ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጳውሎስ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:14 ንመን እዩ “ዘይአምኑ” ዚብል ስያመ እተጠቕመ፧

ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:14 “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ዚብል ነንብብ ኢና። ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ክንርኢ ኸለና: ጳውሎስ ብዛዕባ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይኰኑ ውልቀ-ሰባት ይዛረብ ምንባሩ ንጹር እዩ። እዚ ምርዳእ እዚ በቲ ጳውሎስ ነተን “ዘይኣማኒ” ወይ “ዘይአምኑ” ዚብላ ስያመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕመለን መገዲ ተደጊፉ ኣሎ።

ንኣብነት: ጳውሎስ ንክርስትያናት ናብ መጋባእያ እቶም “ዘይአምኑ” ብምኻዶም ወቐሶም። (1 ቈረንቶስ 6:6) እቶም ኣብዚ ዘይኣምኑ ተባሂሎም ዘለዉ ኣብ ቤት ፍርዲ ቈረንቶስ ዝነበሩ ደያኑ እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ: ሰይጣን “ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣዒንቲ እቶም ዘይኣምኑ ነቲ ወንጌል ንኸይርኢ ‘ብመጋረጃ ተጋሪዱ’ እዩ። ጳውሎስ ኣቐዲሙ “ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና: እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ” ስለ ዝበለ: እዞም ዘይኣመንቲ እዚኣቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይወሰዱን።—2 ቈረንቶስ 3:16፣ 4:4

ገሊኣቶም ዘይኣመንቲ ኣብ ዓመጻ ወይ ኣምልኾ ጣኦት ይሳተፉ እዮም። (2 ቈረንቶስ 6:15, 16) እንተዀነ ግን: ኵላቶም ኣይኰኑን ነገልገልቲ ኣምላኽ ዚጻረሩ። ገሊኣቶም ንሓቂ ተገዳስነት ኣለዎም። ብዙሓት ከኣ ክርስትያን ብዓል/ቲ ቤት ይህልዎም ይኸውን: ምሳታቶም ኪነብሩ ድማ ይደልዩ እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:12-14፣ 10:27፣ 14:22-25፣ 1 ጴጥሮስ 3:1, 2) ይኹን እምበር: ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: ጳውሎስ ነታ “ዘይኣማኒ” እትብል ቃል ነቶም ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይኰኑ ውልቀ-ሰባት እዩ ተጠቒሙላ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ግን ‘ብጐይታ ብዚኣምኑ’ ሰባት እያ ቘይማ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:41፣ 5:14፣ 8:12, 13

ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:14 ዚርከብ መምርሒ ንክርስትያናት ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ጠቓሚ እዩ: ነቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ ክርስትያናት ጥበባዊ ምኽሪ ኸም ዝዀነ ድማ ኪጥቀስ ጸኒሑ እዩ። (ማቴዎስ 19:4-6) ሓደ ህይወቱ ወፍዩ እተጠምቀ ክርስትያን ብጥበብ እንተ ተመላሊሱ: ምስቶም ዘይኣምኑ ሓዳር ኣይገብርን እዩ። ከመይሲ: ስርዓታትን ሸቶታትን እምነታትን እቶም ዘይኣምኑ ሰባት ካብ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ።

ብዛዕባ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑን ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺጽግዑን ዝጀመሩ ውልቀ-ሰባትከ ኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎ ዘለዎ፧ ብዛዕባ እቶም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲኸ፧ ምስቶም ዘይኣምኑ ድዮም ዚጽብጸቡ፧ ኣይፋልን። እቶም ነቲ ብስራት ሓቂ ምዃኑ እተቐበሉን ናብ ጥምቀት ብቐጻሊ ዕቤት ዚገብሩ ዘለዉን ሰባት ዘይኣምኑ ተባሂሎም ኪጽውዑ ኣይግባእን። (ሮሜ 10:10፣ 2 ቈረንቶስ 4:13) ቆርኔሌዎስ ቅድሚ ምጥማቑ ‘ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን’ ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:2

እሞኸ ደኣ እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:14 ዚርከብ ምኽሪ ኸም ሓቂ ኺርአ ኸሎ ንዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ስለ ዘይምልከት: ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ምስ ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ናብ መርዓ ዚምርሕ ስጕምትታት ኪወስድ ጥበባዊ ድዩ፧ ኣይፋልን: እዚ ጥበባዊ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ጳውሎስ ንክርስትያን መበለታት ብዚምልከት “ብእግዚኣብሄር [“ብጐይታ:” NW] ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር: ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ” ብምባል ንየማን ወይ ንጸጋም ዘየብል መምርሒ ሂቡ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:39) ምስዚ ምኽሪ እዚ ብምስምማዕ: እተጠምቁ ክርስትያናት ካብቶም “ብጐይታ ጥራይ” ዚመላለሱ ሰባት እዮም ኪምርዓዉ ተማዒዶም ዘለዉ።

እታ “ብጐይታ” እትብል ቃልን እታ ምስኣ እትተኣሳሰር “ብክርስቶስ” እትብል መግለጽን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 16:8-10 ከምኡውን ኣብ ቈሎሴ 4:7 ብዛዕባ እቶም “ብክርስቶስ” ወይ “ብጐይታ” ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ተዛሪቡ ኣሎ። ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን እንተደኣ ኣንቢብካየን: እቶም ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባት ‘መዓይይቲ:’ ‘እተፈተኑ:’ ‘ፍቑራት ኣሕዋት:’ ከምኡውን ‘እሙናት ኣገልገልቲ’ ምዃኖም ክትግንዘብ ኢኻ።

ሓደ ሰብ ‘ብጐይታ መዓይይቲ’ ወይ ባርያ ዚኸውን መዓስ እዩ፧ ከምዚ ዚኸውን እቲ ባርያ ኺገብሮ ዚግባእ ብፍቓዱ ምስ ገበረን ህይወቱ ምስ ቀበጸን እዩ። የሱስ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” ብምባል ገለጸ። (ማቴዎስ 16:24) ሓደ ሰብ ህይወቱ ንኣምላኽ ምስ ወፈየ: ንክርስቶስ ኪስዕብን ንፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪግዛእን ይጅምር። ድሕሪኡ ይጥመቕ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣገልጋሊ ድማ ይኸውን። a ስለዚ እምበኣር: ‘ብጐይታ ምምርዓው’ ኪበሃል ከሎ: ንሓደ ህይወቱ ወፍዩ “ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ” ብምዃን ናይ ብሓቂ ኣማኒ ኸም ዝዀነ ዘርኣየ ሰብ ምምርዓው ማለት እዩ።—ያእቆብ 1:1

ሓደ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዕን መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብርን ሰብ ዚነኣድ ተግባር እዩ ዚገብር ዘሎ። ይኹን እምበር: ገና ህይወቱ ንየሆዋ ንምግልጋልን መስዋእቲ እናኸፈለ ንምምልላስን ኣይወፈየን። ገና ኣድላዪ ለውጢ ይገብር እዩ ዘሎ። ኣብ ህይወቱ ኸም መርዓ ዝኣመሰለ ኻልእ ዓብዪ ለውጢ ቕድሚ ምግባሩ: ነቲ ህይወቱ ወፍዩ እተጠምቀ ክርስትያን ምዃን ዜጠቓልል ዓብዪ ለውጢ ኣብ መፈጸምታኡ ኼብጽሖ ኣለዎ።

ንሓደ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ዕቤት ዚገብር ዘሎ ሰብ: ምናልባት ምስ ተጠምቀ ንኽትምርዓዎ መደብ ብምግባር ወረዘ ምጅማር ጥበባዊ ድዩ፧ ኣይፋልን። ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ እተጠምቀት ክርስትያን ክትምርዓዎ ኸም እትደሊ: ግን ከኣ ክሳዕ ዚጥመቕ ክትምርዓዎ ፍቓደኛ ኸም ዘይኰነት እንተ ፈሊጡ: ዚጥመቐሉ ዕላማ ኽደናገሮ ይኽእል እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ውልቀ-ሰብ ናብ ጥምቀት ክሳዕ ዚበጽሕ ንእተወሰነ እዋን እዩ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ዚጸንሕ። ስለዚ: እቲ ኣብ ላዕሊ ዚርከብ ብጐይታ ኽንምርዖ እተዋህበ ማዕዳ ኸቢድ ጾር ኣይኰነን። ሓደ ኣብ ክርስትያን ስድራቤት ዝዓበየ ሰብ: ንመርዓ ዝኣኸለ: ኣብታ ጉባኤ ንገለ ዓመታት ብንጥፈት ዜገልገለ: ከምኡውን ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ምስ ዚኸውንከ፧ ንምዃኑ ህይወቱ ንየሆዋ ንኸይውፊ ዚዓግቶ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይ እዩ ዚወላወል ዘሎ፧ ምጥርጣራት ኣለዎ ድዩ፧ ዘይኣማኒ እኳ እንተ ዘይኰነ: “ብጐይታ” እዩ ኺበሃል ግን ኣይከኣልን እዩ።

ጳውሎስ ብዛዕባ መርዓ ዝሃቦ ማዕዳ ንጥቕምና እዩ። (ኢሳይያስ 48:17) እቶም ኪመራዓዉ ዚደልዩ ኽልቲኦም ህይወቶም ዝወፈዩ እንተ ዀይኖም: ቃል ኪዳኖም ዱልዱልን መንፈሳዊ ሰረት ዘለዎን ይዀነሎም ሓደ ዓይነት ስርዓታትን ሸቶታትን ድማ ይህልዎም። እዚ ንሓጐስ ዝመልኦ ሓዳር ብዙሕ ኣበርክቶ ኣለዎ። ብዘይካዚውን: ሓደ ሰብ ‘ብጐይታ ምምርዓዉ’ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት እዩ ዜርኢ። ንየሆዋ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” ስለ እተባህለሉ ኸኣ ከምዚ ዚገብር ሰብ ነባሪ በረኸት እዩ ዚረክብ።—2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነቶም ጳውሎስ ብቐዳምነት ዚጽሕፈሎም ዝነበረ ቕቡኣት ክርስትያናት ‘ብጐይታ መዓይይቲ’ ወይ ብጐይታ ባርያ ምዃን ኪበሃል ከሎ: ከም ደቂ ኣምላኽን ኣሕዋት ክርስቶስን መጠን ምቕባእ እውን ዜጠቓልል እዩ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን” እዩ