ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ: ነታ ብግሪኽኛ “ተኣምር” እትውክል ቃል ከም ዘይጥቀመላ ምፍላጥ የገርመካ ይኸውን። እታ ሓድሓደ ግዜ “ተኣምር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል (ዲናሚስ): ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ “ሓይሊ” ማለት እያ። (ሉቃስ 8:46) ‘ዓቕሚ’ ወይ ‘ግብሪ ሓይሊ’ ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 11:20፣ 25:15) ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ: እዛ ናይ ግሪኽ ቃል እዚኣ “ነቲ እተገብረ ሓይሊ: ብፍላይ ከኣ በየናይ ሓይሊ ኸም እተፈጸመ ተጕልሕ። እቲ ፍጻመ ድማ ሓይሊ ኣምላኽ ዚጐልሓሉ ዀይኑ እዩ ዚግለጽ።”

ካልእ “ድንቂ” ወይ “መስተንክር” ተባሂላ ኽትትርጕም እትኽእል ናይ ግሪኽኛ ቃል (ተራስ): ኣብቶም ተዓዘብቲ ዚህሉ ጽልዋ እያ እተጕልሕ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ህዝብን እቶም ደቀ መዛሙርትን በቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ሓይሊ ይድነቑን ይግረሙን ነይሮም እዮም።—ማርቆስ 2:12፣ 4:41፣ 6:51፣ ሉቃስ 9:43

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ኣብ ምግላጽ እተገልግል ሳልሰይቲ ናይ ግሪኽኛ ቓል ከኣ (ሲሚዮን) “ትእምርቲ” ወይ “ምልክት” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ሮበርት ደፊንባው ዚበሃል ምሁር: ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ “ኣብቲ ዓሚቝ ትርጕም እቲ ተኣምር እያ እተተኵር” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ትእምርቲ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ እቲ ሓቂ ዚገልጽ ተኣምር እዩ” በለ።

ምትላል ድዩ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ንሰባት ንምዝንጋዕ ተባሂሉ እተገብረ ሽጣራ ወይ ምትላል ገይሩ ኣይገልጾን እዩ። የግዳስ: ከምቲ የሱስ ካብ ሓደ ወዲ ጋኔን ኬውጽእ ከሎ እተራእየ: ‘ዕቤት ሓይሊ ኣምላኽ’ እተራእየሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 9:37-43 ትርጕም 1990) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ዚረኣየሉ ተግባር ነቲ ‘ሓይሉ ኣዝዩ ዓብዪ’ እተባህለ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዚጨንቆ ድዩ፧ (ኢሳይያስ 40:26 ትርጕም 1990) ከቶ ኣይጨንቆን እዩ!

ጸብጻባት ወንጌል ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ንገለ 35 ዚኸውን ይጠቅስ። እንተዀነ ግን: እቲ ዝገበሮ ተኣምራቱ ዅሉ ኣይኰነን ተገሊጹ። ንኣብነት: ማቴዎስ 14:14 “የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ: ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ደንገጸሎም: ሕሙማቶምውን ኣሕወየ” ትብል። ኣብቲ ግዜ እቲ ኽንደይ ሕሙማት ከም ዘሕወየ ግን ኣይተገልጸን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ዚረኣየሉ ተግባር: የሱስ ወዲ ኣምላኽን መብጽዓ እተገብረሉ መሲህን ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። የሱስ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ኣቢሉ ተኣምራት ከም ዝገበረ ቕዱሳት ጽሑፋት ይሕብር። ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ” ብምባል ንየሱስ ገሊጽዎ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:22) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ “ኣምላኽ [ንየሱስ] ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ: ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ: እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ: ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኵሎም ከኣ ከም ዘሕወየ: ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም” ብምባል ተዛረበ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:37, 38

የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ምስቲ መልእኽቱ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ እዩ ነይሩ። ማርቆስ 1:21-27 እቶም ህዝቢ በቲ ምህሮኡን በታ ዝረኣይዋ ተኣምርን ከመይ ከም እተሰምዖም ትገልጽ። ማርቆስ 1:22 እቶም ህዝቢ “በቲ ምህሮኡ ተገረሙ” ድሕሪ ምባል ኣብ ቍጽሪ 27 ጋኔን ምስ ኣውጽአ እቶም ህዝቢ “ሰምበዱ” ወይ “ተገረሙ” (ትርጕም 1990) ትብል። እቲ የሱስ ዝገበሮ ሓይልን ዘመሓላለፎ መልእኽትን እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖ እዩ።

የሱስ መሲህ ምዃኑ ብኣፉ ጥራይ ኣይኰነን ገሊጹ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ቓላቱን ተግባራቱን: መሲህ ምዃኑ በቲ ኣብቲ ዝፈጸሞ ተኣምራት እተራእየ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ተረጋጊጹ እዩ። ብዛዕባ ስልጣኑን መዝነቱን ሕቶ ምስ ተላዕለ: “እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ: እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ: ንሱ ኣቦይ ከም ዝለአኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ: ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ [መጥምቕ] ዚዐቢ ምስክር አሎኒ” በለ።—ዮሃንስ 5:36

ሓቅነት እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ዚሕብር መርትዖ

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብሓቂ ኸም እተፈጸመ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ገለ ኻብቲ ንሓቅነቱ መርትዖ ዚዀነና ነገራት እስከ ንርአ።

የሱስ ሓይሉ ዚንጸባረቐሉ ተኣምራት ኪገብር ከሎ: ሰባት ናብ ርእሱ ኸም ዜተኵሩ ኣይኰነን ዚገብር ነይሩ። ዝዀነ ይኹን ተኣምር ኪፍጽም ከሎ: ንኣምላኽ ክብሪ ኸም ዚወሃብ ይገብር ነበረ። ንሓደ ዕዉር ቅድሚ ምሕዋዩ: “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ” ብምባል ዜሕውየሉ ምኽንያት ገለጸ።—ዮሃንስ 9:1-3፣ 11:1-4

የሱስ ከም ሰረይትን ኣስማተኛታትን ፈወስትን ኣይነበረን: ምዕንዛዝ: ሽጣራ: ትንግርታዊ ትርኢት: ስሒር: ከምኡውን ስምዒት ዚማርኽ ጽምብል ኣይተጠቕመን። ማሪት ወይ ከም ቅዱስ ዚርአ ኣቕሓ ድማ ኣየዘውተረን። ንኽልተ ዕዉራት ኬሕዊ ኸሎ ብዘይ ጃህራ ኸም ዝገበሮ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጸብጻብ “የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ: ብኡብኡ ረአዩ ሰዐብዎ ድማ” ይብለና። (ማቴዎስ 20:29-34) ፍልይ ዝበለ ጽምብል ወይ ናይ ርኣዩለይ ነገራት ኣይገበረን። ብጋህዲ እዩ ተኣምራት ዚገብር ነይሩ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ብዓይኖም ይርእይዎ ነይሮም እዮም። ፍሉይ መብራህቲ: መድረኽ: ወይ ካልእ ናውቲ ኣየድለዮን። ኣብዚ ግዜና ተገይሩ ዚበሃል ተኣምራት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብሰነድ እተደገፈ መርትዖ የብሉን።—ማርቆስ 5:24-29፣ ሉቃስ 7:11-15

ሓድሓደ ግዜ የሱስ ነቶም ተኣምራት ዝገበረሎም ሰባት እምነት ከም ዘላቶም ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ እምነት ስለ ዝጐደለቶ ንየሱስ ተኣምር ካብ ምግባር ዓጊትዎ ኣይፈልጥን። ኣብታ ኣብ ገሊላ እትርከብ ከተማ ቅፍርናሆም ከሎ: “ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። . . . ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ: ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።”—ማቴዎስ 8:16

የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ተዓዘብቱ ንኺድነቑ ኢሉ ዘይኰነስ: ነቶም ተኣምራት ዚግበረሎም ሰባት ንምጥቃም እዩ ነይሩ። (ማርቆስ 10:46-52፣ ሉቃስ 23:8) ብዘይካዚውን: የሱስ ረብሓ ኺረክብ ኢሉ ተኣምራት ኣይገበረን።—ማቴዎስ 4:2-4፣ 10:8

ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻባት ዜተኣማምን ድዩ፧

ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ዚገልጽ ጸብጻብ: ኣብቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ኢና እንረኽቦ። ንሓቅነት እቲ የሱስ ገይርዎ ዚበሃል ተኣምራት ክንምርምር ከለና: ነዚ ጸብጻባት እዚ ንምእማን ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎናዶ፧ እወ: ኣሎና።

ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ: የሱስ ነዚ ተኣምራት እዚ ብዙሓት ብዓይኖም እናረኣይዎ ብጋህዲ እዩ ፈጺምዎ። ካብተን ወንጌላት እተን ናይ መጀመርታ መብዛሕትኦም እቶም ብዓይኖም ዝረኣዩ መሰኻኽር ብህይወት ከለዉ እየን ተጻሒፈን። ሓንቲ ዘ ሚራክልስ ኤንድ ዘ ረዘረክሽን ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓቅነት እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ከምዚ ትብል:- “እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ንሃይማኖታዊ ፕሮፓጋንዳ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሎም ነቲ ታሪኻዊ ሓቂ ብዙሕ ተኣምራት ወሳሲኾም ከም ዝቐበርዎ ጌርካ ምኽሳሶም ቅኑዕ ኣይኰነን። . . . ካብ ሓቂ ተበጊሶም እዮም ጽሒፎምዎ።”

እቶም ኣይሁዳውያን ተጻረርቲ ክርስትና: ነቲ ኣብ ወንጌላት እተገልጸ ተኣምራት ከም ዘይተፈጸመ ገይሮም ኣይተኸራኸሩን። ብምንታይ ሓይሊ ነዚ ይገብሮ ምንባሩ ጥራይ እዮም ኣብ ሕቶ ዘእትዉዎ ዝነበሩ። (ማርቆስ 3:22-26) ጸኒሖም ዝመጹ ነቐፍቲ እውን ንተኣምራት የሱስ ኣይከሓድዎን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ዚገልጽ መወከሲታት ይርከብ እዩ። እምበኣር: ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ዚገልጽ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻባት ሓቂ ኸም ዚዀነ ጌርና ኽንቅበሎ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና።

እቲ ነዚ ተኣምራት ዝፈጸመ ሰብኣይ

ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ዚግበር ምርምር: ሓቂ ኸም ዝዀነ ጥራይ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ኪኸውን ኣይግባእን። ወንጌላት ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ሓይሊ ኺገልጽ ከሎ: ብዛዕባ ሓደ ንሰባት ኣጸቢቑ ዚሓሊ ለዋህን ደንጋጽን ሰብኣይ እዩ ዚገልጸልና።

ንኣብነት: ሓደ ለምጻም “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ኽልምኖ ኸሎ እንታይ ገበረ፧ የሱስ “ደንገጸሉ:” ኢዱ ዘርጊሑ ተንክዩ ኸኣ “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ብኡንብኡ ሓወየ። (ማርቆስ 1:40-42) በዚ ኸምዚ የሱስ ብሓልዮት ተደሪኹ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ ተኣምራት ከም ዚገብር ኣርኣየ።

የሱስ ካብ ከተማ ናይን ቀባሮ ኺወጹ ኸለዉ ምስ ኣጓነፍዎ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ እቲ ሞይቱ ዝነበረ ጐበዝ ንሓንቲ መበለት ሓደ ወዳ እዩ ነይሩ። የሱስ ነታ ሰበይቲ “ደንገጸላ:” ናብኣ ቐሪቡውን “ኣይትብከዪ” በላ። ድሕሪኡ: ንወዳ ኣተንስኦ።—ሉቃስ 7:11-15

ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንረኽቦ ዜጸናንዕ ትምህርቲ: ‘ይድንግጽን’ ንሰባት ኪሕግዝ ኢሉ ይገብሮን ምንባሩ እዩ። እንተዀነ ግን: ተኣምራት ነበረ ጥራይ ተባሂሉ ዚተርፍ ነገር ኣይኰነን። እብራውያን 13:8 “የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ” ትብል። ሕጂ የሱስ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ: ካብቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን ብዝበለጸ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ተኣምራት ኪገብር ዝሃቦ ሓይሊ ኺጥቀመሉ ተዳልዩ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ንእዙዛት ደቅሰብ ንምሕዋይ ኪጥቀመሉ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ ብሩህ ተስፋ ምእንቲ ኽትፈልጥ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ‘ዕቤት ሓይሊ ኣምላኽ’ ተራእየሉ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ለዋህ እዩ ነይሩ