉዶ እዮም፧ ነዚ መልሲ ኽንህበሉ ኣይንኽእልን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ደቀቕቲ ዝርዝራት ኣይህብን እዩ: ስለዚ ሓደ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሕልናኡ ኺውስን ኣለዎ።

ገለ ክርስትያናት ዝዀነ ይኹን ክፋል ደም ዘለዎ ነገር (ዋላ እውን ንግዜኡ ተጻዋርነት ዚህብ ክፋላት ይኹን) ምውሳድ ይኣብዩ እዮም። ነቲ ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ዚብል ሕጊ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ እዮም ተረዲኦምዎ። እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ካብ ሓደ ፍጡር ዝወጸ ደም ‘ናብ ምድሪ ኺፈስስ’ እዩ ዚሓትት ነይሩ ዚብል ምኽንያት እውን የቕርቡ እዮም። (ዘዳግም 12:22-24) እዚ ምስዚ ጕዳይ ዚተኣሳሰር ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ጋማ ግሎቢሊን: ካብ ደም እተሰርሐ ክሎቲን ፋክተርስ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንምድላው ደም ኣዋህሊልካ ብገለ መስርሕ ከተሕልፎ ኣሎካ። ስለዚ: ገለ ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ምትሕልላፍ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝነጸግዎ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መድሃኒታት እውን ይነጽግዎ እዮም። እቲ ኻብ ቅኑዕ ሕልና ተበጊሶም ዝሓዝዎ ኣቕዋም ኪኽበረሎም ኣለዎ።

ካልኦት ክርስትያናት ድማ ፍልይ ዝበለ ውሳነ ይገብሩ እዮም። እዚኣቶም እውን ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ወይ ምትሕልላፍ ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ወይ ፕላዝማ ይኣብዩ እዮም። እንተዀነ ግን: ካብቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ብዝወጸ ኽፋላት ገይሮም ንኺሕከሙ ይፈቕዱ ይዀኑ። ኣብዚ እውን እንተዀነ ፍልልያት ኣሎ። ሓደ ክርስትያን ጋማ ግሎቢሊን ኪውጋእ ይፈቅድ: ካብ ቀያሕቲ ወይ ጸዓዱ ዋህዮታት ዝወጸ ኽፋል ዘለዎ መድሃኒት ምውሳድ ግን ይኣቢ ወይ ይፈቅድ ይኸውን። ብሓፈሽኡ: ገለ ክርስትያናት ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዚርከቡ ኽፋላት ክንወስድ ንኽእል ኢና ናብ ዚብል መደምደምታ ኽመርሖም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ኣብ ናይ 1 ሰነ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ”: ኣብ ፕላዝማ ዚርከብ ፕሮቲን ካብ ደም ናይ ነፍሰ-ጾር ኣደ ናብቲ እተፈልየ ስርዓተ ደም ዘለዎ ዕሸል ከም ዚመሓላለፍ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ኣደ ንውላዳ ኣድላዪ ሕማም ናይ ምጽዋር ተኽእሎ ምእንቲ ኺህልዎ ኢሚዩኖግሎቢሊን ተመሓላልፈሉ እያ። ምስቲ ናይታ ኣደ ኸይተራኸበ ናይቲ ዕሸል ቀያሕቲ ዋህዮታት ልሙድ ዑደት ህይወቶም ምስ ወድኡ: እቲ ኦክስጅን ዝሓዘ ኽፋል ብሓደ መስርሕ ይሓልፍ። ገለ ኽፋሉ ቢሊሩቢን ይኸውን: እዚ ኸኣ ብመዳሕንቲ ኣቢሉ ናብታ ኣደ ይኸይድ እሞ ምስ ናይ ኣካላታ ርስሓት ይውገድ። ገለ ክርስትያናት ካብ ቀንዲ ትሕዝቶ ደም ዚወጽእ ክፋላት ብባህርያዊ መስርሕ ናብ ካልእ ሰብ ስለ ዚመሓላለፍ: ነቲ ኻብ ናይ ደም ፕላዝማ ወይ ዋህዮታት ዚወጽእ ክፋላት ደም ኪወስዱ ይውስኑ ይዀኑ።

ኣረኣእያን ኣብ ሕልና ተመርኲስካ ዚግበር ውሳነታትን ኪፈላለ ምኽኣሉ ነዚ ሕቶ እዚ ኣገዳሲ ኸም ዘይከውን ይገብሮዶ እዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ እዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ መሰረታዊ ነገር ኣሎ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትሕልላፍ ምሉእ ደም ኰነ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ይነጽግዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ‘ንጣኦታት ካብ እተሰውአን ደምን ዝሙትን ኪኽልከሉ’ ይእዝዞም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዚወጽእ ክፋላት ብዚምልከት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብጥንቃቐን ብጸሎትን ምስ ኣስተንተነሉ: ብሕልናኡ ኺውስን ኣለዎ።

ብዙሓት ሰባት ብቕልጡፍ የሕዊ እዩ ዚበሃል ዝዀነ ይኹን ሕክምና: ዋላ እውን ንጥዕና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ምዃኑ ዚፍለጥ: ከም ብደም ዚግበር ሕክምና ዝኣመሰለ ንኪቕበሉ ፍቓደኛታት እዮም። ቅኑዓት ክርስትያናት ግን እቲ ዚርአ መዳያቱ ጥራይ ዘይኰነስ ዝሰፍሐን ዝያዳ ሚዛናውን ኣረኣእያ ኺህልዎም እዮም ዚጽዕሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበለጸ ዓይነት ሕክምና ንምሃብ ንዚግበር ጻዕሪ የማስዉሉ እዮም: ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ኸኣ ነቲ ኼስዕቦ ዚኽእል ሓደጋ ምስቲ ረብሓታቱ ብምውድዳር ይመዝንዎ እዮም። ካብ ደም እተሰርሐ መድሃኒታት ምውሳድ ብዚምልከት ግን ብፍላይ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎን ነቲ ምስቲ ወሃብ ህይወትና ዘለዎም ብሕታዊ ርክብን ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ።—መዝሙር 36:9

ሓደ ክርስትያን ከም ናይቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ዝኣመሰለ እምንቶ ምስ ዚህልዎ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ: ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ። ዎ [የሆዋ] . . . ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ”!—መዝሙር 84:11, 12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 15 ሰነ 1978 ከምኡውን 1 ጥቅምቲ 1994 ናይ እንግሊዝኛ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዚብል ኣርእስቲ ርአ። መድሃኒት ዜፍርያ ትካላት ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዝነበረ ኻብ ክፋላት ደም ዝወጸ መድሃኒታት ኰይኑ ዜገልግል ካብ ደም ዘይተወስደ መድሃኒታት ሰሪሐን ኣለዋ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ንሓኪምካ ኽትሓቶ እትኽእል ሕቶታት

ካብ ደም እተሰርሐ ዓይነት መድሃኒት ምጥቃም ዜድልዮ መጥባሕቲ ወይ ሕክምና እንተ ኣጋጢሙካ: ከምዚ ኢልካ ሕተት:-

ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታት: ዝዀነ ዓይነት ደም (ምሉእ ደም: ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ወይ ናይ ደም ፕላዝማ) ምትሕልላፍ ዘይፈቅድ ምዃነይ ከም ዘፍለጥኩ ዅሎም ኣብዚ ሕክምና እዚ እቱዋት ዚዀኑ ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ይፈልጡዶ እዮም፧

ምናልባት ካብ ናይ ደም ፕላዝማ: ቀያሕቲ ወይ ጸዓዱ ዋህዮታት: ወይ ድማ ፕላትለት ዚስራሕ መድሃኒት ኪእዘዘልካ እንተ ዀይኑ: ከምዚ ኢልካ ሕተት:-

እቲ መድሃኒት ብሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም እተሰርሐ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ብኸመይ ከም እተሰርሐ ምገለጽካለይዶ፧

ክንደይ ዚኣክል ካብዚ ኻብ ደም እተሰርሐ መድሃኒት እዩ ኺወሃበኒ: ብኸመይ ኣገባብከ፧

ነዚ ኽፋል ናይ ደም ዘለዎ መድሃኒታት እዚ ኽወስድ ሕልናይ እንተደኣ ፈቒዱለይ: እንታይ ናይ ሕክምና ሓደጋታት ኪህሉ ይኽእል፧

ነዚ ኽፋል ናይ ደም ዘለዎ መድሃኒት እዚ ንኸይቅበል ሕልናይ እንተደኣ ደሪኹኒ: እንታይ ካልእ ዓይነት ሕክምና ኽጥቀም እኽእል፧

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣጸቢቐ ድሕሪ ምሕሳብ ዝበጽሖ ውሳነ መዓስ ክሕብረካ እኽእል፧